ወግዒ “እተዓመጸት ኤርትራ”

No comments
ሃይለ ቢዘን*

ግንቦት 11፡ 2020

እዚ ጽሑፍ ወግዒ እዩ። ወግዒ ብቛንቋ ስነ-ጽሑፍ፣ ንሓደ እትርእዮ ክዉን ነገር ወይ ፍጻመ ብዝተቐጀለካ ምግላጽ’ዩ። እዚ ጽሑፍ፡ ንቕብኣ ዝተዓመጸት ኤርትራ፡ ብህርመት ብራሽ፣ ብቓና ውህደትን ነጽጊ ሕብሪን፣ ብድምቀትን ህሰትን ብርሃን ወዘተረፈን ስነ-ቅብኣዊ ህየሳ ንምሃብ ኣይኰነን። ወግዒ እዩ።

ሓደ ንርግእቱ ብኽምስታ ዘሰነየ፡ ናብቲ 140×200 cm ዝዓቐኑ ጻዕዳ ሽዕር ዘፍጠጠ ቀብኣይ፡ ኤርሚያስ ዕቝበ’ዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብቲ ሌጣ ሽዕር እታ ዝተዓመጸት ኤርትራ ትርኣዮ ኣላ። ናብቲ ሽዕር ሓደ ወደል ኣርሓ ሰንድዩ፡ በቲ ጦንቦላሕታ ዝፈጥሮ በጨቕታን ነዝርን ክስእል ዝወሰነ ይመስል። ነቲ ዝተፈጥረ ቅርጺን ምስሊን ከኣ ኣብ መዛርዕ መቓቒሉ’ዩ ዘስፍሮ።

ካብቲ ኣርሓ ንኢድ ጸጋም፡ ብጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ ዝተወከለት፡ ኢዳ ንላዕሊ ዝዘርገሐት ኣደ ኣላ። ምናልባት ነቲ ፍረ ማህጸና ንምሕቛፍ ኢዳ ዝገልሀት ትመስል። እቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ሃሳስ ምስላታት  ናይ’ቶም ዝተበጀዉን መስገደላት ዘሕለፉን ዝውክሉ ኣለዉ። እቲ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ፡ ሕልምን ሓረርታን ናይቶም ተተስፋዎ፣ እቲ እታ ኣደ እትመጽአሉ ስንጭሮን፡ እቲ ብሸነኽ ጸጋማ ልዕል ኢሉ ዘሎ ሸላን ከኣ እቲ ዝሓለፈቶ መሪር ናብራን ዘዘንቱ፣ እቲ ሓደ እግራ ብዘይ ጫማ ምዃኑ ከኣ ራሕቂ ዝተጓዘቶ መገዲ፡ ምንቍልቛልን ምዝንባልን ናብራኣን ዘስፈረ ይመስል።  እታ ብሃረርታ ኢዳ ዝዘርግሐት ኣደ፡ እቲ ኵሉ ድብነት ንድሕሪት ገዲፋ ኢያ ንምብራቕ እትጐዪ፣ ንሱ እቲ ሕልማን ተስፍኣን ዝጾረ ዝመሰላ እንተዀነ ኣንፈቱ ንምዕራብ፡ ገጹ ከኣ ንደቡብ’ዩ ዝጕምጽጽ። እዚ ብቢሂልን ትርጕምን ኣወዳድቓ ዳሜራ ምስ ዝምተር ዝህቦ መልእኺቲ ኣለዎ።

ኣብቲ ካልኣይ መዛርዕ፡ ብጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ ዝተቐብአ እምባታትን ሕሉምን ወሓዝን ኣሎ። እቲ ሕብሪ፡ ኲናት ዝፈጠሮ ጽልመትን ብድመትን፣ እቲ እምባን እቲ ወሓዝን፡ ዝተኸፍለ ደምን ረሃጽን ዝተሓልፈ መስገደልን ይውክል ምዃኑ ዘረጋግጽ፡ እቶም ህይወቶም ዝበጀዉ ኣብቲ እግሪ ወዲቖም ስለ ዝርኣዩ። እቲ ኣብ ጐድኒ’ቲ ብጸሊምን ጻዕዳን ዘሎ መዛርዕ ሕብራዊ ምዃኑ እንተዘይኮኑ ተመሳሳሊ እዩ።    እቲ ሕብራዊ ምዃኑ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘሎ እዋናት ዝኽፈል ዘሎ ህይወት ንምራኣይ ዀይኑ ዝቖመ እዩ። እቲ ኣርሓ ግን ናብ ካልእ ኣንፈት ብጥማቱስ ካብቲ መብጽዓ ምልጋሱ ወይከኣ በንጻሩ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምግላጽ ዶ ይኸውን?

