ትርጕም ስመይ፣ “ዓለም-ትርጋእ” ማለት እዩ። 1ይቲ ደብዳበኣዊ መልሲ ይርጋኣለም ንሳቢና ብሪሎ።

No comments

WIR MACHEN DAS (ሓርፋፍ ትርጕም-‘ኢሂናይ ደኣ ዘይንገብሮ! / ንገብሮን ፈረቓን’ምበር!’ )፡  ኣብ 2015 ካብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት፤ ባህሊ፣ ሳይንስ፣ ስነጥበብ፣ ጋዘጠኛነትን፣ ካልእን፤ ብዕላማ ዝተጠምራ 100 ደቂ-ኣንስትዮ ዝመስረታኦ ሓልዮታዊ ትካል እዩ። ንብዙሕነት ከም ጸጋ ቈጺሩ ድማ ኣብ ስነጥበብ፥ ባህሊ፥ ወዘተ. ኣተኲሩ ይዓዪ። ናይ ስደትን ቅልውላውን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም መጻእተኛታት ጸሓፍቲ፡(ብፍሉይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ) ዝበቅዕ ደገፍ ረኺቦም ኣብ ምምእዛን ሕብረተሰብን፡ ምቕናዕ ዝምቡዕ ትርኽትን እጃሞም ከበርክቱ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ይቃለስ።

weiterschreiben.jetzt ካብ ቋንቋ ጀርመን ናብ ትግርኛ እንክትርጐም፤ ከየባተኽኪ/ካ ጸሓፊ/ፍ ዘስምዕ መልእኽቲ ይህብ። ንኡስ ፕሮጀክት ናይ WIR MACHEN DAS ኰይኑ፥ ከየባተኹ ዝጽሕፉ ደረስቲ ዘይተባተኸ ተሰማዕነት ምእንቲ ክህልዎም፡ ምስ ስደተኛታትን ደቂ-ዓዲን ናይ ሞያ መዘናታቶም ተመኵሮታት ዝለዋወጥሉ ጥበባዊ መድረኽ ይሃንጽ። ምልውዋጥ ተመኵሮ ብደብዳበ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ንጥፈታት ናይዚ ፕሮጀክት እዩ። ኤርትራዊት ደራሲት ይርጋኣለም ፍስሃን – Yirgalem Fissehaን  በላሩሳዊት  ደራሲት ሳቢና ብሪሎን – Sabina Brilo ብመንገዲ ኣርባዕተ ደብዳበታት ኣቢለን፡ ኣብ ዝተቐባበላኦ ሓሳባት፡ ዝተመላለሳኦ ሕቶታት፡ ተመሳሳልነት ዝፈጠረለን ሓቅታት፡ ቀስቃሲ ናፍቖተንን፡ ናብ ዓደን ዘቋምት ህንቁው ተስፋታተንን ዝሓቘፈ ትግርኛዊ ትሕዝቶ ኣብ ኣርባዕተ ሕታማት ክቐርብ እዩ። (ብቛንቋ ጀርመን ንዝመርጽ ነባቢ ነዚ ኣብዚ መእተዊ ዘሎ ጥብቆታት ብምጥዋቕ ናብ ምንጪ ጽሑፍ ምብጻሕ ይከኣል።) ኣብ ፋልመይቲ ደብዳበ ሳቢና ንዝቐረቡ ሕቶታትን ሓሳባትን ማእከል ዝገበረት ቀዳመይቲ ናይ መልሲ ደብዳበ ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕታም ቀሪባ እነሀት። (ትርጕም፡ ካብ ጀርመን ናብ ትግርኛ ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ናብ ጀርመን ሚራስ ፍጹም፤  image:© Sima Dehgani

