ካብ ዝኽረይ ዘይክወሉ ብጾተይ!

No comments

ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)

መስከረም መጸት፡ ነቶም ንዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ወዲ ሰብ ክነብረሉ ኣብ ዘይክእል ኮንተይነራት፡ ኣብ  ከቢድ ጸቕጢ ክሊማ ብዓመጽ ዝተኣስሩ ኣርካናት መራሕተይን መሳርሕተይ ነበር ጋዜጠኛታትን  እናኽዝክር፡ መሪር ቃንዛ ይስመዓኒ። እዚ ከቢድ ቃንዛን ጓህን ከኣ፡ “ጸላኢ” ንዝብሎ ዝኾነ ይኹን ወገን  እውን  ኣይምነየሉን’የ።

እዞም ‘ንህዝቢ ዝኣተናሉ መብጽዓ ይተግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ፡ ሕሉፍ ጌጋታትና ይተኣረም፡ ብግዝኣተ ሕጊ እትመሓደር ሃገር ንትከል’ ስለ ዝበሉ፡ ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ብጾተይን መሳርሕተይን ወትሩ ብዓይነ ሕልና እዝክሮም።

ካብ ንእስነቶም፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝኸፈሉዎ ዋጋን ክሳብ እዚ ንጸውየሉ ዘሎና ዘሕዝን ተረኽቦ መስከረም ዝኸዱዎ መትከላዊ እምቢታ ተዛሪብካን ጽሒፍካን ዝውዳእ ኣይኮነን።

በብ’ቲ ዝነበረኒ ፍልጠትን ቅርበትን ምስ ነብሲ ወከፎም  ብዝኽረ ሓሳብ ጉጅም ይብል። የዛርቦም የዛርቡኒ፤ የዕልሎም የዕልሉኒ፤ብፍላይ እቶም ኣብ በረኻን ዓድን፡ ኣብ ቃልስን ዓወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየን ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጀሽዋ)ን ሕልና ዝኹሕኩሕ ብዙሕ ሕቶታት ይሓቱኒ! ንሕቶታም ግን  ምላሽ ይስእነሉ።

ምስዞም ክልተ ብጾት ሌላና ልዕሊ 40 ዓመታት ኣሕሊፉ’ሎ። እቲ ዝበዝሐ ዓመታት ካብኡ  ግን ድሃይ ሓድሕድ ክንወሃሃብ ኣብ ዘየፍቅድ ጸላም፡ ብጭንቅን መከራን ዘሕልፍዎ ዘለው እዩ። ቅድሚ እዚ ኩሉ ዓመታት መኣስን ኣበይን እንታይ ተበሃሂልናን አዕሊልናን ኣይርስዖን እየ።

ሻድሻይ ወራር ምስ ፈሸለ፡ ባህሊ ብርጌድና፡ ኣብ ዝገበሩልና ናይ ምዝንጋዕ ምርኢት፡ ብቤትሮማክስ ኣብ ዝበርህ መድርኽ ክዋሳእ እንከሎ’የ ርእየዮ – ንጆሽዋ። ኣብቲ እዋን ዳርጋ ኩለን ጉጅለታት ባህሊ ብርጌዳትን ውድብን፡ ነቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቀጻሊ ደማዊ ውግእ ተጸሚዱ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ንዝኸፈለን ንምግላጹ ዝኸብድ መሪር እዋን ዘሕለፈን ተጋዳላይ፡ ናይ ቃልሲ ወኑ ብምሕዳስ ሞራሉ ክብ ንምባል ኣብ ጽዑቕ ጎስጓስ እየን ተጸሚደን ነይረን።

እቶም ካብ ድፋዓት ዝወረድና ተዓዘብቲ፡ ነቶም ሰውራዊ ደርፍታት ዝደርፉን ዝዋስኡን ዝነበሩ ኣባላት ባህሊ ብርጌድና ብፍሉይ ኣንክሮ ንዕዘቦም ነይርና።

ጀሽዋ፡ ኣብታ “ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ዘርእስታ ዝመስለኒ ሽዑ ዝተዋስኣ ድራማ፡ ንሓደ ኩለንትንኡ ንቃልሲ ዝወፈየ ተጋዳላይ ብምውካል፡ ንዝፈትዋ ኣፍቃሪቱ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ትኸይድ፡ ኣብ ቃልሲ ተሰሊፋ ምእንቲ ህዝባን ሃገራን እጃማ ከተበርክት፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብታ ብመስዋእቲ ደቃ እትረጋገጽ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምውቕ ፍቕርን ሓዳርን ተኺሎም፡ ከምዝነብሩ፡ ናብኡ ንምብጻሕ ግን እቲ ካብኣ ዝሕተት ዋጋ ክትከፍል ከምዝግባእ’ዩ ከእምና ዝጽዕር ነይሩ።

