ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ጎዱፍ
ክሳደይ ጓዕጺጹ መልሓሰይ ዝዓጽፍ።
ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ቅርዓት
ጎረርኡ ከጥልል ብንብዓት
ኣብ ርእሰይ ዘዝንብ እልቢ መዓት
ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ናይ በረኻ
እዘን መሓውረይ ዝተሓላለኻ
ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ናይ ቀላቕል
ገፍ ዘበለኒ ሕልፍ ክብል
ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ፍርቂ ለይቲ
ተንከስ`ኳ ዘይበልኩ ኣብ`ቲ ሰዓት`ቲ!
ጋኔንሲ ረኺቡኒ`ሎ እቲ ዝገነነ
ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ዝደኮነ
ጉዳየይ ቋጺርዋ ከም ዘይትፍታሕ
ጥራይ ኢደይ ይጸንሓ ንጽባሕ
ጽባሕ ድማ ትወልደለይ ጽባሕ።
ወሪድዎ ጋኔን ዘለዎ ዓለሙ
ምሩር ደኣ ኮይኑ እቲ ስሙ
እንሆ`ንዶ ሰብ፥ ጋኔን ዝሓለፎ
እከይ ዘበለት ሓንቲ ዘይትሓልፎ።
ይርጋኣለም ፍስሃ
(2012)