ኢቫን እቲ ዕሉልን፡ ቫሲሊ እቲ ጽሉልን

No comments

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል*

24 ለካቲት 2022 ዝጀመረ ውግእ ሩስያ-ዩክረይን፡ ብብዙሕ መኣዝናት’ዩ ዝጥመት። እቲ ፍሩይን ጉሉሕን፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ይተኣሰሰር። ሱር መሰረቱ እንተተበርበረ ግና፡ ጫሌዳታት’ውን ዘሎዎ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ነዚ ሓጺር ትንተናዊ ጽሑፍ፡ ሓባራዊ ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኢትዮጵያ ከም ሩስያ፡ ንኤርትራ ድማ ከም ዩክረይን ጌርና ብምንጽጻር ከነንብቦ እምሕጸን።

_________

ኢቫን ቫሲልየቪች ራብዓይ፡ ካብ 1533–84 ኣብ ሩስያ ዝነገሰ ካብ 1547 ኣትሒዙ ድማ ቀዳማይ ቄሳር (ዛር) ዘሩስያ ኰይኑ ዝገዝአ፡ ብጭካነኡ ዝተፈልጠ፡ ዕሉል መራሒ ነበረ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ቫሲሊ ብላዘኒ ዝብሃል፡ ጥራይ እግሩ ዝኸይድን ጨርቀምቀም ዝበለ ዝኽደንን፡ ድሒሩ ቅዱስ ቫሲሊ (ባስልዮስ) ወይ “ቫሲሊ እቲ ስሑው ብክርስቶስ” (fool for Christ)፡ ወዘተ ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ ገባር መንክራት፡ ይነብር ነበረ።

ኢቫን ራብዓይ ብህርፋን ምስፍሕፋሕ ግዝኣት፡ ኣብ ትሕቲ ንግስነቱ ክግዝኡ ንዘይደለዩ ኵሎም፡ ብስሕለት ሴፍ ይውድኦም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ካብ ዕለታት ጾመ ኣርብዓ፡ ቫሲሊ፡ ጥረ ስጋ ተሰኪሙ ናብ ቄሳር ኢቫን ኣተወ። “መዓልካ ቄሳር፡ ዝብላዕ ጥረ ስጋ ኣምጺአልካ ኣለኹ” በሎ። ኢቫን ስምብድ ኢሉ “ጾመ ኣርብዓ ምድርስ ጥረ ስጋ ክበልዕ፧ ኦርቶዶክሳዊ ዶ ኣይኰንኩን፧!” ብምባል ተመጻደቐ። ቫሲሊ፡ እቲ ክብሎ ዝደለየ ንምባል ዕድል ረኸበ’ሞ፡ “ደም ሰብ ዶ ትሰቲ ኣየለኻን፧!” በሎ ይብሃል።

ኢቫን ንኸምስል ንሽዓኡ ተነሲሑ ነበረ። እቲ ናይ ምስፍሕፋሕን ምስረታ ዓባይ ሩስያ ዝብል ሕልሙን ግና ስለ ዘይበነነሉ፡ ነቲ ወራርን ቅትለትን ብሰፊሑ ተተሓሓዞ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ድማ፡ “ኢቫን ራብዓይ፡ እቲ ዕሉል- Ivan IV – the Terrible” ብዝብል ይፍለጥ ኣሎ።

ድሕረ-ባይታ

ሩስያ፡ ዩክረይን ቤላሩስን፡ “ኪየቭያን ሩስ” ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ፡ ኣብ ትሕቲ “ሩሪክ” ዝብሃል ንግስነት ይመሓደራ ነበራ። ‘Kievan Rus’ ማለት፡ “ምድረ ሩስ ዘክየቭ” ማለት’ዩ። ኣብ 10ይ ክፍለ ዘመን፡ መራሒ ንግስነት ሩሪክ ዝነበረ፡ ቪላድሚር ዓብዪ፡ (ሩስያውያን ቭላድሚር ይብልዎ፡ ዩክሬናውያን ድማ ቮሎዲሚር ቢሎም የድምጽዎ) ኦርቶዶክሳዊ እምነት ተቐበለ። ካብዚ ጀሚሩ ድማ ዝበዝሐ ህዝቢ ኪየቭያዊ ሩስ፡ ሰዓቢ እምነተ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ኰነ።