—————————————————-

24 ነሓሰ 2022

ዝኸበርኪ ሳቢና

ከመይ ትኾኒ፧

ኣቐዲምካ ናብ ዘይትፈልጦ ሰብ፡ ዝጽሓፍ ደብዳቤ ምጅማር ከም ዝኸብድ ብዝሕብር ሓሳብኪ ዝጀመረት ደብዳበኺ ትማሊ ተቐቢለያ። ሓደ ነገር ኣዘኪርክኒ። ኣብ ሃገረይ፡ ተጨውዮም ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣለዉ። እቶም ኣብ ዓለም፡ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዝበዝሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ድማ’ዮም። እዛ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ንኣትዋ መስከረም ከኣ 21 ዓመታት ማእሰርቶም ክመልኡ’ዮም። ንገሊኦም ብኣካል እፈልጦም’የ። ኣብ ዉዕዉዕ ዕድመ ንእሰነትን ህንጡይ ፍቕሪ ስነጽሑፍን ከለኹ፡ ኣብተን ንሳቶም ዝውንንወን ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ጽሑፋተይ ከም ዝሕተም ብምግባር ኣብ ዓውዲ ጽሕፈት ዘታተዩኒ’ውን’ዮም። ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ናብ ብዙሓት ካብኣቶም ደብዳበታት ጽሒፈ። ከም ዘይበጽሖም ርግጸኛ ኮይነ’የ ዝጽሕፎ። ደብዳበ ክኣትዎም ስለ ዘይፍቀድ ጥራይ ኣይኮንኩ፡ ከም ዘይበጽሖም ብርግጸኛነት ዝነግረኪ ዘለኹ። ብልክዕ ኣበይ ከም ዘለዉ፡ ብህይወትከ ኣለዉዶ የለዉን ስለ ዘይፍለጥ’ዩ። እምብኣር፡ እቲ ብዛዕባኦም ዝስምዓኒ ናብ ጽሑፍ ንምቕያሩ ጥራይ’የ፡ ደብዳበታት ዝጽሕፈሎም። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ትግርኛ ምስ ዘንብቡን ዘንብባን ተኸታተልተይ እካፈሎ። ብኡ ኣቢለ ተረሲዖም ምእንቲ ከይተርፉ ንእሽቶይ ኣበርክቶ ከም ዝሓወስኩ ይስምኒ።

ደብዳበኺ ምንባብ ምስ ጀመርኩ’ምብኣር፡ ንዕኦም’የ ዘኪረ። እቲ ደብዳበ ክጽሕፈሎም ምስ ነቐልኩ ዝጽዓነኒ ጓሂ፡ ብኸመይ ምጅማር ከም ዝሕሸኒ ዘጋጥመኒ ብድሆ… ኩሉ ተራእዩኒ። “ናብ ዘይትፈልጦ ሰብ ምጽሓፍዶ ወይስ ደብዳበኻ ናብ ኢድ ተቐባሊ ከም ዘይበጽሕ እናፈለጥካ ምጽሓፍ ይኸብድ፧” ዝብል ሓሳብ ድማ መጺኡኒ።

ናብ እሱራት ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ ተበግሶ ደቂ ሃገርኪ ዝፈጠረለይ ተምሳጥ ክጠቅስ ባህ ይብለኒ። ተስፋ እናኣስነቐ፡ ብርታዐ እናሃበ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቶም እሱራት መለሳ ይፈጥር ክህሉ ድማ ተስፋ እገብር። እቲ ኣብ 2020 ኣብ ቤላሩስ ተፈጺሙ ዝበልክዮ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስቲ 2001 ኣብ ሃገረይ ዝተራእየ ቅሉዕ ኣዋጅ ኣንጻር ፕረስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝመሳሰል ኮይኑ ረኺበዮ። ሃገረይ ካብ መግዛእቲ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብናይ 30 ዓመታት ጎነጻዊን ደማዊን ቃልሲ፡ 1991 እያ ናጽነታ ወሲዳ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ረፈረንደም ኣካይዳ ከኣ ወግዓዊ ተቐባልነት ረኺባ፡ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኰይና ባንዴራኣ ሰቒላ።

