ሰለስተ (ኣገደስቲ) መጽሓፍቲ ግጥሚ ተሓዊሰን ኣለዋ’ሞ ከይጋረዳ

No comments
ኣብርሃም ተስፋልኡል*

2 መጋቢት 2020

ኣስተማቓሪ እምበር ገጣሚ ዘይምዃነይ፡ ንኸምዚ ዝብል ውልቃዊ ትንታነ ክህብ የኽእለኒን ብመጠኑ ካብ ጸግዕነት የድሕነኒን ኢለ እኣምን።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት 2019፡ ኣብ ኤርትራ ብመገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ናብ ኣንበብቲ ዝበጽሐት ህያው ደብሪ፡ ትግርኛዊ ቕንየት  ብተስፋማርያም ወልደማርያም ኣብ መኣዝን ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ዓባይ ነጥበ-መቐይሮ’ያ። ድሒረን ብመገዲ ኣሕታሚ እምኵሉ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ናብ ዕዳጋ ዝወረዳ ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፡ 110 ሕሩይ ቅንየት ብሃይለ ቢዘን ከምኡ’ውን ኣለኹ፡ እኩብ ግጥምታት ብይርጋኣለም ፍስሃ ብብዙሕ ኵርናዓት ወሰንቲ መላግቦ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ (ቋንቋ ትግርኛ) መሲለን ይስመዓኒ።

ከምኡ ንኽብል ዘድፍረኒ ምኽንያት፤

ካብ መወዳእታ 2001 ዝተተግበረ ሕሱም ሰንሱር (ብሕልፊ ኣብ ግጥሚ ናብ ምሉእ ክልከላ’ዩ ዝጸጋጋዕ) ነቲ ጽቡቕ ዕብየትን ፈጠራውነትን ከርኢ ጀሚሩ ዝነበረ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ቈጽዩዎ፣ ቀልጢፉ ከይጥጥዕ’ውን ኣደኽዲኹዎ።  ዝሰዓበ ነዊሕ ነቕጺ መጽሓፍቲ ግጥሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እምበኣር ብሰንኩ’ዩ። እተን ብፍሩይ ክጥቀሳ ዝኽእላ፡ እሞ ከኣ ብውልቂ ዝተሓትማ መጽሓፍቲ ዘሎ’ዩ ዝህሉ (2008) ብመለስ ንጉሰ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ማዕጾ (2008) ብሃይለ ቢዘን’የን። እዚኣተን’ውን እንተዀነ፡ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሚኒስትሪ ዜና ነበር፡ “ብኸመይ ሓሊፈን?” ዝብል ምጕስቓል ኣስዒበን ነይረን።

(ብመገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ–ሰንሱር ሚኒስትሪ ዜና ስለ ዘይሓልፍ–ዝተሓትማ ህያው ደብሪ፡ ትግርኛዊ ቕንየት (2019) ብተስፋማርያም ወደለማርያም ከምኡ’ውን ርቀትካ ዕጣን (2017) ብግርማይ ኣብርሃም ካብተን ክጥቀሳ ዝኽእላ ጽቡቓት ስራሓት’የን)።

ከም መርኣያ’ዚ ክውሰድ ዝኽእል፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተዓብዒቦም ዝጸንሑ ሓያሎ መንእሰያት ገጠምቲ፡ ከም መገለጺ ሓርነቶም፡ ካብታ ሃገር ምስ ወጽኡ፡ ግጥምታቶም ከሕትሙ ይጓየዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ (ኣብነት ንምሃብ ደኣ’ምበር ምሉእ ዝርዝር ኣይኰነን)፤ ሳርማታት ኣደይ ብጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)፣ ፈውሲ ናፍቖት ብተስፉ ሓጎስ፣ ጽቡቕ ዕድል ብሚኪኤል ተኽለ፣ ድምጺ ልቢ ብብርሃነ ገብረሂወት፣ እንቶሽ ብዮናስ ወልደሩፋኤል (ቀሺ)፣ ሰብን ታቦን ብመኮነን ተስፋይ፣ ሓወልተይ ብክብሮም ደሞዝ።

