ኣብ’ቲ ዓለም-ለኸ
ሰፊሕ-ዘ’ዳራሹ_
መዓርፎ፤
ወይ መዕለብ ናይ ነፈርቲ
ቀለም-ንቐለም
መሸከል-ንመሸከል
ዓሌት-ንዓሌት__ __ በብዓይነቶም’ዮም፤
ወዮም ተሳፈርቲ . . .
ብኻ ተዘኪርኪ!
መኰነናት ግምሩኽ፡ ንቫሊጃታትኪ’ስ_
ኣይከፈቱ፤
ኣይገላበጡ።
ኣምበይ’ስ ፈቲሾሞም፡ ንሰናጡ።
ንዓኺ ኸዛርቡ’ንድ’ዮም_
ኣብ ዋኒኖም፤
ዘይጨበጡ!
“ግብጻዊት ዲኺ፧”
“ለብናን ዲኺ፧”
“ሶርያዊት ዲኺ፧” ይብሉኺ፤
ጽቡይ ስርሖም ከየስለጡ_
ወይ’ዞም ዓናናት!
ሓበሻዊት
ትግርኛዊት እኖይ ምዃንኪ’ኳ፤
ዘይፈለጡ!!
እቲ ንሰርኖታት-ዝድብስ፡ ልሕታት፤
ሽቱ ፈረንጂኺ . . .
እቲ ሃሳስ ዝሕብሩ፡ ፈተኽ-ፈተኻዊ-ዝመስል
ጽጉው ውቅብና፡ ናይ ጐልፎኺ . . .
እቲ ፍቱግ፥ ስቡሕ፤ ቀምሽ-ዙርያኺ . . .
እንተላይ’ቲ ንሑፍ፡ ጥልፈ-ጥሉፍ
ኵታዊ ነጸላኺ . . .
‘ተን ደሃየን-ዘይስማዕ፡ ልስሉሳት ቅጽዓት፤
ጫማታት ናየ’እጋርኪ . . .
እቲ ለማሽ፡ ብፍሽ-ፍሽታኡ-ዘይጥበር፤
ትኽ፥ ገጥ-ዝበለ፡ ቴድሮሳዊ ቍናኖኺ . . .
እቲ ‘ን’ሰረ’ትኪን!’ ዘይድልዮ__
ምእኩል፥ ዕሩፍ_ብጥራጥ -ዘይስሕቕ፤
ሕያዋይ እነናኺ . . .
ይንቀለኒ!
ፊል-ፊል፥ ወጥ-ወጢ’ለ፤
ቀቅድሜኺ’ንካ ተሰራዕኩ . . .
ሰንኪ ስርኑቕ ሓበን’ዩ ነይሩ፡ ኣደዋ!
ኣመና፤ ስለ ዝዀራዕኩ!!
ተስፋማርያም ወልደማርያም
ምንጪ ‑ ህያው ደብሪ (2019)