ደሳለ በረኸት*
“ሽሕ ይሙቱ – መሕደሪ-ሽሕ ኣይሙት!” ቀዳሞት ዝመሰልዎ እዩ። ኣብቲ ሽሕ ከም እልፊ ዝቚጸረሉ ዝነበረ መዋእል፡ “መሕደሪ – ሽሕ” ማለት ጽላልን መዕቈብን ኣእላፍ እዩ ነይሩ። ኣብዚ፡ ንሓንቲ መልጐም ናይ ቃዕታ ጠዊቕካ፥ ንምልዮናት እተዕጥቐሉን ንምልዮናት ተስፋ እተስንቐሉን፥ ንምልዮናት ከኣ – ናይ መበሃሃሊ ባይታን መድረኽን እተዋድደሉን ዘመን እውን፡ ተራ “መሕደሪ – ሽሕ” ዓዚዙ እምበር ኣይነከየን። እኳ ድኣ – መጥመሪ ኲሉ ዛዕባ ዀይኑ!
ረቡዕ 24 ጥሪ 2024፡ እምብኣር፡ ንሓርነትን መሰልን ከየባተኸን ከይተሓለለን ዝጸሓፈን ዝመደረን፥ ልዕሊ ዂሉ ድማ ንዝጽሕፉን ንዝምድሩን ባይታ ዘጣጥሐ፡ ተውለ፡ “መሕደሪ – ሽሕ” ዝዀነ ኣያ ኢና ስኢና ዘለና። ተቓላሳይ – ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና!
ወዲ-ሰብ “ተወልደ” እንተ-ተባሂሉ፡ ንሞተ እውን ዘጠቓልል እዩ። ከመይ’ሲ፡ ሞት – ካቲማ ናይ ኲሉ ህያው ፍጡር ስለ ዝዀነት። ይዂን እምበር፡ ህይወት፡ ብምውላድ ጀሚራ፡ ብምሟት ጥራይ እትዛዝም መስርሕ እውን ኣይኰነትን። ከምቲ፡ ኣብዛ ዓለም እናነበረ እንከሎ ዝርሳዕ ሰብ ዘሎ፡ ካብዛ ዓለም ብህይወት ምስ ሓለፈ፡ ስሙ ዝያዳ ዝደምቕ ሰብ እውን ኣሎ። ተቓላሳይ፡ ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና ድማ፡ ብርግጽ ሓደ ካብዞም ዳሕረዎት እዩ።
እቶም ትማሊ፡ ብዘይ ሕለል ሰናይ ተግባራቱ ዝዓጠቑ፥ ብተስፋኡ ተስፋ ዝዘርኡ፥ ብልዑል ሞያዊ ክእለቱ እግሪ ዝተኸሉ፡ “ኣጆኹም – ዘይክኣል የለን!” ዝበሎም . . . ሎሚ፡ ድሕሪ ምስንባቱ፡ ከመይ ዝበለ ተውለ ኣያ ከም ዝሰኣኑ፡ ይምስክሩ ‘ለዉ። ይምስክሩ’ለዉ ብዜማ። ይምስክሩ ኣለዉ ብመድረ። ኣነ እውን እምስክር ኣለኹ – ብጽሑፍ!
* * *
ተስፋልደት፡ ታተ ኢሉ ኣጀሚሩ፡ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ናይ ዩቱብ ምስረታ ዘብጽሖ፥ ወናንን ኣካያድን “ምስትያት ቤትና”፡ ሓው ዘካርያስ ክብርኣብ፡ ኣብቲ ብቐጻሊ፡ ንኽብሪ ሓው ተስፋልደት ዝሰርሖ ዘሎ መደባት፡ “እቲ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ዝነበረ ኮኾብ ወዲቚ!” ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ምስረታ ፈነወ ራድዮ “መሰልና ደሊና” – 2004፡ ከም በዂሪ ኣንባቢት ዜና ኮይና፡ ብ”ኑራ” ዝብል ናይ ብርዒ-ስም ምስ ሓው ተስፋልደት፡ ንመጀመርታ ግዜ ዝተላለየትን፡ ጸኒሓ እውን፡ ሕውነታዊ ዝምድና ዘማዕበለትን፡ ተቓላሲት ፎዝያ ሓሰን ካብ ኣመሪካ ድማ፡ “ንዓና፡ ንልብታትና ኣዝዩ ዝቐረበ ሰብ ኢና ስኢንና። . . . ንሃገር ድማ ሓደ ድሙቕ ኮኾብ እዩ ወዲቕዋ ዘሎ!” ክትብል – ዝኽራ ብምረት ገሊጻ። ብምኽንያት ዕርፍቲ ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ቃልሳ ኣሐይላ ክትቅጽል ምዃና እውን ትሕርን – ኣብቲ ምስ ሓው ሳሚኤል ገብረ-ህይወት (ዓካ-ዓካ)፡ ኣብ “ደሃይ ኤርትራ” ዝተሰምየ ናይ ዩቱብ ቻነል ዝገበረቶ ሓጺር ናይ ዝኽሪ ዕላል።
