ተጽዕኖ ዓፈንቲ ስርዓታት ኣብ ቋንቋ

No comments
ኣብርሃም ተስፋልኡል*

ሰነ 20-2020

ምንቍልቋልን ምሽሕካርን ቋንቋ፡ ኣብ ርእሲ ካልኦት ዝውቱራት መዐቀኒታት ከም እኒ ቍጠባ፡ ምስፋን ሕጊ-ኣልቦነት፡ ብኽነት ወዘተ. መስፈሪ ውድቀት ሓደ ስርዓት’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ገለ ውሱናት ዓመታት ከም መርኣያ ብምውሳድ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ቃለመጠይቓት፡ መደረታት፡ ኣኼባታት. . . ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናይ ተለፎን ጻውዒታት፡ ናይ ኣብያተ ጽሕፈታት ኰነ ኣገልግሎታት ትካላት ዝርርባት ብምስትብሃል ደረጃ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሃስየ ብቐሊሉ ክንግንዘቦ እንኽእል እዩ።

ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዘተኰረት “Politics and the English Language” (ፖለቲካን ቋንቋ እንግሊዘኛን) እትብል ጽሕፍቲ ጆርጅ ኦርወል፡ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ተጠቃሲት መወከሲ እያ። ብመሰረት ምጕት ኦርወል፡ ፖለቲካ ሓደ ሃገር ክሓምቕ ከሎ፡ ኣብ ቋንቋ ናይታ ሃገር’ዩ ቀዲሙ ዝንጸባረቕ። ዘቕርቦ ኣብነት ናይ ዓዲ-እንግሊዝ ደኣ ይዅን’ምበር፡ እዚ መምዘኒ ግን ኣብ ኵለን ሃገራትን ቋንቋታትን ብማዕረ ዘመልክት’ዩ። ከም ነጸብራቕ እቲ ዝርአ ምንቍልቋል ገለ ካብቶም ኣዘውቲሮም ዝርኣዩ ምልክታት ንምጥቃስ፤

  • ምጥንናግን ምሕንካርን ጽሑፍን ዘረባን፣
  • ምዝውታር ተመጽዩ ዝተሓየኸ ኣገላልጻታት (cliché)፣
  • ንሓጺር ነገር ንምግላጽ ዝነውሐ መገዲን ጸዓትን ምውሳድ፣
  • ዘይዝውትራትን ባዕዳዊ ቃላትን ደጋጊምካ ምጥቃም፣
  • ሓደስቲ ቃላትን ኣገላልጻታትን ብምዝውታር ዘየሎ ክውንነት ምፍጣር፣ ወዘተ።

ንምጕት ኦርወል ዘሀብትሙ ካልኦት ጸሓፍቲ’ውን ኣለዉ። ዚምባቢያዊ ገጣም ቺንጀራይ ሆቨ (Chenjerai Hove) ቍጠባን ፖለቲካን ከንቈልቍል ቅድሚ ምጅማሩ ቀዲሙ ኣንፈት ዝህብ ምምሽማሽ ቋንቋ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎዎ። ድሕሪኡስ ኵላቶም ስዒቦም’ዮም ዝመጽኡ።

በዘን ልዒለን ዝተጠቕሳ ክልተ ምጕታት ኣቢልና ንኣጠቓቕማ ቋንቋ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ድማ ወግዓዊ መግለጺታት ኤርትራ፣ ምናልባት’ውን ብእኡ ኣቢሉ ናብ ሓፋሽ ዝወረደ ልምድታት ብውሑድ ኣብነት ንርአ፤

* * *

ዜናታትን መግለጺታትን

ዜናዊ ስራሓት፡ ሓተታ፡ ቃለመጠይቕ ላዕለዎት መራሕቲ (ከምኡ እናበለ’ውን ናብ ተራ ሰባት ዝሰግር ባህሊ)፡ መደረታትን ካልእን ብምክትታል ዝነጸረ ስእሊ ህሉዊ ኵነታት ኤርትራ ክንርኢ ይሕግዝ እዩ።