ብ1237-40 ዝተኻየደ ወራር ሞንጎላውያን ኪየቭያዊ ሩስ፡ ብወራር ሞንጎላውያን ዓነወ። ከተማ ኪየቭ ፍጹም ስለ ዝዓነወት፡ ማእከልነት ምሕደራ፡ ናብ ሞስኮ ገዓዘ። ብ1349-1430 ፖላንድ፡ ደሓር’ውን ሓባራዊ ሃብቲ ፖላንደ-ሊትዌንያ፡ ንምዕራባውን ሰሜናውን ዩክረይን፡ ወሪሮም ሓዝዎ። ብ1547፡ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ፡ ኢቫን ራብዓይ ዝመራሒኡ፡ ኣብ ሩስያ ሃጸይነት ቄሳር (ዛር) ምስ ኣውሓሰ፡ ንመላእ ህዝቢ ሩስ ኣብ ሓደ ክጥርንፍ ኣንቀደ። ሃጸይነቱ ብኣምላኽ ዝተሓርየ፡ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ድማ ዝተቐብአ፡ መራሒ ከም ዝዀነ ጌሩ ንህዝቢ ሩስን ከባቢኡን ብምእማን፡ ንኣስታት 400 ዓመታት (ልክዕ ንምዃን ን370 ዓመታት) ገዝኡ።

ምስረታ ሕብረት ሶቭየት

እቲ ብበትሪ ሓጺን ዝመርሕ ዝነበረ ሃጸይነት ዛር፡ መወዳእታኡ፡ በቲ ቦልሸቪክ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰውራ ሩስያ፡ ብ1917 ሓንሳእን ንሓዋሩን ጠፍአ። ሃጸይነት ቄሳር (ዛር) ክፈርስ ከሎ ናይ መወዳእታ ቄሳር ዝነበረ፡ ኒኮላስ ዳግማዊ፡ (ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ቅዱስ ኒኮላስ ተባሂሉ ዝጥቀስ) ሃጸይ ሩስያ፡ ንጉስ ባይቶ ፖላንድ፡ ላዕለዋይ መራሒ ፊንላንድ ነበረ።

ሰውራ ቦልሾቪክ ዝመርሐ ቭላድሚር ሌኒን፡ እቲ ንሱ ዝቕልሶ ሓይልን እቲ ሽዑ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ ሓድሕዳዊ ምርጻምን ከቢድ ምፍሳስ ደምን ኣተዉ። እቲ ዘህርፍ ሓሳብ ሒዙ ዝተቐልቀለ ሌኒን፡ ሃገራት ባዕለ ምምሕዳራዊ መሰለን ተሓልዩ ንዘላቒ ምዕባለን ማዕርነት ግና ሓባራዊ ማእከላይ መንግስቲ ከቑማ ኣለወን ብዝብል፡ ብቐዳምነት ነተን ሓባራዊ ታሪኽ ዘሎወን ዩክረይን፡ ቤላሩስን ሩስያን፡ ምስአን ድማ ጆርጅያ፡ ኣርመንያ ኣዘርባጃን ሓዊሱ፡ ሕብረት ሶቭየት እትብሃል ሓንቲ ዓባይ ሃገር መስሪቱ ንኽልተ ዓመታት መርሓ።

ሰረተ እምነት ሌኒን፡ ብቐንዱ ማርክሳዊ ሓሳብ ብምዃኑ፡ ብተወሳኺ ድማ እቲ ክገዝእ ዝጸንሐ ቄሳር፡ ማእከል ግዝኣቱ ቤተ ክርስቲያን ብምንባራ፡ ሰውራ ቦልሸቪክ ኣብ ልዕሊ እምነታት ከቢድ መከራ ኣውረደ። ሌኒን 1924 ክመውት ከሎ፡ ንዕኡ ዝተክአ ጆሴፍ ስታሊን፡ ግዝኣት በትሪ ሓጺን ሓዊሱ፡ ንሕብረት ሶቭየት ብወተሃደራውን ብስፍሓት ግዝኣትን፡ ሩስያ ብደረጃ ዓለም ተፈራሒትን ካብ መላእ ዓለም ድማ እታ እንኮ ዝዓበየትን ሃገር ክትከውን ኣኽኣላ።

ምብትታን ሕብረት ሶቭየት

ናይ መወዳእታ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚኻኤል ገርባቾቭ፡ ነቲ ከምቲ ዝድለ ዕብየት ከርኢ ዘይከኣለ ቍጠባ ሕብረት ሶችየት ብምንቃፍ፡ ዳግመ ስርርዕ (ፕሮስተሮይካ) ከምኡ’ውን ግሉጽነት (ግላስኖስ) ክተኣታቶ ብምፍቃዱ፡ እዚ ሓድሽ ለውጢ’ዚ፡ ውሽጣዊ ነውጺ ፈጠረ። መወዳእታኡ፡ ነሓሰ 1990 ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተገብረሉ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ንመጀመርታ ጊዜ፡ ብዘይ ጸቕጢ መንግስቲ ዝተመርጹ፡ ፓትርያርክ ዘሩስያ፡ ነቲ ዕልዋ ወገዝዎ። ሚካኤል ገርባቾቭ ስልጣኑ ንቦሪስ የልሲን ከረክቦ ከሎ፡ እታ ሕብረት ሶቭየት ኰይና ክትቅጽል ዝጸንሐት፡ ፈራሪሳ፡ ሽዑ ንሽዑ 12 ሃገራት፡ ልኡላውነተን ኣወጃ። ሓንቲ ካብአን ዩክረይን ነበረት።

ቭላድሚርን ክረምያን

ቭላድሚር ዓብዪ፡ (ኣብ ህዝቢ ሩስ፡ ቅዱስ ቭላድሚር እዩ ዝብሃል)፡ እምነተ ክርስትና ምስ ተቐበለ፡ ክረምያ ኣብ እትብሃል ቦታ`ዩ፡ ብ988 ዝተጠምቀ። መራሒ ሃገረ ሩስያ ፕረዚደንት ፑቲንን መራሒ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ሩስያ ቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስን (ወለዶም ዘውጽኡሎም ስም ቭላድሚር ሚኻሎቪች ጉንድዬቭ ዝብል’ዩ)፡ ክልቲኦም፡ ”ቭላድሚር” ብዝብል ስም’ዮም ዝስመዩ። ቀንዲ ቀላሲ ተቓውሞን ቀዳማይ መራሒ ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ቭላድሚር ሌኒን እዩ ዝብሃል። መራሒ ሃገረ ዩክረይን ፕረዚደንት ዘለንስኪ’ውን በዚ ስም እዚ’ዩ ዝስመ። ቭላድሚር ዝብል ስም፡ ንሓድሕዳዊ ርክባት ህዝብታት ሩስያን ዩክረይንን ዝያዳ ዘጕልሕ ፍጻመ ይመስል።

ቭላድሚር ዓብዪ ኣብ ክረምያ ከም ዝተጠምቀ ጠቒስና’ለና። ሩስያ፡ ኣብ ዓመተ 2014፡ ንክረሚያ ብሓይሊ ወሪራ ካብ ዩክረይን ክትምንዝዓ እንከላ፡ ክረምያ ንኦርቶዶክሳዊ እምነት (ብፍላይ ነታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሳልሰይቲ ሮማ– ስለዚ ድማ ከም ዓቃቢት ቅኑዕ እምነት እትርኢ ሞስኮ) ክረምያ ኣገዳሲት ቦታ ብምዃና’ውን ነበረ። ሩስያ ንክረምያ ንቕድም ብሓይሊ ጐቢጣ ድሕሪ ምሓዝ፡ ድሕሪኡ ብምርጫ ድምጺ ህዝቢ፡ ኣካላ ገበረታ።

ዘለንስኪ ኣይሁዳዊ’ዩ

እቶም ብስም ቭላድሚር እተሰምዩ፡ ፕረዚደንት ፑቲንን ኣቡነ ቄርሎስን ኦርቶዶክሳውያን ክዀኑ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግና (ኣኽራሪ’ኳ እንተዘይኰነ) ብትውልዱ ኣይሁዳዊ’ዩ። ኣይሁዳዊ መበቈል ዘሎዎም ዩክረናውያን ብፍላይ ብስርዓት ናዚ ናብ ጽንተት ዝመርሕ ካብቶም ሽዑ ዝነበሩ 1.5 ሚልዮን እቶም ሓደ ሚልዮን ተቐቲሎም’ዮም። መንግስቲ ዘለንስኪ ንፑቲን፡ መንግስቲ ፑቲን ድማ ንዘለንስኪ ንሓድሕዶም “ናዚ” እናተባሃሃሉ ይጠቓቐኑ’ዮም።

