እምቢ! – ኣይንርስዕን!

No comments

 ዓወት መንግስትኣብ*

ዕስራን ክልተን ዓመታት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ። ቈልዓ ተወሊዱ፡ ጎቢዙ፡ ፊደል ቈጺሩ፡ እንተወሓደ ማእከላይ ደረጃ ዝዛዝመሉ ግዜ እዩ። ኣረ ሻዓ ኢሉ እንተ ጀሚሩን ኣብቲ ምዕቡል ዓለምን ሲ ሞያ ሰኒቑ ስራሕ ክሕዠሉ ዝኽእል ዓመታት እዩ። ብነብስናን ቀረብትናን እንተርኢናዮ ከኣ ኣብዚ ውሽጢ ዕስራን ክልተን ዓመታት ማእለያ ዘይብሎም ተፈጥሮኣዊ ለውጥታት ኴንናን መስኪርናን ንርከብ። ገሌና ሓዳር መስሪትና ሰዲርና፣ ገሌና ካብ ኣፍላ ንእስነት ናብ ዓዲ ኣርባዓታት ተሰጋጊርና፣ ገለ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝነበሩ እርጋን ኣርኪብዎም ገለን ከኣ ብሞት ተፈልዮሙና ኣለዉ።

ዕስራን  ክልተን ዓመታት ኣሽንባይ ነቲ እንተበዘሐ 70 ዓመት ዝተባህለሉ ወዲ-ሰብ ንሃገር እውን ነዊሕ ግዜ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ክልተን ዓመታት ንኣብነት ዓዲ እንግሊዝ  ሸውዓተ ቀዳማይ ሚኒስተራት ርእያ ኣላ። ኣብ ኣሜሪካ ኣርባዕተ ፕረሲደንትታት ተታኻኺኦም ኣለዉ። ንሱ እኳ ባራክ ኦባማ ክልተ ግዜ ስለዝተመርጸ እዩ። እታ ዓለም ብህልቒት ዝዝክራ ሩዋንዳ እኳ ካብ ሓሙኽሽቲ ተንሲኣ ኣበይ በጺሓ ኣላ። ብኣንጻሩ እዘን ዝሓለፋ ዕስራን ክልተን ዓመታት ኣብ ሃገርና ዝገደፈኦ ስምብራት ማእለያ የቡሉን። ብስንኪ እቲ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዝተኸተሎ ሕማቅ ኣካይዳ መሳርዕ ሕብረተሰብ ተዘራሪጉ፣ እቲ ላህመት ሃገር- መንእሰይ- ፎቆድኡ ተሰዲዱ፣ ደቂ-ህዝቢ ኣብ ጎዳጉድን ሸላታትን ተደርብዮም፣ ወለዲ ብዘይ ቀባሮ ተሪፎም፣ እቲ ዘየባትኽ ዕስክርና ንሽማግለታትን ድኑሳትን ኣረኻኺብሎም፣ ኣብ ሰሃራን ባሕርን ሂወት ገቢርና፣ ተገሪፍናን ተዋርዲናን፣ ተጨዊና፣ ኮላሊትና ተሸይጡ . . . እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ውሕስነት ተሰሚዕዎም ዝነበሩ ምናልባት ውሑዳት ኣብታ ንእሽተይ ዕንኬል ናይቲ ስርዓት ዝተሰግሰጉ ሰብ ግዜ ጥራሕ’ዮም ክዀኑ ዝኽእሉ። ምግናን ደኣ ከይመስል እምበር ብዘይካ እዚኣቶም ብሰላም ወጺኣ ብሰላም ከም እትኣቱ ርግጸኛ ኴንካ ክትዛረበላ እትኽእል እንኮ ፍጥረት ጸሓይ ጥራሕ መሲላ ትሰምዓኒ። ንሳ እኳ እቲ ኣብ ገለ እዋን ኣድኒነያ ዝበለ ደረቐኛ ስርዓት ክጽዕዳ ስለ ዘይከኣለ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እቲ መንግስትን እቶም ግዳይ ዝገበሮም ናይ ሕልና እሱራትን ኣብታ ዝገደፍካዮ ክጸንሓካ ትተኣማመነሉ መን ኣሎ፧ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ከቢድ እዩ። ምናልባት ስቓይና ብሃገራውነትን ሆይሆይታን ተዓብሊኹ ስለ ዘሎ ንብዙሓት ተኸዊልና ይኸውን፣ ሕልና ንዘለዎ ሰብ ግን ኣዝዩ ዘቓዝን እዩ። ከማኻ ብኣርኣያ-ስላሴ ንዝተፈጥረ ሰብ (በዲሉ ድዩ ኣይበደለን ብዘየገድስ) ንዕስራን ክልተን ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ክትድርብዮ ኣየናይ ጥዑይ ሕልና ክቕበሎ ይኽእል፧ እሞ ከኣ ኣብዚ ዓለም ብመሰል እንስሳታት እትጣበቐሉ ምዕቡል ዘመን!!

