በረኸት ዕቝባጽዮን
ቀዳማይ ክፋል
መቕድም
ብዙሕ ጽሒፎም ክፋሎ ዝተባህለሎም ኣሎዉ። ክፋሎ ዝኣክል ጽሒፎም ገበታ ዝተዘርበሎም’ውን እንተዘይበዚሖም ኣይውሕዱን። እቶም ብዙሕ ዝጸሓፉ ይኹኑ ውሑድ ዝጸሓፉ እንብሎም፡ ብዝሒ ይኹን ዋሕዲ ጽሑፋቶም ብብዝሒ ገጻት ደኣ እምበር፣ ብርዝነቱ፡ ብዕምቈቱ፡ ብዘለዓለማውነቱ፡ ኣድማስነቱ፡ ብፈጠራውነቱ፡ ሃብቱ ኣይዓቀንናዮምን። እቶም ነዚ ዘማልኡ ውሑዳት ጸሓፍቲ ግና፡ ይትረፍ ክዝመረሎም ስሞምን ዕዮኦምን ዝፈልጦምውን ውሑድ’ዩ። ክብ-ታ ጽሑፋቶም፡ ንደረጃ ብልሂ ሓፋሽ ነበብቲ ሰንጢቑ ስለዝዕዘር፡ ካብ ክዝመረሎም ክርገሙ፡ ዕሽሽ ክበሃሉ ንዕዘብ። በዳሊ መን’ዩ፧ ጸሓፊ ወይስ ኣንባቢ፧ ብወገነይ ክልቲኦም ኣይብልን። ኤልያስ ኣማረ ኣብ መመረቕታ መጽሓፍ ትጽቢት ባህጉ ኣብ ዘስምዖ መደረ እቲ ጠንቂ ዝበሎ ርዝነት ጽሑፍ ብምዃኑ ኣፈ ልሳን ጸሓፊ ኰይኑ ነቶም ዘዕዘምዝሙ “ስነ ጥበበኛ ካብቲ ሓዂርዎ ዘሎ እምባ ናባኻ ኣይወርድን ኢዩ። ንስኻ ኢኻ ከም ኣንባባይ ወይ መስተማቐሪ ናይቲ ስነ ጥበባዊ ስራሕ ናብቲ ልዑል ደረጃ ስነ ጥበበኛ ክትድይብ ጻዕሪ ክትገብር ዘሎካ” ይብል። እቲ ከም ቅቡል ምኽኒት ክቐርብ ዝኽእል እምበኣር፡ እቶም ኣስተማቐርቲ ጣዕሚ ምስትምቓሮም ከምቲ ዝድለ ብዘይ ምቕራቦም’ዮም። ወይ ኣቕሪቦም ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ፡ ካልኦት ከስተማቕሩ “ጠዓሙን ረኣዩን” ብዘይ ምባሎም ኢዮም። እቶም ዝቐረቡ ድማ፡ ዝበዝሕ ንደገ ከላልዩ ደኣ እምበር፡ ከርሲ ዓዲ ኣትዮም፡ ብቛንቋ ጸሓፊ ክለሃዩ ኣይረኣዩን። እዚ ጽሑፍ እዚ እምበኣር፡ ንዕኦም ኣይተጻሕፈን። ነቶም እንተ ብርሑቕ ጽሑፋት በየነ ፈሪሆም ዝገደፍዎ፡ እንተስ ብማዕዶ ብፍርደ ካልኦት፡ ነቲ ገንኢ መዓር ከይቀርብዎ ብመሪር ሕንዚ ዝተነኽሱ ዝዓለመ’ዩ። ጸሓፊ እዚ ጽሑፍ፡ ከም ተራ ነባቢ ላዕላይ ላዕላዩ ከም ቀጸላ ሽጕርቲ ከሸትት፡ ደገ ኣፍ ቈፎ ንህቢ ክብርብር እፍትን እምበር፡ ዕምቈተ ትሕዝቶ ከም ዝግባእ ኣይኵዕትን። ዝኽእሎ’ውን ኣይመስልን። ክንኵዕት ግደፈና፡ ክንብርብር ሕደገና ንዝብሉ ግና፡ መጻሕፍቲ በየነ፡ ካብ ዕዳጋ ሸሚትኩም ክሳዕ ዝዓቕሞም ክዅዕቱ፡ ክብርብሩ፡ እንሆ ኣብ ፈቐዶ ሜዳ ፋሕ ዝበለ ሰማዒ፣ እንሆ ዝጋለበ ፈረስ ዘይመልሶ ፈታዊ!