መን ንመን’ዩ ዝቐትሎ ዘሎ፧

71% ካብ ህዝቢ ሩስያ፡ 78% ድማ ካብ ህዝቢ ዩክረይን፡ ምእመናን ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ምዃኖም፡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዩክረይን፡ ዘሞስኮን፡ ዘኪይቭን፡ ኣብ ዝብሃሉ፡ ክልተ ጨንፈራት ዝተመቕለት እያ። እቶም ዘኪይቭ ዝብሉ፡ መበገሲ እምነተ ኦርቶዶክስ ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ ኪይቭ ስለ ዝዀነ፡ ኣብቲ ጥንታዊ መንበር ድማ ንሱ ክኸውን ዝብህጉ እዮም። እቶም ዘሞስኮ ዝብሉ ድማ፡ መንበረ ኪይቭ ናብ መንበረ ሞስኮ ስለ ዝግዓዘ፡ ዩክረይን ከኣ ኣብ ትሕቲ መንበረ ሞስኮ ስለ ዝጸንሐት፡ ምምሕዳርና ምስ ቤተክርስቲያን ሩስያ ዝብሉ እዮም። ገለ ኣባላት ካብቶም ዘሞስኮ ዝብሃሉ ዩክረናውያን ኦርቶዶክስ፡ ንወራር ሩስያ ብምዅናን፡ “ፕረዚደንት ፑቲን፡ ናይ ዘመንና ቃየል’ዩ” ከም ዝበሉ፡ ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ። ቃየል፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓው ኣቤል ዝቐተሎ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን’ዩ።

ጥሪ 2019፡ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ዘቍስጥንጥንያ፡ ቅዱስ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ፡ ሃገረ ዩክረይን ናይ ገዛእ ርእሳ ፓትርያርክ ክህልዋ ፈቐዱ። እዚ ኣዋጅ እዚ ንገለ ዩክረይናውያን ብስራት፡ ንገለ ድማ መርድእ ክኸውን ከሎ፡ ንሃገረ ሩስያ ግን፡ ክልተ ጉንዲ እዝኖም ጺጽ ዘብል፡ ዓቢ ጽፍዒት ነበረ። 12 ሽሕ ሃገረ-ስብከታት ዝበዝሐ ኣሃዝ ካብ ህዝቢ ዩክረይን) ምስ ቤተክርስቲያን ሞስኮ እዩ ዝመሓደር። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ፡ እቲ ጉዳይ፡ ፖለቲካዊ ምትእትታው እዩ ብምባል፡ ምስ ኤኮመንያዊ ፓትርያርክ ዘቍስጥንጥንያ ዝነበራ “ቍርባናዊ ሕብረት” ኣብ ዓመተ ኣቋረጸቶ። “ቍርባናዊ ሕብረት” ማለት፡ ምእመናን እታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብተን ምስ ኤኮመንያዊ ፓትርያርክ ሕብረት ዘሎወን ኣብያተ ክርስቲያን ቅዱስ ቍርባን ክሳተፉ ኣይክእሉን ማለት’ዩ።

ቤተ ክርስቲያን ዩክረይን፡ ርእሳ ክትክእል ምስ ተፈቕደላ፡ ፕረዚደንት ጶሮሾንቆ “ሓደ ሰራዊት፡ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ጭርሖ ኣወጀ። ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ዩክረይን፡ ሰንደቕ ዕላማ ዩክረይን ከንበልብላ ጀመራ። ዩክረይን ካብ ሩስያን ጽልዋኣን እናረሓቐት ናብ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ድማ ዝያዳ እናለገበት ምምጻኣ፡ ዝያዳ ዅሉ ድማ ኣባል ኔቶ ንምዃን ምብሃጋ፡ ንሕልሚ ምስረታ ዓባይ ሩስያ ዝምጥን ኰይኑ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፡ እዚ ንርእዮ ዘሎና ደማዊ ኲናት ኣኸተለ።

