እታ መንግስቲ ዝተጻብኣ ናይ መንግስቲ ረድዮ

No comments
በየነ ሰመረ*

መሬት ኣይደሓነን

ን19 ለካቲት 2009 ልክዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኵሎም ኣባላት ረድዮ ባና ዓመታዊ ናይ ስራሕ ገምጋም ንምግባር ኣኼባ ከም ዘሎ ካብ ዝንገር ሳልስቲ ኣቝጺሩ ነበረ። እቶም ደጋጊሞም ንስራሕ ዘይኣትዉ ኣባላት’ውን ኣብታ መዓልቲ ከይበዅሩ ከም ዝድውለሎም ተገይሩ። ገለ ኣባላት ነብሶም ግዲ ነጊሩዎም ኣብቲ ኣኼባ ክዳን ደሪቦም’ዮም መጺኦም። ኣካያዲ ኣኼባ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ንዓበይቲን መዲያን ኣቶ ገብረዝጊ ድማም (ኣቻ) እዩ። ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣቐዲሙ ተገይሩ ብምንባሩ፡ ቍንቍኛ’ቲ ኣኼባ ትርጕም ስኢንሉ ነቲ ኣኼባ ረጊጹ ዝወጸን ኣብዚ እዋን ኣብ ስደት ዝርከብ ከም ዘዕለለኒ፡ “ነቲ ኣባል ክወስዱ ዝተመደቡ ናይ ጸጥታ ካብቲ ዝተባህለ ሰዓት ብምድንጓዮም፡ ኣቻ፡ ግዜ ንምቕታል ዘይከውን ሕቶ እናሓተተ ኵሉ’ቲ ኣኼበኛ ብዛዕባ ዝሰርሖ ስራሕ ሃለውለው ክብል ክሓቶ ጀሚሩ። ቅጭ መጺኡኒ ካብቲ ኣኼባ ንደገ ውጽእ እንተበልኩ እቲ ቀጽሪ ብዕጡቓት ተኸቢቡ ጸንሓኒ።” እቶም ዕጡቓት፡ ነቲ ዝወጽእ ዝነበረ ኣባል፡ ንኸውጽእ ትም ኢሎም ደኣ ይርኣዩዎ እምበር፡ ድሕሪ ቍሩብ ኣዋርሕ ግን ካብ ገዛኡ ስሒቦም ምስ ብጾቱ ኣሲሮሞ። ኣብታ ዕለት፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረን ኣብቲ ቀጽሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝነበረ ሰብን፡ በተን ብሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ናብ ማሕረዲ እንዳመቸላዮ ዝውሰዳ ከብቲ ከተጓዓዕዝ ብዝተገዝአት ዓባይ መኪና ገይሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶን ማይ ስርዋን ዳጐኑዎም። ንምሸቱ ደኣ ፈንዮሞም እምበር፡ ብስራሕ ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝርከቡዎም ኣባላት ራዲዮ ባና ዘይኮኑ ከይተረፉ’ውን ተገፊፎም ተወስዱ። ናይቲ ሽዑ መዓልቲ ወፍሪ ማእሰርቲ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት እዩ ተገይሩ። መንቀሊን ጠንቂን እዛ ንዛረበላ ረድዮ ባና ኰይና ምስኣ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሃሉ ኣባላት ኮሚሺን ስፖርት፡ ሚኒስትሪ ዜናን ምክልኻልን`ውን ኣካል ናይቲ ወፍሪ’ዮም ነይሮም።