ምኽንያተ ጽሑፍ በየነ
ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ደኣ እምበር፡ ዝኣኽሉ ጸሓፍቲ ኣሎዉና ክንብል ኣይንደፍርን። ዘይተዳህሰሰ ጽባቐ፡ ዘይተዃዕተ ታሪኽ፡ ዘይተበጽሐ ጥበብ፡ ግርማ ተዋሕዶነት ኣብ ብዙሕነት፡ ኰታስ ባሕርን መሬትን ኤርትራ፡ ሕዝባን ናብርኡን ወዘተ. ጌና ኣይተበጽሑን። ብሓደ ወይ ብእኩብ ዝብጽሑ’ውን ኣይመስሉን። እንተኾነስ፡ ብገለ ወገኑ ዝተማልአ “በየዓይነቱ” ጌሮም ዘቕርቡ እሞ፡ ሸውሃት ዕዱማት ነበብቲ ብኸፊል ከዕግቡ ሸዀርተት ዝብሉ ኣጋፋርያን ጸሓፍቲ ግና ኣይተሳእኑን። ማሕሌታይ ዶር. ርእሶም ሓይለ፡ በዓል ቅኔ ተስፋማርያም ወልደ ማርያም ገለ ካብቶም ማዕጾ ትርግታ ኤርትራዊ ልቢ ንምርካብ፣ ማዕጾታት ዛንታ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት ኳሕኲሖም ንኣስተማቐርቲ ብርሃን ንምርኣይ ማዕጾታት ፈቐቕ ዘበሉ’ዮም። ካብዞም ዝተጠቕሱ፡ ብዘይምግናን እንተዘይበሊጹ ዘይንእስ ድማ፡ ጽሑፋትን ቅብኣታትን በየነ ሓይለ’ዮም። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ፡ እቶም ቀዳሞት ብቕዲ ጽሕፈቶም (ግጥሚ) ብብዙሓት ክስተማቐሩ ብዙሕ ዕድል ዝፈጥሩ ክንሶም፡ ጽሑፋትን ቅብኣታትን በየነ ግና፡ ከም መዓር ጽጌናይ ጸድፊ ጸድፊ ኬድካ እንተ ዘይበርቢርካዮም፡ ዝጠዓሙ ብዘይ ምዃኖም’ዮም።
ጸሓፊ፡ ኣብ መጽሓፉ ስሙ ክጥቀስ ከሎ ከም ዘሕጕሶ ይጠቅስ። መሐጐሲኡ ግና፡ ኣካል ሕብረተ ሰብ ብምዃኑ’ዩ። ኣካል እቲ ዝተወለድካሉ ሕብረተ ሰብ፡ ትርግታ ልቡ ሰሚዕካ ክትጽሕፍ ትዕድልትን ጥበብን ይሓትት። ብዛዕባ ንሱን ካልኦት ጸሓፍትን እንክዝቲ “ገሊኦም ጸሓፍቲ ኣብ ሕምብርቲ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ማእከል ዓውዲ ህይወት ኰይኖም ይጽሕፉ፣ ካልኦት ድማ ወሰና-ወሰን ዓውዲ ናብራ ሕብረተሰብ እናዀለሉ ይነብሩን ይደርሱን። መን ናብ ማእከል ናብራ፣ መን ናብ ወሰን ህይወት ከም ዝምደብ ኣይፈልጥን፣ ኵሎም ዓይነት ጸሓፍቲ ከም ዘድልዩ ግን ኣይጠራጠርን። ኣነ ግን ናብ ማእከል ክኣቱ እህንጠ’ሞ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ናብ ወሰን ህይወት ተመሊሰ ከተንፍስ እደሊ። ብዙሓት ቀለምቀመሳት ኣብ ሕምብርቲ ዓውዲ ናብራ ሃገር ዘለዉ ይመስሎም። በተን ዘለዋኦም ገይሮም ኣብ ኵሉ ክርኣዩ ይጽዕሩ፤ ድምጾም’ውን ብዝፈልጡዎን ዘይፈልጡዎን ከስምዑ ይፍትኑ። ካልእ ኣብ ወሰን ሸንኰለል ዝብል ዘሎ ይመስሎም። እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ማእከል ዘሎ ንምሉእ ህዝቢ ናብ ማእከል ዘጥምት ፍረ እንተ መሃዘ ኢዩ። ጸሓፊ ድማ ኣብ ድላዩ ኰይኑ ይጽሓፍ፣ መጽሓፉ ማእከል ህዝቢ ክትከውን እንድሕሪ ኣብቂዑ መን ኢዩ ወይ ኣበይ ኰይኑ ኢዩ ጽሒፉ ንዝብል ሕቶታት ምምላሽ ይቐልል” ይብል። ጸሓፊ ዋላኳ ብኽቱር ትሕትና፡ “ኣነ ግን ናብ ማእከል ክኣቱ እህንጠ`ሞ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ናብ ወሰን ሕይወት ተመሊሰ ከስተንፍስ እደሊ” እንተ በለ፡ ብጽሑፋቱ ግና፡ ኣብ ልቢ ሕዝቡ ኣትዩ፡ ዘስተውዓለ፡ ዝመርመረ፡ ዝቘዘመ፡ ዝዘመረ፡ ዝተገረመ ይመስል።
ኣነ ግን ብዛዕባይ ጥራሕ እየ ዝፈልጥ። ብዘይካ ጽሓፍ ጽሓፍ ዝብል ድፍኢት ካልእ ምኽንያት የብለይን። ኣነ ከም ኣባልኩም ናተይ ኣጠማምታ ናብራ ዓለም ክገልጸልኩም እሞ ምናልባት ዝመሳሰል ኣረኣኢያ ድሕሪ ረኺብኩም እምበኣር ኣብ ሓደ ዓለም ኢና ዘሎና እንተ በልኩም እንታይ ይፍለጥ! ኵልና ሓንቲ ጸሓይ እናረኣና ስለ ንስጒም ኣብ መንገዲ ህይወት ዝጐነፈኒ ምስቲ ንዓኻትኩም ዝጐነፈኩም ድሕሪ ተጋጢሙ ገለ ዘራኽብስ ኣሎና እንተ በልኩም ካብ ጽምዋ ዓለም ቊሩብ ትድሕኑ’ሞ ንገጣጠም ንኸውን። ምኽንያቱ ግጥሚ ኢዩ ዘራኽብ፡ ህዝቢ ሃገርና’ውን ዘይ ብግጥሚ ኢዩ ዝነብር፡ ብምግጥጣም ግጥሚ ይምህዝ፡ ግጥሚ ይዝምር፡ ግጥሚ የልቅስ፡ ግጥሚ የውግዕ። ዘገርም ኢዩ!”