ኣብ ኣፋዊ ስነ-ቅንየት ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ፡ ብህቡብነቱን ብዝሒ ሰብ ተውህቦን ምናልባት ቀዳማይ ዝስራዕ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ’ዩ። ስነ-ግጥሚ ትግርኛ (ኣብ ኤርትራ) እንተስ ኣንፈት ዘትሕዙ ወይ’ውን ዝውሽሉ፡ ገለ ከኣ ሰንሰለት ዘቕጽሉ በበይኖም መድረኻት ሰጊሩ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብመሳርሒ ድምጺ ዝተዘርግሐ (ኣብ ሕትመት ምስ ዘይስነድ) መወከሲ ክኸውን ስለ ዘጸግም ኣብዚ ጽሑፈ ኣብ ግምት ኣይኣተወን። ግጥሚ፡ ከም ሓደ ጽሑፋዊ ዓውዲ፡ ምሉእ ቅርጺን ርእሱ ዝኸኣለ ዓውዲን ምዃኑ ዝያዳ ዝነጸረ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መሲሉ ይስመዓኒ። ካብ ምምስራት ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ብ1942 ኣትሒዙ ኣብ ጋዜጣታት ዝሕተም ግጥምታት ደኣ ንርከብ እምበር፡ ካብ እዋናዊ ጐስጓስን መብዛሕትኡ መዓዲ ቃናታትን ዝሓልፍ ግን ኣይነበሮን። እቶም ግጥምታት ዘበርክቱ ዝነበሩ’ውን ብዕቱብነት ዝሓዙዎ ኣይመስሉን። እዚ ግን ንኸም ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ብበዓል መምህር ኣስረስ ተሰማ፡ ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ)ን ካልኦትን ዝጸሓፍ ዝነበረ ሕደማታት ደርፊ ኣብ ግምት ከየእተኹ’የ።

ብረታዊ ቃልሲ ከም ነጥበ-መቐይሮ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ንምባሉ ዝኸኣለኒ ምኽንያት፡ ጽሑፋዊ ግጥሚ ቅርጺ እናሓዘ፡ ገጠምቲ ድማ ከም ሞያውያን ክርኣዩ ስለ ዝጀመሩ’ዩ። ቃናን ትሕዝቶን እቲ ግጥምታት ነቲ ዝነበረ ሃውሁ ቃልሲ ዝገልጽ ደኣ ይንበር’ምበር፡ ዓበይቲ ገጠምቲ ከምእኒ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ኢሳያስ ጸጋይ፡ ሰሎሞን ድራር፡ ግርማይ ገበረመስቀል፡ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ)ን ካልኦትን ኣፍርዩ። ኣበርክቶ’ተን በብእዋኑ ዝነበራ መጽሔታት ርኡይ ኰይኑ፡ ንስነ-ጽሑፍን ባህሊን ጥራይ ኣመልኪታ እትሓትም መጽሔት ነጸብራቕ ብምንባራ’ውን ኣብ ዕብየት ስነ-ጽሑፍ፡ ብቐንዱ ከኣ ስነ-ግጥሚ ልሉይ ግደ ነይሩዋ። ኣብ ሜዳ ዝፈረዩ ግጥምታት ምስናይ ኣማእዛኒ መእተዊ ብግርማይ ገብረመስቀል እተሰናዳወት መጽሓፍ መዝሙር ተጋዳላይ (1992) ምውካስ ይከኣል።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ካልእ ቦታ፡ እሞ ከኣ ብምሩኽ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓለም-በቃኝ ዝፈረየ ርእሱ ዝኸኣለ ካልእ ዓቢ ዕዮ’ውን ነይሩ። እቲ ስራሓት ድሒሩ ደኣ ናብ ህዝቢ ይዘርጋሕ እምበር፡ ብሕልፊ “ከም ቆሎ መሸላ” እትብል ኣብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ካብ “ማመት” ዘይንእስ ተራ ኣለዋ ክብል ዝደፍር ግጥሚ በየነ ሃይለማርያም ኣብ 1985 ኣቢላ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓለም-በቃኝ፡ ዝተጻሕፈት’ያ። ጽልዋ በየነ ሃይለርማርያም ካብቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክፍለ ከም ዝኽእል ዘየማትእ እኳ እንተዀነ፡ ከምኡ ዝመስል ስራሓት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምኽሳቱ ግን ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ናብ ርእሱ ዝኸኣለ ጽሑፋዊ ዓውዲ ክሰግር ኣኽኢሉዎ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ብዙሕነት ሕትመትን ምምልላእን ምውሳብን ካብ በየኑ ኵርናዓት ዝመጹን (ብሜዳ፡ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ (ዝውቱር ኣጸዋውዓ–ኣስመራ) ዝጸንሑ፡ ካብ ወጻኢ ዝተመልሱ) ንስነ-ግጥሚ ኤርትራ ዓቢ ድፍኢት ኰይኑዎ።

