ሃብተኣብ የማነ*
ሚያዝያ 2 2021
ልዕሊ’ታ ወለዱ ዘውጽእሉ ሚልኪያስ እትበሃል ወግዓዊት ስሙ፣ ዝያዳ ብብዙሕ ሰብ ዝፍለጠሉ ስም “ማስተሬ” ገለ መቕርብ ድማ “ኣቡዬ” እቶም ሰብ ውሻጠ ድማ “ኣተሽም” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። እተን ክልተ ቀዳሞት ናይ ቅብጥሮት እታ ዳሕረወይቲ ድማ በታ ኣብታ ንሱ ከም ዋና-ኣሰናዳኢ ኰይኑ ዝመርሓ ጋዜጣ ቀስተ–ደበና ኣብ ዓምዲ ፖለቲካ ዝጥቀመላ ዝነበረ ናይ ብርዒ ስሙ’የን። ክንንእዶን ከነድንቖን ክንደሊ ከለና “ኣተሽም ጎነጽ” ንብሎ ነበርና፣ ከነሕርቖ ክንደሊ ከለና ድማ “ወደቦይ ተጓነጽ” ኢልና ነንበይኑ ኣስማት ብምሃብ ነታ ቀንዲ ስሙ ዳርጋ ናብ ምርሳዕ ገጻ ኣብጺሐንኣ ኢየን።
ምስ ማስተሬ ኣብ 1992 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክፍሊ ሕጊ ቀዳሞት ተመሃሮ ናይቲ ዓውዲ ትምህርቲ ኴንና ምስ ተመደብና ኢና ንፋለጥ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ስድራና ካብ ኣስመራ ወጻኢ ስለ ዝዀኑ ኣብቲ ኣብ ፖራዲዞን ዝርከብ ኮለጆ ስታውያን ደጎዓሊ ካምፓስን ኣብ ንውሱን ዓመታት ኣብ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ጸኒሕና። ዕለታዊ ናብራና ድማ ኣንጊህና ብጉያ በለዛ በጺሕካ ምምላስ ንጅምሮ፣ ብሓደ ንትምህርቲ ንወፍር፣ ብሓደ ነጽንዕ፣ ሓሳብ ንሓሳብ ንለዋወጥ፣ ንካታዕ። በዚ ዝጀመረ ዕርክነትና ድማ ናብ ኢሂን ምሂን መባህልቲ ማዕቢሉ፣ ክሳብ እታ ብዙሕ ዝናን ህዝባዊ ተቐባልነት ረኺባ ዝነበረት ጋዜጣ ቀስተ–ደበና ኣብ ምምስራት በቒዕና። እቲ ብድፍረት ዝኣተናዮ ምድላው ጋዜጣ ቀስተ–ደበና ድማ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ብሓደ ሰጒምና። ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኴንካ ጋዜጣ ምድላው ልክዕ ከም ኣብ ብልሒ መላጸ ምስጓም ብምዃኑ ህይወትና ዕድልናን ተኣሳሲሩ። እምበኣር ብዛዕባ’ቲ ኣነ ዝፈልጦ ሚልኪያስ ምሕረተኣብ ካብቲ ምስኡ ዘሕለፍኩዎ ናይ ህይወት ተመኵሮ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከቅርበልኩም ከለኹ ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ንምቕባሉ ዘሸገረኒ ሓዘን ኢዩ።
ኣቡዬ–ወትሩ ምስ ንባብ
ተመሃራይ ናይ ሕጊ ከሎ ብዛዕባ’ቲ ዝመሃሮ ዓውዲ ትምህርቲ ብዘይካ እቲ ኣብ ክፍሊ ሰሚዑ ቆብ ዘበሎ ብዙሕ ከይጸዓረ’ዩ ተመሪቑ። ዝበዝሐ ግዚኡ ናይ ፖለቲካ ጽሑፋት ብምንባብ ኢዩ ዘሕልፎ ነይሩ። ቀዋሚ ዓሚል Newsweek, Times, National Geography, Foreign policy, The Economist ኢዩ ነይሩ። ተፈጥሮ፡ ታሪኽን ፖለቲካን ስለ ዘፍቅር ድማ ንድሕሪት ቅድሚ ምውላዱ ናይ 50 ዓመታት ናይ National Geography ጽሑፋት ኣንቢቡ ንነብሱ ናብ ሓደ ዓቢ ኢንሳይክሎፐድያ ናይ ፖለቲካን ታሪኽን ኢዩ ቀዪሩዎ። ሚልኪያስ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ተመሲጡ ዘንበቦም ጽሕፉት ዝርዝር ናይቲ ዘንበቦ ብደቂቕ ዝዝክር ምዃኑ ኢዩ። በዓል ቼ ጎቨራን ካስትሮን፡ ሆቺሚንን ማኦን ዝተዋግኡዎ፣ ጎቦታታትን ስንጭሮታን ልክዕ ከምዚ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ሕሽክብ፡ ደንደን፡ ዓምበርበብ ኢሎም ዘዘንትዉልና ዝነበሩ፡ ልክዕ ከምዛ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዝተሳተፈ የዘንትወልና ነበረ። ቅድሚ 200 ዓመት በዓል ቶማስ ጀፈርሰን፡ ሃሚልተንን ንቕዋም ኣሜሪካ ክጽሕፉ ከለዉ ዘካይድዎ ዝነበሩ ክትዓት እቲ ቀቀንዲ ዛዕባታትን ቅዋማዊ መትከላት ብደቂቕ፣ ከምኡ’ውን ጅግንነታዊ ዛንታታት ኤርትራውያን ሓርበኛታት ከምዛ ኣብኡ ዝወዓለ ገይሩ ክነግር ዝኽእል፡ ዝርዝር ታሪኻዊ ፍጻሜታት ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዝነበሮ’ዩ።