በየነን ሃይማኖታውያን ውርሻታትን
ንግደት ወይውን ክብረ በዓል፡ ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ፡ ተዋሕዶን ካቶሊክን ዓቢ ተዘክሮ ዝገድፍ ዓመታዊ በዓል ታቦት ዓዲ’ዩ። ኣብቲ ንግደት፡ ነገድቲ ካብ ፈቐዶ ከባቢታት ኤርትራ ተኣኻኪቦም፡ በዓል ከብዕሉ ናብቲ ዝበዓለሉ ይነግዱ። ክነግዱ እንከለዉ፡ መእተዊ ዝኾኖም ካብ ሸዊት ክሳዕ ኣረቂ ሒዞም ይኸዱ። በቲ በዓል ከብዕሉ፡ በቲ ደሃይ ሕድሕድ ክተሓተቱ ድማ፡ ግሩም ዝኾነ መዓልቲ ይውዕሉ። እዚ ተዘክሮ እዚ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ገጠር ይዕበ ኣብ ከተማ፡ ዝሓለፎ ዓመታዊ ዝኽሪ ኢዩ። በየነ፡ ነዚ ዝኽሪ እዚ፡ ዘይከም ካልእ፡ ብፍሉይ ተዘክሮ፡ ልብኻ ናብ ዋዜማ ንግደት ክሳዕ ዝመልስ ብግሩም ስእላዊ ኣገላልጻ (flash back) ጌሩ ይወስደና።
ንጽባሒቱ በዓል ስለ ዝነበረ ኣርፊድና ተንሲእና። ናብ ንግደት ሕዳር ጽዮን ኣስመራ ዘውግሕ ኢዩ ነይሩ። ድሮ በዓል ዝግበር ዋዜማ ናብቲ ቀንዲ ዜማ ቅዳሴ ዘብጽሕ ውሕጅ ኰይኑ ይስምዓኒ። እቶም መዘምራን ብሓቂ ናብ ጽዮን ዝብገሱ ዘለዉ ኢዩ ዝመስሎም። ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመርናዮ ምሽብሻብ ኣጋ ግዜ ተሳጊሩ፣ ንምሸት ሓሊፉ፣ ብለይቲ ናብ ጽባሕ ንግሆ ንምብጻሕ ከበሮታት ብጸናጽልን መቖምያን ቤት-ኣምላኽ ክዅሕኵሑ ኣለዎም ይብሉ ይዀኑ እቶም መዘምራን። ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝተበገሰ ናይ ኣዛሚትን ናተይን ፍኑው ወግዒ ግን ብመዝሙር ተሰንዩ፤ ናይ በገና መዋቕር ሰሓቡ ኢሎም ዝጀመሩዎ መዝሙር፣ ኣዛሚት ትፈልጦ ዶኾን፧ ካልኦትከ፧ እቶም ብዝተሸገ ደርፊ ካልኦት ዝወዛወዙ መሳኪን ኣጉል ዓዲ ብምንታይ ክድሕኑ ይኽእሉ ይዀኑ፧ እቶም ብናይ ካልኦት ዝተቓነየ ክራር ንኣማልኽቶም ከተዓሻሽዉ ዝፍትኑኸ፧ ኣዛሚት ናይ መን ሙዚቃ ይርድኣ ይኸውን እናበልኩ እሓስብ። እቲ ኣዝዩ ዝመቀረ ሙዚቃ ዘይተደምጸ ኢዩ ዝበለ እንግሊዛዊ ገጣሚ ከም ገለ ተዘኪሩኒ። (ትጽቢት ባህጉ፡ 35)
ኣብ ዝቕጽል ገጽ ድማ፡ ድሕሪ ዑደተ ታቦት፡ ምእመናን ነናብ ቤቶም ከይዶም፡ ኣጋይሾም ኣብ ዘእንግድሉ ህሞት ዘሎ፡ ምዉቕ ሃዋህው ብሕብራዊ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክሳዕ ዝመስል ብኸምዚ መልክዕ የዘንትዎ፤
ቍርሲ ስለ ዘይተርፍ ካብ ሰለምለም ቅሳነትን ፍርቂ ሕልምታትን ግድን ምትንሳእ ኰይኑ። ኣዛሚት፣ ሰለስተ ዓመት ንዝገደፈቶ ገዛ ከይተጋየሸት፣ ጥዑም ቍርሲ ቀሪባ። ልበይ ግን ንዓይ ገዲፉ ናብ ኣርባዕተ-ኣስመራ ንሕዳር ጽዮን ዝቕረብ ዝነበረ መኣዲ ዘንብዩ። ኣብ ዓቢ መሶብ፣ በዓል ኣእላፍ ኣዒንቲ ድርብርብ ዋልታታት ጣይታ፣ ጐቦ ሻሽ ዝመስል ሕልበት ተቐቢሉ፣ ኣብ መዓሙቑ ድማ በርበረዋይ ቀላይ ጸብሒ ዓቚሩስ ዶባቱ ብዕርዲ ትምትሞ ዝተኸበበ፣ መትከል ዶባቱ ድማ ብሸገታት ጕዕ-በርበረ ዝተመልከተ ኰይኑ፤ ኣጻብዕቲ ዕዱማት ኵላሶታት እናኽበቡ፣ ነፍስሄር ኣቦይ ቀሺ ዘርእዝጊን በዓልቲ-ቤቶም ኣደይ መብራት ብልዑ ስተዩ እናዘመሩ፣ ግርማ ጻዕዳ ዝኽዳኖም ነጋዶ ጥዑም ክብሉ፤ ኣነ ድማ መግቢ ጻድቃናት ረኺበ ኢለ ንኸብደይ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ስንቂ ክድልብ እንከሎኹ ተዘኪሩኒ። (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 36)
ምእመናን ተዋሕዶን ካቶሊክን፡ ኣብ ድንግል ማርያም ዘሎዎም ፍቕሪ፡ ብዝግባእ ካብ ስድራ ቤቱ ዝተረድአ በየነ፡ ንሓደ ስድራ’ቦይ ቀሺ፤ “ኣዛሚት ሜዳ ቅድሚ ምኻዳ ንንግደት ሕዳር ጽዮን ናብ እንዳ ኣቦይ ቀሺ ወሲደያ ነይረ። እታ ስድራ ክሳዕ ሕጂ ቀንዲ ናይ ማርያም ጽዮን ወኪል ኰይና ትርኣየኒ። መኣዲ ምስ ቀረበ ብዛዕባ ሕልበትን ትርጕሙን ኢለ ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ገድሊ ደጊመላ።” (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 36)