ገና ቁስላ ከየሕወየት ግዳ ኣብ 1998 ብምኽንያት ዶባዊ ግርጭት ኣብ ካልኣይ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ኣትያ። እቲ ኲናት ሰለስተ ሚንዮን ህዝቢ ኣንጻር ስሳ ሚልዮን ህዝቢ’ዩ ነይሩ። ክሳብ 2000 ድማ’ዩ ቀጺሉ። ሽዑ ኣነ ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ነይረ። ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነ ቦታ ርሕቕቲ ኣብ ዘይኮነት ከተማ’የ ተወሊደን ዓብየን። መንእሰያት ምልእቲ ሃገር ትምህርቲ ኣቋሪጽና ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክሳብ ምኻድ ድማ በጺሕና ነይርና።

2001 ገለ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ (ሚኒስተራትን ሰብ ልዑል ወተሃደራዊ መዓርግን ዝርከብዎም) ብዛዕባ እቲ ኲናትን ኣካይዳ ናይቲ መንግስትን ዝግምግም ኣኼባ ክኻየድ ጠሊቦም። “መራሒ መንግስቲ” ዕጭ ሓንፊፉ። በብሓደ’ውን ካብ መዝነቶም ክሰጎም ጀሚሩ። ኣብተን ሽዑ ዝዕንብባ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ሓሳባቶም ከስፍሩ ጀሚሮም። ብድሕሪ’ዚ ነቶም ዝጠቐስኩልኪ ሓለፍቲ፡ ምስናቶም ዝመሳሰል ሓሳብ ከም ዘለዎም ዝተጠርጠሩን ዝተጠርጠራን መዛንኦም፡ ከምኡ’ውን ኣሳናዳእቲ ናይተን ጋዜጣታትን ገፊጡ ኣሲርዎም። ሰዊርዎም! 21 ዓመታት ኮይኑ፡ ብህይወት ኣለዉዶ የለዉን ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ሃገረይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከላ’የ ተወሊደ። ዝኾነ ይኹን ዝኽሪ መግዛእቲ ግን የብለይን። እምብኣር፡ ግፍዕታት መግዛእትን ቅያታት ተጋደልትን ብታሪኽ ኣብ ቤት ትምህርቲ’የ ዝፈልጦ። በዚ ሎሚ ሃገረይ ወዲቓቶ ዘላ ሕሰምን ህዝባ ዘሕልፎ ዘሎ ህይወትን ክሓስብ ከለኹ ግን እቲ መግዛእቲ ካብዚ ናይ ሕጂ ሃለዋት ከም ዘይከፍእ ርግጸኛ’የ። ፍጹም ርግጸኛ’የ። እዚ ክብለኪ ከለኹ ግን እቶም ኤርትራ ሃገር ንኽትከውን ህይወቶምን ንእስነቶምን ዝኸፈሉን ዝኸፈላን ጀጋኑየይ’ዮም።

ክሓተኪባ…፡ ስመይ ከየንበብኪ ንኸተድምጽያ ክንደይ ሳዕ ተለማሚድኪያ፧ ኣየሸገረትክን ክትከውን እትስፎ። ኣነ ብትኽክል ስም ኣብ ምድማጽን ምሓዝን ንፍዕቲ ኣይኮንኩን። ሓደ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ምስ መጻእኩ ዘጋጠመኒ ብድሆታት ድማ’ዩ። ብዕድል ግን ስምኪ እታ ዝመቸአትኒ ናይ ወጻእተኛ ስም’ያ። ሳቢና፡ ንሓንቲ ሳባ ዝስማ ኤርትራዊት ምቅብጣር ጥራይ’ዩ ዘድልየኒ። ብልምዲ፡ ንኣስማት በቲ ናይ ምቅብጣር መልክዖም ምጥቃም ስለ ዘዘውትር ከኣ ንኹላተን እተን ዝፈልጠን ሳባ ዝስመን ኤርትራውያን፡ “ሳቢና” ልሙድ ዝጥቀመሉ ኣጸዋውዓ’ዩ። ክሳብ ክንድዚ’ያ ስምኪ ምስ እዝነይን ልሳነይን ቀረባ። ስመይ፡ “ዓለም ትርጋእ” ዝብል ትርጉም’ዩ ዘለዋ። ናትኪኸ፧