ስነጥበበኛ ወዲ-ትካቦ እውን፡ በቲ መረዋሕ ድምጹን ከም ማይ ዝዛሪ ሙዚቃኡን፡ “ሰሚዕኩም ዶ ወራሲ ወራሲት፧ ነብሲ ገይሻ እታ ተቓልሲት | ኣያ ዂሉ ገይሹ ተቓላሲ!” ክብል ኣስቈንቊንሉ’ሎ – ንሓው ተስፋልደት።
* * *
ናይ ብዙሓት ምስክርነት ክሰምዕን ከንብብን ምስ ጀመርኩ፡ ብዛዕባ ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ሓደ ዝተፈልየን ዘይልሙድን ስእሊ ክዕዘብ ክኢለ። ገለ ካብቶም ብዛዕባ ሕልፈት ሓው ተስፋልደትን፡ ንሱ ኣብዚ ቃልሲ ክፈጥሮ ዝኽእል ሃጓፍን ኣምሪሮም ዝገልጹ ዝነበሩ ወገናት፥ ኣብ ነንሕድሕዶም ስኒት ዘይብሎምን፡ ናይ ጸጋምን ናይ የማንን ዝሓስቡ እዮም። ይዂን እምበር፡ ዳርጋ ኲላቶም፡ ምስቲ ብፍቕሪ “ተስ” እናበሉ ዝዝክርዎ ሓው ተስፋልደት ኣዝዩ ዝጠበቐ ዝምድና ከም ዝነበሮም ይገልጹ ነይሮም። እዚ ድማ፡ ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ክሳብ ክንደይ ናብ ዕላማ ጥራይ ዘተኩርን፥ ነቶም ዝተፈላለዩ ሓሳባት ተዀልኲሎም ዝመጽዎ ዝነበሩ ድማ፡ ከከም ገጾምን፡ ከከም ኣመጻጽእኦምን ተቐቢሉ፡ ባይታ ዘጣጥሓሎም ምንባሩ ዘዘኻኽር እዩ።
* * *
ድሕሪ’ዚ ዂሉ፡ ኣነ ንባዕለይ፡ ንሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና መዓስን ብኸመይን ከም ዝዝክሮ ክሓስብ ጀሚረ።
ብዛዕባ ተስፋልደት፡ ቅድሚ ስሙ ንስርሓቱ እየ ፈሊጠ ክብል እኽእል። እቲ ግዜ፡ ነሓሰ 2001 ኣቢሉ እዩ። ኣብ ከባቢ ምዕጻው ናይተን፡ ኣብ ኤርትራ ዓንቢበን ዝነበራ፡ “ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት” ድማ እዩ ነይሩ። ሓንቲ ካብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ዝተተርጐመት ኣዝያ ኣገዳሲ ጽሕፍቲ፡ ኣብታ ኣዘውቲረ ዝሳተፈላ ዝነበርኩ፡ ብሕታዊት ጋዜጣ “መቓልሕ” ተኣንጊዳ ነበረት።
እታ ጽሕፍቲ፡ ብፕሮፈ. ተኪኤ ፍስሃጽዮን ዝተጻሕፈት እያ ነይራ። ንግዝኣተ-ሕግን ኣድላይነት ምዅስኳስ ኣድማሳዊ ዲሞክራስን ትትንትን ድማ ነበረት። ኣብቲ መዛዘሚ ናይቲ ጽሑፍ ከኣ፡ ምንጪ ካብ “ኣዝማሪኖ.ኮም” ዝብል ሰፊሩ ነበረ።
ምስቲ ዝነበረ ትሑት ናይ ምርዳእ ደረጃ፡ “ኣዝማሪኖ.ኮም” እንታይ ምዃኑ ብዙሕ ዝርድኣኒ እውን ኣይነበረን። እታ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ዝተረዳእክዋ ዝዓበየት ጒዳይ ግን፡ “ኣዝማሪኖ.ኮም” ዝበሃል – ሓደ ምንጪ ናይ ምዕቡል ሓሳባት ዝዀነ “ማዕከን” ምህላዉ ጥራይ ነበረት።
ጸኒሐ ኣብ ስነዳን ምርምርን ክሰርሕ ምስ ጀመርኩ፥ ኣብቲ ዝተመደብኩሉ “ኦፊቾ” ድማ፡ ብ“V-Sat” ዝፍለጥ፡ ስሉጥን ነጻን ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለ ዝነበረኒ፡ ናይ “ኣዝማሪኖ.ኮም” ( Asmarino.com ) ተጠቃሚ ክኸውን ከኣልኩ። የግዳስ፡ ሽዕኡ እውን እንተ-ዀነ፡ ነቲ መለሳ ዝረኽበሉ ዝነበርኩ ጽሑፋት ድኣ የንብብ ነበርኩ እምበር፡ ነቲ ከምቲ ዝበለ መድረኽ፡ ሓሳቢኡን ፈጣሪኡን መን ምንባሩ’ስ እንዶ ‘ውን ኣይነበረንን።
* * *