እቲ ዘይሕለል ሃገራዊ ተቓላሳይ
ሚልኪያስ ሓደ ካብቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ኣመንጊዮም ኣብ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኢዩ። ኣብ ግንባር ባድመ ኣብ ሸሸቢት፡ ተኾምብያ፡ ሃይኮታ ከባቢ ኣንቶረን ምስ ኣሕዋቱ ብረቱ ዓጢቑ ተሰሊፉ ካብኡ ዝሕተት ተጋድሎ ዝገብረ ዜጋ’ዩ ነይሩ። ጋዜጣና ቀስተ–ደበና ኣብቲ ካብ 1998-2000 ዝተገብረ ናይ ዶብ ውግእ ሃገራዊ ኤርትራዊ ሓርበኝነት ክድንፍዕን ፍናን ህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ምሕያል ዘይተኣደነ ኣበርክቶ ገይራ ኢያ። ጋዜጣና ዋላ’ኳ ናይ ሕጊ፡ ማሕበራዊን ስፖርትን ዓምድታት እንተነበራ፣ ዝበዝሕ ገጻታ ግና ፖለቲካዊ ዜናን ትንታኔን ዝተዓብለለ ነበረ። ሚልኪያስ ድማ ዓወታት ሰራዊት ኤርትራን ስዕረት ጸላኢን ፖለቲካዊ ትንታነታት ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ሓንቲ “ብመልእኽቲ ሓየሎም” እትፍለጥ ሓየሎም ነቶም ኣብ ውግእ ከባቢ ባድመን፣ እግሪመኸልን ዝሞቱ ናይ ቀደም ብጾቱ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ተጠቂሙ ብባጫን ዋዛን ኣቃሚሙ ዘቕርቦ ዝነበረ ተኻታታሊ ተምሳልያታዊ መልእኽታት ኣብ ግዜኡ ህዝቢን ሰራዊት ኤርትራ ፍናን ክሰንቕ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ እተን ናይ መንግስቲ ጋዜጣታት ሓዳስ ኤርትራን ትርግታን ብዘይካ ወግሐ ጸብሐ “ጭፍራ ወያነ” “ስርዓት ዋሽንግተን” ካብ ምባል ሓሊፈን ንጅግንነትን ሓርበኝነትን ኤርትራውያን ዝኸውን ጎስጓስ ከም ዝድለ ኣበርኪተን ክበሃል ኣይከኣልን።
እቲ ጸሓፋይ “ኣተሽም ጎነጽ”
ኣብ ጋዜጣና ቀስተ–ደበና እቲ ዝበዝሕ ፖለቲካዊ ትንተና ብስም “ኣተሽም ጎነጽ” ኢዩ ዝጽሕፎ ነይሩ። ንህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት ሃገርና ካብቲ ካብ ንባቡ ዘዋህለሎ ተመኵሮን ታሪኽን ካልኦት ሃገራት ኣዛሚዱ ብኣዝዩ ገላጺ ቃላት ስለ ዝጽሕፎም ኣዝዩ መሃሪን ኣማቲን ጽሑፍ ዘቕርብ፡ መጻኢ ፖለቲካዊ ዕድል ሃገርና ከማእዝኑ ዝኽእሉ ኣዝዮም ብዙሓት ዓናቕጽ ዝጸሓፈ ተንታኒ’ውን’ዩ ነይሩ–ኣቡዬ። ጽሑፋቱ ሓደስቲ ሓሳባት ስለ ዝሓዙ ድማ ብዙሓት ሰዓብቲን ኣድነቕትን ነይሮሞ። ብኣንጻሩ ድማ ለይቲን መዓልቲን ንነብሱ ዝደልዩ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍእዎ ዝደልዩ ውሑዳት ሓለፍቲ ነይሮም ኢዮም። ብፍላይ እቶም ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዘለዉ ዓበይቲ ዝበሃሉ ካድራት ብዘይካና ኣንባቢ፣ ብዘይካና ሓሳቢ፣ ብዘይካና ጸሓፊ የለን ኢሎም ንኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ካብቲ ንሕና ዘቕናዕናዮን ዘማእዘናዮን ዝኣሊ ሃምን ቀልብን ናይ ህዝቢ ዝወስድ ሓደገኛ ጸሓፊ መጺኡ ኢሎም ብርዑ ከጉድሙ ብዙሕ ፈቲኖም።
ሓደ ግዜ ኵልና ኣባላት ምድላው ጋዜጣ ቀስተ–ደበና መእተዊና ዝጠፍኣና ናይ ፍርሒ ግዜ ክጠቅስ። እቲ ብባድመ ዝተመኽነየ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ኣዝዩ ተጓሃሂሩ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ እተን ልሳናት መንግስቲ ኢሳይያስ ዝዀና ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣታት ሓዳስ ኤርትራን ትርግታን ኣብ ክንዲ ነቲ ምስኦም ዝገጥም ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ወይ በቲ ንሶም ዝብልዎ ስርዓት ወያነ ዝነቕፉን ዝትንትናን፣ ወግሐ ጸብሐ ብዘይ ምቍራጽ “ስርዓት ዋሽንግቶን” እናበሉ ንዘይዓቕሞም መንግስቲ ኣሜሪካ ምንቃፍ ምስ ኣብዝሑ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ጸገም ከይትወድቕ ካብ ዝነበሮ ስክፍታ ተበጊሱ “ንኣመሪካ ምኽሳባ’ዶ ምጽራፋ” ዝብል ተኸታታሊ ዓናቕጽ ኣቕሪቡ። ትሕዝቶ ጽሑፉ ናይተን ምስ ኣመርካ ተተፋኒነን ንህዝበን ኣደዳ ውድቀትን ድሕረትን ዝገበራ ከም ሰሜን ኮርያ፡ ኩባ፡ ዒራቕን ኢራን፣ ምስተን ምስ ኣመሪካ ተማሓዝየን ንህዝበን ካብ ድኽነት ናብ ምዕባለን ራህዋን ዘሰጎማ ከም ጃፓን፡ ደቡብ ኮሪያ ካልኦት ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ብምንጽጻር፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘውጽኦ ዘሎ መግለጺታት ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ውድቀትን ውርደትን ከቃልዖ ምዃኑ ብድፍረት ነጊሩ። በዚ ዝሓረቑ ገለ ኮሎኔላት ወተሃደራዊ ስለያ “ኣበይ ዝነበሩ ኢዮም እዚኦም፣ ህዝባዊ ግንባር ንሶቭየትን ኣሜሪካን ዝሰዓረ ዘስተናዕቑ” ብምባል ኣብ ቀይዲ ከእትዉና ኣብ እንንቀሳቐሰሉ ቦታታት ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ጽኑዕ ምክትታል ገይሮሙልና። እንተዀነ ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሴ ጣልቃ ኣትዩ፡ “እንተ ደሊኹም እቲ ኣለና እትብልዎ ርእይቶ ብምጽሓፍ በድህዎም፣ እምበር ብምፍርራህ ክትዕፍንዎም ኣይትፈትኑ” ኢሉ ንግዜኡ ኣደቦም ኣትሒዙልና ነይሩ።
ሓርበኛ ነጻ ፕረስን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን
ሚልኪያስ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ሓሳብካ ምግላጽን ነጻ ፕረስን ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ ናይ ብርዒ ተቓላሳይ’ውም ኢዩ። ይዝከረኒ ጋዜጠኛ ሰቲት ነበር ፍስሃ ዮሃንስ (ጆስዋ) ምስ ሓንቲ ሕጂ ስማ ዝረሳዕኩዋ ሓብቲ ዶ/ር ወልደኣብ ይስሓቕ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክንምስርት ተበግሶ ወሲዶም ንጋዜጣ ቀስተ–ደበና ክንሳተፍ ተዓዲምና ኔርና። ሚልኪያስ፡ መድሃኔ ሃይለን ኣነ ሳልሳዮም ንጋዜጣና ወኪልና ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፍና ነይርና። ኣብቲ ጉባኤ ብዙሓት ከም በዓል ግርማይ ወልደጊዮርጊስ (መንከኒኖ) ዝኣመሰሉ ኣብተን መንግስቲ ዘካይደን ጋዜጣታት ሓዳስ–ኤርትራን ትርግታን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ምሳና ኣብቲ ንምምስራት ነጻ ጋዜጠኛታት ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ተሳቲፎምን ናብ ፍጹም ቁጽጽር ህግደፍ ከእትውዎ ተንቀሳቒሶምን። ነዚ ወስታ’ዚ ቀዲሙ ዝተቓወመ ሚልኪያስ፡ ብድፍረት እቲ ዝምስረት ማሕበር ናይቶም ብሕጊ ፕረስ ዝቖሙ ናይ ውልቂ ጋዜጠኛታት ጥራይ ክኸውን ኣትሪሩ ስለዝበድሀ ድማ ከም ፕረዚደንት ማሕበር ከገልግል ብምሉእ ድምጺ ተመሪጹ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኵሎም ኣባላት ነጻ ፕረስ ካብ ጽልዋን ቍጽጽርን ስርዓት ህግደፍ ነጻ ዝዀነ ማሕበር ክምስረት ዝገብሩዎ ተጋድሎ ድማ ዘይጸዓዱ ምዃኖም ካብ ዘርኣይሉ ኣገዳሲ መደረኽ ኢዩ ነይሩ።
