ኤርትራዊ ገጣሚን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ነበርን ኣማኑኤል ኣስራት “ተባዕ ኣህጉራዊ ጸሓፊ” ተሰይሙ

No comments

(12 ጥቅምቲ 2020)

ተዓዋቲ ፐን ፒንተር 2020 ሊንቶን ክወሲ ጆንሰን ሽልማት “ተባዕ ጸሓፊ” ንኤርትራዊ ኣማኑኤል ኣስራት ረቝሑ።

ምስ ምዕጻው ናጻ ጋዜጣታት ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ደሃይ እኳ እንተ ዘይብሉ ኣብ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ተዳጒኑ ከም ዘሎ ይእመን።

ኤርትራዊ ገጣሚ፡ ሃያሲን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ነበርን ኣማኑኤል ኣስራት ተሸላሚ ተባዕ ኣህጉራዊ ጸሓፊ ከም ዝተሰየመ ኣብ ጽንብል ሽልማት ፐን ፒንተር 2020 ተሓቢሩ። እዚ ሽልማት ኣብ ጽሑፋዊ ሞያኦም ንፍርሒ ምውልዋልን ሰጊሮም ሓለፋ ትብዓት ንዘርኣዩ ጸሓፍቲ ዝወሃብ’ዩ። ተዓዋቲ ፐን ፒንተር 2020 ሊንቶን ክወሲ ጆንሰን’ዩ ኣብቲ ብ12 ጥቅምቲ 2020 ብመገዲ ብሪቲሽ ኮንስል ዝተጋብአ ናይ ማዕዶ (ኦንላይን) ምዕዳል ሽልማት ሓቢሩ።

ኣማኑኤል ኣስራት ምስ ምምስራት መኣድታት ስነ-ጽሑፋት ኣብ ፈለማ 2001 ዝተኸስተ ዳግም ምብርባር ስነ-ግጥሚ ኤርትራ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ’ዩ። ገጣሚ፡ ሓዳሚን ተሸላሚን ኣማኑኤል ኣብ ግጥምታቱ ንሓያሎ ማሕበራዊ ሕሰም፡ ኲናትን ሳዕቤናቱን፡ ፍቕሪን ተስፋን ብዕምቈት የንጸባርቕ። ብሕልፊ እኳ ደኣ ዝበዝሑ ስነ-ጥበበኛታት ንዂናት ዝቕስቅስ ስራሕ ከፍርዩ እንከለዉ፡ ኣማኑኤል ግን ‘ኣበሳ ኲናት’ እዩ ኣርእዩ። ምስ ብጾቱ ኣብ 2001 ዝጀመራ መድረኽ ስነ-ጽሑፍ “ቍርሲ ቀዳም ኣብ ጥዓሞት” ኣብ ካልኦት ኵርናዓት ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ንኽዕንብብ ዓቢ ድፍኢት ኰይና’ያ።

ኣብታ ብዋና-ኣሰናዳእነት ዝዓየለ ዝነበረ ጋዜጣ ዘመን’ውን፡ ኣማኑኤል፡ እንተስ ብጽሑፋቱ ወይ’ውን ካልእ መገዲ ንስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ኣብ ምማእዛን መሪሕ ግደ ነይሩዎ።

ኣብ 2001 ዝጀመረ ኣንጻር ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ነበር፡ ጋዜጠኛታትን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን ዝተኻየደ እዱድ ዘመተ ግን ንሓያሎ ግዳይ ገይሩ’ዩ። ብ23 መስከም 2001 ምስ ካልኦት ብጾቱ ጋዜጠኛታት ተጨውዩ ዝተወስደ ኣማኑኤል እምበኣር ክሳብ ሕጂ ደሃይ የብሉን።

ብዛዕባ ኵነታት እሱራት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ዝፍለጥ ነገር የሎን። ወግዓዊ ክሲ ከም ዝተመስረቶም ዝሕብር ኣንፈት’ውን ኣይተረኽበን። ናይ ሕልና እሱራት ንዝተፈላለዩ ሕሰም፡ ብቐንዱ ድማ ስእነት ሕክምና፡ ከም ዝተቓልዑ ግን ንግማቱ ኣየጸግምን። ዋላ’ኳ ተኣማሚንካ ምዝራብ ዘጸግም እንተዀነ፡ ብመሰረት እቶም ናይ መጨረሽታ ዝሰለኹ ምንጭታት–ምስ ምንዋሕ ግዜ ዝህሉ ምዕባለታት ከይተዘግንዐ–ኣማኑኤል ካብቶም ውሑዳት ብህይወት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኵነት ኣብ ዒራዒሮ ዝርከቡ እሱራት’ዩ።