እቲ “ልምዓታዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ዘመሓላልፎ “ዜናታት ልምዓት” ኰነ ካልእ ንጥፈታት ዝዀነ ኣሃዛዊ መለክዒታት ኣየቐምጥን እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ፕሮጀክት መዓስ ክዛዘም እዩ፧ ክንደይ ገንዘብ ዝውድእ እዩ፧ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ምንታይ ምዓላ ክውዕል እዩ፧ ወዘተ ኣይነግርን። ኣብ ክንድኡ፡ መዓቀኒ ኣልቦ ብዝዀኑ ልሙዳት ሓረጋት እዩ ዝስነ፤ “መቐጸልታ ልምዓታዊ ገስጋስና”፡ “ርእሰ-ምርኰሳ”፡ “ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብ”፡ “ከም ዓይኒ ዓራት”፡ “ተወፋይነት”፡ “ዘይሕለል ጻዕሪ” ብዝኣመሰሉ ሓረጋት ተዓብዒቡ ይፍኖ። ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ቃላት ክሳብ ዝፈለጠ ድማ ዝዀነ ሰብ ጋዜጠኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ብብዙሕ ኣብነታት ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ሓንቲ ዜና ካብታ እትቕጽል እትፈልያ ኣስማት ሓለፍቲ፡ ቦታን ዕለትን ስለ እትልውጥ ጥራይ’ዩ። ዝነጸረ ስእሊ ዝህብ፡ ምስሊ’ቶም “ኣብ ንጡፍ ወፈራዊ ልምዓት” ዝርከቡ ገጻቶም ዝጸምለወ ነበርቲን ኣፍራዛ ንምልዓል’ውን ዓቕሚ ዝሓጽረን ኣደታት ድሕሪ ምርኣይን እዩ።

“ናይ ሎሚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ… ሃገር ኣብ ከቢድ ተጻብኦታት…” ዝብላ ቃላት መደረ፡ ካብ ርእሰ-መምህር’ታ ዝነኣሰት ቤት ትምህርቲ ክሳብ መራሕ ሃገር ዝጥቀመሉ እዩ። ሓድሽ ዝብሃል ነገር ከም ዘየሎ ድማ ኣጸቢቑ የመልክት።

በብእዋኑ ዝቐርብ ሓተታት እውን ክንዮ ጸወታ ቃላት ዝኸይድ ትርጕም የብሉን።

ብ8 ሰነ 2019 ዝወጽአ፡ “ዛዕባ ሱዳን — ናይ ሱዳናውያን” ዝብል ሓተታ ከም ኣብነት ንርአ። ሱዳናውያን ጉዳያቶም ባዕላቶም ክፈትሑን ካልኦት ሓይልታት ድማ ካብ ኢድ-ኣእታውነት ክቝጠቡን ብርግጽ ዝኣምን እንተ ዝነብር፡ እዛ ሓተታ፡ ኣርእስታ ጥራይ (ካልእ ዝዀነ ትሕዝቶ ዘይብላ) ምኣኸለት።

እንተዀነ፡ ብኸምዚ እያ እትጅምር፤

ኣካል ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ተፋሰስ ኒልን ቀይሕ ባህሪን ዝኾነት፡ ልዕሊ 1.86 ሚልዮን ትርብዒት ኪ.ሜ. ዝስፍሓታ፡ መስከብ 40 ሚልዮን ህዝቢ፡ ሪፖብሊክ ሱዳን፡ ድሕሪ ምፍላይ ደቡብ ሱዳን ብስፍሓታ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይቲ ተሰሪዓ እትርከብ ዓባይ ሃገር እያ። እቲ ዝነውሐ ፈለግ ዓለምና– ኒል፡ ኣብ ክልተ ሰንጢቕዋ ዝሓልፍ፡ ገዚፍ ሕርሻዊን ማዕድናዊን ዕቑር ሃብቲ እትውንን ሱዳን፡ ብዘለዋ ጂኦግራፊያኣዊን ስትራተጂያዊን ኣቀማምጣን ባህርያዊ ጸጋታትን፡ ኣብ ጸጥታን ቁጠባዊ ምዕባለን እዚ ዞባ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር እትኽእል ሃገር እያ።

ኣብዛ መኽፈቲት ሕጥበ-ጽሑፍ ዘሎ ሓበሬታ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብመልክዕ ሓተታ ክሰምዖ ዝጽበዮ ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ን“ዜበታዊ፡ ዞባዊን ኣህጉራዊ ምዕባለታት” ኣመልኪቱ “ሰፊሕ ቃለ-ምልልስ” ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ከካይድ ልሙድ’ዩ። ፍልጠቱ ንምርኣይ ዝሕግዞ መዘኻኽሪ ኣርእስታት ምጥቃስ እምበር ሕቶ ቀሪቡልስ ኣይፈልጥን። ንኣብነት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ለካቲት 2020 ዝቐረበትሉ መዘኻኸሪት፤  “ክቡር ፕረዚደንት፡ ተራ ወይ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት – ሰማንያ ዓመታት ከመይ ተንብቦ? ኣብ መጻኢኸ ከመይ እዩ ክኸውን ትብል?”