“ኤርትራ” ንእትብል ቃል ብምስትምቓርን ብዛዕባ ሃገረይ ብምንባብን ዝፈጠርክዮ ስእለ-ኣእምሮ ደስ ኢሉኒ። እቲ ክውንነት ኣንጻር እቲ ኣብ ሓሳብኪ ዝተፈጥረ ስእሊ ምዃኑ ግን ጉህይቲ’የ። ኣብ ኤርትራ፡ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት፡ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ስለ ዘሎ፡ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ቀሲኑ ብሰላም ክነብር ኣይክኣለን። ስለዚ ዘዝጎበዘ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይሃድም። ኣብ ውሑሳት ሃገራት ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ዘሎ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ጉዕዞ፡ ህይወቶም ዝኸፈሉን ዝኸፈላን ከኣ ኣእላፍ’ዮም።

ንኣብነት ኣነ 2 ኣሓትን 4 ኣሕዋትን ኣለዉኒ። ሸውዓቴና ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲድና ኢና። ገሌና ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብነጻን ስማዊ ክፍሊትን ንዓመታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ክንሰርሕ ተገዲድና። እቶም ካልኦት ነዊሕ ከይጸንሑ ካብ ሃገር ወጺኦም። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ብዘይካ እተን ክልተ ኣሓተይ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋተይን ኣነን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ኢልና ኣለና። ካብዞም ሓሙሽተ እቶም ክልተ ጥራይ ከኣ ኢና ንሰሃራታት ልብያን ማእከላይ ባሕሪን ብነፋሪ ሓሊፍናዮ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ካብ ውትህድርና ሃዲሞም፡ ብኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ ሰሃራ፡ ብዘይውሑሳት መራኽብ ኣሽሓት ዶላራት እናተኸፍለሎም፡ ብማእከላይ ባሕሪ ምስ ሞት ተጋጢሞም’ዮም ሓሊፎም።

እዚ፡ ኣብ ኤርትራ ልሙድ ቁጽሪ ዝተሰደዱ ኣባላት ሓንቲ ስድራን ናይ ዝበዝሑ መንእሰያት ዛንታ ስደትን’ዩ። ብኸምዚ መገዲ ምልእቲ ስድራ ዝተሰደዱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ምልእቲ ስድራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክትረኽቢ ግን ብርቂ’ዩ። ኣብ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓን፡ እትኾልል ናይ ሓንቲ ስድራ ስእሊ ኣላ። “እታ እንኮ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ ምልእቲ ስድራ” ዝብል ጽሑፍ ድማ የሰንያ። እታ ስድራ፡ ናይቲ 31 ዓመት ንኤርትራ ዘዕኑ ንህዝባ ድማ ዘሳቒ ዘሎ መራሒ’ያ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ’ዩ ዝብሃል።

ብዕድል፡ Volha Hapeyeva ምስ እትብሃል ቤላሩሳዊት ገጣሚትን ጽሓፊትን እፋለጥ’የ። ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ፡ ‘ብዙም’ ኣብ ዝተኻየደ መደብ’ውን ክልቴና ዕዱማት ነይርና። ኣጋጣሚ፡ ኣነ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ፐን ጀርመን ዝርከብ ‘ጽሓፍቲ ኣብ ስደት’ ዝብል ጽላል ዝነበረኒ ጻንሒት ይዛዝመሉ ኣብ ዝነበርኩ ግዜ ስለ ዝተጸንበረትና፡ ናይ ሓባር ግዜ ኣይረኸብናን’ምበር ጎረባብቲ’ውን ኢና ነይርና። ስለዚ፡ ቤላሩስ ሓንቲ ካብተን ንናጽነት ፕረስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሃስያ ውሑዳት ሃገራት ኤውሮጳ ምዃና ክግንዘብ ክኢለ ነይረ’የ። ምስ ምውላዕ ኩናት ሩስያን ዩክሬንን ድማ ምምስሳል ናይ ኤርትራን ቤላሩስን ደሚቑ ተራእዩኒ።