ሽልማት ፐን ፒንተር 2020

ሊንቶን ክወሲ ጆንሰን ናይዚ ዓመት’ዚ ተዓዋቲ ፐን ፒንተር ክኸውን ብደያኑ ተሓጽዩ። ደያኑ ኣብ ጋዜጣ ዘ-ጋርዲያን ምኽትል ኣሰናዳኢት ዓምዲ ባህሊ ክሌር ኣምስቲድ፣ ኣሕታሚ ዲያሎግ ቡክስ ሻርሜን ላቭግሮቭ፣ ከምኡ’ውን ደራሲ ማክስ ፖርተር’ዮም ነይሮም። ብመሰረት መግለጺ ደያኑ፤ “ሊንቶን ክወሲ ጆንሰን ገጣሚ፡ ኰኾብ ሙዚቃኛ ሬገ፡ ጐስጓሲን ኰይኑ፡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝኸደ ስራሓቱ ንወለዶታት ዝተርፍ ጽልዋ ባህሊ ገይሩ’ዩ። ዘይጸዓድ ፖለቲካዊ መስመሩን ምርምር ታሪኽን እቶም መለልይታቱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ነቲ ዓጺቕ ኣርእስቲ ብዋዛን ሰሓቕን ስለ ዝኽልሶ ድማ ተዘካሪ ይገብሮ።”

ብቓላት ሊንቶን ክወሲ ጆንሰን፤ “ንሓደ ዜጋ ኣብ ፍጹም ግሉል ቤት ማእሰርት ንኣስታት 20 ዓመት ምሕያር መርኣያ ናይቲ ዝኸፍአ ምልካዊ ስርዓት’ዩ። ከም መግለጺ ሕውነትን ዝምድናን ብቐንዱ ድማ ኣፍሪቃዊ መበቈል ከም ዘሎኒ መጠን እዚ ሽልማት ምስ ገጣሚ፡ ሓዳሚን ሃያሲን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት ክካፈሎን ንኽብሩ ክጽውዕን መሪጸ።”

ሓዉ ዳኒኤል ኣስራት ብወገኑ፤ “ነዚ ክቡር ሽልማት ብስም ስድራቤት ኣማኑኤል ኣስራት ክንቀበሎ እንከሎና ሓበን እስመዓና። ንሊንቶን ክወሲ ጆንሰን ፐን ኢንግሊሽን ድማ ስለቲ ዘርኣኹምና ክብሪ ነመገስግን። ኣማኑኤል ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዒራዒሮ ይበሊ ኣሎ። ብህይወት ምህላዉን ዘይምህላዉን’ውን ንፍለጦ የሎን። ነዚ ፍሉይ ብስራት’ዚ ኣማኑኤል ክሰምዖ እንተ ዝኽእል ከመይ ባህ ምበለና። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ናይ ሕልና እሱራት ኤርትራ ኣመልኪቱ ጸቕጢ ክግበርን እሱራት ድማ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክፍትሑን ንጽውዕ። ንዘይባትኽ ምትብባዕኩም፡  ጸሎትኩምን ዝኽርኹምን ካብ ልቢ ነመስግን፡” ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ሽልማት ስነ-ስርዓት “ኣበሳ ኲናት” እትብል ግጥሚ ኣማኑኤል ኣስራት ግጥሚ ብገጣሚት ይርጋኣለም ክትንብበ እንከላ ናይ እንግሊዘኛ ትርጕማ ድማ ብክሌር ኣምስቲድ ቀሪባ።