ረድዮ ባና፡ ንዓይ ካልኣይቲ ስራሐይን ናይ ስነጥበብ ተሃነይ ዘውጽኣላን ዝነበርኩ መደበር ረድዮ ኢያ። ኣብቲ ፈለማ ሓጸርቲ ድራማታት እናጸሓፍኩ፡ ድሒረ ድማ ምስ ብጾተይ ምስ በዓል ኢሳቕ ኣብርሃም ኰይነ ዓበይቲ ድራማታት ከም “ሚዛን”፡ “ዓይኖም” ዝብላን ካልኦትን ነቶም ዓቕሞም ከይተመዝነ ንእንዳ ዜና ሕዛእቲ ዝገበሩዎ “ጸሓፍቲ” ተወዳዲረ ዝስዕረሎም ዓውደይ እያ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርተይ እናተመሃርኩ ትካል መደብ ውህለላን ልቓሕን (መውል) ዝመወሉዎ ናይ 69 ናይ ረድዮ ፕሮግራማት ኣነ ናይ ትግርኛ፡ ሳልሕ ዝተባህለ ኣባል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድማ ናይ ትግረ መደባት ከነዳሉ ምስቲ ረድዮ ኣብ 2006 ስምምዕ ፈሪምና ኔርና። ኣብቲ ቀጽሪ ካብ ዝርከብ ኮንተይነራት ኣብያተ-ጽሕፈት ብምፍቃድ ሓደሽቲ ኮምፕዩተራትን መሳርሒ ጽሕፈትን ሂቦም ብናጽነት ክንሰርሕ ከኣ ዕድል ሂቦምና ነይሮም። ናይ ስራሕ ስምምዕና ምስ ወድአ’ውን፡ ንረድዮ ባና፡ ከም ገዛይ ዝመላለሰላን ዕድላት ክርከብ ዝጥቀመላን እናዀነት ቀጺላ። ኣዘውቲረ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ዝመላለስ ደኣ ይንበር’ምበር፡ እግዚሄር ክገብር ግና ኣብታ ብጾተይን ኣዕሩኽተይን ናብ ገሃነብ ዘእተወት ግዜ ቅድሚኡ ተጸሊኡኒ ስለ ዝነበረ ኣብቲ ከባቢ ኣይነበርኩን። ንምሸቱ ግን ወለዲን ፈተውቲን ብጾተይ፡ እናደወሉ “ምሳኻዶ ነይሮም ሎሚ? ርኢኻዮም`ዶ ነይርካ?” ብዝብሉ ሕቶታት ክሕተት ኣምሰኹ። ረድዮ ባናን ኣባላታን ደሓን ከም ዘይወዓሉ ድማ ፈለጥኩ። ብፍርሒ እናተሓቘንኩን ብሸለብ-ገለብን ኣብ ገዛ ተዓጽየ ድሕሪ ምቕናይ፡ ዕለታዊ ህይወተይ ክመርሕ ግድን ክወጽእ ስለ ዝነበረኒ፡ ሰብ ብዘየዘውትሮ መገዲ እናተጠቐምኩ ናብ ስራሐይ ክመላለስ ጀመርኩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ባር ትብለጽ ገጸይ ከምርሕ፡ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ፡ ወተሃደራዊ መደብ “ዋልታ” ዘዳሉ ዝነበረ ዘርኢት ወልደየሱስ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ጎፍ ይብለኒ። ቅድሚ ሰላምታ ከኣ፡ “ኢሂታ በየነ ሰመረ ኣይተኣሰርካን ዲኻ ደኣ ንስኻ?” ኢሉ ሓተተኒ። (ብቐደሙ ግዳ ውቃበ ዘይብሉ መደብ ከምዚኣቶም ዝመስሉ ውቃበ ሰብ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ጥራይ’ዮም ከዳልዉዎ ዝኽእሉ ኢለ ሓሰብኩ ብውሽጠይ።) ዘረባ ከይወሰኽኩ ብቕልጡፍ ካብኡ ተፋኒየ እናሓሰብኩ ዓቐበት ሓዝሓዝ ተተሓሓዝክዎ።

ወርሒ ኣቢሉ ምስ ገበረን ገና እቲ ፍርሒ ኣብ ውሽጠይ ዘሪቝ ከሎን’ውን ካልእ መዓልቲ ናብታ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ሓሊፍካ እትርክብ Rural Enterprise Unit ናብ እትብሃል ስራሐይ እናምራሕኩ ምስ ብርሃነ መሓሪ ዝተህለ ቴክኒሻን ረድዮ ባና ጎፍ ተበሃልና። ክልቴና ተፈራራሕና፣ ብርሃነ ፈሪሕካ ዘይቅረብ፡ ጸሊእካ ዘይረሓቕ ሰብ እዩ። ናይ ረድዮ መደባት ምስኡ ኰይነ አብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ሕማቕ ርእየሉን ሰሚዐሉን ኣይፈልጥን። ግን ሱቕ ኢለ’የ ዝፈርሖ። ንሱ ብዛዕባይ ዝነበሮ ግምት ከኣ እንድዒ። ከምቲ ብዙሓት ብስም ኣቦይ ክጽውዑኒ ዝቐሎም፡ “ኢሂ’ታ ሰመረ ወጺእካያ ሙሽ?” በለኒ። ሕጂ’ውን ስለ ዝፈራሕኩ ዘርዚረ ክነግሮ ኣይደለኹን፣ መውጽኢ ተጣቢበ ግን፤ “ንስኻ`ኸ ደሓን ዲኻ?” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ “ኣነ ደኣ ተድልየና ኢኻ ኢሎም ኣትሪፎሙኒ፡ ዕድል ገይረ፡” ምስኪንኪን እናበለ መለሰለይ። ንሱ’ውን ክንዲ ናተይ ፈሪሑኒ ምንባሩ ኣይዘንጋዕኩዎን። ክልተና ቀልጢፍና ክንሃድም ስለ ዝደለና ከኣ ተፈላሊና። ድሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ መንግስቲ ንናይ ገዛእ ረድዮኡ ዓጽዩ፡ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ ኢሉ ምእንቲ ከይውረየሉ ዝወረዶ ተክኒሻን ብርሃነ (ንዕኡስ ደኣ ኣድሒናቶ እምበር እታ ካልኣይቱ ዝነበረት ኣለም ስማ ቴክኒሻን’ስ ተኣሲራ ነይራ ዳሕራይ ግን ብምኽንያት ጥንሲ ኣውጺኦማ) ናይ ቀደም መደባት ዝሓዘ ካሴታት እናጻወተ ነታ ረድዮ ንሰሙናት ከም ዘሳለያ ሰሚዐ። እቲ ውጥን ነቲ ብዛዕባ ምዕጻዋ ኣመልኪቱን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ክዝረብ ዝኽእል ንምዕጋትን “ትቕጽል” ከም ዘላ ንምምሳልን’ዩ።

