ኣለኹ!

No comments

እታ ወርሒ’ኳ ብጸሊም ደበና

ኣካላን ብርሃናን እንተ ተሸፊና

ተኸዊላ’ምበር ሞይታ ንብላ ዲና፧

 

ድብዝዝ እንተ በለት ከም ዝተታኸሰት

ብርሃና ከይሕባእ እናተቓለሰት

ወትሩ “ኣለኹ” እንድያ ትብል

ተስፋ ፈታዊኣ ምእንቲ ኸይቅምስል።

 

ከምኡ ድማ…

እዚ ዒግታ ትኪ፡ ምስ እልቢ ንፋሱ

ኣዒንተይ ኣንቢዑ ትንፋሰይ ዓቢሱ

ሞተይ ከርእየኒ እንድዩ ተበጊሱ

ኣጭኒቑ ኣጭኒቑ ነይተርፍ ምንፋሱ።

 

ኵልፍ ከብለኒ ዕድመይ ከሕጽረለይ

ካብታ ዝርካባ እንተ ቘርመመለይ

ትኪ ወዲ ትኪ ዘይውዳእ ዝመስል

ከም ዝፈተወኒ እንተ በለኒ ዕስል፡

ካብቲ ውሽጡ ጽባሕ ጊሓት

ካብ ጥሽ ከም ዝወጽአት መርዓት

መሰስ ክብል’የ ጸቢቐ ብዅርዓት!

 

ይርጋኣለም ፍስሃ

(2011 –ማይ ስርዋ)

 

(ካብ ኣለኹ፤ እኩብ ግጥምታት (2019) ዝተወስደት። ነዛ መጽሓፍ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ምእዛዛ ይከኣል።)

Print Friendly, PDF & Email