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ደቂ-ዓደይ፡ ንሓንቲ ካልኢት እሞ ብሕልናኹም ሕስብ ኣብልዎ። ነዚ ዝሓለፈ ዕስራን ክልተን ዓመታት ምስ መቝሖም ኣብ ጎዳጉዲን ሸላታትን ዝተሰንደዉ ናይ ሕልና እሱራት ኣለው ንብለኩም ኣለና። ሰብ ኣይርእዩ፡ ሰብ ኣይርእዮም። ካብ ምውታት ንላዕሊ ካብ ህልዋት ንታሕቲ! ኣብ ጎዳጓዲ! ዓቕልኻ ኣብ ዘጽብብ ሸላታት! መብዛሕቱ ግዜ፡ 15 ፖለተከኛታት፡ 12 ጋዜጠኛታት፡ እናበልና ብኣሃዝ ኢና እነልዕሎም። ንሳቶም ግን ኣሃዛት ኣይኮኑን። ከምዚ ከማይን ከማኹምን ሕልምን ተስፋን ዝነበሮም፣ ስድራን ቆልዑን ዘለውዎም እዮም። ሰባት እምበር ኣሃዛት ኣይኮኑን። ጂ 15 ወይስ እቶም ጋዜጠኛታት ኣይኮኑን። ኣብ ሞንጎኦም ትዝታ ዝእውዱናን ትዝታ ንእውዶምን ኣለዉ።

ማቴዎስ ሃብትኣብ (ማቹ)
ኣንታ ረዚን፡ ትስፉው፡ ቦቕቧቕ ማቹ ሓወይ ከመይ ኮን ትህሉ፧ ብሓቂ ድዩ እቲ ተላባዒ ፍሽኽታኻ ካብዘይንርእዮ 22 ዓመት ሓሊፉ፧ እቲ ብጽሑፍን ኣጸሓሕፋን ንለባበመሉ ዝነበርና ግዜ እናፍቆ ኣለኹ። እታ ሓደ ምሸት ኣብ ሓደ ኩርናዕ ደው ኢልና ዘዕልልካኒ ሚስጢር ፍቕሪ ድማ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ልበይ ተዓቑራ ኣላ። እታ ልብኻ ወስዲታ ዝነበረት ጓል ኮን ኣበይ ትህሉ ትኸውን፧ እቶም ክሳድካ ኣዝምም ኣቢልካ እትፍንዎም ጭርቃን ኣይረሳዕኩዎምን። ሽታ ናይቲ ኣብ እንዳ ገብረኣብ ዝፈትፈትናዮ ፋታ ገና ካብ ኣፍንጫይ ኣይሃሰሰን። “ጉዕ ኣብዝሕላ፡ ከምታ ንግጥማ ጌርኪ ኣለምልምያ፡ ካብታ ዘሃረይ ከኣ ኣንጥብላ” እናበልካ ንሰምሃር ከተራስና እንከለኻ ከምዚ ትማሊ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ኣንታ ፈታው ሃገሩ ሓወይ ከመይ ኣለኻ፧ ባረንቱ ምስተታሕዘት ኣብ ገጽካ ዝረኣኹዎ ሓዘን ኣዲኡ ኣብ ዝሞተቶ ሰብ እውን ኣይረኽቦን እየ። እቲ ለዋህ የዒንትኻ ንብዓት ቅጽጽ ኢሉ እራእየኒ። እቶም ዝኣሰሩኻ ሰብ ግዜ እኳ ክንዲ ርብዒ ናትኻ ፍቕሪ ሃገር ኣለዎም ኢለ ኣይሓስብን እየ። መዓስ ኮን ደጊመ ይርእየካ ይኸውን፧ ክርእየካ ድየ፧

