​እድሪስ ኣባ ዓረ ብዝፈልጦ

No comments
እስጢፋኖስ ገብረሚካኤ*

እድሪስ ኣባዓረ፡ ብ1953፡ ኣብ ዓዲ-ሹማ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ ክውለድ ከሎ ብንእሽቶኡ ግን ንጊንዳዕ ብምምጻእ ኣብኡ ተማሂሩ። እድሪስ ኣብ 1970 ኣብ ህሓሓኤ ተሰሊፉ። ምስ እድሪስ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ
ይግብኣና’ኳ እንተ ነበረ፡ ትምህርቲ ክልተ ዓመት ድሕረይ ስለ ዝነበረን ኣብ በበይኑ ዞባ ንቕመጥ ብምንባርናን ተመሃሮ ከለና ዘራኽብ ኣጋጣሚ ኣይተፈጥረን። ናይ ቀረባ ፍልጠት ኣይንበረና ደኣ’ምበር
ብማዕዶ ግን ከም ካልኦት ደቂ ጊንዳዕ እርእዮ ነይረ። ምስ ስዉእ ምንኣሰይ ሓወይ ይመሃር ምንባሩ ግን ዳሕራይ ምስ ተፋለጥና ኣረጋጊጸ። ኣብ 1975 ኣብ ህግሓኤ ምስ ተሰለፍኩ ምስ እድሪስ ኣዚና ደንጕና ማለት
ኣብ 1979 ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ተራኺብና።

እድሪስ ኣባዓረ ካብ ብሄረ ትግረን ሳሆን ዝኾኑ ወለዲ ከም ዝተወልደ ባዕሉ ኣዕሊሉኒ። ስለዝኾነ፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ትግረ ክህልዎ ከሎ፡ ኣብ ቋንቋ ሳሆ ግን ከምቲ ዝድለ ከም ዘይኮነ ከም ዝሓበረኒ እዝክር። ኣባዓረ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ገረግር ሱዳን ተወጊኡ ከም ዝነበረ፡ ሽዑ ምስኡ ዝነበረ ሓው ሱሌማን ህንዲ ይሕብር። ነቲ ጽንኵር ኵነታት ቃልሲ ሓሊፉ ከብቅዕ ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ማይ ድምነት ብጸልማት እናተጓዕዙ ከለዉ ምስ ካልኦት ብጾቱ ብሓባር ኣብ ሓደ ሃው ዝበለ ገደል ስለዝኣተዉ ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ወሪዱዎ። ብሰንክ’ቲ ዝወረዶ ብርቱዕ ስንክልና ድማ ንሕክምና ናብ ኩወይት ተላኢኹ። ኣብ ኩወይት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1977 መጀመርያ ንሜዳ ተመሊሱ። ኣባዓረ ንሜዳ ክኣቱ ከሎ ብክልተ ምርኵስ ንየው ነጀው እናበለ’ዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ሰብነቱ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተንቀሳቐሰ ድማ ኣእጋሩ ካብ ክቱር ቅጥኒ ቀሸም ኣብ ርእሲ ምምሳለን፡ ገጹ ምስ ረኣኻ ህይወት ከም ዘለዎ ክትፈልጥ እንተ ዘይኮይኑ፡ ልክዕ ተንቀሳቓሲ ሬሳ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ብሰንኪ ኣካላዊ ጸገሙ ነፍሱ ብግቡእ ክኣሊ ይኽእል ስለ ዘይነበረ ጸጕሩ ኣመና ዘጊፉ፡ ብቍማልን ጭብን ዝተጐብአ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣካላቱ ዘጋጠሞ መቝሰልቲ ኣብ ፍሕኛኡ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዝፈጠረ ድማ እናሳዕ ናይ ምሻን ጸገም ነይሩዎ።