ሞስኮ እታ ሳልሰይቲ ሮማ

ካብ ራብዓይ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዙ፡ ክርስትና፡ ወግዓዊ እምነት ሃጸይነት ሮማ ምዃኑ ተኣወጀ። እዚ ንቤተ ክህነት ምስ ቤተ መንግስቲ ዝጸምበረ ኣካይዳ፡ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘኢጣልያ፡ ቀዳመይቲ ሮማ፡ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ ማእከል ከተማኡ ክትከውን ብስሙ ሰምዩ ዘተንስአ ቍስጥንጥያ (እስታንቡል) ድማ ዳግማዊት ሮማ፡ ኰይነን ንእምነት ክርስትና ክጣበቓን ክዕቅባን ተራእየን እየን። ኣብ ናይ ሎሚ ቱርኪ ዝመደበሩ መንበረ ቍስጥንጥንያ፡ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ኦቶማን (ዑስማን)፡ እቲ እስላማዊ ሓይሊ ዓብሊሉ ፍጹም ኣዳኸሞ። ሽዑ፡ እቶም ኤኮመንያዊ ፓትርያርክ፡ ንፓትርያርክ ዘሩስያ፡ ዝለዓለ ማዕርገ ጵጵስና ክህቡ ብ1686 ዓ.ም. ወከልዎም። ቤተ ክርስቲያን ሩስያ፡ እቲ ምትሕልላፍ ስልጣን፡ ንነሓዋሩ ዝተዋህበ እዩ ክትብል ከላ፡ ኤኮሜንያዊ ፓትርያርክ ግና፡ ንጊዜኡ ጥራይ ደኣ’ዩ ተዋሂቡ ዝነበረ ትብል።  ዝኾነ ኾይኑ፡ ነቲ ውክልና ብሓጐስ ዝተቐበለት ሞስኮ፡ ንቤተ መንግስቲ ምስ ቤተ ክህነት ሓዊሳ እትመሓደር መንበር፡ “ሳልሰይቲ ሮማ” እናተባህለት ክትጥቀስ ጀመረት። ሞስኮ፡ ክሳዕ ለይተ ሎሚ፡ ንገዛእ ርእሳ ከም ማእከል ተጣባቒትን ዓቃቢትን ቅኑዕ እምነተ ክርስትና ጌራ’ያ እትቘጽራ።

ሕልሚ ዓባይ ሩስያ

ፕረዚደንት ፑቲን ይኹን ፓትርያርክ ቅዱስ ቄርሎስ፡ ብዕብየታ ንዩክረይንን ቤላሩስን ዘጠቓለለት፡ ብቕድስናኣ ድማ ካብዘን ንግብረ ሶዶምነት የተባብዓ እየን ዝብልወን ኣብያተ ክርስቲያን ምዕራብ፡ ዝተቐደሰት “ዓባይን ቅድስትን ሃገረ ሩስያ” ክትቀውም ዝብል፡ ሓባራዊ ሕልሚ’ዩ ዘሎዎም። ፓትርያርክ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ህዝብታት ሩስያ፡ ዩክረይንን ቤላሩስን፡ ሓባራዊ መንፈሳውን ሃገራውን ውርሲ ስለ ዘሎወን፡ ሓደ ህዝቢ ንምዃን ክሓብራ፡ ኣምላኻዊ ሓቂ’ዩ፡ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ዝሃበና ሕብረት’ዩ” እዩ በሉ። እዚ ብህሎ’ዚ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ፑቲን ንዂናት ዩክረይን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ መፍለዪ ዘይተረኽቦ ተመሳሳሊ ኣበሃህላ ምዃኑ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ተራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን

መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩስያ፡ ቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ጐኒ ፕረዚደንት ፑቲን ብምዃን ንዅናት ዩክረይን ብዘይ ምዅናኖም፡ ካብ ኵሉ መኣዝን ሓያል ተቓውሞ ውሒዝዎም ክንሱ፡ ዛጊት መርገጺኦም ኣይቀየሩን። ካቶሊካዊ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ምስ ኣቡነ ቄርሎስ ን40 ደቓይቕ ብማንዛ ምስ ተዘራረቡ፡ “ንሕና ካህናት ምድራዊ መንግስቲ ኣይኰንናን፡ ቋንቋ የሱስ እምበር፡ ቋንቋ ፖለቲካ ክንጥቀም የብልናን፡” ከም ዝበልዎም፡ ኦርቶዶክስ ታይምስ ዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ጽሒፉ’ሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመነ ቄሳራዊ ምምሕዳር ሩስያ (ሃጸይነት ዛር) ማእከል እቲ ንግስነት ምንባራ ጠቒስና ኣለና። እቲ ናይ መወዳእታ ቄሳር ዝነበረ ኒኮላስ ዳግማዊ፡ ምስ ሰበይቱን ደቁን፡ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ተባሂሉ ከም ዝተኣወጀሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ዝተቐትሉላ ቦታ’ውን ንዝኽሮም ዝኸውን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝህነጽ ጌራ’ያ።