ውሕልነት ኣደታት ዝንጸባረቐሉ ጽሑፋት በየነ፡ ነቲ ውሕሉል ጸብሒ ኣደታት፡ ብውሕሉል ቃላቱ ኣብ ድኳን ትበርህ ብኸምዚ ይገልጾ፤
ስሕት እናበለት ግን ሕቡእ ትርጕም ዕለታት እናተኸታተለት ንኽለዓል ምሉእ መዓልቲ ዝውድእ ጸብሒ ጥሕሎ ንምፍጣር ካብቲ ቘጢባ ዝዓቀበቶ ዕንጨይቲ ቈልቋል ገይራ ኣብ ክሳድ እቶን ሓደ ዓቢ ጻሕሊ ምስ ገጠመት ካብ ወጋሕታ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ቈልቋል ብዝተሰርሐ መዀስ ገይራ መዓዛ ሽጕርቲ ብሓይሊ ጠስሚ ከይድሃል፡ ላዛ በርበረ ረሃጹ በቲኑ መንነቱ ከየጥፍእ፡ ዝምድና ቛንጣ ወይ ስጋ ኣብ መንጎ ቅቡጥ ማይ ከይብተኑ፡ ኣብ ዓንኬል ጻሕሊ ዝኣተወ ዅሉ ብመራሕ ጸብሒ ብሕብረት ከዅድድን፡ ፍጻመ ዑደቱ ዝኾነ ታሪኻዊ ጣዕሙ ብመዓዛኡ ምስ ኣበሰረ ድማ ኣብ ኣፍን ኣብ ከብዲ ክቡር በላዒ ጣዕሙ ንኽዝርግሕ ብዘይ ዕረፍቲ ክትደክም ይዕዘባ።
ኣብ ካልእ ድማ፡ ነቲ ኣደታት ቡን ኣፍሊሐን እሞ፡ ጀበና እንተ ገንፊሉ ዝገብርኦ ኣስተሃድኦ ቡን፡ “ነቲ ክግንፍል ዝደለየ ጀበና ደቢሳ ደባቢሳ ኣውሪዳቶ” ክብል፡ ምስቲ ንሕጻናት ዝገብርኦ ምድባስ የተኣሳስሮ። ጸኒሑ፡ ካብን ናብን ቅልጣፈ ኣደታት ብምዕዛብ “ናብ እንዳ መጐጎ ተወንጪፋ ከይዳ ድማ ቐልጢፋ ካብ መቕሎ ዝተቐበለቶ ቅጫ ስገም ኣብ ሰፍኢ ቍርሲ ሒዛ ተመሊሳ ጀበና ክሳብ ትሰክን ተጸብያ።” ክብል፡ ይገልጾ።
ምእመናን ጋሕጋሕ ለይቲ ተንሲኦም፡ ናብ ኣብያተ እምነት ዝገብርዎ ገስጋስ፡ ንበየነ ካብቶም ኣዝዮም ተምሳጥ ዝፈጠሩ፡ ሃይማኖታውያን ክብርታት ሕብረተሰብና’ዮም። ነዞም ክብርታት እዚኦም፡ ንግሆ እንተ ዘይተንሲእካ ከተስተብህለሎም ኰነ ከተስተማቕሮም ከቢድ ይገብሮ። ምናልባት፡ በየነ ብቅብኣን ብጽሑፍን ካብ ዘስፈሮም ናብራ ሕዝቡ እታ ብሕታዊት ክትከውን እትኽእል ድማ፡ እዛ ምእመናን ንግሆ ተንሲኦም ዝገብርዎ ምስላም’ዩ። ብቓላቱ፤
ንግሆ-ለይቲ እቶም ብዕሪር ዝመስል ዓጓ ክዳን ዝለበሱ ምእመናን ኣብቲ ሃፋ ሰማያዊ ዝበረዞ ፈኲስ ዕምብረ እናተንሳፈፉ ዝወዛወዙ ዘለዉ ክመስሉ ነናብ ቀጽሪ ቤተ-መቕደሶም ክግስግሱ ኣብኡ ክሰግዱን ክምህለሉን ጸኒሖም ነንገዛኦም ክሳለዩን ምዕዛብ ንበይኑ ዝዓይነቱ ሃብታም መንፈሳዊ ቅሳነት ኢዩ ዘወፊ። መዓልታዊን ሰዓታዊን ዘተ ኣማልኽቲን ደቂ-ሰብን፣ ብውሽጣዊ ሙዚቃ እናተሰነየ፣ ብውልቀ-ሰብ፣ ብብሕታዊ ኣባይቲን ብቤተ-መቕደስን፣ ዝግበር ጸሎትን ስግዳንን ውሕሉል ኤርትራዊ ጥራሕ ኢዩ ዝፈልጦ። (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 7)
እዚ ልምዲ እዚ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ንኣምላኹ ብለይቲ ዘወፍዮ ወፈያ ወይ ድማ ዕሽር ግዜኡ ምዃኑ እተገንዘበ በየነ፡ ለይቲ ብኤርትራውያን ሕብረ ኣብርሃማዊ እምነታት ዝግበር ምስጋና ፍሉይ ስምዒት ከም ዝህቦ ክገልጽ፤
“ለይቲን ንግሆን እዋን ኣማልኽቲ፣ ጸምጸም ቀትሪ ድማ ኣጋንንቲ ጽፍዒቶም ኣብሊሖም ንመህደን ሰብ ዝጥቀሙሉ እዋን ኢዩ ዝብሃል፣” ኢሎምኒ ሓደ ደብተራ። ለይቲ ኣጋ ወጋሕታ ግን ህዝቢ ኣስመራ ንኣማልኽቱ ዘወፈዮ እዋን ምዃኑ መተኣማመኒ መሊኡ ኣሎ። ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ከተማታትን ቍሸታትን ከም ኣስመራ ለይቲ ንግሆ ምስ ኣማልኽተን ኢየን ዝዋስኣ። ካብ ኵለን ዝዓርግ ፈነወ ኣላህ ኣላህ፣ ቡራኬ፣ ንሴብሖ መን ይቝጸሮ! ሰበኽ- ሳግም ኣብ ዝቐነይሉ፣ ገያሾ ኣብ ዘዕረፉሉ፣ ሰብ ባሕሪ ካብ ነውጺ ማዕበል ብብልሓት ማህለቖም ሚዛን ኣብ ዝረኸቡሉ ይኽበር፣ ይባረኽ እናበሉ ካብ ስግዳንን ጸሎትን ኣይበዅሩን ኢዮም። (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 7)