ሚልኪያስ ከም ቀዳማይ ፕረዚደንት ማሕበር ነጻ ጋዜጠኛታት እቲ ሓሊኹ ሕዝና ዝነበረ ናይ ሳንሱር ዘይርትዓዊ ቁጽጽር ደው ክብል ሓያል ጻዕሪ ኣካዪዱ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝግባእ ድማ ተራ ሚኒስተር ዜና ዝነበረ ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ እዩ። ንሱ ነቲ ንሕና ጋዜጠኛታት “ብዛዕባ ክጸሓፍ ዝግብኦን ዘይግብኦን ባዕልና ነብሰ ሳንሱር ጌርና ስለ እነቕርቦን ብሕጊ ዘሕትት እንተሎ ድማ ሕጊ ብዝእዝዞ ድኣ ክንሕተት ኣለና እምበር ንሕና ከም ዘይነመዛዝን ጌርካ ዝግበር ዘይግቡእ ናይ ሳንሱር ቁጽጽር ደው ክብለልና” ንዘቕረብናዮ ጠለብ ተቐቢሉ ዘድሊ ምትብባዕ ስለ ዝገበረ ኣብ ታሪኽ ነጻ ፕረስን ሓሳብካ ምግላጽን ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሴ ወርቃዊ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ኢዩ።
ሚልኪያስ ከም ተቃላሳይ ነጻ ፕረስን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ድማ እቲ መጀመሪያ ሕጊ ተጎልቢቡ፣ ዝተፈላለየ ክስታት ብምድላው ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ነጻ ፕረስ ከካይዶ ዘበገሶ ዓፈና ኣብ መጋብኣያታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መጒቱ ነቲ ስርዓት ብትብዓት ዝበድሀ ኢዩ። ሚልኪያስ ምእንቲ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ተዳጋጋሚ ማእሰርቲን ግፍዕን በጺሑዎ ኢዩ። ኣብ ክራማት 1999 ስርዓት ኢሰያስ በቲ እተን ጋዜጣታት ዝጽሕፍኦ ዝነበራ ስለ ዘይተሓጐሰ ዕባራ ምኽንያት ብምድላይ ንገለ ጋዜጠኛታት ሃንደበት ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ኣሲሩ ከምስል ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ናይ ኮሚሳርያቶ ሓማሴን ቤት ፍርዲ ናይ መመርመሪ ጊዜ ክወሃበና ኢሉ ኣቕሪቡዎ። ሚልኪያስ ድማ ምሩቕ ሕጊ ብምዃኑን ኣብ ከረን ከም ኣኽባር-ሕጊ ሰሪሑ ስለ ዝነበረ ሕጊ ምርኵስ ገይሩ፣ ዓናቕጽ ገበናዊ ስርዓት ጠቒሱ ናይ መመርመሪ ግዜ ክወሃብ የብሉን ኢሉ መጒቱ። እንተዀነ እቲ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዘይነበሮ ናይ ክልተ ሰሙን ኮርስ ወሲዱ ዳኛ ናይ ወረዳ ዝኾነ ኣብ መንበር ፍትሒ ዝተቀመጠ ዳኛ ግቡእ ሕጋዊ ጥንቃቐ ከይገበረ ንጠለብ መርማሪ ፖሊስ ተቐቢሉ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ቆጸራታት ነናይ ሸውዓተ መዓልታት ብምሃብ ን28 መዓልታት ኣደዳ ዘይግቡእ ቀይዲ ገይሩዎ። በዚ ዝሓዘነ ሚልኪያስ ካብ ቀይዲ ምስ ወጸ ንስርዓተ ፍትሒ ዝነቅፍን ገለ ዳያኑን ኣኽበርቲ ሕጊን ብዘይካ ብቕዓት ዘይብሎም ምዃኖም ነቲ ተመዚዞሙሉ ዘለዉ ክቡር ስራሕ ዝበቅዕ ሰብነትን ትብዓትን የብሎም ኢሉ ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፉ።
ኣልጊቡ ድማ “ንትካላት ስርዓተ ፍትሒ ኣናሺኻን ጸሪፍካን ደፊርካን” ተባሂሉ ርእሱ ዝኸኣለ ካልእ ክሲ ተመስሪቱሉ። በዚ ዝሓረቑ ኣባላት ፖሊስን ኣኽባር ሕጊን ድማ ከቢድ ናይ ገበን ዓንቀጽ ጠቒሶም ነዊሕ ማእሰርቲ ከእስሩዎ ሓዲሽ ተወሳኺ ክሲ ሒዞም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ኣኽባር-ሕጊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ሚልኪያስ ኣብ ጋዜጣና ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፣ ከም መርትዖ ኣንጻሩ ኣቕሪቡ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሚልኪያስ ንኽሱ ክከላኸል ምስክርን መርትዖን እንተለዎ ከቕርብ ሓቲቱዎ። ሚልኪያስ ድማ እቲ ኣብ ጋዜጣና ዝጸሓፎ ጽሑፍ ሓቂ ምዃኑ በዚ ድማ ገበነኛ ክበሃል ከም ዘይግብኦ እቲ ስርዓት በቲ ባዕሉ በብግዜኡ ዝህቦ ንቤት ፍርዲ ዘናሹን ዘቋናጽብን መግለጺታትን ጽሑፋትን ከም መርትዖ ኣቕሪቡ መኪቱ፣ ንጉዳዩ ብብቕዓት ተኸላኺሉ። ብቐንዱ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ምስ ህዝቢ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ይምሰል ናይ ሕቶን መልስን መድረኻት፣ ብተሳተፍቲ ንጉዳይ ስርዓተ ፍትሒ ኣመልኪቱ ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ክምልስ ከሎ “እዚ ብተለኣኽቲ ዝነበሩ ዝካየድ ዘሎ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ዘጸብቖ ዘኽፍኦ ይበዝሕ” ዝበሎን ካልእ ንምምስራት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ ኢሳይያስ ዝሃቦ ንቤት ፍርዲን ንብቕዓት ዳያኑን ዘናኣእስ መግለጺን፣ እቲ ኣብ ጋዜጣታት መንግስትን መጽሔት ሕድሪን ናይ ህግደፍን እተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ኣብያተ ፍርዲ ስርቂን ብልሽውናን ክዋግኣ ብቕዓት ከምዘይብለን ዝህቦ ዝነበረ ወግዓዊ መግለጺታት፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ንፍሉይ ቤት ፍርዲ ዘቖመ ኣዋጅ ቁጽሪ 85 ናይ 1996 ካብቲ ንፍሉይ ቤት ፍርዲ ምምስራት ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያታት “ብዓይነት ኮነ ብብዝሒ ርኡይ ናይ ሕጊ ሞያውያንን መሳለጢያታትን ሕጽረት ብምህላዉን፣ ንምጽራይ ኣብያተ ፍርዲ ዛጊት ዝተወስዱ ስጉምትታት ኣብ ደረጃ ዕሸልነት ብምርካቦም ነቲ ዝድለ ፍትሒ ብኣጋኡ ናይ ምርግጋጽ ዓቕሞም ኣዝዩ ዝተደረተ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ” ዝብል ባዕሉ እቲ ስርዓት ብኣዋጅ ዘናሸዎ ጉዳይ ምዃኑ፣ ከምቲ ባዕላቶም ዝብሉዎ “ንጸላኢ ብብርቱ ብጥይቱ” ብኽበሃል ዝከኣል ኣቀራርባ በቲ ባዕላቶም ዘውጽእዎ ፍረ-ቃልን ብሰነዳዊ መግለጺታትን ኣቕሪቡ ብምምካት ካባ ሕፍረት ኣልቢሱ ሞጊቱ ስዒሩዎም።
እቲ ሚልኪያስ ንስርዓተ ፍትሒ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፕረዚደንት ባዕሉ ደጋጊሙ ዝበሎን ብምዃኑ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሓልፉዎ ዘይክእሉ ናይ ሕጊን ሕልናን ብድሆ ገጢሙዎም። ብድሕሪ’ዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሚልኪያስ ካብ ኩሉ ዝተኸሰሰሉ ክስታት ብነጻ ከፋንዎ ምዃኑ ዘእንፍት ኣካይዳ ዝተዓዘቡ ኣባላት ጸጥታ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ናይ ነጻ ውሳኔ ከሕልፈሉ ዝቖጸሮ መዓልቲ ብለይቲ ካብ ገዝኡ ጨውዮም ናብቲ ኣብ ሳሕል ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዛራ ወሰዱዎ።
ኣብ ዛራ ብጽኑዕ ክትትልን ማእሰርቲን ክተሓዝ ከም ዘለዎ ጥብቂ ትእዛዝ ሂቦም ኢዮም ቀዪዶሞ። ሓደ ጊዜ እቲ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዘካይድ ኮሎኔል እዋን ዘይብሉ ከባቢ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ንዋርድያታቱ ንሚልኪያስ ሒዞም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከቕርቡዎ ኣዚዙ። እቶም ዋርዲያታት ድማ ንሚልኪያስ እግሩን ኢዱን ብሰንሰለት ካቴና ኣሲሮም የቕርቡሉ። እቲ ኮሎኔል ግና በቲ ጋዜጣ ቀስተ–ደበና እትጽሕፎ ዝነበረት ሓርበኝነት ዝመልኦ ፖለቲካዊ ትንታኔን ዜናታት ዝምሰጥ ኣድናቒ ጋዜጣ ቀስተ–ደበና ስለ ዝነበረ ንዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ከም ሓደ ነብሰ ገዳይ እግሩን ኢዱን ተመቚሑ ክርእዮ ከሎ ነብሱ ምግባር ኣብዩዎ። ነቶም ዋርድያታት ብህጹጽ ክፈትሕዎ ኣዚዙ ብኸምዚ ዝስዕብ ናብ ሕቶታቱ ኣትዩ።
“ነዚ መንግስቲ ዘሕርቕ እንታይ ኢልካ ኢኻ ጽሒፍካ ብጹኑዕ ሓዝዋ ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ዝተዋህበና?”