ኣባዓረ፡ ኣብ ኩወይት ሕክምናኡ ንሜዳ ምስ ተመልሰ ብቐጥታ ናብ ብሌቓት’ዩ ኣምሪሑ። ኣብ ኩወይት እናተሓከመ ከሎ ሓደ ምስኡ ደቂሱ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ “ስማዕ’ስኪ ኣባዓረ፡ በዓል እከለን እከለን ጽልዋ ናይ መንካዕ ከም ዘለዎም ትፈልጥ ዲኻ?” ይብሎ’ሞ፡ ኣባዓረ ድማ “ፈሊጠ ኣይፈሊጠ ንዓይ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?” ዝብል ተሪር መልሲ ይህቦ። እቲ ብጻይ ድማ: “ማለተይ ምስኣቶም ከተዕልል ኣይድለን’ዩ፡ ምኽንያቱ ናይ መንካዕ ዝንባሌ ኣለዎም። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስ እከለን እከለን ከተዕልል የብልካን፡” ዝብል ለበዋ ለገሰሉ። እቲ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣባዓረ ግን፡ “ኣነ እነግረካ ኣለኹ፡ እዞም ሰባት ግቡኦም እናፈጸሙ ዝተወግኡ ብጾተይ ስለ ዝኾኑ ምስኣቶም ምዕላል ከም ዘየቋርጾ ፍለጥ!” ኢሉ ኣፋነዎ። እዛ ኣጋጣሚ‘ዚኣ ከም ጸብጻብ ናብ ዝምልከቶ ሓሊፋ ስለ ዝጸንሐት ጠንቂ መእሰሪኡ ኮይና። ስለዝኾነ፡ ሕክምናኡ ወዲኡ ንሜዳ ምስ ኣተወ ንሓለዋ ሰውራ ተሰዲዱ። ብቓላቱ፡ “ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ ኣበይ ከም ዘለኹ ኣይተረድኣንን። ምስ’ቲ ኣብኡ ዝጸንሓኒ ሰብ ናይ ማዕዶሌላ ስለ ዝጸንሓና ግን ርእይ ምስ ኣበለኒ ከም ዝሰንበደ ኣብ ገጹ ኣንቢበዮ። ድሕሪ ብጻያዊ ሰላምታን ሓጺር ዕላልን፡ ‘መምጽኢኻ ትፈልጥ ዲኻ?’ ዝብል ሕቶ ኣስዓበለይ። እዚ ሕቶ’ዚ ልሙድ ናይ መርመርቲ ሕቶ ከም ዝኾነ ድሒረ እየ ክፈልጥ። ናብቲ ቦታ ተመዲበ ዝመጻእኩ መሲሉኒ ስለ ዝነበረ ሕቶኡ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ‘ኣይፈልጥን’ ዝብል መልሲ ምስ ሃብኩዎ። ነቲ ጕዳይ ስለ ዘይተቐበሎ ይኹን፡ ስንኵል ክምርምር ደስ ስለ ዘይበሎ ይኹን እዝግሄር ዋናኡ፡ ዝኾነ መርመራ ከየካየደ ናብቲ ቦታ ስለምንታይ ከም ዝመጻእኩ ገለጸለይ። ሽዑ ብክልተ ምርኵስ እንቀሳቐስ ስለ ዝነበርኩን ክቱር ዕብራንስለ ዝነበረንን ትንፋስ ዘሎኒ እመስል ኣይነበርኩን። ብሓበሬታ መርማራይ መሰረት፡ ኣብ ኩወይት
ከለኹ ጽልዋ ምንቅስቓስ 1973 ምስ ዝነበሮም ውጉኣት አዕልል ስለ ዝነበርኩ፡ ጽልዋ መንካዕ ከይህልወኒ ንኽምርመር’የ ናብቲ ቦታ ተላኢኸ። ኣሰራርሓ ናይቲ ውድብ ስለ ዝፈልጥ ግን ብመግለጺኡ ብዙሕ ኣይተገረምኩን። እኳ ደኣ እቲ ጕዳይ መሊሱ ስለ ዘናቐጸኒ፡ ‘እቶም ሰባት ብጾተይ ስለ ዝኾኑ ኣብ ሕክምና ደቂሰ ከለኹ ምስኣቶም እንተ ዘይኮይኑ ምስ መን ከዕልል’ዩ ተደልዩ? ካልኣይ ነገር ድማ ኣብዚ ውድብ ደሞክራሲ ኣሎ’ንድዩ ዝብሃል? ኣብኡ ከለኹ ምስቶም መዳቕስተይ ዝነበሩ ናጻ ኴንና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኵነታት ውድብ፡ ኣብ ውድብ ዝተራእየ ምንቅስቓሳት፡ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ነዕልል ኔርና ኢና። ኣብዚ ውድብ’ዚ ክንቃለስ ኢልና ስለ ዝመጻእና ድማ ሕክምናና ወዲእና ተመሊስና። እዚ ገበን እንተኾይኑ ድላይካ ክትገብር ናጻ ኢኻ’ ክብል ተዛሪበዮ። እቲ ብጻይ ናተይ ናብቲ ቦታ ምልኣኽ ብመሰረቱ ስለ ዘይተቐበሎ እዩ’መስለኒ ዝኾነ ነገር ከይሓተተኒ፡ ልክዕ ከም ዝኾነ ኣብቲ ቦታ ዝተመደበ ኣባል ንክልተ ወርሒ ምስኣቶም በሊዐ ሰትየ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ተመዲብካ፡’ኢሎም ኣፋንዮምኒ፡” ዝብል ነይሩ።