መዓልታዊ ምህለላ፡ ውዳሴ፡ ጸሎት፡ ስግዳን ንዝርኢ ሰብ፡ ኣይመንውዎን ዲዮም ክብል እትጽበዮ ትጽቢት ኢዩ። ነቲ ፍቕሩ እተረድአ ሕዝቢ ግና፡ ዕለታዊ ናብራኡ’ዩ። በየነ ሕጂ’ውን፡ እቲ ፍሉይ ኤርትራውያን ምእመናን ዝገብርዎ፡ ቅሩብ ግብርን ፍቕርን እንተ ዝሕወሶስ፡ ክንደይ ኰን መፍረየ ብዘስምዕ ስብከት፤
ኤርትራውያንን ኣማልኽቶምን ዝማነዉ ኣይመስለንን። ንነዊሕ ዘመናት ዝለመዱዎ ወግዒ ደጊሞም ደጋጊሞም ኣይጸገቡዎን። ኣብቲ ሕብሪ ድምጽታትን መቓልሕ ደወላትን እምነት ክዓርግን ኪዳን ክጠብቕን ተመስኪሩ። ምናልባት ኣማልኽቲ ፍልይ ዝበለ ማህዛዊን ፈጠራዊን ኣቀራርባ ይጽበዩ ከይኰኑ እጠራጠር። ምስቲ ጸሎት ኢድ ወስኹ! ምስቲ እምነት ፍረ ጻዕሪ ኣርኢዩ! ምስቲ ልማኖ ልግሲ ስነ-ፍልጠት ሓውሱ! ምስቲ ምሕጽንታ ጽባቐ ስነ-ጥበብ ኣሀብትሙ! ምስቲ ንብዓት ሓቂ ኣንግሱ! ምስቲ ስግዳን ስራሕ ኣብዝሑ ይብሉ ከይኰኑ እሻቐል። (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 272)
ግእዝን ድርሳናት ግእዝን ብዓይኒ በየነ
ቋንቋ ግእዝ፡ ቋንቋ ሓፋሽ ኣብ ዝነበረሉ ይኹን፡ ቋንቋ ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ኣብ ዝተሓጽረሉ እዋን፡ ገዳማውያን ኣቦታት ተዋሕዶ፣ ኣብ ምዕቃብ፡ ምብዛሕ፡ ምትርጓም ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ግደኦም ዕዙዝ’ዩ ኔሩ። ንፍልስፍና፡ ስነ ከዋኽብቲ፡ ዓውደ ኣዋርሕን ሃማኖታውያንን ድርሳናት ድማ እጃሞም ብዙሕ’ዩ። እዚ ዋላኳ ክንቅበሎ እንተ ዘይደሊና፡ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ! ዘይከሓድ ሓቂ ካብ ኰነ እምበር፡ ብኤርትራውያን ጸሓፍቲ ክምዝመዝ ምተገብአ-ሃብቶም ስለዝኾነ። ፍልስፍናታት ግሪኻውያን ብቅደ ኣርዕሞ ስማት ቍንጭል ፍልስፍና ኣርስጣጣሊስ፡ ኣፍላጦን (Plato)፡ ዲዮጋንስ፡ ሰቅራጥስን ካልኦትን ዝሓዘ ብራና መጽሓፈ ፈላስፋ ጠቢባን ወይ ቍንጫሉ ዝኾነ “አንጋረ ፍላስፋ” ከምኡውን ኣብ መበል ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ፡ Secundus the silent ጥበቡን ትምህርቱን ዘዘንቱ “ጠቢበ ጠቢባን፡ ዜና ስክንድስ ጠቢብ ወትምህራታቲሁ ወጥበቡ”፡ “ጥበበ ስክንድስ ወዜና ትርታግ ንጉሠ አርማንያ”፡ ሐተታ ዘርዐ ያዕቆብ ወሐተታ ወልደ ሕይወት ካልኦትን፡ ካብቶም ዝጥቀሱ ድርሳናተ ፍልስፍና ኢዮም።
እዞም ዝተጠቕሱ ድርሳናተ ፍልስፍና ይኹኑ ካልኦት፡ ኣበርክቶ መነኮሳውያን ኣበው ምዃኖም ብምንግዛብ ድማ በየነ፡ ንኣብ ዘመነ ምቕልቃል ተሓድሶ ዝተወልደ እንግሊዛዊ ፈላስፋ ፍራንሲስ ቤከን (Francis Bacon) ብግእዝ ከም እተተርጐመ ንምምሳል፡ “ትንግርተ ወሐተታ ፍራንጺጽ እምባቆን ዘሃገረ መዓዝናት ሳልስ” ብዝብል ስያመ፡ ኣጠሚቑ ኣንበብቲ ምስ ግእዝ ይኹን ብኻልኦት ቋንቋታት ንዝተተርጐሙ ጽሑፋት ብዝግባእ ከነንብቦም ከም ዘሎና የገናዝብ። “ገለ ክፋሉ ብግእዝ ገሊኡ ድማ ብዓረብ ተተርጒሙ ተረኺቡ። እተን ኣድባራትን መሳጊድን ሓደ ዓይነት ጽሑፍ መዝጊበን ምጽናሐን ዘገርም ኢዩ። ተርጓሚቱ ጓል-ኣንስተይቲ ምዃና ዘረድእ መርትዖታት ከም ዘሎ’ውን ተነጊሩ” ክብል፡ ተራ ገዳማትን መሳጊድን ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ዕዮ ትርጕምን የአንፍት።