ምልስ ክንብል…

እዛ ትምህርታዊት ረድዮ፡ ኣብ ግዜ መንግስቲ ደርጊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከጀምራ እንከሎ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣስተምህሮን (ሲቪክስ) ትሕዝቶ ዘለዎም መደባት ንዘይተማህሩን ዓበይቲን ፍልጠት ንምዝራእ እዩ ዝነበረ። ከምእኒ በዓል መምህር ዳይኖም፡ መምህር ተስፋልደትን መምህር ካሕሳይን ዝተባህሉን ካልኦት ድሕሪ ናጽነት ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ተውለድቲ ትግራይ ኰይኖም’ዮም ፈለማ ነታ ረድዮ ጀሚሮማ። ፍጥር ክትብል ሓርነታ ዝኣወጀት ረድዮ ምንባራ፡ እቲ ኣብቲ እዋን ክልኩል ካብ ዝነበረ ዜማ ናይ ሳሚ ብርሃነ “ኣበይኺ ሰፊርኪ ዘለኺዮ ቦታ” መኽፈቲ መደባታ ምግባራ ምልክት ሓርነታ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቍልዕነትና፡ ናይ ኣቦታትና ዓበይቲ ረድዮታት እንተ ዘይኰይኑ እቶም መብዛሕትና ናስትሮ ኣዀሊስና ደርፍታት ናይቶም ኣብ ገድልን ኣብ ወጻእን ንህዝቢ ኤርትራ ዝምህሩ፡ ዝጕስጕሱን ዘደስቱ ዝነበሩን ደርፍታት በዓል በረኸት መንግስተኣብ፡ ዑስማን ዓብደርሒም፡ ጸሃይቱ በራኺን ተበርህ ተስፋሁነኝን እንሰምዓሉ ቴፕሪኮርደር ኣይነበረናን። ነዚ ከምዚኦም ዝበሉ ደርፍታት ንምስማዕ እምበአር ናብዛ ረድዮ ከነብል ግድን ነይሩ። ሓቂ ይሓይሽ ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣዳለውታ ምምህርና እምበር ጋዜጠኝነት ስለ ዘይተዓለሙ ኣቀራርባኦም መሳጢ ኣይነበረን። ግናኸ ዘይከምታ ካልኣይታ ናይ መንግስቲ ዝዀነት ረድዮ ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ፡ ኣብ ክንዲ “ናቕፋ ቓሮራ እዘን ተገንጸልቲ ኣባኽንየን ዝቕበራ” ዝብሉ ዜማታት፡ ጐስጒሳ እንተ ተባህለት ናይ በዓል በረኸትን ተበርህን “ተመሃሩ ደቀይ ተመሃሩ” ዝብል ስብከትያ ተድርፍ ነይራ። እቲ ብኣምሓርኛ ዝፍኖ ዝነበረ መደባት`ውን ብዘይካ እቲ ናይ ፍቕሪ ዜማታት፡ ናይ በዓል ጸጋየ እሼቴ “ኣይኖሩም ኣይኖሩም የማያነቡ ኣይኖች… የማይጽፉ እጆች…”፡ ናይ በዓል ኣለማዮ እሼቴ “ተማር ልጄ” ዝብሉ ፖለቲካ ቃና ዘይብሉ ትሕዝቶ እዮም ነይሮም። መንግስቲ ደርጊ፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከተቕርብ ክሳብ መወዳእታ ተኸራኺሩዋ፡ እንተዀነ ብሓይሊ ከየስገደደን ኣብ ናጽነታ ከይኣተወን ሓንሳብ ምስ ከፈታ ንሓንቲ መዓልቲ`ውን ከይዓጸዋ፡ ንርእሲኡ ተዓጽዩ፡ ንኣሕዋትና ብኽፍትታ ኣረኪቡዎም ተዓዝረ።

እቲ ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተቐየረ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ፡ እግሩ ናብ ኣስመራ እትው ምስ ኣበለ`ዩ ብቕቡልን ዘይቅቡልን ምኽንያት ነታ ረድዮ ዓጽዩዋ። ኣብቲ እዋን ነቲ ክፍሊ ትምህርቲ ዝበሃል ዝነበረ ትካል ዝመርሖ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበሊ ዘሎ በራኺ ገብረስላሴ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ናይ 1993 ድማ ገለ ግዱሳት ኣባላት እቲ ክፍሊ፡ እቲ ረድዮ ክኽፈት ንበራኺ ምስ ተዃተኹዎ፡ ይጸናዕ ተባህለ። ነቶም ክርከቡ ዝኽእሉ ኣባላት እታ ረድዮ ዝነበሩ ከካብቲ መማህራን ኰይኖም ፈቐዶኡ ፋሕ ኢሎሙሉ ዝነበሩ ቦታታት ተሳሕቡ። በዓል መምህር ዳይኖም፡ መምህር ተስፋልደትን መምህር ካሕሳይን ድማ ነቲ ዝነበረ ትሕዝቶታት ኣኪቦም ኣብ መፋርቕ 1994 ኣቢሎም ዳግም ከፈቱዋን ስሩዕ ፈነወ ጀመረትን።

ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ብትግረ’ውን መደባት ይጀምር ተባህለ’ሞ ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢ ከረን መምህር ሙዚቃ ዝነበረ ተጋዳላይ መሓመድ ስዒድን ተጋዳሊት ሳዕዳን ተሳሒቦም እታ ረድዮ መደብ ትግረ ጀመረት። ሳዕዳ ግና ኵነታት ካብ ዓንተብኡ ኣንቢባቶ ግዲ ነይራ ኣይጸንሐትን ብDV ገይራ ናብ ኣመሪካ ሰገረት። እታ ድስክልክል ኢላ ዝነበረት ቋንቋ ትግረን ትግርኛን እትመልኽ ሻሹ ተኽለ ካልኣይቲ መሓመድ ስዒድ ኰይና ነቲ መደብ ቀጸለቶ። ፍረ እታ ረድዮ ባህ ዘበሎም ብድሕሪት መጋረጃ ኰይኖም ነታ ረድዮ ዝቓንዩዋ ዝነበሩ በዓል ኤፍሬም (ዳሕራይ ድኩትርና ጽዒኑ፡ ዶክቶር ኤፍሬም ዝዀነ)ን ሰሎሞን ተስፋሚካኤልን ዝተባህሉ ቋንቋ ንወስኽ ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡ። ቀጺሉ ናራ ወይ ኩናማ ይጀምር ተባህለ፣ ኣብ እንዳ ዜና ዝነበረት ሳንቲና ደበሳይን ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝነበረ ጆን ኣብርሃን ከም ዕቝራት ሓይሊ ተሓሲቦም ብቋንቋ ኩናማ ፈነወ ዘይጅምር ተባሂሉ ምቅርራብ ቀጸለ። ድሕሩ ግና ሓላፊ እቲ ክፍሊ ዝዀነ ገብረዝጊ ድማም (ኣቻ)፡ ነቲ ዝተባህለ ዕሽሽ ኢሉ ኣብ ክንዲ ኩናማ፡ ቋንቋ ብሊን ከም ዝጅመር ገበረ። ብሌናይ ስለ ዝዀነ’ዩ ንቛንቋ ብሊን ቀዳምነት ሂቡዎ ተባሂሉ ተሓሚዩስ ምስቶም ዝተጠቕሱ ናይ ድሕሪ መጋረጃ ቃነይቲ እታ ረድዮ ክሳብ መወዳእታ ሕለፊያ ኰነ። ብድሕሪ ብሊን ናብታ ረድዮ ዝተወሰኸ፡ ቋንቋ ሳሆ እዩ ነይሩ።

እታ ረድዮ ብብዝሒ ቋንቋታትን መደባትን እናዓበየት ከይዳስ ኣብቲ ኣብ 2003 ዝተገብረ ምቅይያራት ትካላዊ ቅርጺ መንግስቲ ካብተን ሰለስተ ጨናፍር ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ትምህርቲ ን ዓበይቲን መዲያን ተማእኪላ፡ ተጋዳላይ ባሲሊዮስ ዘሞ ሓላፊኣ ኰይኑ ተሾመ። ኣብ ትሕቲኡ ከኣ መሓመድ ስዒድ ንኣሃዱ ረድዮ፡ ዳይኖም ድማ ንኣሃዱ ኦዲዮ ቪዥዋል ክመርሑ ተመዘዙ። ኣብ 2004 ድማ ባሲሎስ (ወዲ ዘሞ) ነታ ረድዮ ካህና ኰይኑ “ረድዮ ባና” ክብል ኣጠመቓ። ቅልጡፍ ገስጋስ ረድዮ ባናን ምስታ ካልኣይታ ናይ መንግስቲ ዝዀነት ረድዮ ድምጺ-ሓፋሽን ድማ ኣብ ውድድር ተጸምዳ።

ከምቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ፡ እታ ረድዮ ካብ ፈለማኡ ፖለቲካ ፈንፊና ምህናጽ ኣእምሮ ዕጥቃ ገይራ ዝተበገሰት ረድዮ እያ። ድሕሪ ናጽነት ዳግም ምስ ተኸፍተት’ውን እቲ መትከል ቀጺላቶ’ያ። ካብ 2003 ኣትሒዛ መለለዪኣ ዝዀኑ ባህርያት’ውን ነይሮማ እዮም። በቲ ትረኽቦ ዝነበረት ብሚኒስትሪ ጥዕና ኣቢሉ ዝውሕዝ ዝነበረ ናይ በዓል ዩኒሴፍን ሃምሰትን ምወላ፡ ንፉዓት ጸሓፍቲ ኣወዳዲርካ ነቲ ምወላ ብግቡእ ናይ ምጥቃም ሕላገት እታ ረድዮ’ዩ። ድራማታት ብቕሉዕ ኣወዳዲራ ጸሓፊ’የ ዝብል ኩሉ ድማ ተወዳዲሩ ክእለቱ ዘርእየላን ዓስቡ ዝረኽበላን ረድዮ እናዀነት ከይዳ። በዚ ዝተተባብዑ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዝምውሉ ኣህጉራውያን መወልቲ፡ ንረድዮ ባና ከም ሓንቲ ኣካሎም ብምውሳድ ክንእዱዋን ገንዘብ ከፍስሱላን ጀመሩ። ሓደ እዋን ሚኒስትሪ ዜናን ረድዮ ባናን ዝተሳተፍሉ በዓል ዩኒሴፍን ሚኒስትሪ ጥዕናን ዘዳለዉዎ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ኣብ ሆቴል ሳቫና ተገይሩ ነበረ። እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ በቲ ህዝቢ ንምንቃሕ እትገብሮ ዝነበረት መደባት ንረድዮ ባና ምምጓስን ንሚኒስትሪ ዜና ድማ ኣሰር እታ ረድዮ ክስዕቡ ብጥበብ ዘዘኻኽርን ነበረ። ሚኒስትሪ ዜና ኣይቀሰኑን እቲ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ዝዳሎ ዝነበረ መደብ ቃለ-መሕትት፡ ኢያሱ ተወልደመድህን ኣለዉ ዝበሃሉ ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና ሰብ ሞያ እናምጽአ ሃለው ከብሎም ጀመረ። ውሽጣዊ ውድድር ንረድዮ ባና በሊጽካ ምርኣይን ኣቓልቦ መወልቲ ኣካልት ምስሓብን’ዩ ነይሩ። ረድዮ ባና ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናን መወልቲን ወጻኢን`ውን ኣድማሳ ሰፍሐ። ንኣብነት እኳ ኣነ ምስ ካልኣየይ ሳልሕ እነቕርቦ
ዝነበርና መደባት ትካል ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (መውል) እዮም ዝምውሉዎ ዝነበሩ። ብመጠን ምስፋሕ መደባት ረድዮ ባና ኣለዉ ዝበሃሉ ጸሓፍቲ ናብታ ረድዮ ክዓስሉ ግድን ነበረ። ካብ እንዳ ዜና ብመልክዕ ዉድድር ጽሑፋቶም ዘቕርቡ፣ ካብ ምክልኻል ዝሰሓቡ ከም በዓል በረኸት ምስግና፣ ካብ ምምህርና ዝተሳሕባ በዓል ይርጋኣለም ፍስሓን ሰናይት ሃብቱን ናይዚ ቀረባ ኣብነት እዮም።

ምስፋሕ መደባትን ምስኡ ዝመጸ ምጥምማትን

ብዝሒን ዓይነትን ኣቕረብቲ እናወሰኹ ብዝኸዱ፡ መደባት`ውን እናመቀሩን ሰማዕቲ እናሰሓቡን ከዱ። ንኣብነት፡ ስምኦን ኤልያስ ዘዳሉዎ መደብ ስፖርት ባና፣ በዓል ይርጋኣለም ዘዳልዉዎ መዘናግዒ መደብ ቀንዴል ብትግርኛ፣ ህራብ ድማ ብትግረ ስም እታ ረድዮ ሰማይ ክዓርግ ካብ ዝገበሩ መደባት እዮም ነይሮም። ብፍላይ ግና እቶም ድርኵኺት ሚኒስትሪ ዜና ከይረግጹ ማዕቀብ ዝተገብረሎም ኣብ ኣእዛን ኣፍቀርቲ ሓወልቲ ዝሰርሑ ከም በዓል ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብ ረድዮ ባና ቀሪቦም ኣብቲ ሃገር ቃለ-መሕትት ክገብሩ ምርኣይ ንሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና መንጸሮር ፈጠረሎም። ነታ ረድዮ ኣብ ትሕቲኦም ገይሮም ክደቝሱዋ ካብ ምሕላም’ውን ኣይዓረፉን። ንእትረኽቦ ዝነበረት ምወላ ኣብ መዓላ ተውዕል ዝነበረት ረድዮ፡ መሳርሒ ገዚኣ፡ ፈነወኣ ካብ ማእከላይ ማዕበል ናብ ሓጺር ማዕበል ኣስጊራቶ ኣብ መላእ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ኤውርጳ ብሕልፊ እኳ ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን ክሰምዑዎ ምጅማሮም ተፈልጠ። ምዕባለ፡ ዝርጋሐን ተቐባልነትን ረድዮ ባና ከኣ ብቐጥታ ኣንጻር ጸቢብ ርብሓን ግበታን ሚኒስትሪ ዜናን በቶም ኣርሒቑ ከርኢ ዘይክእል መነጸር ለቢሶም ዝመርሑ ሓለፍታን ምዃኑ ርዱእ ነበረ። ንኣብነት እኳ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ረድዮ ሓድሕዶም ክተዓፋፈኑ (ጃም ክገባበሩ) ምስ ጀመሩ፡ ድምጺ-ሓፋሽ ሰንደልደል ስለ ዝበለት ናብ ረድዮ ባና ተጸግዐት። ከም ኣማራጺ እቲ ናትኩም መስመር (ማዕበል) ክንጥቀመሉ ዝብል ሕቶ ንረድዮ ባና ቀረበላ። በዚ ድማ ትሕዝቶታት`ውን ይመሳሰል ስለ ዘሎ ኣብዚ ከነቕርብ ዝብሉን ቀስ ኢልካ ናይ ምጽንባርን መስርሕ ተጀመረ። ኣብዚ መስርሕ ምፍሕፋሓት ነይሩ እዩ።

