Author: staff

ኣብ 2009 ካብ ዝተኻየደ ቍንጫል ወግዒ-በየነ ሃይለ

 ኢሳያስ በየነ*    ኢሳያስ በየነ፤ ኣብቲ ብደራሲ በየነ ሃይለ ዝምራሕ ዝነበረ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ስራሕ ብዝጀመረ፣ ንበየነ ብቕርበት ከዕልሎ፡ ክዕዘቦ፡ ክብርብሮ፡ ክሓትቶ፡ ከድንቖን ክሳብ ክስዕቦን ከኣለ። ኣብ 2009፡ ን11 ሰዓታት ምስ በየነ ካብ ዝገበሮ፡ ብድምጺ ናይ ዝተሰነደ ሰፊሕ ወግዒ፣ ቍንጫል ትሕዝቶ እነሆ። _______________________________________________   ‘ካብ ዓዲ–ግራት ኣትሒዙ ዝጀመረኒ ጎቦ ምድያብ’ ኢልካ’ሞ ከመይ እዩ እዚ፧

Continue reading

ናብ ዝተናፈቕኪ ይርጋኣለም … ይርጋኣለም እታ መንእሰይ ዝነበረት ኣነ

ይርጋኣለም ፍስሃ*   ይርጋኣለም፤ ካብ 14-16 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ከተማ በርሊን-ጀርመን፤  Archaeology Of  Loss ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ፈስቲቫል ስነጽሑፍ፥ ተዓዲማን ተሳቲፋን ነይራ። ትጽቢት ናይቲ ዝተኻየደ  ስነጽሑፋዊ ፈስቲቫል፡ ጸሓፍቲ፥ ኣብ ሕሉፎም ከም ውሁብ ዝወስድዎ ዝነበሩ፥ ኣብ ህሉው ህይወቶም ግን ዝበዀረ፡ ዝተኸስረ፡ ፈጺሙ’ውን ዝተቐብጸ ዝተፈላለየ ግኡዝ ኰነ ስምዒት ኣድሂቦም ክጽሕፉ ምትብባዕ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ እዛ ናይ ሎሚ

Continue reading

An Interview with PEN Eritrea’s Freedom Expression Award winner, 2022, Abrar Osman

Eritrean renowned and award-winning singer and songwriter Abrar Osman has received Pen Eritrea’s Freedom of Expression award at the closing ceremony of Pen Eritrea’s annual meeting held in Stockholm-Sweden from 1st to 2nd October 2022. Abrar was announced the winner of the award on 18 September to mark the assault on freedom of the press

Continue reading

Abrar Osman Receives PEN Eritrea’s Freedom of Expression Award 2022

  Eritrean renowned and award-winning singer and songwriter Abrar Osman has received Pen Eritrea’s Freedom of Expression award at the closing ceremony of Pen Eritrea’s annual meeting held in Stockholm-Sweden from 1st to 2nd October 2022. Abrar was announced the winner of the award on 18 September to mark the assault on freedom of the

Continue reading

ኣብራር ዑስማን፡ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2022 ብኽብሪ ተቐቢሉ፤ ፐን ኤርትራ ዓመታዊ ጕባኤኡ ዛዚሙ።

  ፐን ኤርትራ፡ መቐጸልታ እቲ ብ1 ጥቅምቲ  ዝተጀመረ ናይ ዓመተ 2022 ጒባኤኡ፡ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዘቃንዖ  ካልኣይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ኣኼባኡ ዛዚሙ። መወዳእታ መዓልቲ ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022፡ ብመረጻ መሪሕነት ጀሚሩ ብወግዒ ምዕዳል ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት  እዩ ተዛዙሙ። ኣብቲ ዕለት፡ ኣባላት ፐን ኤርትራ ብኣካልን ብቐጥታዊ መስመር ኢንተርነትን ኣቢሎም ፈጻሚ ስራሕን ተሓዝ-ገንዘብን መሪጾም። ዕዉት ሽልማት

Continue reading

ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022

  ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022 ቀዳማይ መዓልቱ ሎሚ 1 ትቅምቲ 2022 ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስተኮልም ተቓኒዑ ውዒሉ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ 20 ኣባላት ፐን ኤርትራ ኣብ ዝተሳተፍሉ ቀዳማይ መዓልቲ ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ፡  ካብ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ተኻይዱ። ፐን ኤርትራ ኣብ ናይ ሎሚ ጕባኤኡ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት፣

Continue reading

ኣያታተይ

  ከመይ’ኮን ትህልዉ ኣያታተይ፧ ርስትታትኩም ኔረን ግራውተይ። ቁርይ እንካ በልኩ ከም’ዛ ዝደወኹ ፍስስ… እንካ በልኩ ብደወይ ከለኹ። ኣካ ኣይንርኣዮ ከም’ቲ ሽዑ! በዓል ልቢ-ልቡ፡ በዓል ብርዒ-ብርዑ ብዓል ሓቂ-ሓቁ፡ በዓል ርትዒ-ርትዑ ኣብ ዓይኒ ከእተዎ፣ ዓይኒ ሓያኺ ስኒ ኣብ ልቢ ከእተዎ፣ ልቢ ነኻሲ ዓጽሚ… ከም’ዛ ትማሊ፡ ቅድሚ ትማሊ ቅጅል ይብለኒ! ፈታውን ቀራብን ዓናኒዱ ረኣይን ሰማዕን ኣሰምቢዱ ሓመድ-ድበ ትብዓትና

Continue reading

‘ሸኻ ስምልተ እንተዘይትመጽእስ… ኣበይ ምሃለኻ፧’ ዝኽሪ ፈለማን መወዳእታን – ዮሱፍ መሓመድዓሊ

*ኣኸድር ኣሕመዲን . . . ብፍላይ ኣብ ዝኽሪ ቅንያት ‘ቲ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ኤርትራ ዝተዀልፈሉን፡ ተስፋ ዝተነብሮ መስርሕ ፖለቲካዊ ህንጸት ዝሓለቐሉን እዋናት. . .ስምካ እንክለዓል፡ ካብቲ ከም መሳርሕቲ፡ ከም ዓቢይ ሓው፡ ኣያን ንኡስን ኴንና ብሓባር ዝሰራሕናለን ዓመታት ምስንዳእ ጋዜጣ ጽጌናይ ነቲ ፈለማ ዝተላለናሉን መወዳእታ ዝተፈላለናሉን እዋናት እየ ዝያዳ ዝዝክር፤ ነናተን መዘክር ይነብረን! ትዝክር ኢኻ.

Continue reading