እዚ ንመራሕ-ሃገር ዘይኰነስ ንተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፓጋንዳ ክኸውን ዝነበሮ’ዩ። ተራኦም ናብ ምንቕናቕ ርእሲን መሰጋገሪ ኣርእስቲን ጥራይ ዝተደረተ ጋዜጠኛታት ድማ ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝኸይድ ጽምልው ኣስተምህሮ (ደጓሒ ብርሃን ተወሲኹዎ) ቀንዲ ቃልሶም ንዘይምድቃስ’ዩ። (ኵሉ ግዜ ዕዉታት’ዮም ማለት ግን ኣይኰንነ። ንኣብነት፡ ኣስመላሽ ኣብርሃ ኣብ መፋርቕ 2000ታት ኣቐዲሙ ኣብ ዝተቐርጸ ቃለ-ምልልስ ድቃስ ወሲዱዎ። ባዕሉ ኢሳይያስ ስለ ዘስትወዓለሉ ከኣ፡ “ከይዱ’ኳ ወዲ ኣተስኡዎ’ባ፡” ኢሉዎም።)

ኢሳይያስ መግለጺታት ዘብዝሓሉ ምኽንያት ንሰማዕቲ ዘገድስ ሓበሬታ ስለ ዘይብሉ ጥራይ’ዩ፣ እምበር፡ ንምሕጻርስ ኣይተጸገመን። ንኣብነት፡ ብ13 ሓምለ 2018 ኣብ መመረቕታ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጭቡጥ ሓበሬታ (ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመት ንኢትዮጵያ ምኻድ) ስለ ዝነበሮ፡ እታ መደረ ሰለስተ ደቓይቕ ጥራይ ወሲዳ።

ንኽውንነት ዘይገልጹ ደርፍታት

ትርጕም-ኣልቦነት ቃላትን መግለጺታትን ብሓተታን ዜናዊ ስራሓትን ኣቢሉ ናብ ካልእ ዓውድታት፡ (ስነ-ጥበብ) እውን ሰጊሩ’ዩ። ሎሚ ክልተ ኤርትራ’የን ዘለዋ፤

  • ኣብ መራኸቢ-ብዙሓንን ደርፍታትን ዘላ’ሞ ንምሉእ ዓለም እተብህግ ኤርትራ
  • ብስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ተስፋ-ኣልቦነትን እትልለ (ነበርታ ጥራይ ዝፈልጡዎ) ሃገር።

ዘየምቲን ገጠምቲን ኤርትራ ንሓድሕድሮም ክወዳደሩን ኣብ ቅድሚ ናይ ቀረባ ሓለፍቶም መጐስ ክረኸቡን (ኣብ ሰራዊት እንተ ዀይኖም ናይ ሰሙናት ዕረፍት’ዩ) ኣብ ልብ-ወለዳዊ ዛንታ’ውን ንምፍጣራ ዘይተእመን ሃገርን መሪሕነትን’ዮም ሃኒጾም።

ብሰሎሞን ድራር ተገጢማ ብሄለን መለስ ዝተደርፈት “ኣድሃ ንበር” እትብል ደርፊ ንኽብሪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተገጥመት’ያ – “ኣድሃ ንበር ዓለም ጸገማታ ክትምርምር…/ይትረፍ ንሰብ ንጸሓይ ተድንን” ዝብል ካብ ሰብ ኣውጺኡ ናብ ምትሃታዊ ሓይሊ ዘዕርግ ትሕዝቶ ይርከባ። [“ኣድሃ ንበር” ንስዉእ ከም ዝገጠማ ደጋጊሙ ደኣ ይጥቀስ እምበር፡ ንስዉእ “ንበር”፣ “ኣብ ጸገማት መሊስካ ትስሓል” ክብሃል ከም ዘይከኣል ግን ኣይንስሕቶን።]

