እስከ ሓንሳብ

No comments

 እስከ ሓንሳብ

እስከ ሓንሳብ … እስከ ስቕታ

እስከ ሓንሳብ … እወ ዝግታ

እ… ሽ… ታ!!

ምስ ናጽነት ምስ’ዛ መነን

ክንደይ ኢና ንመጣጠን

ንንእሳ’ዶ ንመዛዘን፧

ማዕረ ስማ ማዕረ ቃላ

ማዕረ ዋጋ ማዕረ ገድላ

እንተ ደኣ ነቢርናላ

ከይንኣስና ከይዓንደፍና

ክዳንና እያ… እወ… ማዕቀንና!

እሞ ከምኡ… እንተዄንና

ንቤት ልሄም ንታቦታ

ጥዑም-ፈተ ኣይብሕታ

ጸላኤ-ሰናይ ኣይጥምታ

ከመይ ኢሉ’ሞ ከመይ’ሉ’ታ

ረሃጽ-ደምና ጥልላታ!

 

እስከ ሓንሳብ… እወ ንላዘብ

እወ ሓንሳብ… ንዘራረብ

ን… መ… ሓ… ሰ… ብ!!

 

ንናጽነት ወርቂ ኣንጉዓ

ከመይ ኢና ንልክዓ

ንንእሳ’ዶ ወይ ንበቕዓ፧

እንተ ረሲዕና እንተ ሰሲዕና

ማዕረ ጾራ ማዕረ ሕድራ

እንተዄንና ዘይንነብራ

መን ክሰምዓና መዲርና

መን ከኹርዓና’ታ ፈኪርና

እንተዄንና ደኣ… ግና…

ናይዛ ግንቦት’ዛ ትንግርቲ

ካቲም ኪዳን ተቐበልቲ

መፍትሕ ኤረ ተረከብቲ።

 

ንናጽነት እዛ መብጽዓ

እንታይ ኴንና ዘይንበቕዓ!!

እስከ ሓንሳዕ… እስከ ሓንሳዕ

እወ ሓንሳዕ… ይጽናሕ ዋዕዋዕ

ን…ሰ…ማ…ማ…ዕ!!

 

‘ዛ ናጽነት’ዛ ወለንሳ

ትዓብየና ድያ ንንእሳ፧

ንሽም ዝና ከይሰገድና

ብቒም ቅንኢ ከይዓወርና

ማዕተብ እምነት ‘ንተ ኣሲርና።

ተወሊድና ኣብ ሕሰማ

ክንዓቢ ኢና ኣብ ሰላማ፣

እሞ ከምኡ… እንተዄንና

ሻቕሎታታ ንሻቐሎ

ስጕምታታ ንኽተሎ

ንናጽነት ‘ዛ ወለንሳ

‘ንተ ነቢርና ኣብ መንፈሳ

ኣይትዓብየና ኣይንንእሳ፣

 

በየነ ሃይለማርያም 

ግንቦት 24, 2010

Print Friendly, PDF & Email