ጀሽዋ ገጹ ብፍሽኽታ ኣድሚቑ ህድእ ኢሉ ክዛረብ እንከሎ እቲ ናይ ፍቕርን ቃልስን ዝርርቦም ከም ምኡዝ ሙዚቃ ኣብ አእዛንና ይፈስስ ነበረ። እታ ኣፍቃሪት፡ ብዛዕባ ፍቕራ፡ እቲ ተጋዳላይ፡ ብዛዕባ ቃልስን መስዋእትን ክዘራረቡ እንከለው፡ እቶም ተዓዘብቲ፡ ነቲ ብመግዛእታዊ ግፍዕን በደልን ዝተኾልፈ ህይወትና፡ “ብመኸተናን መስዋእትናን ክንመልሶ ኢና” ዝብል ኒሕና ይብርኽ ምንባሩ እዝክር።

እቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ተወዲኡ፡ ነናብ ድፍዓትና ምስ ተመለስና ከኣ ነቲ ሽዑ ዝሰማዕናዮ ደርፍታትን ዝተዓዘብናዮ ድራማታትን ንኣዋርሕ ንደጋግሞ ነይርና። ኣብቲ እዋን፡ ንጀሽዋ፡ ኣብ መድረኽ ርእየዮ እምበር ኣየዛረብኩዎን። በቲ ናይ ምውሳእ ዓቕሙን ግርምኡን ግን ኣብ ዝኽረይን አእምሮይን ዓቢ ቦታ ሒዙ።

ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ዓመት፡ ብዝነበረኒ ናይ ስነ ጽሑፍ ዝንባለ፡ ካብ ድፋዕ ምስ ተሰሓብኩ፡ ኣብ ክ/ሰ 61 ምስ ጀሽዋ ደቂ ጋንታ ኬይንና።  ደቂ ጋንታ ምዃን ማለት ከኣ፡ ከም ሓንቲ ስድራ ምንባር ማለት እዩ። ስለዝኾነ ኣብ እግሪ ዓበይቲ ጎቦታት ናቕፋ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ እተደኮነ ኣባይቲ ዝበዝሕ እናሰሓቕና ንሓንሳብ እናተዃረና፡ ተነቓቒፍና እናተዓረቕና፡ ክሳብ ናጽነት ብሓባር ተጓዒዝና። ክሳብ’ታ ተጨውዩ ዝተሰወረላ ግዜ ከኣ ከም ብጾትን መሳርሕትን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንራኸብን ነዕልልን ነይርና።

ስለዝኾነ እዩ ይመስለኒ ጀሽዋን ስዩምን በብመገዶም ኣብ ዝኽረይ ዘይሃስስ ምልክት ኣለዎም።

ስዩም፡ ነቓፊ ጋዜጠኛ፡ ዘደንቖ ናይ ውግእ ሰኣላይ (ዎር ፎቶግራፈር)ን’ዩ ነይሩ። ንስዩም ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ 1986 ኣብ እምባ ደንደን’የ ርእየዮን ተላልየዮን። ኣብቲ እዋን ኦፕሬተር ሓይሊ ናይታ ኣብ እምባ ደንደን ዓሪዳ ዝነበረት ሓይሊ-22፡ ቦጦሎኒ -2 ብርጌድ-13 ናይ ክፍለ ሰራዊት 61 እየ ነይረ። ሽዑ ስዩም፡ ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሃገራዊ መርሓ ጨንፈር ስእሊ፡ ንሓደ ጆናታን ዝተባህለ ኢንግሊዛዊ ሰኣላይ-ጋዜጠኛ ኣሰንዩ ንእምባ ደንደን መጺኡና።

እቲ ቅንያት እምባ ደንደን፡ ብዝናብ ኣጽዋር ወራር ባሕሪ ነጋሽ ተሓራሪሱ፡ ዘማዕርጎ ዝነበረ ኣግራቡ ተመላዒሱ፡ እቲ ኣኻውሕ ተቦናቚሩ፡ እቲ ድፍዓት ተፈሓሒሩ፡ እቲ መሬት ብናፓልም ነዲዱን ሓሪሩን እዩ።  ዋላ እውን ንውሑድ ሰዓታት እንተኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ምርብራብ ግንባር ናቕፋ እምባ ደንደን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቐትሉ በዳሂ እዋን እዋን’ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ እቶም ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪድና ዝነበርና ኣሃዱታት፡ ነቲ ብዘየቋርጽ ደብዳብ ኣጽዋር ዝዓነወ ድፍዓትና ንምሕዳስ ኣብ ንጡፍ ማእቶታዊ ንጥፈታት ኢና ተጸሚድና ነይርና።