ነቲ፡ ኣብ መንጎ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብን፡ ኣብ ፈቐዶኡ ዝተዘርወ ስደትኛን ንኸይራኸብ፡ ኰነ ኢልካ ዝተፈጥረ ጋግ፡ ንኸራኽብ ዝጸዓረን ዝተዓወተን “ተስፋ-ልደት” ዝበሃል ሰብ ምህላዉ ዝያዳ ዝፈለጥኩ፡ ንባዕለይ ናብ ስደት ምስ ኣምራሕኩ እዩ። ጸኒሐ፡ ምስ ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና ክደዋወል ዕድል ረኺበ። ኣብ ምምላእ ብድምጽን ምስልን፡ ትሕዝቶ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናብ ቋንቋ ትግረ ምትርጓሙን ምስኡ ንኽሰርሕ እውን ክኢለ።
ሎሚ፡ ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ነቲ ዝተጸሓሓፍናዮ ከንብቦ፡ ነቲ ዝተደዋወልናዮ እውን ክዝክሮ እንከለኹ፡ እታ ዝያዳ ኣብ ኣእምሮይ እተቃልሕ ድምጺ ተስፋ-ልደት ሓንቲ ነገር እያ።
“ርኢኻ ደሳለይ ንስኻ ጌና መንእሰይ ኢኻ ዘለኻ። ኣብ ኣተሓሳስባና ለውጢ እንተ-ዘይመጺኡ፡ ኣብ ካልእ ንልውጦ ነገር የለን!” ይደጋግመለይ ነይሩ።
እዛ ኣበሃህላ እዚኣ፡ ኣቐዲመ፡ ኣብ ደርፍታት ፍላስፋ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ንዝሰማዕክዋ ኣበሃህላ እውን ተዘኻኽረኒ ነይራ እያ።
“ኣተሓሳስባና እንተ ሃብቲሙ – ወዮ ድኽነትና ሽዑ ‘ኺቲሙ!” ትብል – ኣዝየ ዘድንቓ ኣበሃህላ።
ወዲ-ሰብ፡ ወይ ግዳይ ናይ ኣተሓሳስባኡ ይኸውን፡ ወይ’ውን ንኣተሓሳስባኡ ኣማዕቢሉ ይብልጽግ። ካብዚ ክልተ ሓቅታት ብዙሕ ኣይምሕድግን እዩ።
እዚ ዂሉ፡ ሓው ተስፋልደት፡ ምስቲ ተጓዲሉ ንዝነበረ ጥዕናኡ እናተቓለሰ ከይተረፈ፡ ኣብ ምምዕባል ዝተፈላለዩ ሚድያ፡ በቲ ልዑል ሞያኡን፡ ፋይናንሳዊ ዓቕምታቱን ዝገብሮ ዝነበረ ወፍሪ እምብኣር፡ ኣተሓሳስባና ንምቕያርን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ማዕረ ዓለምና ክንብልጽግን ክንስጉምን ስለ ዝሓለነ እዩ።
* * *
ከምቲ፡ ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፈይ ዝጠቐስክዎ፡ ወዲ-ሰብ ተወልደ ማለት ሞተ ማለት እዩ። ተፈጥሮኣዊ ቀይዲ ስለ ዝዀነ ከኣ፡ እቲ ብ-19 ሕዳር 1957፡ ካብ ህርኲታት ወለዲ፡ ኣቶ ኣለም መሓረና በረኸትኣብን ወ/ሮ. ለተኺዳን ሓድጉን፡ ህያብ ፈጣሪ ኰይኑ ዝተረኽበ – ናጽላ ተስፋ-ልደት ደጊም ሓሊፉ ‘ሎ። ሓሊፉ – ናብቲ ንሕና ጥራይ ክንስዕቦ እንኽእል – ንሱ ግን ዘይምለሰሉ ካልእ ዓለም።
ሓሊፉ – ግን ድማ፡ ንኽንኰኖ ዘዋናውን ሰናይ ተግባራትን፡ ከም ምዑዝ ሽታ ሃገግ ዝብል ጥዑም ሽምን ገዲፉ’ዩ ሓሊፉ – ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና!
ኣብዛ ዓለም – ተስፋ ኲልና ኴይካ ነቢርካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብታ ዘለኣለማዊት ዓለም ድማ፡ ኣምላኽ ብየማናይ ኢዱ ይቀበልካ። ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃብካ – ፍቱው ሓውና።
ደሳለ በረኸት – ብቛንቋ ትግርኛን ትግረን ዝጽሕፍ ጸሓፋይ’ዩ። ሓደ ካብ መስረትቲ ፐን ኤርትራ ኰይኑ፡ ኣብ ኖርወይ ድማ ይነብር። berekhet16@gmail.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካቡ ይከኣል።