ነታ ትናፍቕያ ገዛኺ፡ ነቶም “ፈለስቲ” እትብልዮም ማርሞታት ሓለውቲ ገዛኺ… ክስእሎም ፈቲነ። ዝያዳ ኩሉ ግን ስምዒትኪ ክርድኦ ክኢለ’የ። ብተዘዋዋሪ መገዲ ነተን “ናብ ሃገርኪ ትምለሲዶ ይመስለኪ፧ ሃገርኪ ትጽበየኪዶ ትህሉ፧ ዝጽበዩኺ ፈተውቲ ሒዛ ዘላዶ ይመስለኪ…” ዝብሉ ሕቶታትኪ ዝምልስ ደኣ ክኸውን’ዩ’ምበር፡ ምስዚ ናትኪ ዝመሳሰል ናይ ስንፍላል ወይ ረጊኣ ዘይዓለበት ሰብ ስምዒት’ዩ ዘለኒ። ኣብዚ እዋን ‘ናብ ዓደይ ክምለስ ዝደልየኒ ወላ ሓደ ሰብ የለን’ ኢለ’የ ዝሓስብ። ድሕሪ እቲ ብህይወት ዝፈተነኒ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት፡ ካብ ሃገር ክወጽእ ምኽእለይ ኩሎም ቤተሰበይን ፈተውተይን ሕጉሳት’ዮም። ሃገረይከ ትጽበየኒዶ ትህሉ፧ እንድዒ! “ልበይ ገዲፈ’የ ተሰዲደ” ብሃሊት’የ’ሞ፡ ልበይ ግን ብርግጽ ትጽበየኒ’ላ። ከምኡታት’ዩ ዝስምዓኒ… ዝመስለኒ…

እምብኣር ናብታ “እንታይ ትናፍቒ፧” ትብል ሕቶኺ ክሓልፍ። ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት’የ ዝናፍቕ። ኩሉ ግዜ “ኣልበም ስእልታተይ ክረኽቦም እንተ ዝኽእል” እብል። ኣብ ሎሚ ኮይነ ኣዝየ ዝናፍቖም ዝኽሪታት ዝሰነዱ’ዮም። ናብቲ እቶም ኣሳእል ዝሰነድዎ እዋን ክምለስ እደሊ’የ። ምስ ገለ ካብ’ቶም ኣብ እዋን ቁልዕነትን ንእስነትን መሓዙተይን መቓርብተን ዝነበሩን ዝነበራን ሰባት፡ ፍጹም ርክብ የብለይን። ብኣመለኻኽታ፡ ስምዒት… ኣብ ኣንጻር ጫፋት ተቐሚጥና ኢና። ስለዚ እቶም ኣሳእል፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዘሕለፈ መድረኽ ናይ ህይወተይ፡ ጥዑም ግዜ ከም ዘሕለፍኩ ከም ዝስምዓኒ ይገብሩኒ’ዮም። ካብዚ ዘለኽዎ ግዜ ሃዲመ፡ እቶም ኣሳእል ኣብ ዝሰነድዎ ግዜ ክዕቆብ ዝደልየሉ ግዜ’ውን ብዙሕ’ዩ።

ብዓቢኡ ከኣ፡ ወለደይ፡ ኣሓተይ፡ ቤተሰበይ፡ መሓዙተይ… እናፍቖም’የ። ብክልተ ምኽንያታት፡ ኣብ ባህ ዝበለኒ ግዜ ደዊለ ከም ባህ ዝበለኒ ከዕልሎም ኣይክእልን’የ። ፍርሒ ኣሎ፡ ብናጽነት ክትዛረብ ዘየኽእል ስግኣት’ውን ኣሎ። ብዛዕባ ሽግራቶምን መዓልታዊ ህይወቶምን ብግልጺ ክትሓቲ ኣይትኽእልን ኢኺ። ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ስለ ዘየለ ድማ 20 ደቒቕ ንኽዛረብ 10 ኤሮ የድልየኒ። ናብ ኩሎም ቀረብትኺ፡ መሓዙትኪ፡ ፈተውትኺ… ምድዋል ኣይክኣልን። እቲ ምድዋል ከኣ ብሓደ ሸነኽ’ዩ። ኣነ ጥራይ’የ ክድውል ዝኽእል። ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ምድዋል ኣይሕሰብን’ዩ። ሓደ ሰብ ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን ደዊሉ 5 ደቓይቕ ንኽዛረብ፡ ናይ ምልእቲ ስድራ፡ ናይ ሰሙን ኣስቤዛ ኽኸውን ዝነበሮ ገንዘብ የጥፍእ። ስለዚ ካብ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ተለፎን ምድዋል ብዝኾነ ሰብ ካባና ወይ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉን ዘለዋን ቤተሰብና ኣይሕሰብን’ዩ።