ኣብታ ሄኖክ ታደሰ ብዝተባህለ ተገጢማ ብተስፋኣለም ኣረፋይነ (ቆርጫጭ) ዝተደርፈት “ካልእ ሓርነት የሎን” እትብል ደርፊ’ውን፡  “ካልእ ሓርነት የሎን.. ኣሎ ንዝብሉና.. ከመይ ኢልና ንኣምን ዓይኒና ዝርእዮ ክሒድና… ብእዝንና… በጃኹም ኣፍኩም ክደኑ…/ እንታይ ንምባል እዮምከ ምቝሓት ዝብሉና/ ሰንሰለት ዘየሎ ኣብ ኢደ-እግርና…” ዝብል ኣገላልጻታት ኣሎ። እዛ ደርፊ ካብ በቲ ዘላቶ ቀዳማይ ገጻ፡ ብግርምቢጥ ወይ ኣሽሙር ክትወስዳ ዝቐረበ ትርጕም ትህብ። ዋዛን ቁምነገርን፡ ሕጫጨን ዕቱብ ቃናን ምፍላይ ከጸግም እንተ ጀሚሩ መርኣያ ዝለዓለ ምሽምሽና’ውን እዩ።

ሳሙኤል ኣልመደ ኣብታ “ከለኻን ከለካን” እትብል ግጥሙ “ክንዳኻ የለን ብዓል ኣይኒ ብርኪ/ እንታይ ይጋርደኪ ዘይጽግመካ ትኪ/ ጎቦ ትንውንው ባሕሪ ተንደቕድቕ/ ኣብ ሰልሚ ትዘልል ትዘልል/ ኣኻውሕ ትቐድድ. . .” ይብል እሞ፡  እቲ ዋጋ እናኸፈለ ንሃገሩ ዝጠቅም ክገብር ዝተኸልከለ መንእሰይ ግን ብኣፍራዛ ክዅዕት፡ ብኢዱ እምኒ ክግምጥል እዩ ዝርአ። ቀጺሉ በቲ መዓዳይ ቃናኡ፡ “ስለዚ ጐበዛይ ብርኪ ከይጠለመ/ ዳምዳም ደኣ በል ኣፍላ ከሎ ዕድመ/ እንግድዓ ንፍልሖ እዩ ስም እዩ ነባሪ/ ከለኻን ከለካን እዩ. . .” ይብል። ንንእስነቱ ክነብረሉ፡ ህይወት ከስተማቕረሉ፡ ክድሰተሉ፡ ቁምነገር ክገብረሉ. . . ኣብ ክንዲ ምምናይ ንትርጉም ህይወት ብዘማባዝዕ “ተገዛእ – ዘይንፍልሖ ኢኻ” ክብል ቃንዛ ካልኦት ክምቅሮ ይስማዕ።

“ዝእቶ ከሎ ዘይእቶ”

ቃላት ትርጕሞም እናጥፍኡ ምስ ከዱ፡ ካብ ቃል ናብ ተግባር ናይ ምልዋጥ ሓይሎም’ውን ምስኡ’ዩ ዝደክም። ክንዲ ዝዀነ ከኣ መምርሒታትን መግለጺታትን ፍርቂ ወይ ርብዒ ናይቲ ክህሉዎ ዝኽእል ሓይሊ ጥራይ ይትግበር። ህዝቢ ትርጕምን ክብደትን ቃላት ምስ ጠፍኦ ድማ እቲ መንግስቲ’ውን ናይ ምእዛዝ ሓይሉ ይደክም። ሓደ ምኽንያት ናይዚ ኣብ ቦታኡን ዘይቦታኡን ዝኣቱ ክቱር መጠንቀቕታት’ዩ።