ነቲ ብጽቡቕ ስጥመት ዝኸይድ ዝነበረ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ተወሳኺ መገዲ ብምፍጣር ክጥቀስ ዝኽእል ቀዳማይ ዶክተር ርእሶም ሃይለ’ዩ። ርእሶም ካብቲ ዝነበረ ስገማ ካልእ ኣንፈት ኣትሒዙ። ኣበርክቶኡ ድማ ነቲ ብዘይ ዝውቱራት ቃላትን “ከበድቲ ዝመስሉ” ብህሎታት ኣማእኪሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ስነ-ግጥሚ ናብ ተራ ተዛራቢን ኣንባቢን ኣውሪዱ፡ ካብቲ ዘይቅረብ ዝመስል ዝነበረ ናብ “ምብህሃል” ሓዊሱዎ። ንኣፋዊን ጽሑፋዊን ልምድታት ብጽቡቕ ኣሳንዩ ድማ ኣማኢት ኣዛነይቲ፡ ኣተሓሳሰብቲ፡ ኣዘኻኸርቲ፡ ኣስቈርቈርቲ፡ ተነበይቲ፡ ነቕፈቲ፡ ወደስቲ ወዘተ. ግጥምታት ኣፍርዩ። ንግጥሚ ኣካል ዕለታዊ ምብህሃል ንኽኸውን’ውን ሓጊዙ።

ቅድሚን ድሕሪን ርእሶም ሃይለ ኣዝዮም ብሉጻት ግጥምታትን ገጠምቲን ኣይፈረዩን ንምባል ዘይኰነስ ነቲ ዝነበረ መስመር ኣካይዳ ካልእ መገዲ ክሕብር ስለ ዝኸኣለ ጥራይ’የ ብፍሉይ ዝጠቕሶ ዘለኹ። እንተዘየሎ፡ ንብዙሕ ኣንባቢ ግሉሕ ዝዀነ፡ ካብ ፈለማ ናጽነት ክሳብ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ ዝነበረ ገስጋስ ግጥሚ ኣዝዩ ኣተባባዒ’ዩ። ብድሕሪኡ ብሰንሱር ምስ ተሓንቀን ንነፍሲ-ወከፍ ነግሒ፡ “እዚኣ እንታይ ንምባል ኢኻ?” ዝብል ዘይስገር መኻልፍ ምስ መጽአን እቲ ገስጋስ ብርኡይ ተቘጽዩ። ምስትምቓር ኣንበብቲ’ውን ማዕረኡ ሸሊሑን ተበሊሉን። ብሰንኩ ከኣ ይመስለኒ፡ ነታ ተራ ጐስጓሳዊ ግጥሚ’ውን ከይተረፈ፡ “ብውሽጢ-ውሽጢ ከምዚ ንምባል’ዩ፣ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ነቒፉዎም፡” ዝብል ዝተጋነነ ትንታነታትን ካብ ሃመማ ስብሒ ምውጻእ ዝዓይነቱ ምንባብን ዘጋጥም ዘሎ።

ብዛዕባ’ዘን መበገሲ ጽሑፈይ ዝዀና ሰለስተ መጽሓፍቲ እምበኣር፡ ገምጋም ዘይኰነስ መዘኻኸሪ ነጥብታትን ጕሉሕ ብልጫታተተን ክጠቅስ።