ኣቐዲሞም ንሽልማት ፐን ፒንተር ዝበቕዑ ጸሓፍቲ ለምን ሲሳይ (2019)፡ ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቺ (2018)፡ ማይክል ሎንግሊ (2017)፡ ማርጋረት ኣትዉድ (2016)፡ ጀምስ ፈንቶን (2015)፡ ሳልማን ራሺዲ (2014)፡ ቶም ስቱፓርድ (2013)፡ ካሮል ኣን ዳፍይ (2012)፡ ዳቪድ ሀር (2011)፡ ሃኒፍ ኩሬሺ (2010)፡ ከምኡ’ውን ቶኒ ሃሪሰን (2009) ከዀኑ እነከለዉ፡ “ተባዓት ተቓለስቲ” ተባሂሎም ነዚ ሽልማት ዝተኻፈሉ ድማ በፍቃዱ ሃይሉ (2019)፡ ዋሊድ ዓብዱልኼር (2018)፡ ማህቨሽ ሳበት (2017)፡ ኣሕመዱር ራሺድ ቾውድሪ (ቱቱል) (2016)፡ ራይፍ ባዳዊ (2015)፡ ማዜን ዳርዊሽ (2014)፡ ሳማር ያዝበክ (2012)፡ ሮበርቶ ሳቪያኖ (2011) ሊድያ ካቾ (2010)ን ዛርግናር (ማዎንግ ቱራ) (2009)ን እዮም።

ኣማኑኤል ኣስራት ናይ ፈለማ “ፐን እጽሕፍ” (PENWrites) ዝተሰየመ ንስድራቤት እሱራት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምትብባዕ ደብዳበታት ምስዳድ ጐስጓስዩ። እቲ መደብ ድጋፍ መተባብዒ ደብዳበታት ብመገዲ ፐን ኢንግሊሽ ዝተበገሰ’ዩ።

 ፐን ኢንግሊሽ ንሓደ ዓመት ዝኸይድ ዘመተ ምጽሓፍ ደብዳበ ንስድራቤት ናይ ሕሉና እሱራት ጸሓፍቲ ጀሚሩ ኣሎ። ኣማኑኤል ኣስራት ቦኽሪ ናይዚ ዘመተ’ዚ ተረቋሒ ጸሓፊ’ዩ ነይሩ።

ኣካይዲት መደብ ሓደጋ ዘንጸላሉዎም ጸሓፍቲ ካት ሎቃስ ከም ዝጠቐሰቶ፡ “ንኣማኑኤል ኣስራት ነዚ ክብሪ’ዚ ክንሽልሞ ምኽኣልና ሓበን ይስመዓኒ። ብህወይት ሃልዩስ ኣስታት ድሕሪ ዕስራ ዓመት ምስ ስድራኡ ዝራኸበሉ መዓልቲ ክንርኢ ድማ ሃንቀው ንብል። እዚ ሽልማት’ን ኣቐዲሙ ዝነበረ ጐስጓሳትን ኵነታቱ ኣቓልቦ ኣብ ምሃብን ንስድራቤቱ ሓቦ ኣብ ምስናቕን ኣበርክቶ ክህሉዎ ድማ እትስፎ፡” ኢላ።

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ፐን፡ ንእሱራት ብዘይክሲ ዝተቐየዱ፡ መሰሎም ዝተገፈፎምን ዝተቐትሉን ጸሓፍቲ ኣብ ምጥባቕ ነጢፉ። ኣባላት ፐን ድማ ናይ ድጋፍ ደብዳበታት ንእሱራት ጸሓፍቲ ኣብ ምስዳድ ሓደ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ነዊሕ ዝጸንሐ ልምዲ’ዩ።

ኣማኑኤል ኣስራት ኣብ ጥሪ 2016’ውን ብፐን/ኦክስፋም ምስ ካልኦት ቱርካዊን ግብጻዊን ጸሓፍቲ ብምዃን ሽልማት ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽ ተሸሊሙ ነይሩ። “ኣበሳ ኲናት” እትብል ተዓዋቲት ግጥሚ ኣማኑኤል’ውን ብቴድሮስ ኣብርሃምን ምትሕብባር ዳቪድ ሹክን ፈለማ ናብ 16 ቋንቋታት  ብምትርጓማ ሰፊሕ ተነባብነት ረኺባ’ያ። ኣማኑኤል ሓደ ካብቶም ብመገዲ ፐን ኤርትራ ኣብ ጋዜጣ ዘ-ጋርዲያን ሸፈነ ዝረኸቡ ሽዱሽተ እሱራት ጋዜጠኛታት’ውን እዩ።

Print Friendly, PDF & Email