መልሲ ሚልኪያስ “ኣነ ይዅን ብጾተይ ፍጹም ሃገራዊ ፍቕሪን ሃገራውነትን ዘሎንና ኢና። ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ኣብ ናይ ዶብ ኲናት ብዓወት ክወጽእ ዝገበርናዮ ተጋድሎ ኣብ ገጻት ጋዜጣ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፡” ኢሉ ገለ ካብቲ ቀንዲ ቀንዲ ጋዜጣና ኣብ ዜናታታን ኣብ ፖለቲካዊ ትንታኔን ዘቐረበቶ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢን ሰራዊትን ዝተሰቑረ ከም መዘኻኸሪ ኣቕሪቡሉ።
ወዮ ብቐደሙ’ውን ኣድናቒ ጋዜጣ ዝነበረ ኮሎኔል “ኣታ ሓውና ነዚ መንግስቲ ኣይፈልጥካዮን፡ ከየጥፍኡኻ ተጠንቀቕ፡ ነብስኻ ሓሉ” ኢሉ ምኽሪን ማዕዳን ሂቡ እቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ መቝሕ ክለዓለሉን ኣብ ኢዱ ጥራይ ካቴና ክኣትዎ ብዓቕሙ ፍታሕ ገይሩ ክሳዕ መንግስቲ ካልእ ትእዛዝ ዝህብ ተኣሲሩ ክጸንሕ ከም ዝዀነ ሓቢሩ ማእሰርቱ ክቕጽል ኣፋንዩዎ።
ሚልኪያስ ነዚ ክዝክር ከሎ “እዋን ዘይብሉ ኣብ ከውታ ለይቲ ካብ መተኣስርተይ ፈልዮም ምስ ሰንሰለተይ ክወስዱኒ ከለዉ ክርሽኑኒ ኢዮም ኢለ ብርከይ ምኻድ ኣብዩን ነይሩ፡” ኢሉ ኣዕሊሉኒ ነይሩ። እዚ ሕሱም ተመኵሮ ድማ ንጭካኔ እቲ ሰርዓት እኹል መረዳእታ ከም ዘሕድር ገይሩዎ። ብሳላ ኣድነቕቲ ጋዜጣን ሳላ ምትሕብባር ገለ ዋርድያታት ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዛራ ኣመሊጡ። ካብ ዛራ ምስ ኣምለጠ ድማ ክሳዕ ናብ ሱዳን ዝሰግር ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተሰዊሩ ኢዩ ነብሱ ኣድሒኑ ድምጺ እቶም ዝተገርሁ ጋዜጠኛታት ብጾቱ ክኸውን ካብ ብሱል ጥረ ወረ ነጋሪ ክኸውን ኣምላኽ ብምሕረቱ ዘተረፎ። ንስለ ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽ ሚልኪያስ ምሕረተኣብ ካብተን ኣብ ኣስመራ ዘለዎ ከም 5ይ መደበር፣ 2ይ መደበርን ዝኣመሰላ መቐየዲ ቦታታት ሓሊፉ ኣብ ሸላታት ዓዲ ኣበይቶ ካብቶም እተኣስሩ ቀዳሞት እሱራት እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ጎዳጉዲ ትራክ ቢን ትራክ ሲን ተኣሲሩ ድማ ቃንዛ ኣሕዋቱ ዝተኻፈለ እዩ።
ሚልኪያስ እቲ ኣብ ክረምቲ 2001 ዝግበር ዝነበረ ጎስጓስ ህግደፍ ኣጋውልኡ ናበይ ገጹ ምዃኑ ንኽግምቶ ፖለቲካዊ ንባቡ ብዙሕ ሓጊዙዎ። እቲ ክመጽእ ኣንጻላልዩ ዝነበረ ዘይተርፍ ምዃኑ ስለ ዝተራእዮ ድማ ኢዩ ከይቀደምዎ ለይቲን መዓልቲን ተጓዒዙ ሱዳን ኣትዩ። ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ድማ ካብ ሱዳን ጨውዮም ክወስዱዎ ንስክላ ኢዩ ኣመሊጡ። ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወ ድማ ምስቶም ኣብ ዋሽንግቶንን ከባቢኣን ዘለዉ ዕሉላት “ኣመንቲ ኢሳይያስ” ዘይተኣደነ ጠቐነን ምፍርራህን ተቐቢሉዎ። እንተዀነ ሚልክያስ ነቲ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ብትብዓት ተጻዊሩ ኣብ ክንዲ እቶም ብዘይካ ሓሳቦም ብብርዒ ምግላጾም ካልእ ኣበሳ ዘይነበሮም ንጹሃን ጋዜጠኛታት ድምጺ ኰይኑ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ድምጺ ስቅያቶ ንዓለም ነጊሩ። ኣብ መጋብኣያታት ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣብ ኣፍደገታት ቤተ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ጎደናታት ዋሽንግቶንን ኒውዮርክን ኣሳእል ናይቶም ኣብ ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጾቱ ኣብ ደረቱ ሒዙ ፍትሒ ክረኽቡ ንዓመታት ሰላማዊ ሰልፍታት ወዲቡን ተሳቲፉን።