ህያው ደብሪ ብተስፋማርያም ወልደማርያም

ድሕሪ ነዊሕ ስቕታ፡ ናብ ኣንበብቲ ግጥሚ ትግርኛ ዝተጸንበረት (ካብ ኣርእስታ ንምልቃሕ) ደብሪ ግጥምታት ኤርትራ ዝዀነት ህያው ደብሪ ብተስፋማርያም ወልደማርያም’ያ። እዛ መጽሓፍ ንዕብየታ፡ ኣገዳስነታን ፍሉይነታን ዝዳረግ ምስትምቓርን ገምጋማዊ ጽሑፋትን ዛጊት ኣይቀረባን። እዚ ከም ውጽኢት በበይኖም ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል። ህያው ደብሪ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምሕታማ፡ ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ኣንበብቲ ብቐረባ ኣይበጽሐትን ክትከውን ትኽእል። ምናልባት ካብ ርሑቕ ዝጥመት ግምታዊ ትንታነ፡ ገጣሚ ተስፋማርያም ወልደማርያም ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ብምንባሩ፡ እቶም ከወዓውዑዎ ዝኽእሉ መጋድልቱ ኣብ ስደት፡ እታ መጽሓፉ ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምሕታማ እቲ ኵነት ዝፈቕዶ ኣይመስልን። ግጥምታት ተስፋማርያም ንኣብ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዓበለሉ ኵነት ኣናብባ ዝደፍእ ዘይኰነስ ዓሚቝ ምስትምቓርን ኣተኵሮን ዝሓትት ዕዮ ብምዃኑ ንሓያሎ ኣካፈልቲ ዝጥዕም ኣይኰነን። ተስፋማርያም ነቶም ድሕሪ ናጽነት ዓብዮም ግጥሚ ዘስተማቕሩ ኣንብበቲ ፍሉጥ ሰብ ስለ ዘይኰነ (ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ወይ’ውን ኣብ ደገ ዝርከባ መርበባት ግጥምታቱ ክሕተም ኣይጸንሐን)፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቅርጺ፡ ቴማታት፡ ቋንቋ፡ ኣሰራርዓ ካብቲ ተለሚዱ ዝጸንሐ ኣገጣጥማ ኣዝዩ ስለ ዝፍለ፡ ንኣንባቢ ክብድሆን ምውሓጥ ክኣብዮን ጽቡይ’ዩ።

ኣካል’ዛ መጽሓፍ ኰይኑ፡ ብሄኖክ ተስፋብሩኽ ዝተጻሕፈ ልዕሊ 100 ገጻት ሸፊኑ ዘሎ “ስነቕርጻዊ ትንታነ ንቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’” ኣፍቃርቲን ገጠምቲን ከንብቡዎ ጥራይ ዘይኰነስ ከጽንዑዎ የድሊ። ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ብዓይነቱ ፍሉይ ትንተና ስለ ዝዀነ ነቲ ብኣዝዩ ቍንጥራሮን ተናጸልን ዝኸይድ፡ ብቐንዱ ከኣ ምስ ብዅረት ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ዝህባ ላዕለዎት ትካላት ዘሎ ድርቀት፡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ’ዩ።

ኣብ ዓሰርተ ክልተ (ብቴማታቶም) ምዕራፋት ዝተኸፋፈለት ህያው ደብሪ፡ 157 ግምምታት ሓቚፋ ኣላ። ገጣሚ ተስፋማርያም ካብ ኣርእስታት’ቶም ምዕራፋት ተበጊሱ’ዩ ንኣንባቢ ካብ ምቹእነት ዝለመዶ ዓይነት ኣርእስታት ዘውጽኦን ብእኡ ኣቢሉ ድማ ዝብድሆን። እቶም ምዕራፋት፤ “ቃለ-ያታዊ ቕንየታት”፣ “ንስለ ፍልየት-ንጸራዊ፥ ክዕው-ፈሰሳዊ፥ መቕረ-ላዛዊ ብቕዓታት ናይ ትግርኛዊ ቛንቋ፤ ብመደያት ናይ ግጥማዊን ስዲ-ንባባዊን ቅንየት”፣ “ገለ-ገለ ንጸራታት፤ ናይ ውሉዳዊን ትውልዲኣዊን ፍቕሪታት”፣ “ጽልዋታትን ዝካሬታትን፤ ካብ ከባቢታት ናይ መዕበያ”፣ “ንስለ ዋዛኡ፥ በእንተ ሰሓቑ፡ ምናልባት’ውን ምስ ገለ-ገለ ቅዉም-ነገራት”፣ “ንቕድመ-ኤርትራዊን ኤርትራዊ ሃገረ-ሓርነታዊን ውርሻታትና ዘንጸባርቑ ቕንየታት”፣ “ገድልኣዊ ቕንየታት”፣ “ትግርኛዊ ቛንቋን፤ ኣነን”፣ ትግርኛዊ ሃይኩ”፣ “ቅንየት፤ ንስለ ንባቡ፥ መእንተ ስነ-ጽሑፍ”፣ “ቅንየት፡ እንደገና፤ ንስለ ረምታኡ፥ መእንተ ሳምራኡ”፣ “ስዲ-ንባባዊ ቕንየታት፡” ዝብል ኣርእስታት ዝተዋህቦም’ዮም።