ሕጊ ወይ መምርሒ ዘውጽኡ ሰባት ወይ ትካላት ካብቲ ዝተባህሎ ብሓደ ወይ ክልተ ደረጃ ትሒቱ/ፈዂሱ ከም ዝትግበር ስለ ዝፈልጡ፡ እቲ ኣብ ወረቐት ዘቐምጡዎን እቲ ክትግበር ዝጽበዩዎን በበይኑ’ዩ። ነዚታት ብጽቡቕ እትገልጽ ናይ ግርማይ ዮሃንስ (ሳንዲያጎ) ናይ ትራፊክ መወዓውዒ ነይራ። ኣብ ብሽክለታ በጊዕ ሓንጊሩ ኣንጻር መገዲ ክኣቱ ንዝጐነፎ ሳንዲት፡ “እዚ መገዲ ሓደ ኣንፈት (one-way)’ዩ፣ በዚ ኣይእቶን’ዩ” ኢሉ ይሕብሮ። ብዓል በጊዕ/ብሽክለታ ድማ፡ “ግደፈና…ዝእቶ ከሎ ዘይእቶ’ሎ፣ ዘይእቶ ከሎ ከኣ ዝእቶ’ሎ፡” ይብሎ።

እዛ ኣበሃህላ’ዚኣ ንብዙሕ ክውንነት ኤርትራ ትገልጽ’ያ። ብቐንዱ እቲ ብደገ ዝብሃል ምልክታን ብውሽጢ ዝሰርሕን በበይኑ ምዃኑ’ዩ።

* * *

ቃላት ራዕዲ

ስርዓት ናዚ ጀርመን ኣስታት 6,000 ሓደስቲ ቃላት ከም ዘተኣታተወ (ንገለኣቶም ኣዘንቢዖም፡ ኣዋሲቦም፡ ትርጕሞም ቀዪሮም) ተመራመርቲ ይጠቕሱ። እዞም ሓደስቲ እታዋት ነቲ ዝካየድ ግፍዒ ዝሽፍኑ፡ ንቕትለት ምኽኑይ ዝገብሩ፡ ወይ’ውን ሓደስቲ ክስተታት ከም ዘሎ ከርእዩ ዝሕልኑ’ዮም።

እዚ ኣብ ኤርትራ’ውን ብገለ ወገናቱ ይንጸባረቕ’ዩ። “ወረቐት መንቀሳቐሲ”፡ “ወረቐት ህላውነት”፡ “ናይ ዕጠቕ”፡ “ናይ ጣዕሳ”፡ “ክልተ ካብ ሚእቲ”፡ “ነባርነት”፡ “ናይ ድጋፍ”፡ “መሰነይታ” ወዘተ. ዝብሉ ክጥቀሱ እንከለዉ ጥራይ ራዕዲ ዘእትዉ፡ መካይድቲ ምልካዊ ስርዓት ኰይኖም’ዮም። ንኣብነት “መንቀሳቐሲ” እትብል ቃል ኣብቲ መበቈላ፡ “መወሳወሲ፣ ንብልዒን ግዜኣዊ መስተን ዝኸውን ገንዘብ፣ ንኣብነት ምስ ኣዕሩኽ ንምዝንጋዕ ኣብ እትወጸሉ” ዘመልክት’ዩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ኣብ ብሎኮ ወይ ግፋ (ክልተአን ቃላት ኣካል ራዕዲ’የን) ንምስጋር እትተሓዝ ወረቐት ጥራይ ተሓጺራ።

ነቲ ግፍዒ ንቡር ምምሳሉን ንዝውሰዱ ስጕምታት ምኽኑይ ንምግባሩን ዝፍትኑ ወተሃደራውያን ቃላት ከም “ኰብላልነት”፡ “ሃዳምነት”፡ “ስግረ-ዶብ”፡ “ወተሃደራዊ /ኣርሚ ስጕምቲ”፡ “ተሃድሶ” ወዘተ. ኣካል ዕለታዊ ቋንቋ ኰይኖም እዮም። እዞም ቃለት’ዚኣቶም ልዕሊ ዝግበኦም ክብደት ስለ ዝተዋህቦም ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ብዘይ ሕጊ ሰብ ምእሳር፡ ምጕስቓልን ምቕታልን ንቡር የምስሉዎ።