በየነ ብቓላቱ፡ ብኣቦ ጕዕላዊ ጌሩ ጥንታውነት ንምፍታሽ፡ ድርሳናት ምፍታሽ ከም ዘድሊ፡ ድርሳናት ምፍታሽ ድማ፡ ቋንቋ ግእዝ ከም መርኆ ይርእዮ። ኣቦ ጕዕላይ፤ “ኣብ ዝሓለፈ ህይወተይ መሰታ ምይይጥ ኣጥርየ ኣይፈልጥን ነይረ። ምስ ናይ ዘመነይ መሓዙት ኣይገጠምኩን። ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ጭው ዝበለ ምድረ በዳ ዝኾነ ፍልልይ ራእይ ነይሩ። ዓለሞምን ዓለመይን ብሓሳብን ስምዒትን ኣይተቓደወን። ንሳቶም ብመባእታዊ መጻሕፍቲ ዝተሓጽረ ምንሙን ትምህርቲ እንግሊዝ ወይ ጥልያን ኢዮም ጥዒሞም። እተን ዝኣረዩወን ሒደት ቃላት ጥልያን ወይ እንግሊዝ ድማ ምስ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ከላልይኦም ኣይከኣላን። ብቛንቋ ግእዝ ይኹን ብኻልእ ተሓጊዞም ናብ ጥንታዊ ኵነታት ሃገሮም ዘሰጋግር መስኮት ቃላት ወይ ድልድል ስለዘይረኸቡ ኸኣ ጥንታዊ ምልክታት ኣይተረድኡን። ደቆም ዝተፈላለየ ትምህርቲ ኣስሊጦም ክሰርሑ’ኳ እንተ ኸኣሉ ካብኡ ሓሊፎም ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብርሃን ስነጥበብ ኣይረኣዩን። ቀለም ቀመሳት ኮይኖም ተሪፎም። ኣብ መሪሕነት፡ ኣብ ንግዲ፡ ኣብ ትምህርቲ ዘለዉ ደቆም መዓዛ ስነጥበብ ኣየለልዩን ኢዮም። በጻሕና እንተ በሉ ካብ ሕጹር ተክኖሎጂካዊ ክእለት ማለት ሓኻይም ኮንና፡ መሃንዲሳት ኮንና፡ ጠበቓታት ኮንና፡ ነገድና ሃብተምና፡ በላዕና ሰተና፡ ስልጣን ሓዝና ቈረጽና፡ መንዛዕና ጐነጽና፡ ገዛ ኣስራሕና ገዛእና፡ ክሓልፉ ኣይከኣሉን።”
ካልእ፡ ምእመናን ኣብ ግዜ ምዝዛም ቅዳሴ ወትሩ ዝደጋግምዎ፡ ትሕትና ዝመለልይኡ መሳጢ ጸሎት፡ ቋንቋ መላእኽቲ ብዘምስል “ሓቂ ይሓይሽ ምላሽ ኣማልኽቲ ተርጒመ ኣይክእልን፤ ዘረባ ሰብ ግን ንጹር ኰይኑ ይርድኣኒ። ሰብ እንታይ ዘይብል! ይልምን፣ የመስግን፣ ይውድስ፣ ካልእ ይትረፍ ይሕብር። ኣየ ክጽውዕ! ክጣራዕ! ክጽሊ! ክፈርሕ! ክልተ ክዛረብ! ወረ ንሓንሳብስ ሕንቃቐን ፍርሒን ኣምሲሉ ንፈጠርቱ ዝእዝዝ ዘሎ መሲሉ ኢዩ ዝስምዓኒ። እቶም ኣባላት ከተማታትን ገጠራትን መመልከቲ ኣእዳዎም ሓዊሶም ንብዙሓት ጸላእቲ ኢዮም ንዝበሉዎም እናረቝሑ ኣማልኽቶም ሕነ ንኽፈድዩሎም ይምሕጸኑ። “ሓሳዳት ኣጥፍኣልና፣ ሓሰውቲ ኣርሕቐልና፣ ረሲኣን ደምስሰልና፣ ፈርሓት ከውለልና፣ ከድዓት ኣሕፍረልና፣” እናበሉ ንኣማልኽቶም የዘኻኽሩ። ገሊኦም ድማ መመልከቲ ኣጻብዕቶም ናብ ገዛእ-ነፍሶም እናመልከቱ፣ “ጸላእቲስ ንሕና ኢና፤ ኣብዚሕናዮ ዕውንውን! ኣብዚሕናዮ ድንቍርና! ኣብዚሕናዮ ዕሽነት! ኣብዚሕናዮ ስንፍና!” እናበሉ ምሕረት ክልምኑ ይስምዑ። “በከመ ምሕረትከ አምላክነ ወአኮ በከመ አበሳነ” ኢሎም ይውድሱ። ኣብ መሬት እናተለለዉ፣ ሓምዅሽቲ እናተቐብኡ፣ ግንባሮም ብስግደት ሓነግ እናበሉ፣ ሸውሃት ስጋዊ ድልየቶም እናዓመጹ እንታይ’ሞ ዘይገብሩ፧ እንታይ’ሞ ዘይገብሩ” ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ።
ደራሲና ኣፍልጦ ግእዝ ከም ዝነበሮ፡ ዘእመነትኒ ሓንሳብ ሓንሳብውን ዘደንጸወትኒ እንተ ኣላ፡ ኣብ እዋን ቀብሪ ዝዝየም ዜማ ምጥቃሱ’ዩ። ዝገረመኒ ድማ፡ ኣብ እዋን ቀብሪ ብዘይካ ቤተ ክህነትን መቕርብን፡ ቅድሚት ኰይኑ ሓመድ ኣዳም ዘልብስ፡ ኣልቢሱ ድማ፡ ዝውሳእ ቃላት ዘስተውዕል ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ`ዩ። በይነ “ትማሊ ኣብ ስርዓተ ሞት ዝተዜመ “ወመጽአኒ ድንጋጼ ሞት…” ንዓይ መሲሉኒ። እቲ ንእሽቶ ዲያቆን ዓይኒ ዓይነይ ይጥምተኒ ነይሩ። እቲ ዝሞተ ካብ ስንባደ ሞት እንተ ተገላጊሉ ንመን ኢዮም “ወመጽአኒ ድንጋጼ ሞት” ዝዝምሩሉ ነይሮም እናበልኩ ኣስተንቲነ። ነቲ ዘሎ’ዮም ዝዀኑ ኢለ ክመራመር ፈቲነ። እቲ ዝሞተ መንእሰይ ኢዩ።” እዚኣ ንዓይ፡ ምስትውዓል ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዕምቈት ዘለዎ ምስትውዓል ትሓትት ዓንቀጽ’ያ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚት ኰይነ ቀቢረ’የሞ፡ ከም በየነ ጌረ ግና ኣስተውዒለላ ኣይፈልጥን። ኣብ ቀብሪ በየነ እዚ ዲያቆን “መሐራ፡ እግዚኦ፡ ለነፍሰ፡ ገብርከ፡ በየነ” ከዝይም ከሎ፡ እቲ በዓል ቅኔ በየነ፡ ነፍሱ ግእዝ ሰሚዓስ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሳ ትኸውን፧