ግጥምታት ተስፋማርያም፡ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ስደቱ (ኣመሪካ) ዝተጻሕፉ ኰይኖም፡ ነታ ብርሑቕ ዝቐርጻን ዘፍቅራን ኤርትራ፡ ሕብረተሰባ፡ መሬታን ባሕራን’ዩ ቅድሚኡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዝዝክራ፡ ዝደጕዓላን ዝቓንየላን። ኣብቲ ባዕሉ ደራሲ ብዝኸለሎ መዐየሪ ጥራይ ክምዘን ዝኽእል ኣጸሓሕፋ ድማ ነቲ ቋንቋ ከም ድላዩን ኣብ ድላዩን ክፈታትሎ፡ ክሰፍዮ፡ ክዓጽፎን ክሕጭጨሉን ይርአ። ነቲ ውሁብ ተወሲዱ ዝጸንሐ ቅርጺ ግጥሚ ትግርኛ ብሓድሽ ርእየተ-ኵርናዕ ፈተሻ መገዲ ይኸፍት። ካብ ምብዳህ ሓሊፉ ድማ ነቶም ክስዕቡዎ ዝኽእሉ ኣንበብቲ ኣብ ሰገነቱ ይሰቕሎም። ናብኡ ንምሕኳር ግን ኣንበብቲ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብሩ ይሕተቱ።

እቶም ብኽትሩ ናፍቖት ዝልልዩ ግጥምታት ተስፋማርያም–ገለ እዋን ምስ ሕሉፍ ዝተኣስሩ ክመስሉ ደኣ ይኽኣሉ’ምበር–ኣብ ቋንቋ፡ ኣገላልጻታት፡ ቅርጺን ምትዕጽጻፍን ዘርኣዮ ውሕልነት፣ ብቐንዱ ከኣ ከም ስነ-ጥበበኛ ዝወሰዶ ትብዓት ግን መዳርግቲ ኣይርከቦን።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ ዝዝውተር ቋንቋ ብህዝባዊ ግንባር ዝተጸልወ ብምዃኑ፡ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ተስፋማርያም፡ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ዝነበረ ፍልልይ ትግርኛ ንምርኣይ’ውን ዘኽእል’ዩ።

እዚ ዓቢ ዕዮ ተስፋማርያም ወልደማርያም ውጽኢት ሱባኤ ዓሰርተታት ዓመታት ስደትን ከም ነቢት ኣብ ዝኽሩን ሓሳባቱን እናሓደረት እትምቅር ሃገሩን’ዩ። እዚ መጽሓፍ ድሕሪ ሞት ደራሲ ደኣ ይተሓተም እምበር፡ ብድምሩ ውጽኢት ኣመና ለጋስን ንጽባሐይ ዘይብልን ደራሲ’ዩ። ካብ ገጣሚ በየነ ሃይለርማርያም ኣገላልጻ ንምልቃሕ ድማ፤ “ገሚዑ ዝህበኪ ልቡ ኣብ ውንጭሕቲ/ሂቡ ሂበ ዘይብለ ዘይኰነ ሕፍንቲ” (ግጥሚ “ፈቲሐ’ዶ ክምርዓወኪ?”)። ተስፋማርያም እምበኣር ገሚዑን ገሊሁን ንኣንበብቲ ዝህብ’ሞ ገና’ውን ሂበ ዘይብል ገጣሚ’ዩ።