ኣባዓረ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ክፍሊ ህዝቢ ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ኵነታት ምዝላቕ ንሓጺር ግዜ ኣብ ክፍሊ ዜና ጸኒሑ ነይሩ። ኣብኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣብ ፖርትሱዳን ከም ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ተመዲቡ። ንፖርትሱዳን ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ እቲ ናይ ጊንዳዕ እድሪስ ምዃኑ ከለልዮ ስለ ዘይከኣልኩ ከምቶም ካልኦት ብጾት’የ ዝቐርቦ ነይረ። ባህርያቱ ስለ ዝፈተኹዎ ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ጽቡቕ ተቐራሪብና ናጻ ኴንና ድማ ክነዕልል ጀሚርና። ኣባዓረ ልዙብ ጠባይ ዝነበሮ፡ ተዋዛያይ፡ ብዙሕ ነገር ዝፈልጥ፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ እንግሊዝኛን ትግረን ዝነበሮ ሰብ ኮይኑ ቀልጢፉ ጐድኒ ዘይዝሕዝ፡ ውሳኔ ቅድሚ ምውሳዱ ንነገራት ኣዝዩ ዝምርምርን ዘመዛዝንን፡ ደሞክራስያዊ፡ ፍትሐኛን እምብዛ ተባዕን በሊሕን ሰብ’ዩ። እዚ መገለጺ’ዚ፡ ሕጂ ብዛዕባኡ ክጽሕፍ ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ዘይኰነ ነፍስወከፍ ንኣባዓረ ዝፈልጥ ሰብ ዝብሎ ዝኣምነሉን ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ኣባዓረ ምስቲ ኵሉ ክእለቱ ኣብ ዘበነ ገድሊ ዝግብኦ ቦታ ከይረኸበ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ።

ኣባዓረ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ መሳርሕቱ በቲ ዋዛ ዘይፍለዮን ቅኑዕን ኣዘራርባኡ፡ ኣብ ንባብ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነትን ርጡብነት ጠባዩን ክልለ ከሎ፡ ተራ ህዝቢ ድማ በቲ ዝመርሖ ዝነበረ መሳጢ ህዝባዊ ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን ይዝክሮ። ኣባዓረ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ደኣ ንሜዳ ይውጻእ እምበር፡ ኣብ ትምህርቲ ብዝነበሮ ተገዳስነትን ቀጻሊ ንባብን ነብሱ ካብ ምምሃር ኣየዕረፈን። ሳላ ሓዀትኰቱን ጻዕሩን (ነቲ ግዜኡ’ውን ግቡእ ስለ ዝተጠቕመሉ) ኣብ መጨረታ ካብ International University of Africa ብBusiness Administration ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።

ሱዳን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ምስ ኣባዓረ፡ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ደኣ ኣይዅን’ምበር፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ስለ ዝነበርና ርክብና ቀጻሊ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሱዳና ከለና ዘይፈልጥናዮ’ውን ክልተና ደቂ ጊንዳዕን ብንኣሽቱና ድማ ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲን ምንባርና ክንፋለጥ ዕድል ረኺብና። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ወጻኢ ጕዳያት፡ ፈለማ ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ዳሕራይ ድማ ከም ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኰይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዳግማይ ርክብና ደልዲሉ።