በየነ፡ ኣብ ግእዝ ዘለዎ ኣፍልጦ፡ ቃላት ብምግላጽ፡ ስም ድርሳናት ብምጥቃስ ጥራሕ ኣይተሓጽረን። ምናልባት በየነ፡ ሕያዋይ ኣማኒ ከም ዝነበረ፡ ካብቲ ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ ወላዲቱ ማርያምን ዝቐብኦ ቅብኣታት ምርዳእ ይከኣል። ንሱ ጥራሕ’ውን ኣይኰነን። ቀዳሲ’ውን ነይሩ። ወይውን፡ ነቲ ቅዳሴኣዊ ጽሑፍ፡ ጽቡቕ ጌሩ ዘስተውዓለ ይመስል። ነዚ መበሊየይ፡ “መድረኽ ተኽእሎታት ንዝተፈላለየን ዝገጠመን ኣብራኻቱ ከወሃህዱ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ምስኡ ዝተዛመደ ካልእ ምህዞታትን ስራሕን ከፍርዩ እንከለዉ ዝረኣየ ሊቅ <ካብ ውሽጢ ማህጸን ኤርትራ ዝገንፈለ ሓጐስ ንጐስዕ ዘለና መሲሉ ይስምዓኒ፡> ኢሉ። ሓደ ግእዝ ዝፈልጥ ድማ <ጐስዐ ልብየ ቃለ ሰናየ!> ኢሉ ዘሚሩ። ናእሽቱ ድላያት፡ ትሑት ትምኒታት፡ ቀንጠ መንጢ ሓሳባት፡ በለካ ለኽዓካ፡ በላዕኩ ሰተኹ፡ ሓዝኩ ጐበጥኩ፡ ኣተኹ ወጻእኩ፡ በለጽኩ ጐራሕኩ፡ ጸበቕኩ ተዀሓልኩ ብብርቱዕ ንፋስ ኻምሲን ተጸሪጎም ክጠፍኡን ከዋኽብቲ ሳዋ እቲ ዓቢ ራእይ ምንጽብራቕ ክጅምሩን ሓደ ኾይኑ።” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ድኳን ትበርህ ምስ ኣንበብኩ’የ። “ጐስዐ ልብየ ቃለ ሰናየ” – ልበይ ሰናይ ዝኾነ ቃል ጐስዐ ዝብል ድጋም፡ ብግብጻዊ ኣባ ሕርያቆስ ዝተደርሰ ካብ ቅዳሴ ማርያም ዝተወስደ’ዩ። ነዚ ብዘይካ ዘቐደሰ፡ ወይ መጽሓፍ ቅዳሴ ብዝግባእ ዘንበበ፡ ከመይ ቢሉ ክረኽቦን ክጥቀመሉን ይኽእል፧
ኣቦታትና ይኹን ካልኦት ጥንታውያን ኣቦታት፡ ብዝነበሮም ሕያዋይ መንፈስ ተበጊሶም፡ ዝትርጕምዎም ድርሳናት ብብዝሕን ዓቐንን ብዙሓት ብምንባሮም፡ ኣብ ገሊኡ ንሕብረተሰብ ሃስያ ከስዕብ ዝኽእሉ ድርሳናት’ውን ተተርጒሞም ኢዮም። እዚ ግና፡ ኣብ ግእዝ ጥራሕ እተሓጽረ ዘይኰነስ፡ ካብ ግሪኽ፡ ቅብጠ-ዓረብ፡ ዕብራዊ፡ ኣረማዊ ወዘተ. ዝተተርጐሙ ኢዮም። ፍልልዮም፡ ኣብኦም ኣስኪኦም ይርከቡ፣ ኣባና ድማ፡ ሕልፍ ሕልፍ ቢልካ ክዕየየሎም ትዕዘብ። በየነ፡ ነዚኣቶም ብዝግባእ ርኢዩ ከም ምሳሌ ዝኸውን መልክዐ-ሳጥናኤል (ንሳጥናኤል ዝቐርብ ድርሰት) የስተውዕል። ንሱ፤ ብዛዕባ ትርሓስ ትበሃል ገጸ ባሕርዩ ጌሩ “ናይ ቋንቋ ተውህቦን ፍቕርን ስለዘለዋ ድማ ቋንቋ ግእዝ ኣዝያ መሊኻ ምስቲ ገድልታትን ድርሳናትን መጻሕፍትን መልክኣታትን ክታባትን ቅዳሴታትን ፍካሬታትን ማሕሌታትን ምሳሌታትን ኣሳእልን ትእምርትታትን ቅርስታትን ብርቱዕ ምሕዝነት ገይራ።” ይብል እሞ፡ ድሕሪ ውሱናት ገጻት ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ዝጠቐስናዮ ድርሳን “እዚ መልክእ ንኣምልኾት ሰይጣን ዝተደርሰ ኢዩ፡ ንጸላእየይ ሸውዓተ ጊዜ ቅተሎ ኢዩ ዝብል፡ ግእዝን ምስጢር ሰይጣንን ከይመለኽካ ዝድገም መልክእ ኣይኮነን።” ይብል። ጸኒሑ፡ “ከም’ዚ ዝመሰለ ጌጋ ከይፍጠር ኢና ንደሊ ዘሎና። ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጦ ዝምልከቶ ኣካል ኣቓልቦ ክገብረሉ ይግባእ።” ክብል ለበዋኡ በቲ ዝሃነጾ ገጸ ባሕርይ የመሓላልፍ። እዛ ድርሰት እዚኣ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣኽዋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ብዛዕባ ድርሳናት ጥንቍልናን ፍወሳን መጽናዕቲ ኣብ ዝገበርክሉ እዋን’ዩ። ብፍላይ እዛ ዝተጠቕሰት ድርሳን፡ ኣብ ውሑዳት ገዳማትን ብውሑዳት ሰባትን እንተ ዘይኰይና፡ ትፍለጥ’ውን ኣይኰነትን። ነዛ ብዘመናዊ ጽሑፍ ዘይተሓትመት፡ ኣብ ውሑዳት ብራና ጥራይ ተሓጺራ እትርከብ ድርሳን፡ እንትርፎ ብራናታት ቀደም ዝፈታትሽ ሰብ መን ክፈልጣ ይኽእል፧ – ፍቕሪ ግእዝን ዝሓዘሎ ምስጢራትን ዝተሰወጦ ሰብ!
