እንተዝጕብዝ ነይሩ!? …

No comments

ኵሉ ሃርፎት’ዩ

ትምኒት መጻኢ ዘቋሰየ

ቍልዕነቱ ብሕንቃቐ ምስ ዛረየ

ኣካላቱ ዓዂኹ ምስ ረኣየ

ትልሚ ፍልጠቱ ብምርጫኡ ምስ ዛረየ

 

ድሌቱ ሰሚሩ ኣብቲ ቀጽሪ ‘ተዝጽንበር

ብመሰሉ እንተ ዝእከብ እንተ ዝመክር

እንተ ዝካታዕ ንማእሰርቲ ኣቦ መንበር

 

እንድዒ’ኳ እንተዝውዕላ እታ ዕለት

ካብ መደቀሲኡ ተገዲዱ እንተዝውሰድ

ዓለም ምረኣናያ እንታይ ከምትፈርድ?!

 

ዘይከውን’ዩ ኰይኑ ግዜ ቍሩብ ውሒዳ

ጽባሕ ከይትኸውን ካብ ሕጂ ኣዅዲዳ

 

ንኣብርሃም…

ከም ኵሎም ብጾቱ ጸዊዓ

ኣብቲ ነዲ ኣብቲ ዋዒ ኣብቲ ዊዓ

እንተትግፍጦ ኣብ መቕጻዕቲ ጠሪዓ

 

እንድዒ እምበር ፍትሒ እንታይ ምዀነት?

ንሞት’ዶ ንህይወት ናይ ንመን ምሓረየት?

ምተኸስተ’ዶ ዀን ናይ ወለዲ ኣውያት

 

እንተታት በዚሑ ግዜ’ንዶ ሓጺራ

እንታይ ምፈረዱ ናይ ኣብርሃም ስድራ

ነታ ተማዒዱ ነታ ገዛ ኣውያት ንኸይወራ

 

ኣብርሃም ምተረፈ’ዶ’ኾን?

ኣብ ዊዓ ገልዓሎ ኣይምተጸንበረን?

ወይስ ንዅሎም ለኪሙ ኣያ ፍትሒ ምዀነ

“ንስለ ወደይ” ተባሂሉ ፍትሒ ምስተዳነ?

 

እንታይ’ሞ ኣብርሃም ነኣሰ

ሰኣን ክልተ ዓመት እምበር ነዚ ምመለሰ

ባዕሉ ዘይኰነ ግን ብሳላ ወላዲኡ

ሽዑ ምተራእየ ፍርዲ ና’የብኡ።

 

ኣሕፌ

(ዘመን 1 መስከረም 2001)

“ኣሕፌ” ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ኣብ ጋዜጣ ዘመን ዝተሓትመት ግጥሚ ናይ ኣማኑኤል ኣስራት ኰይና፣ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ንመቕጻዕቲ ንዊዓን ገልዓሎም ኣብ ዝተሰዱሉ እዋን ዝተጻሕፈት’ያ።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email