ኣብ መመረቕታ’ዛ መጽሓፍ ዝነበረ ጽንብልን ግምጋምን ንምዕዛብ ኣብዚ ጠውቑ።

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት ብሃይለ ቢዘን

ካልኣይቲ መጽሓፍ እኩባት ግጥምታት ሃይለ ቢዘን ዝዀነት ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት ነቲ ደራሲ ኣቐዲሙ ሰሪቱዎ ዝጸንሐ መስመር ተኸቲላ እትነድቕ’ያ። ሃይለ ቢዘን፡ ብቕርጣወ ቃላቱን ስጥመት ኣገጣጥማኡን፣ ነቲ ልሙድ ቅርጺ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ሓድሽ መሳዅትቲ ኣብ ምኽፋት ዝገብሮ ተበግሶ፣ ካልእ ድማ ነቲ መሪር ናጽነታዊ ገድሊ ብውሕሉል ጥበብን ዝዳረጎ ገለጻታትን ኣብ ምስናድ ዝገበሮ ተራ ይለለ። ኣብ በበይኖም ሕትመታት፡ ዝያዳ’ኳ ኣብ መጽሔት ሕውየት ዝወጹ ዝነበሩ ግጥምታት ሃይለ፡ ብጽባቐ ኣሰዃዅዓ ቃላቶምን ካብቲ ንጎንጺ ንምግላጽ ጥራይ ዝዝውተሩ ዝነበሩ ኣገላልጻታትን መለሳ ፈጢሮም’ዮም። ነቲ ኣብ ክሊ ስነ-ጽሑፍ (ጽንካረኡ ንምግላጽ) ምስ ሞትን ባሩድን ጥራይ ዝዛመድ ዝነበረ ቃልሲ ናብቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝሰረቶም ወይ ድማ ቅዱሳዊ ባይታ ዝምንጻፎም ዓንኬል ገለጻታት ስሒቡ ኣካላዊን ስጋዊ ሞትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልዑል መንፈሳዊ ቃልሲን ድርኺትን ዝነበሮ ሰውራ ኣብ ምስጋር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ነቲ ብቛንቋ ኲናት ጥራይ ዝግለጽ ዝነበረ ጅግንነት ድማ ርኡይ መለሳ ፈጢሩሉ።

ሃይለ ቢዘን ኣብዛ ሓዳስ 110 ግጥምታት ሓቚፋ ዘላ መጽሓፉ ሓደ ዝፈትኖ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ኣለዎ። መለለዪ ደራሲ ዝዀኑ መረጻ ቃላትን ኣገላልጻታትን ኣብ ቦታኦም ኰይኖም፡ በብዓሰርተ ዝተኸፋፈሉ ቴማታት’ዩ ኣቐሚጡ ዘሎ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ድማ ብዝተፈለላየ ኵርናዕን ጠመተን ዓሰርተ ግጥምታት ይገጥም። ንኣብነት፡ በታ ኣርእስቲ መጽሓፍ ዘላ “ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት” ብዝብላ ቴማን ኵርናዕን ዓሰርተ ግጥምታት ኣለዋ። ኣብ ሓንቲ ቴማ ዓሰርተ ዝኣክል ግጥምታት ምጽሓፍ፡ ደራሲ ምስ ነብሱ ዝገበሮ ውድድር ምግማት ኣየጸግምን።

እቶም እንሓንሳብ ብዋዛዊ ዓይኒ፡ ካልእ ግዜ ድማ ብሕጫጨ ወይ ግሩህ ኣንደበት ዝተቐንዩ ግጥምታት በበይኖም ቴማታት ሓቚፎም ኣለዉ። ፍቕሪ፡ ደጕዓ ስደት፣ ክብሪ ንዝሓለፉ መራሕቲ ስነ-ጥበበኛታት (የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ ኣባ ይስሓቕ ገብረየሱስ (ዶ/ር)፡ ኣብርሃም ሳህለ፡ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ትካቦ ወልደማርያም፡ ኣስረስ ተሰማ፡ ሃይለ ባህታ፡ ተኪአ በየነ፡ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ መተዓብይቱን ኣዕሩኽቱን)፣ ቀዲሞም ብእንግሊዘኛ ዝተጻሕፉ ግጥምታት ደራሲ፣ ካብ ካልእ ቋንቋ ብገጣሚ ዝተተርጐሙ፣ ናብራ ፍርሒን ምጕስቓልን ኤርትራ ወዘተ. እቶም ቴማታት’ዮም።