ንኣብነት፡ ካብ ኤርትራ እንተ ዝድወለኒ፡ ነቲ ጻውዒት ከልዕሎ ዘይምዃነይ ርዱእ’ዩ። ኣዝዩ ህጹጽ ጉዳይ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ንምርዳእ መብርሂ ኣየድልየንን። ተለፎኖም ደዊላ ምስ ወደአት ክድውል ከም ዘለኒ’ውን ለበዋ ኣየድልየንን። እዚ፡ ዝዝርዝረልኪ ዘለኹ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ መሰላትን ተነጺሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ገለ ስእሊ ክህበኪ ኢለ’የ። ብሓፈሻ ናይቲ ኩሉ ዝነበረኒ ነገራት ናፍቖት ኣለኒ። ኣብዚ፡ ብዙሕ ኣብ ዓደይ ዘይነበረኒ ነገራት ክረክብ ክኢለ’የ። ይኹን’ምበር ነቲ ዝነበረኒ’ሞ ሕጂ ክረኽቦ ዘይክኣልኩ ክርስዖ ኣይክኣልኩን።

ፈታዊት ወግዒ ቡን’የ ነይረ። ኣባና ናይ ቡን ስነ ስርዓት ፍልይ ዝበለ’ዩ። እቲ መስርሕ ካብ ክገልጸልኪ፡ ከርእየኪ ስለ ዝቐልል… ሓደ መዓልቲ ከርእየኪ ወይ ክዕድመኪ ዕድል ይርከብ ይኸውን። እዚ እንተ ዘይሰሊጡ ግን ካብ ዩቱብ ቪድዮ ክሰደልኪ’የ። ከም እትፈትውዮ እትኣማመን’የ። ንሕና ነቲ ናይ ዝተቐልወ ቡን ሓሩጭን ፍሉሕ ማይን ሽኮርን ኣደባሊቕካ ዝስተ ውዑይ ጸሊም ፈሳሲ ጥራይ ኣይኮንናን ቡን እንብሎ። ኣዝዩ ባህ ዝብል ወግዒን ኣተኣናግዳን ዕላልን’ዩ ዘጠቓልል። ኣብ ዓድና፡ በይንኺ ቡን ምስታይ ካብ ባህሊ ቡን ወጻኢ’ዩ። ጋሻ መጺኡኪ “ቡን ትሰቲ ዲኻ/ኺ፧” ኢልኪ’ውን ዳርጋ ኣይሕተትን።

ኣነ፡ ፈታዊት እቲ ወግዒ ደኣ’ምበር፡ ሰታይት ቡን ኣይኮንኩን። ይኹን ግን ንኽብረይ ኢሉ ስለ ዝፈልሐ “ኣይሰትን’የ” ክብል ስለ ዘይደለኹ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ቡን ንምስታይ ተገዲደ ኣለኹ።

ካብ እንስሳታት ዘቤት እንታይ ትፈትዊ፧ ድሙ ወይ ከልቢ ነይሮምኺዶ ኢልኪ ከይትሓትኒ። እቶም ኣነ ዝፈልጦም ድሙን ከልብን፡ ክንክን ንኽረኽቡ ዘይኮኑስ ኣገልግሎት ንኽህቡ’ዮም ዋና ዝህልዎም። ኣናጹ ዘየሸገረኦ ሰብ ድሙ ክትህልዎ ምኽንያት የብሉን። ከልቢ’ውን እንተኾነ ምእንቲ ውሕስነት ንብረትን ጥሪትን’ዩ ዝጥረ። ሓያልን ተፈራሕን ክኸውን ድማ’ዩ ዝምልመል። ቆልዓ ከለኹ፡ ከልቢ ናብ ዘለዎም ስድራቤታት ምልኣኽ ይኣቢ ከም ዝነበርኩ እዝክር። ኣብዚ ካብ ዘገረመኒ ነገር ክነግረኪ… ከልቢ ኣብ መጎዓዝያ ተሰቒሉ ምርኣይ! ንኽለምዶ ከኣ ገለ ግዜ ወሲዱለይ።