ኣብቲ ካልእ መዛርዕ፡ ጐተት-መተቶም ጸይሮምን ብሕሉም ዝኸዱን፣ በቲ ወያብ መሬት ተሰሪዕም ክፈልሱን ይርእዩ። እቲ ሕሉምን ወያብ ሕብርን፡ እቶም ፈላሶ ዝሓልፉዎ መገዲን ሕሰሙን ወይከኣ ነቲ ብማዕዶ ዝርእዮም ግና ዘየረጋገጽዎ መጻኢ ይነግር። ኣብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ መዛርዕ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝተገልበጠት ጀልባ፡ ዝጠሓሉን ነፍሶም ንኸድሕኑ ዝፍራገጡን ዒቕ ዒቕ ዝብሉን ሰባት ይርኣዩ።  እዚ ነቲ ብስግረት ዝጅምር፡ ብምድረበዳን ኣጻሙኡን ዝሓለፍ፡ ብባሕሪን ማዕበሉ ዝስገር ፍልሰትን ብሰንሰለት ይጸዊ። ባሕሪ ተስፋን ሕልምን ዝውክል እዃ እንተዀነ፡ ኣብዚ ቅብኣ ግና፡ ምስ ምግልባጥ ናይታ ጃልባ ተላፊኑ ምዅላፍ ናይቲ ተስፋ ይነግር።

ኣብቲ ብኢድ ጸጋም ናይቲ ቅብኣ ኣብ ዘሎ መዛርዕ፡ ኣብ ኣፍ ገደል ጠጠው ዝበለት ሓንቲ ነፍሰ ጾር ኣላ።  ውዕዉዕ ቀይሕን ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ጸሊም ዘለዎ ቀምሽ ዝለበሰት፡ ፍሰት ዝረግአ ደማ ዝረገጸት፡ ሻሽ ጥራሕ ዝተጐልበበት፡ ድንን ኢላ ናብ ሰሜን ገጻ ዝገበረት ከኣ`ያ። እቲ ውዕዉዕ ቀይሕ ሕብሪ በቲ ግህሰት ከም ዝነደረት፡ እቲ ዝረገጸቶ ዝረግአ ደምን ፍሰቱን ከኣ ጻዕቂ ናይቲ ግህሰት፡ እቲ ሻሽ ጥራሕ ምጕልባባ ከኣ ስንባደኣን ነፍጻን ዝገልጽ ተወክሎ ዘለዎ ይመስል። እቲ ውክልና ተመጢጡ ምስ ዝረአ፡ እታ ተዓሚጻ ነፍሰ ጾር ዝዀነት፡ እታ ብሃረርታ ኢዳ ዘርጊሓ ዝተቐበለት ዶ ትኸውን? መልእኽቲ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ይኣክል ጽሑፍ’ውን ዘዳምቖ ኣለዎ። ዝብል ትኸውን? ንታሕቲ ምድናና፡ ሕሰማን ሰንፈላላን፣ እቲ ኣብቲ ከብዳ ዘሎ ድሙቕ ሽሮታይ ሕብሪ ከኣ ዝውለድ ብርሃን ከም እትትስፎ ዝእምት ዶ ይኸውን? ዝኣመሰሉ ሕቶታትን መልስታቶምን ዝነግሮስ ኣለዎም።

ንሳ፡ ምስቲ ኣብ ጭራኡ ‘ኣይከሰርናን’ ዝብል ሕላገት ዘለዎ ኣርሓ፡ ሑቖ ንሕቖ’ያ ተወሃሂባ ዘላ። ንሳ ንምብራቕ፡ ንሱ ከኣ ንምዕራብ ብምእንፋቶም – ቍንቍኛ እቲ ብሂል ዳሜራ ሕጂ`ውን ኣይረሳዕ። ኣብ ልዕሊአ፡ ኣብቲ ዝነደረ ሓምራይ መሬትን ዕንቊ ባይረ ዝሕብሩ ባሕሪን ዘለዎ መዛርዕ፡ “ይኣክል’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኣብቲ መሬት ዝዓልብ ብርሃን፡ ቅድሚ ምውጋሕ ዘሎ ሕብሪ ወገግታ ብሙዃኑ፡ ዝተረፈ ጕዕዞ ንኣግዞ ከም ዘሎ ከም ዘአንፍትን ዘተስፉን ክትርጐም ይከኣል።