ኣባዓረ፡ ድሕሪ ናጽነት ምስቶም ቋንቋ እንግሊዝ ከመሃሩ ወይ ከመሓይሹ ተባሂሉ ንዓዲ እንግሊዝ ዝኸዱ ሓለፍቲ ህግሓኤ ሓደ ነይሩ። ናብታ እንግሊዛዊት ስድራቤት ምስ ተሓወሰ ግን እታ ጽቡቕ እንግሊዝኛ ክዛረብ ዝሰምዓቶ ዋና ገዛ፡ “ንስኻ ደኣ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክትብል ተወኪሳቶ። “እንግሊዝኛይ ከመሓይሽ” ምስ በላ ድማ “ንስኻ ከምቶም ካልኦት ኣይኮንካን። ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ ኣለካ፡” ኢላቶ። ኣባዓረ ኣብ ዓረብኛ ይኹን እንግሊዝኛ ብምንባብ ጥራይ ዓቢ ምዕባለ ዝገበረ ሰብ ኮይኑ፡ ኣብ 1992 ብቋንቋ ዓረብ ዘሕተማ እኩባት ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣላቶ። ድሕሪኡ ድማ ብማእከል ስትራተጂ መጽናዕቲ ሱዳን ዝተሓትመት Iritriyah: Werhan Al-Islam Al-Siyasi. Harakat Al-Jihad Al-Islami Nemuzajah (1998) (“እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኤርትራ”) እትብል መጽሓፍ’ውን ኣላቶ።

ኣባዓረ ድሒሩ ክሳዕ ግዜ ማእሰርቱ ከም ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ሰሪሑ። ኣባዓረ ከምቲ ኣብ ጋዜጣ ኤሪትሪያ ኣልሓዲሳ ዳሕራይ’ውን ጋዜጣ ጽጌናይ ንቋንቋ ኣደ ኣመልኪቱ ነዊሕ ዓንቀጻት የበርክት ነይሩ። ምጕት ኣባዓረ፡ እቲ “ቋንቋ ኣደ” ዝብል ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ዝመረጾ ዘይኰነስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብላዕሊ ዘገደዶ’ዩ ዝብል ነይሩ። እቲ ፖሊሲ ነቶም ብዅላቶም ብቛንቋ ኣደኦም ዝተማህሩ ማዕረ ዕድላት ስለ ዘይፈጥር ከኣ ህዝቢ ባዕሉ ክመርጽ መጒቱ። ኣብ መጨረሽታ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሖ’ውን እቲ እኩብ ዘርእዮ ዝነበረ ጠባያትን ጽሑፋትን ምስቲ ባዕሉ ዝመረጾ መንገድን’ዩ። ገለ ፈለጥቱ ከም ዝብሉዎ ድማ ባዕሉ ምስቶም መቃልስቱ ክእሰር ስለ ዝመረጸ’ዩ ብቕሉዕ ወጺኡ ክዛረብ ጀሚሩ። ኵነታት ኣተኣሳስራኡ ከመይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ፡ ሓደ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሐን ኣብቲ ጕዳይ ዝተሳተፈን ሰብ ዘዕለለኒ ፍጻሜ ንመልከት።

