ካብ ኣስመራ ብዓዲ ጓዕዳድ ዝሓልፍ ጽርግያ ወዲእና፡ ናብ ሕምብርቲ ዝወስድ ጽርግያ ክንጥወ እንከሎና፡ ወዲ የማነ ነታ መስተዪት፡ ኣብ መንጎ መንበሩን መኽደን ሞተረ’ታ ኣውቶቡስን ክቕርቅራ ክብል እቲ ስዋ ተኻዕወ። ነቲ ዝተኻዕወ ብዓይኑ ርእዩ ዘድሕኖ ክመስል ዓሰርተ ግዜ ተገልቢጡ ጠመተ። እታ መእለዪት መንገዲ’ውን ከይተፈለጠቶ ህሩግ በለቶ፣ ናህሪ’ታ ኣዉቶቡስ ኣብ ሽዑ በጺሑ ዓቐኑ ዝሓለፎ መሰለ። ክጠውያ እንከሎ ከዝሕላ ዕድል ብዘይ ምርካቡ፡ ንጸጋም ዛዝያ ዳርጋ ምድሪ ስዒማ ተመልሰት። ልበይ ዓዊፋ፡ ናብ’ቶም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ወደቕኩ፣ ዋጭ-ዋጭ ኰይኑ እንተ ዘይበራበር ዝተገልበጥና’ዩ መሲሉኒ ነይሩ። ካብ’ቶም ዝወደቕኩዎም ሰባት ክትንስእ’ውን ኣይከኣልኩን። ገለ ንብረት ካብ ሰንቀ’ታ ኣውቶቡስ ኣብ ልዕለይ ወዲቑ ነይሩ። መን ምዃኑ ኣይፈልጥን ነቲ ንብረት ካብ ሰብነተይ ምስ ኣልዓለለይ፡ ተንሲአ ንነብሰይ ደው መበሊ ጥጡሕ ቦታ ኣናደኹላ። ሓንቲ እግረይ ኣብ መንጎ መሸማዓት ኣንቢረ፡ ነታ ሓንቲ ግን መርገጺ ብምስኣነይ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ መሸማዕ ረገጽኩ፣ ምኽንያቱ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን።