ሺሻይ ሽመንዲ*
ሓምለ 9 2020
ሰለስተ ጥቅምቲ እንክትመጽእ ኣብ ነብሰይ ዝክዖ ዝተሓናፈጸ ስምዒት ኣሎ። ከምቲ ብዙሕ እዋን ዝገብሮ፡ እንተ ፈዀሰኒ ብማለት ነቲ ዝተሰመዓኒ ቀዘዝታን ዝኽርን ንምሕንጣጡ’የ ዝፍትን። ሕጂ’ውን ኣብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ወረቐት ኣፍጢጠ፣ ነቲ ቅዘተይን ዝኽሩን ክገልጽ ዝኽእል ቃላት ኣይስእንን እኸውን እናበልኩ’የ ዝእልሽ ዘለኹ። ከም ዝመጸለይ እሓናጥጥ’ሞ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝረኽቦ ዘለኹ ጽሑፍስ ንጋድምን ንትኹልን ዛሕ ኢሉ ዝተሰጥሐ ቃላት ጥራይ ይዀነኒ።
ሰሃራ ብተስፋ፡ ተስፋ ብሰሃራ
ነታ ካልአይቲ መስመር ዝገጥማ ቃል ኣይረኸብኩን። ሓንጐለይ ዕጭ ሓንፈፈ። ኣብ ሎሚ መዓልቲ በጺሑ ግጥሚ ንምንታይ’ዩ ዝሕንግደኒ ዘሎ? ዶስ ገለ-ገለ ስምዒታት ክትቅለወሎም እምበር ክትጽሕፎም ኣይከኣልን’ዩ? እቶም ጓሂን ባህታን ዘአንገድኩሎም እዋናት ክቓዝነሎም ድዩ ዘለንስ ወይስ ክፍስሃሎም? ስምዒተይ ብግጥሚ ንምግላጽ ንምንታይ ይሕርብተኒ ኣሎ? እቲ ጓሂን ባህታን ብሓደ ስለ ዝተባዕጠ’ዶ ይኸውን? ናይ ምጽሓፍ ወነይ ክሃፍፍ እንከሎ ተሰመዓኒ። ኣዒንተይ ካብቲ ዘፍጠጣሉ ወረቐት ኣለኹወን፣ ናብ ዝኽሪ ከኣ ተዓዘርኩ . . .
ነታ ኣብ ሊብያ ዘሕለፍክዋ ሰለስተ ጥቅምቲ 2014 ዘከርኩ። ምስቶም ኣስታት 40 ዝኾኑ መተኣስርተይ፡ ካብቲ ብሊብያዊያን ተታሒዝና ተዳጒንናሉ ዝነበርና ቤት-ትምህርቲ ሃዲምና፡ ናብ ከተማ ትሪፖሊ ዝኣተናሉ ኣበልኩ። ከውታ ለይቲ ንሰለስተ ሰዓታት ኣቢልና እናተሓባእና፣ ኣብ ሓደ በረኻ ምስ በጻሕና፣ ናብቶም ብባሕሪ ዘሳግሩ ደላሎ ብምድዋል ኢና ናብ ትሪፖሊ ዝኣተና። ካብታ ልዕሊ 600 እንኸውን፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጻእና፡ ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ተጸፋጺፍና ዝነበርናላ መዳጐኒ ሃዲምና እልይ ምባልና እንተ ዘይዀይኑ፡ እቲ ብሰንፈላል ምዕናድስ ሓደ ነበረ።
ኣብ መፋርቕ ነሓሰ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ዝበኣሰሉ እዋን ብምንባሩ፡ ካብቶም ተዳጒንና ዝነበርና እናሓረዩ ኣስታት 500 ዝዀኑ እሱራት ኣብ ምጒራት ብረትን ጥይትን ወሲዶሞም ነበሩ። ብፍላይ እቶም ትሕቲ ዕድመ፡ በቶም ኣብ ኲሉ’ቲ ጒዕዞን መከራን ዝሕብሕብዎም ዝነበሩ ብምኻዶም መንፈሶም ተዳሂሉ ነበረ። እዞም ብዙሕ ቀሪቦምና ዘይፈልጡ ከም በዓል ሮቤልን መዛኑኡን፡ ምስቶም ዝተረፍና ዓበይቲ መተዓልልቲ ኰኑ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ናይ ቆርበት ሕማም ተላቢዑ ብምንባሩ፡ ብዓበቕ ዘይቈሰለ ኣይነበረናን፣ ግን ኣይከም ሮቤልን። በቶም በላሕቲ ኣጽፋሩ ይሓኮ ብምንባሩ ኸኣ መላእ ነብሱ ብቚስሊ በሻዕሻዕ ኢሉ ነበረ።
ኣብ መንጎ ዕላል ዕድሚኡ ሓቲተዮስ፣ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ምዃኑን፡ ኣብ መዓሰከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ድማ ክልተ ዓመት ከምዝጸንሐ ነገረኒ። ካብ ኤርትራን ስድራኡን ክፍለ እንከሎ ወዲ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ምንባሩ ኣተሓሳሲቡኒ ዝን ኢለ ከለኹ፣ ሃንደበት፡ መምህር ምንባረይ ከም ዝፈልጥ ተዛረበ። ሓቁ፡ ድሕሪ ኮለጅ ምውደአይ፡ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ ገጠር ተመዲበ፡ መምህር ኮይነ ሰሪሐ ነይረ’የ። እንተ ኾነ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይምህር ብምንባረይ ነዚ ቈልዓ መምህሩ ከም ዘይነበርኩ ርግጸኛ’የ። ብኸመይ ከም ዝፈለጠ ምስ ሓተኩዎ፡ ሓደ ካብቶም ምሳና ተኣሲሩ ዝነበረ’ሞ ናብቲ ውግእ ዝተወስደ ከም ዝነገሮ ነገረኒ። መምህርን ተመሃራይን ብሓደ ሰሃራ ሓሊፍናን ብሓደ ምድጓንናን ሸቕ ኣበለኒ። ካብቶም ብዕድል ዝምለሱ እንተ ኾይኑ ከም ዝረኽቦ ተተስፈኹ። በቲ ኣጋጣሚ ግን ጐሃኹ። መምህር፡ ተመሃራይ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ካብ ዓድና ተሰዲድና፣ ምድረ-በዳ ሰሃራ ሓሊፍና፣ ኣብ ቤት መኽዘን፡ ቤት ትምህርቲ፡ ትካላትን ኣብ ዝባደሙ ኣባይቲን ተዳጒንና ምንባርና ምዝካረይ ኣቐንዘወኒ። ብፍላይ ንሮቤል ምስቲ ናይ ቊልዕነት ፍሽኽታኡ ምስ ዘከርኩ፡ ድሌት ምጽሓፍ እታ ግጥሚ ተላዕለኒ። ህጻንነቱ፡ ከርተቱ፡ ሕማሙ፡ ናፍቖት ስድራኡን ዓዱን ክጽሕፈሉ ተደፋፋእኹ። እታ ግጥሚ ብኸመይ’የ ግን ክሕዛ? በየን እየ ኸ ክጅምራ? ብሮቤል? ብኣደኡ? እቶም ካልኦት ከ? ምጽሓፍ ጀመርኩ. . .
ኪንዮ’ዚ ሓጹር ኪንዮ’ዚ ቃንዛና
ተኣምር’ዶ ህሉ ዝፈትሕ ሕልምና
እዛ ግጥሚ ብሓሳበይ እምበር ኣብ ወረቐት ከስፍራ ኣይከኣልኩን። ምስልታት መጓዕዝተይ ኣብ ርእሰይ ስለ ዘሽከርከረ፡ እቲ ቃላት ሃፊፉ ካብ ርእሰይ ተሰወረ። ናብ ዝኽሪ ከኣ ተመለስኩ። ‘ብራዘር’ ብዝብል ሳጓ እንጽውዖ ዝነበርና መዳጒንተይ ምስሉ ቅጅል በለኒ። ኣብ ኮሌጅ መማህርተይ ዝነበረ’ዩ፡ መሓውሩ ከይለመሰ እንከሎ እየ’ውን ዝፈልጦ። መኣስን ብኸመይን ለሚሱ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ ኣብ መገዲ ሰሃራ ክንራኸብ ኢና ኢለስ ኣይተጸበኹን። ኣዘራርባኡ እውን ከም ቀደሙ ኣይነበረን፣ ባእ ባእ እናበለ ተጻዒሩ’ዩ ክዛረብ ዝኽእል። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ክሕከም ተፈቒዱዎ ንሱዳን ከም ዝኸደ፣ በቲ ካብ ዘመድን መቕርብን ዝተዋጽአ ኣሽሓት ዶላር ኣፍሲሱ እኳ እንተ ተሓከመ፣ ዝኾነ ምምሕያሽ ስለ ዘይረኸበሉ ድማ’ዩ ንኤውሮጳ ክሰግር ወሲኑ ሰሚዐ። ንእሽቶ ሓው’ውን ንኸሳልዮ ምስኡ ነበረ። ነቲ ከቢድን ምግላጹ ዘሸግርን ጒዕዞ ሰሃራ ብኸመይ ሓሊፉዎ ኢለ ንነብሰይ ደጋጊመ ሓቲተያ እየ። ምናልባት እቲ ኒሑ ሓጊዙዎ ይኸውን’የ ዝብል። ቅድሚ’ቲ ተታሒዝና ምድጓንና፡ ካብ ኣጅላብያ ናብ ትሪፖሊ እናኸድና ኸለና፡ ብዕጡቓት ከተማ ሚስራታ ነታ ተጻዒንናላ ዝነበርና መኪና ጠጠው ንኸብሉ መጅሙዕ ተኰሱልና። ክልተ ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ሸውዓተ ኸኣ ተወግኡ። ካብቲ ንሓደ ለይቲ ዝሓደሩሉ ሆስፒታል፡ ምስ ቊስሎምን ቃንዛኦምን ናብቲ መዳጐኒ ምስ መለሱዎም፣ ኲልና ዝከኣለና ንምግባር ሸበድበድ በልና። ብራዘር’ውን ጸገሙ ጸይሩ፡ ክሕግዝ ክጽዕርን ግና ዓቕሚ ብምስኣኑን ሕርቃኑ ብርኡይ ኣብ ገጹ ይንበብ ነበረ።
ሄኖክ ኣምቸ ዝበሃል ዝነበረ’ውን ዘከርኩ። ንሱ’ውን ሓደ ካብቶም ብጥይት ተወቒዖም፡ ብኸቢድ ዝቈሰሉ እኳ እንተበረ፣ ነቲ ቓንዛኡ ተጻዊሩ ምስ ሕጽይቱ ዘሕለፎ ፍቕሪ የዘንቱ ነበረ። ግርም ናይ ምዝንታው ክእለት ስለ ዝነበሮ ከኣ እቲ ዕላል ይደጋገም እኳ እንተ ነበረ ንመንዎስ ኣይነበርናን። ኲሉ ሳዕ፡ ብሰላም ኤውሮጳ ምስ ኣተወ ንሕጽይቱ ናብቲ ዝኣትዎ ዓዲ ኣምጺኡ፣ ዘሕልፎ ህይወትን ፍቕርን ገሊጹ’ዩ ዕላሉ ዝድምድም። ንሕና’ውን ተስፋናን ሃረርታናን ምስቲ ናቱ ትምኒት ነቋርኖ ነበርና።
በሬ ወዲ ቐሺ ኸ? ካብ ካርቱም ኣትሒዝና ብሓንሳብ ብምንባርና፡ ኣብ ዝተራኸብናሉ ከነዕልልን ክንጫረቕን ንኽእል ነበርና። ኣብ ጒዕዞ ሰሃራ ንዝነበሩ ደቀቕቲ ዝርዝራት ዘዘኪሩ፡ ንገለ ገሊኡ ኸኣ ንመማቕርቲ ኣጋንን እናበለ፡ ከዕልለኒ እንከሎ ዘኪረዮ። በታ ምሳይ ዝነበረት፡ ሓቢአ ዘእተኹዋ ሞባይል ተሌፎን ገይረ ኸኣ ምስቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነበረ ሓዉ የራኽቦ ነይረ። እቲ ሓው ኣብ ዘዝደወልናሉ፡ ዓዲ ጥልያን ምስ በጻሕና፡ ከም ዝቕበለና ቃል ይኣትወልና ነበረ። በሬ ወዲ ቐሺ ግን ምስቶም ዝሃደምና ኣይሃደመን። ሓደ ካብቶም ብጥይት ዝተወግኡ፡ ብጻዩን መተዓብይቱን ብምንባሩ፡ ንዕኡ ገዲፈ ኣይከይድን’የ ኢሉ’ዩ ተሪፉ።
መብርሂት እትበሃል’ውን ነበረትና። ነቲ ኣካላትካ ከይተረፈ ዝሽየጦ ሲናይ ሰጊራ ንእስራኤል ዝኣተወት፣ እንተኾነ ብመንግስቲ እስራኤል ናብ ኤርትራ በስገዳድ ዝተመልሰት፣ ንዳግማይ ስደት ናብ ኤውሮጳ ዘቕነዐት’ያ። ንዂላትና ድማ ከም ኣደን ሓፍትን ኮይና ትኣልየና ነበረት። ንምንታይ ንኻልኣይ ስደት ብሰሃራን ባሕርን ንኤውሮጳ ንምስጋር ወሲና ክፈልጥ እኳ እደሊ እንተ ነበርኩ፡ ደፊረ ክሓታ ግን ኣይከኣልኩን።
ካብቶም ብኣጻብዕቲ ዝቊጸሩ ኣባላት ሓይሊኣየር ኤርትራ ዝኾነ ፓይለት እውን ነበረና። እዚ ብተዛማዲ ዝሓሸ ናብራ ነይርዎ ዝብሎ፡ ምሳና ብምንባሩ ብዙሕ ሕቶታት ንነብሰይ እሓታ ነይረ። ስለምንታይ ከምዚ ናትና መሪጹ? ንምንታይከ ነታ ዘብርራ ነፋሪት ጨውዩ ናብ ካልእ ሃገር ዘይሰገረ? ብሰማይ ገዲፉ ስለምንታይ ምስቶም ካልእ ምርጫ ስኢንና ትንፋስና ኣብ ኢድና ኣንጠልጢልና ንምርሽ ዘለና መሪጹ? መልሲ ኣይነበረንን።
ኣብቲ መዳጐኒ ዝነበርና ዝበዛሕና ኤርትራዊያን ብምንባርና፡ ህዝቢ ካብ ዓዱ ተጓሕጒሑ ወጺኡ ኣብኡ ዝሰፈረ’ዩ መሲሉ። ኣቦ፡ ኣደ፡ ሓረስታይ፡ ምሁር፡ ሓኪም፡ ኪኢላ ሚሳይልን ካልኦት ሞያዊያን ከይተረፉ እዮም መጓዓዝትናን መዳጒትናን ዝነበሩ። ጒዕዞ ክሰልጥን ከይሰልጥን እናፈለጠ፡ በተን ናኣሽቱ ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቑ ኤውሮጳ ንምእታው’ዩ ተኸዚኑ። ቅድሜና ብሰሃራ ዝሓለፉን ባሕሪ ዝሰንጠቑን፣ ገና’ውን ኣብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉን፣ ብባሕሪ ክስንጥቑ ከይሰለጦም ዝጠሓሉን ምስ ሓሰብኩ፡ ከይተረደኣኒ ዓይነይ ዓሚተ ኣብ ሓሳብ ሰጠምኩ። ድሕሪ ንደቓይቕ ብሓሳብን ዝኽርን ምዝዋነይ፡ ናብቲ ግጥሚ ዝጽሕፈሉ ወረቀት ደነንኩ።
የእዳው ሕልመይ ከየዕረፋ
መንደቕ ማሕዩር ይፍሕራ
ፈቓቕ ተርአኹ ጩራ ተስፋ
ካብ ኣእዛነይ ዘይፍለ ድምጺ ኲርማጅን ንዓኡ ስዒቡ ዝስማዕ ቃንዛን ከኣ ኣሎ። እቲ ምዂርማጅ፡ ኣብ ኲሉ ጒዕዞና ዘይተፈለየና እኳ እንተ ነበረ ኣይከምቲ ተዳጒንናሉ ዝነበርና። ብፍላይ ከኣ ንጭካኔ ዓሊ ዝስሙ ሊብያዊ ኣባል እቲ ድጓና መዳርግቲ ኣይነበሮን። ናብቲ መዳጐኒ እትው ክንብል ከለና’ዩ ብዂርማጅ ተቐቢሉና። ብስልኪ ዝኣተዎ ቱቦ ማይ፡ ብበትሪን ብዝሓዞን’ዩ ዝተሃራረም። በቲ ተሃሪምና እነስምዖ ቃንዛ ኸኣ ክርትም ኢሉ ይስሕቕ ነበረ። ንሓደ መዳጒንትና ብካራ መቐመጫኡ ወጊእዎ መሰእወየ፡ ደስ ኢልዎ እናሰሓቐ’ዩ ከይዱ። ኣብ ፊን ዘበሎ፡ ንሓደ ወይ ንኽልተ ሃሪሙ ከየሰንከለ ዘይሓድግ ብምንባሩ፣ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ይተሃራረም ስለ ዝነበረ ኸኣ ጸገሙ ምርዳእ ኣበየና። ዘዝመሰለና ትንታነ ነቕርብን ንዛረብን እኳ እንተ ነበርና፡ ሓደ ዘሰማምዓና መደምደምታ ግን ኣይረኸብናን። እቲ ምስሉ፡ ዓውታ ምጒዕባዑን ድምጺ’ቲ ሻሙጡን ተቐጀለኒ።