“ሓላፊት ሚኒስተር ክፍሊ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝነበረት ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መዛኑኣ ሚኒስተራት ብፕረሲደንት ኢሳያስ ንጕጅለ 15 ብገበን ክትጥቅን ተኣዚዛ። በዓል ጴጥሮስ ሰለሙን ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ሰሙኑ ናይ ኣባላታ ኣኼባ ብምዕዳም ድማ ‘ጕጅለ 15 ሃገር ከዲዖም፡ ምስ ናይ ኣመሪካ ሲኣይኤ ብምርኻብ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ክኣልዩ ፈቲኖም. . .’ ኢላ ዘረባኣ ክትጅምር ከላ ኣባዓረ፡ ‘ነጥቢ ስርዓት!’ ኢሉ ዘረባኣ ከም ተቋርጽ ብምግባር ንመድረኽ ባዕሉ ተቘጻጸሮ። ‘ኣስካሉ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይትፈልጦምን’ያ። ከምኡ በሊ ተባሂላ ጥራይ’ያ ከዳዓት ትብሎም ዘላ። መቃልስተይ ስለ ዝነበሩ ጽቡቕ ገይረ’የ ዝፈልጦም። ንሃገር ክብሉ ዝተበጀዉን ንዓመታት ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ምዃኖምን ድማ እነግረኩም ኣለኹ። ስለዚ፡ እዚ ክትብሎ ዝጸንሐት ዘረባካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ፍለጡ’ ድሕሪ ምባል ገጹ ናብኣ መሊሱ፡ ‘ንስኺ ድማ ነቶም ዝለኣኹኺ ኬድኪ ኣባዓረ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኢልኪ ሓብርዮም። ከምኡ እንተ ዘይኢልኪ ከዳዕ ተባሂልኪ ክትእሰሪ ኢኺ’ ኢሉዋ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ንኣባዓረ ኣመና የኽብሩዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብሰንኪ ዘረባኡ ክእሰር ምዃኑ ፈሊጦም ኣዝዮም ሰንበዱ።” ብዓንተቦኡ ህግደፍ ኣብ ቋንቋ ኣደ ዝነበሮ ግጉይ ኣተሓሕዛ ብዓውታ ይቃወሞ ስለ ዝነበረ፡ መራሕቲ ህግደፍ ኵነታት ጥዒሙሎም ንጽባሒቱ ናብቲ ብጾቱ ተቐዪዶምሉ ዝነበሩማለት እምባትካላ ወሲዶሞ። ብመሰረት ድሒሩ ዝተረኽበ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ኣባዓረ ኣብ ዔራዔሮ ከም ዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

ኣባዓረ ድሕሪ ምእሳሩ ካብ ገዝኡ ኣይተፈለኹን። እቲ ዘገርም፡ ብዙሓት ንሱ ከሎ ኣብ ገዝኡ ዝመላለሱ ዝነበሩ ናይ ቀረባ መቃልስቱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ገዝኡ ተቐልቂሎም ዘይምፍላጦም ነይሩ። ሰይቲ ድሩዕን ሰይቲ ዑቕበ ኣብርሃን ግን ሓደ መዓልቲ ኣብ ግዜ ዒድ ኣብኡ ረኺበየን ነይረ። ማእሰርቲ ስለ ዝፈተንኩዎ፡ ወላ’ኳ ከምቲ ዝድለ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ግዜ ዒድን ሓድሽ ዓመትን ንጓሉ ገለ ነገር ሒዘላ ገዝኡ እበጽሕ ነይረ። በልቂሳ ጓሉ ኣዝያ በላሕ ቈልዓ ኮይና ብልጫ እናወሰደት’ያ ትሓልፍ ነይራ። እቲ ዘገርም፡ ኣቦኣ ስኢና ክነሳ ብብልጫ ምሕላፍ ኣየቋረጸትን ነይራ። ሻሙናይ ክፍሊ ክሳዕ ትበጽሕ ምእሳሩ ትፈልጥ ኣይነበረትን። ሽዑ ግን ብገለ ኣጋጣሚ ኢሳያስ ከም ዝኣሰሮ ስለ ዝሰምዐት ኣዝያ ተተንኪፉን ተደፋኒቓን። ናብ እንዳ ኣባዓረ ክኸይድ ከለኹ ካብ ናይ ወላዲታ (መርየም ሻኩሩ) ንላዕሊ ናይ በልቂሳ ኵነታት ከብደይ ይበልዓኒ ነይሩ።

ንኣባዓረ ኣብ ዘለዎ ሰላም፡ ጥዕናን በዓቢኡ ድማ መዋጽኦን እምነለየሉ፡ ንጓሉን በዓልቲቤቱን ከኣ ጽንዓት።


*እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ሮዛን ሰሌን (ክልተክፋላት) እትብል መበቈላዊት ልብ-ወለድ መጽሓፍ ከምኡ’ውን ሓኔታ እትብል መጽሓፍ ዝተርጐመ ደራሲን ጸሓፊን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገር ኖርወይ ተሰዲዱ ይርከብ። እስጢፋኖስ ብ Stefen111112@yahoo.com ዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email