ካብ ሚኒስትሪ ዜና ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝነበረ ኣማኑኤል ሓድጉ (ባርያ)ን ሓላፊ ክፍሊ ረድዮ ግርማይ በርሀ (ዓሲምባ)ን ዝርከቡዎም ነጸርቲ፡ ደገ ረድዮ ባና ወትሩ ክዅሕኵሑን መን እንታይ ኣቕሪቡ ክከታተሉን ሰላማውያን ተመሲሎም ከጣይቑን ተራእዩ። ሓደ ካብ ኣባላት ረድዮ ባና ዝነበረን ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብን ስሙ ክዕቀብሉ ዝሓተተ ኣባል ከምዚ ኢሉ ይገልጾ፤ “ሓደ መዓልቲ ካብ ናይ 2007 ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ወዲ ዞሞ ከሎና ሚኒስተር ዑስማን መጺኡ፡ እቲ ቈልዓ (ንዓሊ ዓብዱ ማለት’ዩ) ናብ ቤት ጽሕፈተይ መጺኡ ብዛዕባ’ዚ ረድዮ ዝሩብን ዘይዝሩብን ተዛሪቡኒ ከይዱ ኣሎ። ኣነ ግና ሰስራሕና ኣሎና ኢለ ኣፋኒየዮ።” ብደረጃ ሚኒስተራት ክርክር ተጀሚሩ፡ እቲ ጽልኢ እናኸረረ መጺኡ። ገለ-ገለ`ውን ነታ ረድዮ ንእትገብሮ ንጥፈታት ዝከታተሉ ክቀላቐሉ ጀመሩ። ሓደ እዋን ምስ ኣባላት ረድዮ ባናን እንዳ ዜናን ሓሙሻይ ርእሰይ ናብታ ብሕት ኢልና ሻሂ እናሰተና ከነዕልል እነዘውትራ ኣብ ከባቢ ክሮቾሮሳ እትርከብ ማክዳ እትበሃል ላተሪያ እናዕለልና፡ ተስፋኣለም ገብረስላሴ (ጫረ) ዝተባህለ ጋዜጠኛ ምስ ሓንቲ ጓል መጺኡ ኣብ ጥቓና ኮፍ በለ። ጫረ ማለት ብዘይካ’ቲ ንሓለፍቲ ወረ ከም ዘቀባብል ዝፍለጠሉ ንደገ ዝወጸ ሕሜታ፡ ኣብታ 12 ገጻት ጥራይ ዘለዋን እንኮ ጋዜጣ ናይቲ ሃገርን፡ ምስ ፈዳኢን ሓፋሽ ውዱባት ነበርን፡ መወዳእታ ዘይብሉ ኡብኡብ ቃለ-መጠየቓት ብምክያድ ብሓለፍቱ መጐስ ዝረክብ ዝነበረ’ዩ። በዓል ጫረን ኣብርሃም ዮሃንስ (እብር) ዝተባህለ ካልእ ጸሓፊን ኣብታ ጋዜጣ፡ ምስ ሞያ ጋዜጠኝነት ቅርበት ብዘይብሉን መጥመሪ’ውን
ዘይርከቦ ንኣዋርሕ ብዝቕጽል ጽሑፋት ሓንጐል ኣንባቢ ዝጋሰሱ ዝነበሩ’ዮም። ክንዲ ዝዀኑ ድማ’ዪ በቲ ስርዓት በሪኾም ዝርኣዩ። ብዝኾነ ጫረ ኣብታ ኣጸሚና ነዕልለላ ምምጻኡ ጽቡቕ ኣይተሰማዓናን፣ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ዘየለ ከሎስ ነፍሰ-ስጋና ቅፍፍ ኢሉና። ድሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ ምስቲ ካብ ግዳያት ሓደ ዝዀነ ኢሳቕ ተስፉ ዝተባህለ ነታ ኣብ ፊት ረድዮ ባና እትርከብ መለማመዲት ክፍሊ ጕጅለ ኣሰር ጠርኒፉ ቈልዑ ብሙዚቃ ዘሰልጥን ዝነበረ እዩ’ውን ናብኡ ዝመርሕ ምጥምማት ነይሩ’ዩ። ጫረ ኣብ ስራሑ እናመጸ ምስ ኣትዓቦ ድሕሪ ሕጂ ብወግዒ እንተ ዘይኰይኑ ናብዚ እናተቐልቀልካ ብሕጓ ነዞም ቈልዑ ክትረኽቦም ከይትፍትን ከም ዝበሎ ሰሚዐ። ድሒሩ`ውን ኣብቲ ዕለት ምእሳር ናይ ጋዜጠኛታት ባናን እንዳ ዜናን፡ ጫረ ብርሑቕ ኣብቲ ከባቢ ከም ተራእየ ዝወዓሉ ሰባት የዕልሉ።