ገለ እዋን እቶም ቃላት እንከለዉ’ውን ካልእ ዝተፈለየ ዕማም ከም ዘሎዎ ንምምሳል ሓደስቲ ቃላት ይምስርሑ፣ ወይ’ውን ኣብ መስርሕ መበቈላዊ ትርጕሞም እናኣህሰሱ ይኸዱ። ንኣብነት፡ ኣብ ትግርኛ ልሙድ “ርእይቶ ኣንበብቲ/ሰማዕቲ” እንከሎ፣ ሚኒስትሪ ዜና ነታ ናይ እንግሊዘኛ “feed-back” ቃል ብቓል ተርጕሞም “መልሰ-ዕንጋለ” ይብሉዋ ነይሮም። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብ ትግርኛ ብዕምቈት ዝገልጹ ቃላት እናሃለዉ ነቲ ዝዛረቦ ፍሉይ ንምምሳል ብሕልፊ ካብ ዓረብኛ ኣብ ዘረባኡ ከእቱ ይስማዕ እዩ – ከም “ጥሙሕ” ዝኣመሰለ። (ኣብ ግዜኡ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቋንቋ ትግርኛ ሓጪጮምን ድኢሎምን እዮም። መራኸቢ-ብዙሓን ግን ንእለቱ’የን ነቲ ቃላቱ ዘዘውትሩዎን ከም ዝልመድ ዝገብሩዎን።)

ካልኦት ቃላት ምስ ግዜ ትርጕሞም ተቓጢኑ’ዩ። ንኣብነት “ምጥያስ” ዝብል ቃል ነቲ ናይ እንግሊዘኛ “rehabiliation” ዝውክል’ዩ። ትርጕም ናይዚ ቃል ከም ተኪአ ተስፋይ ኣብ ዘመናዊ መዝገበ-ቃላት ኣስፊሩዎ ዘሎ ከኣ “ተጣየሰ (ግ)—1. ኣብ ዓዲ፡ ገዛ፡ ጥሪት ገበረ፣ ቤት ሰሪሑ ተቐመጠ 2. ኣብ ሓደ ቦታ ኸይዱ ሰፈረ፣… 3. እግሪ ተኸለ” ማለት’ዩ። እዚ ከም ቃል ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ሕብረተሰብና ነዊሕ ሰረት ዘለዎ እዩ። ወግዓዊ ስም ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኮሚሽን’ውን፡ “ኮሚሽን ምፍናውን ምጥያስን/Demobilization and Rehabilitation” ዝብል’ዩ። ምስ ግዜ ግን እዛ ቃል “ምፍናው” ወይ “ሓራ ምዃን” ከም ማለት ኰይና። ካብ ሰራዊት ምፍናው ከም ምጥያስ’ዩ ዝሕሰብ – ዋላ’ውን ብዘይ ዝዀነ መትከሊ እግሪ። እታ ቃል ብጌጋ ግንዛበ ናብ ህዝቢ ስለ ዝተሓወሰት እምበኣር ካብ ሰራዊት ምፍናው ጥራይ ዘይኰነስ፣ “ኣጣይስዮ እንዶ፣ ቀይሕ ካርድ ሃብዮ” እናበላ መንእሰያት ክዛረባ ይስመዓ’የን። እዚ ምልውዋጥ ትርጕም እቲ ሓቀኛ “ምጥያስ” ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይርአ’ዩ። ናይ ብዙሕ ሰብ ህርፋን ካብ ሰራዊት ምፍናው ጥራይ ስለ ዝዀነ ግን ንዕኡ ከም እግሪ ምትካል ገይሩ ይጽውዖ።

መብዛሕትኡ ህዝባዊ ምልክታት ኤርትራ (ካብቲ ባኒ ኣብ ሰዓቶም እንተ ዘይወሲዶም ክውሰድ ወይ’ውን ‘ክህገር’ ምዃኑ ዝሕብር ብዓል ድኳን ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ሓባሪ ዘይኰነስ መፈራርሒ’ዩ።) “ነጠንቅቕ”፡ “ነተሓሳስብ”፡ “ተሓተትቲ ኣይኰናን”፡ ዝውቱር መዛዘሚ ቃላት ህዝባዊ ምልክታታት’ዩ። ምስ ግዜ እቶም ቃላት ናይ ምፍርራሕ ሓይሎም ይጐድል ጥራይ ዘይኰነስ ከም ተራ መላገጺ ዘረባታት ክውሰዱ ይጅምሩ። ነዚ ዘስተውዕል ኣካል መንግስቲ ድማ ካብኡ ዝዓቢ ስጕምቲ ክወስድ ግድን ይኸውን። ንኣብነት ኣብ 2003 ናብ ሳዋ ክወርዱ ዝተሓበሩ ምሩቓት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ዳርጋ ኵላቶም ነቲ ዝወጽአ ምልክታ ሸለል ኢሎም ናብራኦም ይገብሩ ነይሮም። ድሕሪኡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንዅላቶም እቶም ተጸዊዖም ናብ ሳዋ ዘይወረዱ ምሩቓት ኣስማቶምን ዝተማህሩሉ ክፍሊን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ  ዘርዚሩ ኣብ ሓጺር እዋን ክወርዱ ኣጠንቂቑ ወይ ድማ ንወለዶም ኣፈራሪሑ።

ንምርዓድ ዝዓለሙ ተረርቲ መሰል መግለጺታት ነቲ ከርዕዱዎ ዝሕለን ኣካል ፈጺሞም ከርክብሉ ስለ ዘይክእሉ፡ ኣብ መወዳእታኦም ነቲ ክሰምዖም ዝኽእል ኤርትራዊ ጥራይ’ዮም ራዕዲ ዝፈጥሩ። ንኣብነት ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዋላ’ውን ቀጠር ኣብቲ ዞባ ኣመልኪቱ ዝወጽእ መፈራርሒ፡ ክንዮ ነቶም ኣበገስቱ ተመሊሱ ፍርሒ ብምፍጣር ናብ ካልእ ከም ዘይበጽሕ ኣዳልውቱስ ኣይጠፍኦምን’ዩ። ብኸምኡ ከኣ’ዩ ስሕት ገለ እዋን ኣብ መንጎ ውጹእ ላግጺን ባዕለ-ምፍርራሕን ዝኸደ መግለጺታት ዝወሃብ። ንኣብነት፡ ኣብ መፋርቕ 2000’ት ንውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝኸስስ ተሪር መግለጺታት ይወጽእ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን መግለጺታት ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ናይቲ እዋን) ጋናዊ ኮፊ ኣናን ክጠቕሱዎ እነከለዉ፡ ደጋጊሞም “ኮፊ ዓናን” ይብሉዎ ነይሮም። እዚ ላግጺ’ዚ ክንዮ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ዝኸይድ ትርጕም የብሉን።

ብዘይካ’ቲ ብመንግስታዊ ኣካላትን መሓውራቱን ዝምራሕ ምምሽማሸ ቋንቋ፡ ከም ሳዕቤን ፍርሒን ነብሰ-ምክልኻልን ዳርጋ ንዅሉ ሰብን ነገርን በቲ ንቡር ስሙ ዘይኰነስ ብመረዳድኢ ቋንቋ’ዩ ዝዘራረብ።

ወትሩ ኣብ ክትትል ጸጥታ ወይ ድማ ካልእ ክፈልጥ ዘይድለ ሰብ ከም ዘሎ ዝኣመነ ህዝቢ ኤርትራ ብምስጢር ምዝራብ ተላቢሱዎ’ዩ። ተለፎን እቲ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ ንምሕታት እምበር ዝዀነ ሓበሬታ ክትለዋወጠላ ዘይትኽእል መሳርሒ ተወሲዳ። ብተምሳሌት፡ ውክልናን ተዘዋዋሪ መገዲን ምዝራብ – ንድሕነት ተባሂሉ ዝማዕበለ ደኣ ይዅን’ምበር – ቀጥታዊ ምብህሃል ከይህሉ ዝጋርድ’ዩ።

መግለጺታት ሽበራን ትርጕም-ኣልቦ ሓረጋትን ክስስኑ እንከለዉ እቶም እናሓደሩ ካብ መዝገብ ዝሕከኹ ዘለዉ ድማ ከም ብዓል፤ “ፍትሒ”፡ “ምርጫ”፡ “ሕርያ”፡ “ደሞክራሲ”፡ “ዕድላት”፡ “ማዕረነትን” “መሰልን” እዮም።

. . . ዘቕረብኩዎ ኣብነታት ኣብ ትግርኛ ጥራይ ዝተሓጽረ ደኣ ይዅን’ምበር፡ ብሕልፊ’ኳ ኣብተን ናይ ጽሑፍ ደረጀአን ኣመና ዘይማዕበለን ማዕረኡ ድማ ፖለቲካዊ ኣምራትን ቃላትን ድሩት ዓቕሚ ዝጸንሐን ቋንቋታት ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ንምግማቱ ኣየጸግምን።

_________________

*ኣብርሃም ተስፋልኡል ፈጻሚ ዳይረክተርን ኣሰናዳኢን ፐን ኤርትራ ኰይኑ zere@peneritrea.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email