ባርኾት ጠበንጃን፡ ህያብ ስእልን 

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ድሕሪ ዝገበርዎ ቅዳሴ፡ ኲናት ዩክረይን ቀልጢፉ ምእንቲ ክዛዘም፡ ንሃገራዊ መራሒ ሓለዋ ሩስያ ቪክቶር ዞሎቶቭ፡ ምስሊ ድንግል ማርያም ከም ዝሃብዎ፡ ክልቲኦም እቶም ፓትርያርክን እቲ መራሒ ሓለዋ ሃገርን ድማ ብሓባር «እዚ ምስሊ’ዚ ንሰራዊት ሩስያ ከም ዝከላኸለሎምን ዓወት ሩስያ ከም ዘቀላጥፍን ንኣምን» ምባሎም፡ ኦርቶዶክስ ታይምስ፡ ሓቢሩ። ኣቡነ ቄርሎስ፡ ንስእሊ ድንግል ማርያም ልዕሊ ካልኦት ስእልታት ዝሓረዩሉ ምኽንያት ኔርዎም’ዩ።

ተረቲያኮቭ ኣብ ዝብሃል ኣብ ሞስኮ ዝርከብ መኽዘን፡ ቭላድሚራዊ ስእሊ ድንግል ማርያም ተዓቂቡ’ሎ። እቲ ስእሊ፡ ብኣፈ ታሪኽ ከም ዝዝንቶ፡ ብኢድ ወንጌላዊ ሉቃስ ዝተሳእለ እዩ። ናብ ቍስጥንጥንያ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን መጺኡ፡ ናብ ኪይቭ ብ1130፡ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ሞስኮ ብ1155 ናብ ሞስኮ ድማ ብ1395 ኣትዩ ይብሃል። ስእሊ ቅድስት ማርያም ሓደ ካብቲ ኣብ ሩስያ ገኒኑ ዝርአን ሰፊሕ ተቐባልነትን ዘሎዎ እዩ። ቭላድሚራዊ ምዃኑ፡ ንሕብረት ህዝብታት ኪየቭያዊ ሩስ የዘኻኽር። ስለዚ ድማ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሕብረት ሕዝብታት ሩስ ናብ ሓድነት ንምምጻእ ዝብል መልእኽቲ’ዩ ዘሕልፍ።

መዕጸዊ

ኢቫን ራብዓይ እቲ ዕሉል መራሒ፡ ሰፊሕ ዝግዝኣታ ሃገረ ሩስያ ንምርኣይ፡ ህይወት ኣሽሓት ቈጸየ። ፕረዚደንት ፑቲን ንሓሳብ ኢቫን ዝርዓሞ ይመስል። ከም ቫሲሊ ዝዓይነቱ ተባዕ መራሒ ሃይማኖት ግና ዛጊት ዝተረኽበ ኣይመስልን።

ዕዮ ገዛ

ንግስነት ኣዅሱም፡ ምትእትታው ክርስትና ኣብ ዞባና፡ ሓባራዊ ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኢትዮጵያ ከም ሩስያ፡ ንኤርትራ ድማ ከም ዩክረይን ጌርና ንሕሰብ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዕርቂ ድሕሪ ምግባሩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝዛረብ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ” ዝብል ንዘቕረቦ ሓሳብ ድማ ንዘክር።  ተራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮ-ኤርትራ’ውን ብቕንዕና ንምዘን። ተመሳሳልነት ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ሩስያ-ዩክረይን ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧

 

__________________________________________________________________

*ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መንፈሳዊ መዓርጎም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ በበይኑ ግዜ ከም ጋዜጠኛ ኰይኖም’ውን ሰሪሖም’ዮም። ኣባል ቦርድ ፐን ኤርትራ ዝዀኑን ሕጂ ኣብ ሃገረ-ሽወደን ዝርከቡን ቀሺ ዮናስ fr.yonas@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቦም ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email