ኣሳሪ ናብ እሱር፡ ዋርድያ ናብ ሰራቒ፡ ሰላዪ ናብ ተሰላዪ ኣብ ዝለዋወጠሉን ሕንፍሽፍሽ ዝኣተዎን ስርዓት፡ ካልእ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ተመሲሎም ኣንጻሩ ዝዓጠቑ ምንብሮም’ውን ድሒረ ተገንዚበ። ካብዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዕድሚኦም 4 ዓመት ዝተበልዑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስደት ዘሎ ዘዕለለኒ ካልእ ዛንታ’ውን ነይራ። ኣዘንታዊ ከም ዝገልጾ ኣብ ረድዮ ባና ኮምፕዩተራት ከዕሪ ውዕል ዝወሰደ’ሞ ኣብቲ ትካል ኣታዊን ወጻኢን ዝነበረ ሓደ ሳሙኤል ስሙ መንእሰይ ነበረ፡፡ ዳሕራይ ምስ ኣስተውዓለ ቀንዲ ዓርኪ ጀነራል ፍሊጶስን እቶም ብመርመራ ትንፋስ ሰብ ዘሕለፉ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ በዓል ወዲ ከበደን ወዲ ምቁርን ክሰግድሉን ተዓዚቡ።

እቲ ስለያ ብዝተፈላለዩ ሰባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢን እዩ ቀጺሉ። ንኣብነት ኣብታ ፊት ረድዮ ባና እትርከብ በዓል ኢሳቕ ኣብርሃም፡ ቴድሮስ ማርቆስ፡ ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤልን ምስ ካልኦት ኣባላትን ሚኒስትሪ ዜናን ረድዮ ባናን እነዘውትራ ዝነበርና ቤላቪስታ ዝስማ ላተርያ ባህ ዘየብሉና ሰባት ቅልቅል ውጥም ክብሉና ጀመሩ። ሓደ ካብኣቶም፡ ኤፍሬም ማእከለ ዝተባህለ እዩ። እዚ ሰብ’ዚ ብመገዲ ሓዉ ንጉሰ ማእከለ፡ ንሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣእሚኑ ናብ ረድዮ ባና ክመጽእ ዝተገብረ ሰብ እዩ። ሞያ ናይ ጋዜጠኛ ዘይተዓደለ ኣብቲ ረድዮ ኣትዩ ንሓለፍትን ኣባላትን ቅሳነት ከልኦም። እዚ ሰብ ናብታ ላተርያ እነዘውትራ እናኽመጽእ ምዝናይና እናጐደለ ከደ። ኤፍሬም ማእከለ ምስቶም ብ19 ለካቲት ናይ 2009 ዝተወስደ እኳ እንተነበረ ብኡ ንብኡ እዩ ተፈኒዩ። ኣብ መንጎ ናብ ሱዳን ክሃድም ተታሒዙ ንሰለስተ ወርሒ ናብቲ መሳርሕቱ ዝነበርዎ ኣትዩስ ተፈኒዩ ነይሩ ይብሃል። ንሳልሳይ እዋን ግና ሓጢኣት ናይዞም ኩሎም ንጹሃት ተሰኪሙ ኣብ 2012 ናብ ማይስርዋ ኣትዩ ኣብኣ ተሪፉ ይርከብ። እቲ ኣብቲ ማእሰርቲ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ ከም ዝገልጾ፤ “ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብ መርመርትና መጺኡ፡ እዚ ሓሳዊ! ብሓሶት እዛ ረድዮ ባና ንረድዮ ወጋሕታ መደባታ ንኽትፍኑ እትሕግዝ፡ ኣባላታ ድማ ጽሑፋት ናብ ረድዮ ወጋሕታ ዝልእኩ እዮም ብምባል ዘእሰረኩም፡ ተመርሚሩ ሓሲዩ ከም ዘእሰረኩም ተረጋጊጹ፡ ንስኹም ክትፍትሑ ኢኹም ንሱ ግና ተኣሲሩ ኣሎ ኢሉኒ።” ከምቲ እቲ መርማሪ ዝበሎ ድማ ኤፍሬም ማእከለ ኣብ ማሕብሱ ተሪፉ ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2007 እቲ ንነዊሕ እዋን ነታ ሚኒስትሪ ዘሳለያን ብመጠኑ’ውን ነታ ረድዮ ዝከላኸለላን ዑስማን ሳልሕ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከይዱ ብሰመረ ርእሶም ተተክአ። ሰመረ ርእሶም ኣብ ድጕል ሓዊ’ዩ ኣርኪቡ። ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ብዝብል ዕላማ፡ ሓለፍቲ ክፍልታት ሚኒስትሪ ዜናን ትምህርቲን፡ ንኣካይዳን ኣባላትን ረድዮ ባናን ዘጽንዕ ኮሚቴ ኣቚሙ። ሚኒስትሪ ዜና ፡እቲ ኮሚቴ መጽናዕቱ ክሳብ ዝውድእ ንምጽባይ ዓቕሊ ብምስኣኖም፡ እታ ኮሚቴ መጽናዕታ ክሳብ ትውድእ እታ ረድዮ ትተዓጾ ተባህለ። እምበኣር ኣብ 2008 ቅድሚ ምሉእ-ብምሉእ ምዕጻዋ ብንእሽቶ ሞሳ ንሰለስተ ወርሒ ተዓጽወት።