ሚልኪያስ ንሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ነጻ ፕረስን ብዘካየዶ ጅግንነታዊ ቃልሲ ንነብሱን ነቶም ተባዓት ኤርትራውያን ተቃለስቲ ነጻ ፕረስን ወኪሉ ኣብ ሰነ 2002፥ ብኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንተባዓት ጋዜጠኛታት ዝወሃብ ሽልማት ዝተሸለመ ብሉጽ ኤርትራዊ መንነት ወኒኑ ዝሓለፈ ተቓላሳይ ኢዩ።
እታ ንዓመታት ብመርድእ ሞትን ዜና ስቅያትን ብጾቱ ጋዜጠኛታትን ቃለ-መሕተት ዝገበረሎም ኣርካናት ሚኒስተራት ብጓሂ ዝሓረረት ልቡ ኣብ መወዳእታስ ምጻሩ ስኢና ይኣክል ኢላ። ዕድልና ኰይኑ ድማ ኣብዘን ኣብ ስደት ዝጸናሕኩለን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ብዘይካ ዛንታ ስቓይን፣ ግፍዒን ካልእ ዝዕለል ስለዘይነበረና ዛንታ እቶም ምሳና ሓቢሮም ጋዜጣታት ዝመሰረቱ ሰብ በላሕቲ ኣእምሮ ኣዕሩኽትናን ክንዝክር ዕላላትና ብብኽያት ኢዩ ዝቋረጽ ነይሩ።
ሚልኪያስ ካብ ዓሌት ደገያት ሓድገምበስ ዝምዘዝ ትውልዲ
ኣብ ውግእ “ዋልታ መድሓኒት” ከምኡ’ውን “ኲናት መጉእ” ኣንጻር ወረርቲ ሰራዊት ብዝፈጸምዎ ሓርበኝነታዊ ጅግንነት ሕፉራትን ክቡራትን፣ ብመንነቶምን ታሪኾምን ሕቡናት ካብ ዝዀኑ ስሙያት ስድራ-ቤት ዓድ ተከለዛን ምደሪ ድምበዛን ኢዩ ተወሊዱ። ሚልኪያስ ብዓሌቱ ካብ ከበሳን መታሕትን፡ ካብ ክርስትናን ምስልምናን ዝውለድ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ኣስላሞም ክርስቲያኖም ልዑል ፍቕሪን ምሕዝነትን ዝነበሮ ኤርትራዊ ኢዩ። ዓሌቱ ካብ ስድራቤት ደጊያት ሓድጉ-ኣንበሳ ጉልወት ዝምዘዝ ኢዩ። ሓርበኛ ደጊያት ሓድጉ’ንበስ ብልሙድ ብከንቲባይ ሓድገምበስ ዝፍለጥ ኣንጻር ወረረቲ ኢትዮጵያን ጣልያንን ከየባተኹ ካብ ዝመከቱ ሒደት ስድራቤታት ኤርትራ ኢዩ። ከንቲባይ ሓድጉ’ንበስ ሰቡ ሒዙ ኣብ ህዝቢ ሓባብ ተዓቑቡ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ‘ራሀት” ምስ እትበሃል ጓል ይሽሓቕ እድሪስ በዓልቲ ዓዲ ኤሎስን ካብ ሰብ ዓዲ-ተማሪያም ተዋሲቡ ካብ ዝፍረዮም ዓሌት ቤት ኣስገድ ዝምዘዝ ሓረግ ትውልዲ ዘለዎ ንኽልቲኡ ሃይማኖታትና መላግቦ ዝነበረ ጽኑዕ ድልድልና ኢዩ ነይሩ–ኣቡዬ ዓርከይ። ኣብ መጽሓፍ መረብ ምላሽ ገጽ 190 ሰፊሩ ከም ዘሎ ደጊያት ሓድገንበስ እምበረሚ፡ መንሳዕ፡ ባርጊለ፡ ባርካ ዓዲ ኣቦታቱ ብምዃኑ መግዛእቲ ጣልያን ካብዚ ቦታታት ክለቅቕ ከምዝጠለበ ይጠቅስ። ሚልኪያስ ካብ ስድራኡ ዝተነግሮ ያታ ኣቦታቱ ንኹሉ ክመቃቕልን ክጎጃጅልን ዝመጸ ጸረ ስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝዀነ ምንቅስቃስ ብትብዓት ከም ዝቃለስ ገይሩዎ’ዩ። ሓደ ካብቲ ኣቦታቱ ዘዘንተዉሉ ያታ “መኮንናት መግዛእቲ ጣልያን ነቲ ሓደ ህዝቢ ኰይኑ ኣብ ከበሳን ባሕሪን ሓደ ዕድል ዝነበሮ ህዝቢ ድምበዛን ካርነሽምን ኣብ ክልተ ንምምቃል ዶባት ካርነሽምን ደምበዛንን ዘነጽሩ ርኡያት ምልክታት ክገብሩሎም ኣብ ዝተንቃሳቀሱሉ ግዜ ደጊያት ሓድገንበስ ካርነሽም ይብጽሓኒ ኢዩ ኢሉ ብምቅዋም ብሓይሊ ካብ ዝመከቱ ንሓድነት ህዝብታት ካብ ዝተቃለሱ ኤርትራዊያን ስድራ-ቤት ዝውለድ ኢዩ ሚልኪያስ ምሕረተኣብ። እዚ መበቈላዊ ድሕረ-ባይትኡ ክኸውን ይኽእል እዩ እምበኣር ዝበዝሑ ኣዕሩኽቲ ሚልኪያስ በዓል ዓብደልናስር ዓብደላ፡ ኣወልኬር እድሪስ፡ ናስር ዑመር ዓሊ፡ ድያእ መሓመድ፡ ካልድን ካልኦት ደቂ ኣኽርያ፡ ደቂ መንደፈራን ሰብ ሳሕልን ዝነበሩ።
