መን ረኺቡኒ?

No comments

ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ጎዱፍ

ክሳደይ ጓዕጺጹ መልሓሰይ ዝዓጽፍ።

ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ቅርዓት

ጎረርኡ ከጥልል ብንብዓት

ኣብ ርእሰይ ዘዝንብ እልቢ መዓት

ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ናይ በረኻ

እዘን መሓውረይ ዝተሓላለኻ

ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ናይ ቀላቕል

ገፍ ዘበለኒ ሕልፍ ክብል

ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ፍርቂ ለይቲ

ተንከስ`ኳ ዘይበልኩ ኣብ`ቲ ሰዓት`ቲ!

ጋኔንሲ ረኺቡኒ`ሎ እቲ ዝገነነ

ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ዝደኮነ

ጉዳየይ ቋጺርዋ ከም ዘይትፍታሕ

ጥራይ ኢደይ ይጸንሓ ንጽባሕ

ጽባሕ ድማ ትወልደለይ ጽባሕ።

ወሪድዎ ጋኔን ዘለዎ ዓለሙ

ምሩር ደኣ ኮይኑ እቲ ስሙ

እንሆ`ንዶ ሰብ፥ ጋኔን ዝሓለፎ

እከይ ዘበለት ሓንቲ ዘይትሓልፎ።

ይርጋኣለም ፍስሃ

(2012)

 

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email