ንኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ስደት ዝምልከት ስይምፖዝዩም ተቓኒዑ

No comments

ብኣላይነት ግዱሳት ኤርትራውያን ጸሓፍቲን ተመራመርቲን ከምኡ’ውን ማሕበረኮም ሳንታ-ክላራ፣ ምስ ዩኒቨርስቲ ሳንታ-ክላራ ብምልፋን ንኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ስደት ዝምልከት ናይ ሓደ መዓልቲ ስይምፖዝዩም ተቓኒዑ። “ብድሆታትን ዕድላትን ኤርትራያን ጸሓፍቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ᎓ ቀዳም 10 መጋቢት ኣብ ሳንታ-ክላራ–ካሊፎርኒያ–ተጋቢኡ ኣብ ዝወዓለ ናይ ሓደ መዓልቲ ስዩምፖዝዩም ካብ በብይኑ ከባቢታት ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 60 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ሓቚፉ ውዒሉ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ᎓ ኣቦ-መንበር ኮሚተ’ቲ ስይምፓዝዩም ኣቶ ኣብርሃም ነጋሽ᎓ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መእተዊ ድሕሪ ምስማዑ᎓ ዶክተር ትረሺያ ሂንጋ ካብ ዩኒቨርስቲ ስንታ-ክላራ ድማ ንኣፍሪቃዊ ስነ-ጽሑፍ ኣመልኪቱ ዝግበር ስይምፖዝዩም ክትርኢ ምብቅዓ᎓ ይደንጒ ደኣ’ምበር᎓ ኣመና ዘተባብዕ ምዃኑ ጠቒሳ። ዶክተር ሂንጋ ኣብ መግለጺኣ᎓ ንውሩይ ወዲ-ሃገራ ዝዀነ ደራሲ ንጉጊ ዋ ቲያንጎ ብምጥቃስ᎓ “ብቛንቋኡ ዘይዛረብን ዘይጽሕፍን ኣፍሪቃዊ ንሕብረተሰቡ ካብ መግዛእቲ ሓራ ክግበሮ ኣይክእልን’ዩ᎓” ኢላ።

ቀጺሉ ናይ መኽፈቲ ጕባኢ ዘስምዐ ደራሲን ኣሰናዳኢ መርብበ ሓበሬታ ዓዋተ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ (ጆሃር)’ዩ። ኣቶ ሳልሕ ኣብ መግለጺኡ᎓ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ብዕድመን ደረጃን ንኡስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ᎓ ብሰንኪ ታሪኻዊ ክውንነት ብፖለቲካዊ ቃና ኣመና ዝተለኽየ ብምዃኑ᎓ ከምቲ ዝግበኦ ንሕብረተሰብ ክነቅፍን ከማእዝንን ከም ዘይከኣለ ጸብጺቡ።

ብኣልያነት ፕሮፈሶር ኤርሚያስ ክብርኣብ ቅድሚ-ቀትሪ ኣብ ዝቐረበ ወረቓቕቲ፤ “ብድሆታትን ዕድላትን ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ኣብ ስደት”፣ “ዳህሳስ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ”፣ “ብድሆታት ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ–ርእሰ-ተመኵሮ”፣ “ኣበርክቶ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣብ ምምዕባል ቋንቋታት ኤርትራ” “ሕግታት እንዳባ ብዛዕባ ምእላይ ወለዲ”፣ “ምዕባለታት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ብሊን (1992-2006)” ዝብላ ወረቓቕቲ ቀሪበን።

ብበይኖም ኣቕረብቲ ደጋጊሙ ዝጥቀስ ዝነበረ ዛዕባታት፤ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዝኸደ ዓፈና ሓበሬታን ንሱ ዝፈጠሮ ሰለሎን በቲ ሓደ ወገን᎓ ዓለማዊ ምንቍልቋል ወረቐታዊ ሕትመት ድማ በቲ ካልእ ተደርሚሩ᎓ ናብቲ ምሉእ ዓለም ዝጓዓዞ ዘሎ ምስ ዘመናዊ መራኸቢታት ብዝኸይድ መገዲ–ብቐንዱ ከኣ ሕትመት ኢንተርነት–ምንዳይ እቲ ዘይተርፍ ኣማራጺ ምዃኑ ዘእንፍት’ዩ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ውን እቲ ስይምፖዝዩም ኣብ ተዋሰብቲ ቴማታት ዝተኰሩ ኣርእስታት፤ “ጽባቐ ግጥምታት ትግረን ትግርኛን”፣ “መስርሕ ኣተረጓጕማን ኣጠቓቕማን ናይ ሓሳባት”፣ “ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ”፣ “ቍርሲ-ቡን፤ ጦብላሕታዊ ጽሑፋት”፣ “ዕንባባ ንህቢ”፣ “ትዕዝብተይ ኣብ ኤርትራዊ ፊልምታት”፣ “ጨፈራ ኣብ ባህላዊ መርዓ”፣ ከምኡ’ውን “ሓሳባዊት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጽሑፋት በየነ ሃይለ” ዝብላ ኣርእሰተ-ወረቓቕቲ ቀሪበን።

ኣብቲ ስይምፖስዩም ብሰንኪ ራሕቂ ቦታ–ከም ሽወደን–ብኣካል ክመጹ ዘይከኣሉ ተሳተፍቲ ብመገዲ ናይ ርሑቕ ጻውዒት’ዮም ወረቓቕቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ምዝዛም’ቲ ስይምፖዝዩም᎓ ነቲ ኣብኡ ዝፈሰሰ ሓሳባትን ተመሳሳሊ ናይ ብሕድሪ-ሕጂ ተበግሶታት ንምውህሃድን ሓንቲ ኮሚተ ተመሪጻ። ቀዳምነት ናይታ ኮሚተ ኣብቲ ዝተላዕለ ንኤርትራውያን ጸሓፍቲን ኣሕተምቲን ዝምልከት ናይ ሓበሬታ መስመር (ኔት-ዎርክ) ብእኡ ኣቢልካ ድማ ናብ ማሕበር ክዓቢ ዝኽእለሉ መስርሕ ንምፍታሽ’ዩ።

ናይ ሓደ መዓልቲ ስይምፖዝዩም ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ᎓ ብምርኢትን መሸጣን መጽሓፍቲ’ዩ ተዛዚሙ።

 

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email