ኣቦሓጎታት ሚልኪያስ ብሪሞምን ስርዓቶምን ክናባበሩ ዝደልዩ፣ ወለዶም ንዘውረስዎም ነብስኻ ባዕልኻ ምምሕዳር ካብ ጥንቲ ዝነባበሩሉ መራሒኦም ባዕሎም ቆጽሊ ብዘውደቁሉ “ሹም ኣሕዋት” ዝመሓደሩ፣ መሰል ወዲሰብን ደሞክራሲን ቅድሚ ሰቦም ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ዝተሞኮሩሉ፣ ንፍትሒን ሕጊን ዝራቀቕሉ ስልጡናት ሰብ ደፍተር ስለ ዝውለድ ብዛዕባ ስርዓትን ሕጊን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ፣ ግፍዒ ንምቅዋም ካብ ዓሌቱ ከም መልክዕን ደምን ንፍትሒ ምቅላሰ ኣብ ህዋሳት ሰውነቱ ከም መንነት ዝወረሶ ንልዕና ሕጊ ናይ ምቅላስ መንነት ዝነበሮ ሰብ ኢዩ። ደጊያት ሓድጉ‘ንበስ ንሕግታት ጣልያንን ኢትዮጵያን ብንዕቀት ጥሒሱ እቲ ብኣሕዋተይ ዝተዋህበኒ መዝነት “ሹም ኣሕዋት” ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል ሰብ ድምበዛን በቲ ናይ ኣቦታቶም ያታዊ “ስርዓት ደምበዛን” ክነባበሩ ዋልታ ገቲሮም፣ ኲናት ወርዊሮም ካብ ዝመከቱ መሰሎም ኣሕሊፎም ካብ ዘይህቡ ሕሩናት ዓሌት ስለ ዝውለድ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ በቲ ስድርኡ ዘውረስዎ ጭቆናን ግፍዒን ናይ ምቅዋም ሪም ከየዕበረ ዝተፈለየና ብርቂ ሓው ኢዩ — ሚልኪያስ። “ኣተሽም” እትብል ናይ ብርዒ ስሙ ድማ ነቲ ናይ ቃልሲ ያታ ኣቦታቱ ሓይሊ ክኾኖ ኢሉ ዝመረጾ ምዃኑ ተምሳሌታዊ ትርጕሙ ነቲ ዝርድኦ ይርድኦ’ዩ።
___________________________
*ሃብተኣብ የማነ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ጋዜጣ ቀስተ–ደበና ኰይኑ፡ ክሳብ ዳሕራይ ንትምህርቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ኰይኑ ዓዪዩ። ብኣጋጣሚ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ መስከረም 2001 ንሃገሩ ክምለስን ጋዜጣታት ክዕጸዋን ጋዜጠኛታት ብጾቱ ብምእሳሮም ሕልሙ ዝተዀልፈ ጸሓፊ ኢዩ። ሃብተኣብ ካብ 2002 ክሳብ 2006 ዳኛ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ 2006 ክሳብ 2016 ድማ ናይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ናይ መወዳእታ ይግባይ ሰማዒ ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕን፣ ጎኒ ጎኒ ድማ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ሕጊ መምህር ኮይኑ መንእሰያት ኣብ ምምልማል ብዓቕሙ ክሳብ ካብታ ሃገር ኣብ 2016 ዝወጽእ ኣገልጊሉ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጸሓፊ yirghabteab@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።