ስደተኛታትን ሜላ ሕይወቶምን
ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ንበየነ ኣቓልቦ ትሕተ ውነኡ ዝተንከፉ ኢዮም። ስደት እንታይ ኢዩ፧ ካበይ ናበይ ኢኻኸ እትስደድ፧ ስደት ዝብል ቃል ምስ መዛምድቱ፡ ስደትን ስድነትን ወዘተ. ኣብታ ልቢ መንእሰያት ዝሰሓበት ድራማ ወግዒ ልቢ ይገልጽ እሞ፡ “እንሓንሳብሲ ቃንዛ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ይስምዓኒ። ንበይነይ ከሎኹ፡ በየን ከም ዝመጸ ኣይፈልጥን። እቲ ስደቶም ነቲ ናይ ኣመሪካን ኣውሮጳን እንተ ዝመስልሲ” ይብል እሞ፡ ጸኒሑ እቲ ስደት ዘይተርፍ እንተደኣ ዀይኑ፡ “ነቲ ዘይረኸብዎ ሕቝፎ ስነ ጥበብ ንምንዳይ” እንተ ዝኸውን ክብል፡ ኣማራጺ ሓሳብ ይህብ። እቶም ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛን፡ ካብ ንኸብዲ ንምዕንጋል ኪኖኡ ዝሓልፍ ራኢ ዘይብሎም ኣዕቈብቲ ሃገራት ድማ፡ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም፡ ሓቢርና ንስኣል፡ ንቀይስ፡ ሓቢርና ሓቅን ጽባቐን ነውጽእ” እንተ ዝብልዎም ብምባል፡ ይወቅስ። ኤርትራዊ ብፍላይ ኣፍሪቃዊ ድማ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ከም ሕሱም ዓዱን ዓውዱን ገዲፉ፡ ናብ የዕቍባና’የን፡ የስብሓና’የን ዝበለን ዓድታት ክስደድ ምርኣይ፡ ነታ ጸላም ኣህጉር ንዘመናት ዝዘልቕ ሃስያ ከም ዝኸስተልና ማንም ዝስሕቶ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ እዚ ስደት እዚ መዓስ ኰን ከብቅዕ ይኸውን ቢሉ ሕቶ ይድርቢሞ፡ “ስደትና ናብ ውሽጢ መዓምቝና ዝኾነሉ እዋንከ መዓስ ኰን ይኸውን” ክብል ሕቶ፡ ብሕቶ ይዓጽዎ።
ኤርትራውያን ካብ ስደት ተመሊሶም፡ እንታይ የውግዑ እንታይከ ሒዞም ይምለሱ ብዙሕ ዘተሓሳስቦ ደራሲና፡ “ኣብ ወጻኢ ኰይኖም ብስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርዝር ፈላስፋታትን ጸሓፍቲን እናዕለሉ ክከራኸሩ እንከለዉ ዳርጋ ኣይገጠሙንን። ብዛዕባ ድምቀት ወይ ህሰት ሕብሪ ሰማያዊ ብናህሪ ተኸራኺሮም ክበኣሱ ኣይርኣኹን። ኣብ ዝጸንሑ ጸኒሖም ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ክዝትዩ ዳርጋ ኣይሰማዕኩን። ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንደቂ ዓዶም፣ “እስኪ ንባህጊ ናይ እከሊት ወይ ናይ እከለ ተዋስኦታት ኣስተማቕሩ” ኣይበሉን። ናይ እከለ ዓዲ ዘመናዊ ኣካይዳ ስራሕ ዘወዳድር መጻሕፍቲ ኢሎም ዘቕረቡ ኣይጐነፉንን” ክብል ስንክልና ዘጋጠምዎ በጻሕቲ ስደተኛታት ይትርኽ፤
“እቶም ካብ ስደት ንምብጻሕ ወይ ንምንባር ዝመጹ ደቂ ሃገር በቲ ጐደናታት ክዛወሩ እንከለዉ ዝርኣዮም ናይ ቀደም ዝኽርታት ክነግሩኒ እጽበ። ናይ መጻኢ ትንቢቶም ክሰምዕ ከኣ እህንጠ። ኣብ ውሽጢ ልቢ ኵሉ ኤርትራዊ ክኣቱ ምደለኹ፤ መን ብፍርሒን ጸበባን ክፍውሶ ከም ዝደሊ፤ መን ኣጆኻ ከም ዝብሎ፤ መን ብርሃን ተስፋ ከም ዝውፍየሉ፤ መን ጸልማት ቅብጸት ከም ዝምነየሉ ብውሽጢ ልቡ ይፈልጥዶ ይኸውን እቲ ምስኪን ኤርትራዊ፧” ክብል ሓዘን ስደተኛ ኤርትራዊ ይሓዝን። ቀጺሉ ንሓደ ካብ ስደት ዝተመልሰ፡ ግና ኸኣ ኣብቲ ዝነበረሉ ዓዲ ብዝግባእ ክዋሳእ ዘይከኣለ የውግዕ’ሞ፡ “ሰብኡት ስደተኛታት እንተኾኑ’ውን፡ ብቕርጺ’ምበር ብሓቅስ ካብአን ዝፍለ ጌሮም ክዋስኡ ኣይረኣየን። ሓደ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰደደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝረኸቦ ሰብ ከም ዘዛረቦ ናብራ ስደት ወሰንካ ከም ዘትሕዘካ ገሊጹሉ ነይሩ። ዝገበርካ ጌርካ ዋላ ብግዳማዊ ቋንቋኦምን ብዝለበስካዮ ባህሎምን ጌርካ ነፍስኻ ከተታልል እንተ ሃቀንካ ናብ ማእከል ትርግታ ልቢ ህይወቶም ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሉዎ። ኵሎም ሰንፈላል ኮይኖም ዘለዉ መሲሎም ኢዮም ዝረኣዩዎ። ሓደ ጊዜ ነዚ ተርእዮ’ዚ ንምንጽብራቕ ክሳዕ ነዊሕ ጊዜ ዘይተፈጸመ ስእሊ ሃቂኑ ነይሩ። ብሕብርታት ቅብኢ ዘይቲ ገይሩ ኣብ ሓደ ዕብይ ዝበለ ዓለባ መስኣሊ ነቲ ሓዘንን ቀቢጸ ተስፋን ንባባዊ ህልውና ክህቦ ፈቲኑ” ክብል ድርብ ሓዘን፡ ቅብኣ ውሽጢ ስደተኛታት ጸሓይ የህርሞ።
ዝኽሩ፡ ኣብ ልብና-ንሓዋሩ!