የማነ ጸጋመይ ብጸልማት መስተኸበ
መከራ ዘወቐቦ ስግለት ምስ ሰረበ
ቃንዛይ ዘርሕቐሉ ጥበብ’የ ሰኒዐ
ሕልሚ ባሕሪ ተስፋ ጃልባ ገይረ
ሓሳባተይ ተወርዊሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣዕለበኒ። ነቲ ባሕሪ ብምዝካረይ ተዘዝ ኣበለኒ። መላእ ኣካላተይ ኣብቲ ቀምበይበይ ዝብል ዝነበረ ባሕሪ ዘለኹ ኾይኑ’ውን ተሰመዓኒ። ኣብ ጥቅምቲ ሰለስተ 2013፡ ፍጻሜ ላምፓዱሳ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ እየ ነይረ። ኣነ’ውን እንተ ኾነ ካብቲ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ፡ ንዓመታት ብዘይ ዝኾነ ዓስቢ ክትሰርሕ ዘገድድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃዲመ’የ ኤውሮጳ ኣትየ። እቲ ኲሉ ዘሕለፍኩዎ ድማ ዘከርኩ። ነቶም ምሳይ ኣብ ምስጋር ሰሃራ፣ ኣብ ሊብያን ኣብ ማእኸላይ ባሕርን ዝነበሩ በብሓደ ኣእምሮይ ሰኣሎም። እቶም ሕሰም መስገደል ሰሃራ ሰጊሮም፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ከም በሬ ወዲ ቐሺን ካልኦትን ዘኪረ ሕንቕንቕ በለኒ።
ኣእምሮይ ምስሊ ናይቶም ዝጠሓሉ፡ እዝነይ ከኣ ቅድሚ’ቲ ትንፋሶም ምሕላፋ ዝነበረ ኣውያት ኣስመዓኒ። ሬሳ መጓዕዝተይ ጸምበለል እናበለ፡ ንድሕሪት ገዲፈዮ ክኸይድ ከለኹ ዝበኸኽዎ ዘኪረ ተረበጽኩ። ነቲ ቃንዛይ ክጽሕፎ ተቓለስኩ፣ እቲ ዛሕዛሕ ዝበለ ሓሳብን ቃላትን ምጥርናፍ ኣበየኒ። ንብዓተይ ከይኮዖ’ውን ተጋደልኩ፡ ግና ኣይኮነለይን። ጸረር ኢሉ ክወርድ ጀመረ። ነብሰይ ዘህድማ መዕቆቢ ደለኹ። ነቲ ብርዕን ወረቐትን ጠንጢነ ናብ ጎደና ነፈጽኩ። ካብ ዝኽሪ ላምፓዱሳ ጥቅምቲ ሰለስተ ሃዲመ፣ ናብቶም ምፍራስ ግምቢ በርሊን ‘ድሪተ ኦክተበር’ ዝጽንብሉ ዝነበሩ ሰባት ፈጒፊጐ ኣብ ማእከል ተሸጐጥኩ።
እዚ ጽሑፍ ኣካል ናይቲ ምስናድ ሓቀኛ ታሪኽ ብብዝል ተበግሶ ምስ ፐን ኢንተርናሽናል ብምትሕብባር ዝፈረየ’ዩ።
__________________________________
*ሺሻይ ሽመንዲ ገጣሚ፡ ሓዳሚን ጸሓፊን ኰይኑ፡ ኣብታ ብፐን ኤርትራ ዝተሓትመት መጽሓፍ Uncensored Voices (2018) ድማ “Between Savagery and Survival: My Perilous Journey Through the Deserts and Sea” እትብል ጽሕፍቲ ኣሕቲሙ ኣሎ። ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ጸሓፊ shishaisw@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።