እቲ ብሚኒስትሪ ዜና ኣቢሉ ዝተጋውሐ ወረ’ሞ ሓቅነት ከም ዘለዎ ንምምሳል ዝተጻዕረሉ ዘረባ፡ እታ ረድዮ ካብቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት ንላዕሊ ከይዳ መስመራ ስሒታ፣ ኣባላታ ድማ ንእስነት ኣጥቂዑዎም ምስ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘየድሊ ውድድር ኣትዮም ዝብል እዩ።

ብድሕሪ’ቲ ኣብ 2008 ረድዮ ባና ሰለስተ ኣዋርሕ ምዕጻዋ፡ ንቝሩብ ኣዋርሕ ስራሓ ክትጅምር እንተ ተፈቕደላ`ኳ፡ እቲ ተጻብኦ ስለ ዘይዓረፈ፡ ብዝኸፍአ ኣብ 19 ለካቲት 2009 ንሳ ተዓጽያ ንኣባላትን ካልኦት ብውልቃዊ ተናጸል ኣብ ኣዒንቲ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና ብቐንዱ ከኣ ዓሊ ዓብዱ ዝኣተዉ ዜጋታትን ለኪማ ተዓጸወትን ግዳይ ማእሰርቲ ገበረትን። ቤት ጽሕፈት እዛ ረድዮ፡ ኣባላታ ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ንኽልተ ዓመታት ብወተሃደራት ተሓሊያ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ`ውን ነበረት። ሚኒስተር ትምህርቲ ሰመረ ርእሶም ንስራሑ ክኣቱን ክወጽእን መኪና ዘቐምጠላ’ሞ ናብ መዓስከር ወተሃደራት ተቐይራ ዝነበረት ኣሃዱኡ ኣመልኪቱ ብጩቕ ኣይበለን። ድሕሪ ክልተ ዓመት ምዕጻው ረድዮ ባና፡ እቲ ናይ መንግስቲ ዝዀነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነቲ ናቱ መንግስቲ ንብረተይ ኣረክበኒ ኢሉ ለሚኑዎ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ተሓዝ ንብረት ናይቲ ረድዮ፡ ኣቶ ኣርኣያ ደፈጭ፡ ካብቲ ዝነበሩዎ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ወጺኦም ነቲ ኣብ ገዛኦም ዝገደፉዎ መፋትሕ መኽዘናት ከረክቡ ኣውጺኦሞም፡ መፋትሕ ኣረኪቦም ድማ ኣብታ መዓልቲ ናብ ማእሰርቶም መለሱዎም። ምስ ብጾቶም ድማ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ምስቶም ብ19 መጋቢት ናይ 2013 ካብ ማእሰርቶም ክወጹ በቒዖም። ባሲሊዮስ ዘሞ፡ በረኸት ምስግና፡ መለስ ንጉሰ፡ ይርጋኣለም ፍስሓ፡ ግርማይ ኣብርሃምን ጴጥሮስ ተፈሪን ድማ ክልተ ዓመት ወሲኾም፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ እንተስ ኣጋጣሚ ክኸውን ወይ’ውን ኰነ ኢልካ ነይታ ዕለት ዉዕሎ ኣንፈት ንምቕያር፡ ኣብታ ወተሃደራት ንፎርቶ ዝተቘጻጸሩላ ዕለት ማለት ኣብ 21 ጥሪ ናይ 2015 ከም ዝፍትሑ ተገብረ። ኣብ እዋን ምውጻእ እቲ ኩሉ እሱር ከም ዝፍርምን ብዋሕስን ከም ዝልቀቕን እዩ ተገይሩ። እቶም ቀዳሞት ኣብ ዝተፈትሕሉ እዋን ጀነራል ፍሊጶስ እዚ ዝመስል ዘረባ እዩ ኣስሚዑዎም፤

“እዚ ናትኩም ጉዳይ ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን እዩ እሱራት ፖለቲካ ዝፈትሕ ዘሎ። ጉዳይኩም ንምጽራይ 10 ሺሕ ማይልስ ክንከይድ ገይሩና እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነጻ ኴንኩም ተረኺብኩም። መንግስቲ ድላዩ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ዕድለኛታት ኴንኩም ግና ክትወጹ ተገይሩ።”

ጀነራል ፍሊጶስ ነዛ ልዒላ ዘላ “ናይ ምሕረት” ቃል ተዛሪቡን እቶም ኣባላት ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ ኣርባዕተ ዓመት፡ ብድሕሪኦም ኣብ ኤርትራን ዓለምን ዝተራእየ ዝበሎ “ፖለቲካዊ ምዕባለታት” ኣሕጺሩ መብርሂ ሂቡን ናብ ስራሖም ከም ዝምለሱን ደሞዞም ናይ ኵሉ እዋን ከም ዝኽፈሎምን ተመባጺዑ እዛ ደብዳበ ኣሕቁፉ ኣፋነዎም።


*በየነ ሰመረ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ትካል Rural Enterprise Unit ከም ኣወሃሃዲ ፕሮጀክት ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ካብታ ሃገር ብ 2010 ወጺኡ። ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ተሰዲዱ ዝርከብ ጸሓፊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳይረክተር ፕሮግራም ትግርኛ ረድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ (SBS) ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ንጸሓፊ beyenezemen@yahoo.com ወይ’ውን beyene.weldegiorgis@sbs.com.au ብዝብል ኢመይል ምውካሱ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email