ስዩም፡ ነቲ ንውዕሎ ሓንቲ ተዋጋኢት መስርዕ ብስእሊ ሰኒዱ፡ ኣብ ሚድያታት ዓዲ ኢንግሊዝን ዓለምን ብምዝርጋሕ ንፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኸላሊ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽአ ጋዜጠኛ መሪሑ’ዩ ናብ እምባ ደንደን መጺኡና።

ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ ነቶም ብረሃጽ ጠልቅዮም ዝመጽኡና ኣጋይሽ ኣነ እየ ተቐቢለዮም። ብሻህን ቅጫ ወዲ ዓከርን ተዓንጊሎም ቅሩብ ምስ አዕረፉ ናብቲ ምስ ጸላኢ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዓሪድናሉ ዝነበርና  ድፋዕ ወሲደ ምስቲ ቦታታት ኣላልየዮም። ንጽባሒቱ ዝዕመም ስራሕ ስለዝነበሮም ከኣ ምሳና ሓዲሮም።

ንጽባሒቱ፡ ነቲ ዝተወጠነ ሓሳብ ምትግባር ኮነ። ናይ ጴጥሮስ (ኣልማዝ) እያ ነቲ ዕማም ተሓርያ፤ ኣነ ድማ ከም ኦፕሬተር ምስኣ ተዋሲአ። ጆናታን ንነብሲ ወከፍ ንጥፈታት እታ መስርዕ ብዝተፈላለየ ካሜራታት ዕረፍቲ ብዘይብሉ ቅላዕ ታሪኽ ይስንድ ነይሩ ስዩም ግን ስሕት ኢሉ ጥራሕ እዩ ዝስእል ነይሩ።

ክልቲኦም ኣጋይሽ፡ ስርሖም ወዲኦም ንቦትኦም ቅድሚ ምንቃሎም፡ ስዩም፡ ‘ውዕሎ ሓንቲ መስርዕ ኣብ ሓደ ዕለት’ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዕለታዊ ተመኩሮይ ኣብ ሓንቲ ገጽ ጽሒፈ ክህቦ ሓተተኒ።

ከምቲ ዝሓተተኒ፡ ሓንቲ መስርዕ፡ ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትዓርብን ኣብ ለይቲ እትፍጽሞ ንጥፈታታን ጽሒፈ ሃብኩዎ’ሞ፡ ካብቲ ዝሰኣሉና ስእልታት ክሰዱልና ምዃኖም ተመባጺዖምልና ኣብ እምባ ደንደን ሓዲጎሙና ነናብ ቦተኦም ተመልሱ። እንተኾነ ንነዊሕ ዓመታት ደጊምና ደሃዮም ኣይረኸብኩን፤ ምስ ምንዋሕ ግዜ ከኣ ረሲዐዮም።

ድሕሪ ናጽነት፡ ሓደ መዓልቲ ብዘይተጸበኽዎ ኣጋጣሚ ምስቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ እምባ ደንደን ዝረኣኹዎ ተጋደላይ ዳግማይ ተራኸብኩ። ኣብ ዓሰብ ዝተለላኹዋ ተጋዳሊት ሙሉ ጸሃየ  ኣብ ጸጸራት ናብ ዝርከብ ገዝኦም ስለዝዓደመትኒ፡ ዕድመኣ ኣኽቢረ ካብ ቃኘው ንገዝኦም ከድኩ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ነናቶም ፍሉይ ቅያ ምዘለዎም ክልቲኦም ወለዳ፡ ኣደይ ሮማን ኣቦይ ጸሃየን እናዕለልና፡ ቅድሚ  ሓሙሽተ ዓመታት ዝረኣኹዎ’ሞ ገና ዘይጋገኽዎ ምስሊ ኣብቲ ገዛ ተጸምበረና – ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ እዩ ነይሩ።

ዝፈልጠካ እመስኒ ብምባል ነቲ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ኣዘኪረዮ። ቁሩብ ሰጋእጋእ ኢሉ’ኳ እንተነበረ፡ ምስ ኢንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ጆናታን ኣብ እምባ ደንደን ምስ በልኩዎ፡ ተቐዳዲሙ፡ ነታ ኣብ ምፍልላይና ዝሃብክዎ ጽሕፍቲ ጠቒሱለይ። ንዓይ እንተገገየኒ ነታ ጽሕፍቲ ግን ኣይረሰዓን። ብድሕሪ’ዚ ምስ ስዩም ካብ ድልዱል ብጻይነትን ዕርክነትን ሓሊፉ፡ ክሳብ ስድራ ዝጸንበረ ሕውነት ኣማዕቢልና፡ “ኑዛዜ”ን “ህይወት ብእምነት” ዘርእስተን ክልተ መሃርቲ ፊልምታት ብሓባር ኣፍሪና።

