ክሰርሓልካ’የ ሓወልቲ

No comments

ክሰርሓልካ’የ ሓወልቲ፤

ሓወልቲ

ዘይንዝኽሪ ንምስክር፡

ርቡጽ ተስፋኻ

ጽልሙት ጕዕዞኻ

ፈራሕ ፍርሕኻ

ሞት ሕልምኻ ዝነግር።

ክሰርሓልካየ ሓወልቲ፤

ስፍሓቱ፡

ካብ ምድረ-ሓበሻ ክሳብ ላምፓዱሳ

ጨንፈሩ ንምብራቕ ሲናይ ምድረ-በዳ፡

እምነ መሰረቱ ዓረ ኣብ ዓደ’ቦ ኣንቢረ

ቀጸላ መንደቑ ድዉን ጽባቐኡ

ብምድሪ ኑባ ኣቢለ፡ እንክሃንጾ፡

ሕልሚ ጸዋር

ተጸባዪ እዋን፡

ዝጦመመ ኣእዛን

ዝዓረቐ ክሳድ

ዝተዓድየት ስድራ

ኣብ ከርሱ ዝሓቝፎ።

ኣሰር ጸሓይ ዘቋምታ ‘ዒንቲ

ተጸበይቲ ዝቕንዘውሉ ርእሲ

ምስ ሞት ‘ከላ ሞት ትፈርሕ ነብሲ

ክኸውን’ዩ ሽክና ዝሕዞ።

ክሰርሓልካ’የ ሓወልቲ

ዕዳጋ ኲሊት ዘጌጾ

ቃንዛ ጎርዞ ዝድመጾ

ማእለማ ሶዶም

ዕጣቕ እድያቱ፡

ዝሰሓጋ ኣእዳው

ልዕሊ ማይ ዝወሳወሳ

ረዳኢ ኣብ ዘይብሉ ረዲኤት ዝሓታ

ጽሩራ ማዕርጉ፡

ዝደኸማ ነብሳት

ሕልሚ ተሰኪመን

ዘዕረፋ ኣብ ዓሳታት፡

ክገብሮ’የ ኣኽሊል ሽልማቱ

ምዕራፍ ጕዕዞ ምዕራብ

ብምስሉ ዘዘንቱ።

­­­­­­­­­                   ፍቕረይ የማን – 2015

 

Print Friendly, PDF & Email