ናብቲ ብጦብላሕታ ምስልታት ዝፈጠረ ኣርሓ ንመልስ። ብጅንጕርጕር ሕብርታት ዝደመቐ፣ ድልዱልን በዓል ግርም መሓውርን፣ ብሓውሲ እንስሳን ሰብን ዝተወከለ፣ ዓይኑ ደም ዝሰረበ፣ ኣብታ ጸጋመይቲ እዝኑ ናይ ሰብ እዝኒ ምስ ተንቀሳቓሲት ስልኪ ዝደረበን እዩ። ተውክሎ ሕውስዋስ ባህሪ፣ ጭካነ፣ ተጸናጻንነትን ከኣ ይመስል። ብየማናይ ኢዱ ዝረገጾ ጋዜጣ፡ ምግሃስ ነጻነት ሓሳብን ጽሕፈትን፣ ምዕምጣርን ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕንባሻ ምሻንን፡ ምሕሳም ልምዓት፣ ምርጋጽ መሳልል ከኣ ምሕንጋድ ንምዕባለ ዝገልጽን ምዃኑ ፈጢጡ ስለ ዘሎ፣ እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ቃንዛ ንምድማጽ፡ ብደይ-መደይ ዝሰፈረ ስለ ዝመስልስ ብድብዱቡ ምሕዳጉ።

በራድ ከኣ ኣሎ — ብመንጽር እቲ ብልዕቲ እቲ ኣርሓ ቀኒኑ እተንጠልጠለ። እቲ በራድ መዐመጺ እንተ ኰይኑ፡ ብኣኡ ዝፍጠር ቃንዛ ይገመት፣ እንተ ድኣ ሰንሰለት ናይ እዋናት ዝነግር ኰይና ግና ዝምጠጥ ወግዒ ኣሎ። ብኣጸዋውዓ ሽምግል ዝበላ ኣዴታት፡ ‘በራድ ድርቡሽ’ እዩ ዝበሃል። ድርቡሽ ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ ኰይኖም፡ እቲ በራድ ከኣ ምስኦም ስለ ዝመጸ’ዩ ዝኸውን እዚ ስም ተዋሂብዎ። ብውክልና ምስ እንርእዮ ዝጸውዮ ጽውያ ኣለዎ። ምናልባት፡ እዚ ኣብዛ ቅብኣ ዘሎ በራድ ምስቲ ግህሰት ናይ’ቶም ሰንሰለታውያን ገዛእቲ ኣደራዓቶምን ንኸመሳስል ዝሰፈረ’ዶ ይኸውን? እቲ በራድ ክቕድሓሉ ከሎ ጨሮቕሮቕ እዩ ዝብል፣ ሻሂ ክትጽበየሉ ከለኻ ኣፍካ ማይ እዩ ዘመልእ። ዓመጽ ከንቈርቍር ከሎ ግና እቲ ቃንዛ ነዊሕ’ዩ ዝኸውን። እዚ ወግዒ ይደምደም። ነታ ብግብሪ እትዕመጽ ዘላ ንምርኣይ ቋሕ ምባል ዘድሊ እይኰነን፣ ነዛ ኣብዚ ቅብኣ ናይ ኤርሚያስ ዕቝበ ዘላ፡ ዝተዓመጸት ኤርትራ ንምርኣይ ግና ድኹም ዓይኒን ድኹም ሕልናን ክህልው የብሉን።

______________________________

*ሃይለ ቢዘን–ገጣሚ፡ ጸሓፊ ሓጸርቲ-ዛንታታት፡ ተርጓሚን ጋዜጠኛን ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ በበይኖም ስራሓት ድሕሪ ምንጣፍ ኣብ 2009 ካብታ ሃገር ወጺኡ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝርከብ ጸሓፊ፡ ፕረዚደንት ፐን ኤርትራ ኰይኑ debrebizen@yahoo.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email