ህዝባዊ ቅያታት ሰውራን ልምዓታዊ ንጥፈታት ጽባሕ ዓወትን  እናሰነድና ንህዝቢ ዘነቓቕሕ ተኸታታሊ ፊልምታት ከነፍሪ እናተበጋገስና ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998 – 2000 ኣጋጢሙ።

ብድሕሪዚ ኣነ ተሰዲደ፡ ስዩም ብጨካን መሓውር ምልኪ መሰሉ ተጓሂሱ ብዓመጽ ተኣሲሩን ንልዕሊ 24 ዓመታት ደሃይ ኣብ ዘይርከቦ ሸላታት ዒላዒሮ ተሰዊሩ ይርከብ። ይኹን እምበር ዋላ’ኳ ብኣካል እንተተፈልየኒ ብሓሳብን መንፈስን ግን ወትሩ ካብ ዝኽረይ ተፈልዩ ኣይፈልጥን’ዩ።

እነሆ ከኣ በብውልቅና ነብሲ ወከፍ መዓልቲ፤ ብሓባር ድማ ነፍሲ ወከፍ መስከረም፡ ነቶም ብዘይ ፍትሕን ብጥሕሰት ሕግን ተሰዊሮም ዘለዉ፡ ብጾትና፡ ኣዕሩኽና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣባላት ስድራ ቤትናን ደቂ ሃርናን ክንዝክር፡ ኣዘየን ብዙሓት መስከረማት ኣሕሊፍና ኣለና።

እዞም ጋዜጠኛታት ምእንቲ ሞያኦም ዝኸፈሉዎ ዋጋ ብቓላት ምግላጹ ይኸብድ’ዩ። እታ ስዩምን ጆሽዋን ብጾቶምን ብዓይነ ሕልና ዝሓቱኒ’ሞ ምላሽ ዘይረኽበላ፡ ‘ናይ ብሓቂ’ዶ እቲ ዝግበኣኩም ትገብሩ ኣለኹም?” እትብል ሕቶ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጸምቢረ፡ ንሕና’ኸ እንታይ ጌርና? ብእትብል ሓባራዊት በዳሂት ሕቶ ምስ ስንፍናይ ይራጸም።  ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዓመጽን ርግጸት ሕግን፡ ብሓደ ድምጺ ተቢዕናን ጸኒዕናን ስለ ዘይተቓለስና እዮም ኣርካናትና ብጾትና ን24 ዓመታት ተኣሲሮም ተሰዊሮም ዘለው። ብነብሰ ፍትወትናን ሕመቕናን ኣብ ስቓዮም ኣበርክቶ ስለዘለና ከኣ ሕፈረት ይስመዓኒ።

ስዩም “መፍትሒ ኩሉ ጸገማት ዘተን ልዝብን’ዩ” ዝብል ጽኑዕ መትከል ነይርዎ። እዚ መትከልዚ ከኣ እዩ ካብታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት በዅሪ ጓሉ ኣቤን ካብ ማህጸን ወጺኣ ንፋስ ኣዱንያ ዘይረኣየት ቤይሉላን  ፈላልዩዎ። ተቓላሲ ፍትሒ ቅድሚ ነብሱን ፈተውቱን ዝሰርዐ ነገር እንተልዩ እዚ ስዩምን ብጾቱን ዝገበሩዎ እዩ። ነዞም እቲ ንሕና ክንገብሮ ዘይከኣልና ዝገበሩ ኣርካናትና ከኣ ኣኣብ ልባትና ብፍቕሪ ክንጽምብሎም ሃገራዊ ግደታ ኣሎና።

ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ፡ ብጨካን ምልካዊ ምሕደራ ተመሳሳሊ ሕሰምን መከራን ዘሕልፉ ዘለው ዜጋታትና ንምዝካር ምብኣር’የ፡ ንጆሽዋን ስዩምን ብምውካል ዝኽረይ ዘካፍል ዘለኹ።ጽባሕ ንግሆ ፍትሒ ነጊሱ፡ ዝደመየ ልባትና ተደቢሱ፡ ኣርካናትና ዛንትኦም ባዕላቶም ክሳብ ዝነግሩና ንዝኸፈልዎ ረዚን ዋጋ ክንምስክር ኢና። ፈጺምና’ውን ኣይክንርስዖምን ኢና።