ነፍሲ-ወከፎም ግጥሚ ርእሱ ዝኸኣለ ጽባቐን ውሕልነት ደኣ ይሃልዎም እምበር፡ “ስርዓት-ነጥቢ ግፋ” ብዝብል ቴማ ዝተጻሕፋ 10 ግጥምታት ግን ብቕርጸንን ቅዲ ኣጸሓሕፋአንን ፍልይ ዝበላ’የን። ዝተመኰረሉ ሰብ ጥራይ ክገልጾ ዝኽእል፡ ብዅልንትናኡ ፍጹም ራዕዲ ንምእታው ዝዕላማኡ ወተሃደራዊ ግፋ ኤርትራ በቲ ንቡር ቋንቋ ምግላጹ ኣይከኣልን። እቶም ግዳያት ዓቢ ግፍዒ ዝዀኑ ወተሃደራት ዝጥቀሙሉ ቋንቋ፡ ተረፍ ፍርሖምን ዘይዕግበቶምን ናብቶም ከምኣቶም ዝመስሉ ግዳያት ክወጽኡዎ ክፍትኑ ከለዉ ዝርአ ናይ ርዑድ ኣርዓዲ ግርምቢጥነት፡ ሃዳኒን ሃዳሚን ዘይፍለጠሉ ክቢ ምጕያይ. ወዘተ. ንዕኡ ብዝዳረጎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ተቐሚጡ ኣሎ።

ኣለኹ ብይርጋኣለም ፍስሃ

ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ካብ እዋን ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣትሒዛ ኣብ በበይኑ መድረኻትን ማዕከናት መራኸቢታትን ግጥምታት ከተሕትም ደኣ ትጽናሕ እምበር፡ ኣለኹ ናይ ፈላም መጽሓፋ’ያ። ይርጋኣለም ብቐንዱ ውጽኢት’ቲ ኣብ መወዳእታ 90ታትን– መስከረም 2001ን ምስ ምዕንባብ ናጻ ጋዜጣታትን ምምስራት መድረኻት ስነ-ጽሑፍን ኣጸቢቓ ምስ ኣንበብቲ ዝተላለየት’ያ።

ይርጋኣለም ብውሕልነት ኣገጣጥማኣ ኣብ ሰንሰለታዊ መድረኽ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ሓደ ቃለ-ቤት ደኣ ይጽንሓያ’ምበር፡ ብመገዲ መጽሓፋ ኣቢላ ግን ስፍራኣ ኣጣጢሓ ጥራይ ዘይኰነትስ ወሳኒ እምነ-ኵርናዕ ብምሓዝ ስማ ብደሚቕ ኣጽሒፋ ኣላ። ኣብዛ መጽሓፍ ካብ 2000 ክሳብ 2019 ዝዝርግሑ፡ ብቐንዱ ግን ንኽልተ ወሰንቲ መድረኻት ገጣሚት (ቅድሚን ድሕሪን ማእሰርቲ) ዝሓቝፉ 130 ግጥምታት ተጠቓሊሎም ኣለዉ። ገጣሚት፡ ኣቐዲማ ብእትፍለጠሉ ብቕዓት ኣገጣጥማ ምስቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርከቡ ገጠምቲ ዝሰርዓ ደኣ ይዅን’ምበር ኣብዛ መጽሓፋ ዝፈሊ መሰረታዊ ብልጫ ግን ኣሎ። ሰማንያን ኣርባዕተን ካብዞም 130 ግጥምታት መብዛሕትኦም፡ ደራሲት ብዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ተሓዪራትሉ ኣብ ዝነበረት ሽዱሽተ ዓመታት ዝተጻሕፉ ክዀኑ ከለዉ፡ ገለኣቶም ድማ ድሕሪ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምልቃቓን ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጻኣን ኣብ መገዲ ስደታ ዘጓፈኑዋ ጦብላሕታትን እስትንትኖ እዮም። እዞም ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ተጠቓሊሎም ዘለዉ ግጥምታት እምበኣር፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ተደጋገምቲ ቴማታት ዝነበሩ ሕጫጨን ነቐፋን ንልምድታት፡ ፍቕራዊ ስምዒታት፡ ደቀቕቲ ትዕዝብታት ወጺኣ ኣብ መላግቦ ሞትን ህይወትን ዘሎ ኵነት ክትፍትሽ ክኢላ።

ኣብቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝወሰደ–ብሕሱም መገረፍቲ፡ ዘይባትኽ ትጽቢት፡ ሰግለለት ሞት፡ መሽጐራጕር ዘይትቐብጽን ትልኽ እትብልን ትንፋስ፡ ርሑቕ ተስፋ፡ ትሕቲ ሞት ዝርከብ ህላወ ወዘተ.–እቶም ቀንዲ ቴማታት’ዞም ግጥምታት’ዮም።

ገጣሚት ይርጋኣለም ነቶም ሽዱሽተ ኣቐንዘውቲ ዓመታትን ብሰንኩ ዝሰዓበ ምፍንቓልን ብኣዝዩ ተነባቢን ምስ ኣንባቢ ብቐጥታ ክዛመድ ዝኽእልን ኣገጠጥማ ገይራ ኣቕሪባቶም ኣላ። ነቶም ከምኡ ዝመስል መከራ’ውን ሰሚዖም ዘይፈልጡ ኣንበብቲ ድማ ናብ ውሽጢ ሸላኣን መመርመሪ ክፍልታት ማይ-ስርዋን ብምውሳድ ናብኣቶም’ውን ዝወረደ ከም ዝስምዖምን ዝዀኖም ገይራ ጽሒፋ ኣላ።

እዛ መጽሓፍ እምበርኣር ህያው ሰነድ ስቓይ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ በቲ ሓደ፣ ብድምጺ ኣውያት ናይቶም ኣብ ፈቐዶ መሸጐራጕር ኮንተይነራትን ትሕቲ-መሬታዊ ኣባይቲን ዝበልዩ ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት ድማ በቲ ካልእ’ያ። ምስቲ ዝፍጸም ዘሎ ግድዒ ዝዳርግስ ይትረፍ፡ ብላህመታዊ ወገኑ’ውን ዝስንድ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓት ስለ ዘይጸንሐ ድማ እዛ መጽሓፍ ከፋቲት በሪ’ያ።

ግጥምታት ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ነቶም ብተመሳሳሊ ግዳያት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኰይኖም ነባሪ ሰነድ ስቅያት ማእሰርቲ ዝጸሓፉ ኣርካናት ገጠምቲ ከምእኒ ቱርካው ናዚም ሒክመት (Nâzım Hikmet) ከምኡ’ውን ሞሮካዊ ዓብደለጢፍ ላዕቢ (Abdellatif Laâbi) ዘዘኻኽሩን ዝዳረጉን’ዮም። ንዅላቶም ዝኣስሮም ግሉጽነት፡ ቀጥታዊ ምብህሃል፡ እቲ ወሳኒ ሓይሊ ነቲ ቃንዛን ሰንፈላልነትን ኣብ ምግላጽ እምበር፡ ኣብ ምርቓቕ ኣበሃህላታን ገለጻታትን ዘይምህላኽ’ዩ።

ንምጥቕላል፤ ግጥሚ ሓንሳብ ኣንቢብካ ዝሕለፍ ዘይኰነስ ደጋጊምካ ምስትምቓር ዝሓትት ዓውዲ ብምዃኑ፡ ኣፍቀርቲ ስነ-ጽሑፍን ግጥሚን ትግርኛ እዘን ኣብ ዝሓለፋ ዓመት ዝተሓትማ መጽሓፍቲ ከንብቡወን ጥራይ ዘይኰነስ ንኽደጋግሙወን ኣብ ከብሒ መጽሓፍቶም ክቕመጣ ዘለወን’የን።

ነዘን መጽሓፍቲ ንምርካብ

ህያው ደብሪ ብተስፋማርያም ወልደማርያም ኣብዚ ጠውቑ

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት ብሃይለ ቢዘን ኣብዚ ጠውቑ

ኣለኹ ብይርጋኣለም ፍስሃ ኣብዚ ጠውቑ

_____________________________________                                                                

*ኣብርሃም ተስፋልኡል ፈጻሚ ዳይረክተር ፐን ኤርትራን ኣሰናዳኢ እዚ መርበብ ሓበሬታን ኰይኑ zere@peneritrea.com ብዝብል ኢመይል ምውካሱ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email