መድሃኔ ሃይለ (መዳ) ኣንታ ሰሓቒ፡ ደፋር በዓል ሻም ሓወይ ከመይ ኣለኻ? ኣለኻዶ? ኣብ ባጽዕ ኣብታ ክለብ ሓይሊ ባሕሪ ዘሕለፍናየን ሙቁራት ምሸታት ትዝክረንዶ፧ ኣብ ሰነ 1998 እዩ ዝነበረ። ኣነ ናብ ግንባር ቡሬ ክኸትት መርከብ እጽበ ነይረ፣ ንስኻ ከኣ ድሮ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ከቲትካ ኔርካ። ኣብ ክለብ ሓይሊ-ባሕሪ ፖለቲካ ኣልዒልና እሂን ምሂን ክንበሃሃል ትዝ ኢሉኒ። ክንደይከ ትትንትን ወደይ፧ ብፖለቲካዊ ንቅሓት ብገለ ዓመታት ቀዲምካኒ ኔርካ ክትከውን ኣለካ! እቲ ዝቐሰምካዮ ናይ ሕጊ ምህሮ ግዲ ጠቒምካስ ንነገራት ብኽልተ ሸነኽ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ነይሩካ። ናይ ወዱ ትኹል ‘ተሻሞ’ ትብል ካሴት እናኣሰነየትና ብዙሕ ተጻዊትና፡ ስሒቕና። ኣስናንካ ጫሕ ኣቢልካ ወርቂ ስንኻ በለጭ እናበለት እንካ ሕጂ ኮይኑ ተራእየኒ። እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ልብኻ ኣትያ ዝነበረት ደርፊ ክሰምዓ እንከለኹ ሕንቕንቕ እየ ዝብል።

ኣዳነይ ዘግሒ ብርስን
ሞጎጎኽን ከይረስን . . .

ዳዊት ሃብተሚካኤል (ወዲ መምህር) ከምዚ ናትካ ጨው ዘለዎ ዋዒ ዝውንን ሰብዶ ይህሉ ይኸውን? ኣንታ ሕዉስ፡ ፈታው ጸወታ ሓው ከመይ ኣለኻ፧ ኣብቲ ንስኻ ዝነበርካዮ ኩሉ ጭርቃንን ይፈስስ ነይሩ። እታ ኣብ ባር ፓልም ኣንቃዕሪርካ ዝሰሓቕካያ ሰሓቕ ዘኪረያ። ምናልባት’ውን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጭርቃን  ናብራ ማሕቡስ ከመይ ትኽእሎ ኣለኻ፧ ብዘይ ሰብ ከመይ ኢሉ ይኾነልካ ኣሎ? ኣብ ባህርያትካ ዘየለ መስገደል እኮ እዩ። ናዓኻስ ኣብ ጉድጓድ! ከማኻ ገይሮም ንዓለም ዘመቅርዎ ሕዉሳት ሰባት እኮ ውሑዳት እዮም። ካልኣይ ግዜ ክንርእየካ ንደሊ ኣለና። ባህ ዝብል ወስታትካን ግልጽነትካን ብልቢ ንናፍቆ ኣለና።

ኣንታ ጎይታ፡ ‘ይኹን!’  ትብል እሞ ኩሉ ድማ ይኸውን። እንሆ ሎሚ ንጽወዓካ ኣለና። ንሃገርናን ንእሱራትናን ብጽሓዮም። ንሕና ሓደ ነገር ጥራሕ ኢና ክንገብር ንኽእል። ዋላ እቲ ግዜ ይንዋሕ፡ ‘እምቢ ኣይንርስዕን’ ብምባል ኣንጻር ምርሳዕ ንቃለስ ኣለና። እቲ ዝተረፈ ኩሉ ኣብ ኢድካ እዩ።


ዓወት መንግስትኣብ፤ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ቲልበርግ-ሆላንድ ዝነብር ጸሓፊ ሓጺር ዛንታን ብሎገርን እዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስነ-ቝጠባ ዘጽንዐን፡ ካብ ጥቅምቲ 2022 ኣትሒዙ ግምጀኛ (treasurer) ፐን ኤርትራ ዀይኑ ኣብ ምግልጋል ይርከብ። amberhe7@gmail.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email