poem: Habtka by Reesom Haile
ሓብትኻ
ጓል ኣደኻ
ጓል ኣቦኻ
ጓል ሓትነኻ
ጓል ሓወቦኻ
ጓል ኣሞኻ
ጓል ኣኮኻ
ጓል ሓውኻ
ጓል ሓብትኻ
ጓል ኣያኻ
ጓል ሳንዳኻ
ጓል መን እያ እዚኣ በጃኻ፧
ጓል ገዛውትኻ
ጓል ዓድኻ
ሓብትኻ
ዋላ ኣደ ዓባይካ ዋላ ኣደኻ
ዋላ ሕጽይትኻ ዋላ ሰበይትኻ
ዋላ ጓልካ መዓረኻ
ኵለን ቆመናኻ ሳላ ባህልኻ።
እሞ መሰለን’ዶ ትሕልወለን ኢኻ፧
ዶ/ር ርእሶም ሃይለ
ምንጪ — ዋዛ ምስ ቍምነገር ንትንሳኤ ሃገር (1997)