በለስ እቲ ኣብሊጸ ዝፈትዎ ፍሩታ’ዩ። ብበለስ ጽልልቲ’የ ነይረ። ኣብ ጀርመን ምጽእ ምስ በልኩ፡ ኣብ ነርወይ ዝነብር ደሳለ በረኸት ዝብሃል ጽሓፋይ መሓዛይ ክበጽሓኒ መጺኡ። ንሱ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከሎ፡ ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበርኩ ድሕሪ 9 ዓመታት ኢና ዝተራኸብና። እንታይ ሒዙለይ መጺኡ ትፈልጢ፧ በለስ!

በለስ ሒዙለይ ከም ዝመጸ ምስ ርኣኹ፡ ክንድቲ ክንራኸብ ከለና ዝወጨጭክዎ ደጊመ ወጪጨ። ግምት ኣይነበረንን። ካብ ሃገረይ ካብ ዝወጽእ ሓደ ዓመት ዘይመላእኩ’ኳ እንተነበርኩ፡ በለስ ካብ ዝበልዕ ግን ዓመት ኣሕሊፈ ነይረ። ደጊመ ከም ዝበልዕ ዝገበረ፡ ካልእ ግዜ’ውን ክበልዕ ምዃነይ ዘተስፈወኒ’ምበኣር እዚ ዝጠቐስኩልኪ መሓዛይ’ዩ።

“ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር ፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ስልጣን ኣበይኮን ይርከብ!፧” ዝብል ሕቶኺ ብዙሕ ኣሕሲቡኒ። እንድዒ በጃኺ! እታ “ስልጣን” እትብል ቃል ወሲደ፡ ምስ ናይ ካልእ ግዜ ህውቱት ሓሳባተይ ኣቛሪነ ገለ ክብል። ስልጣን መልክዕ እንተ ዝህልዎስ ከመይ ምሰኣልክዮ፧

ናተይ ክነግረኪ። ናይ ሰብ ኣቋውማ ዘለዎ ኰይኑ፡ ናይ መልኣኽን ሰይጣንን ክልተ ገጽ ዘለዎ ገይረ ምሰኣልክዎ። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ፡ ስልጣንን ሰይጣንን ዝመሳሰላ ቃላት’የን። ብፍላይ’ኳ ኣብ ድምጺ። ንግጥሚ ዝምችእ ምግጥጣም ከኣ’ዩ ዘለወን። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ እቲ ከም ሓንቲ ናይ ኤርትራ ዜጋ ብሰበስልጣን ዝወረደንን ክወርድ ዝረኣኽዎን ኣደራዕ ሕሰብዮ። እምብኣር እቲ ዝቐረጽናዮ “ስልጣን” ዝተባህለ ምስሊ ዜግነት ንሃቦ። እቲ ስልጣን ናብ ኤርትራ ምስ ወሰድክዮ ሰይጣን’ዩ ዝኸውን። ኣብ ገለ ሃገራት መልኣኽ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ከኣ ስሱዕ ሰብ፡ ኣብ ካልኦት….

ዝኸበርኪ ሳቢና፡

እቲ ምስ ራሻ ዘለኩም ናይ ዶባዊ ጉርብትና ንናይ ሃገርኪ ፖለቲካ ከመይ ከም ዝጸልዎ ክትነግርኒ ክጽበየኪ’የ። ንዝምድና ራሻን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘላ ሃገረይን’ውን ክንትንክፎ ኢና።

ምስ ውላድክን በዓል ቤትክን ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላውኪ ሓጎሰይ ክገልጸልኪ ደስ ይብለኒ።

 

ምስ ልዑል ኣኽብሮትን ሰናይ ምንዮትን

ይርጋኣለም

 

 

 

Print Friendly, PDF & Email