ብቴድሮስ ኣብርሃም ጸጋይ*
ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ሓደ ግዜ፡ ሓደስቲ ሓበሬታታት እንተለው ንምክትታል ውሱናት መርበባት ዩትዩብ ሃሰስ ምባል ልማድ ኣሎኒ። ኣብ መንጐ’ዚ ስእሊ መስራቲን ኣሰናዳኢን ጋዜጣ ሰቲት ነበር ኣሮን ብርሃነ ተዓዘብኩ’ሞ ንሱ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ’ዩ ዝኸውን ኢለ ክሓልፎ ምስ በልኩ ግን መርድእ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ኣእምሮይ ነቲ ዜና ንምቕባሉ ደኣ ይሓንግድ እምበር፡ እቲ ዜና ብቴለቪዥን ኣሰና ዝተዳለወ ምዃኑ ኣስተውዒለን ኣድላዊ ኣማኑኤል ኢያሱ ምስ ኣሮን ብርሃነ ዝነበሮም ቅርበት ዘኪረን ስኑዕ ዜና ክኸውን ከም ዘይክእል ተገንዘብኩ። ዝያዳ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ዳርጋ ከይተረድኣኒ፡ እቲ ዓጽየዮ ዝነበርኩ ፈይስቡከይ ዳግም ኣበራቢረ እቲ ዘይተርፍ ሓበሬታ–ብቐንዱ ከኣ ዘይጽወር መርድእን–ክብርብር ጀመርኩ።
እቲ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ስፍራ ዝነበሮ፡ ከም መሳርሕተይን ሓላፊየይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ከም ዓቢ ሓወይን ከም ምሳሌይን እናረኣኽዎን ዝዓበኹ ኣሮን ብርሃነ፡ ንሓዋሩ ካብዛ ዓለም ከምዝተሰናበተ ክኣምን ምእማን ቀሊል ኣይንበረን፣ ንዓመታት’ውን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።
ሌላና ምስ ኣሮን
ረቡዕ 17 ግንቦት 2000 ዓ.ም ከም ቀዋሚ ኣባል ጋዜጣ ሰቲት ኰይነ ስራሕ ጀመርኩ። ቅድሚኡ ኣብ ሓምለ 1999፡ ብዛዕባ ፈስቲቫል ኤክስፖ ዝነበረ ንጥፈታት ጽሑፍ ሒዘ ናብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ሰቲት ከይደስ ፈለማ እዋን ነቲ ብስሙ ጥራይ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ኣሮን ክረኽቦን ክላለዮን በቒዐ’የ። ኣብቲ ፈለማ ዘርኣየኒ ኣዝዩ ኣተባባዒ ኣቀባብላን እታ መላለዪት ክትኰነኒ ዝበልኩዋ ፈላሚት ጽሕፍቲ ኣብታ ኣዝያ ዘኽብራ ጋዜጣ ምውጻኣን እምበኣር፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኛ ንኽቕጽል ናይ ፈለማ ድርኺት’የን ነይረን።
ድሕሪ 10 ወርሒ ግን፡ መጻኢ ህይወተይ ዝቐለሰ ሓደ ፍጻመ ኣጋጠመ። ኣብቲ ብልምዲ «ሳልሳይ ወራር» ኢልና እንጽውዖ ኲናት ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ሓያሎ ምዕራባዊ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ስለ ዝወዓለ፡ ልዕሊ 18 ዝዕድመኡ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን ንታዕሊም ንጋሕቴላይ፡ ኣቐዲሞም ታዓሊሞም ዝነበሩ ድማ ንግንባራት ብቐጥታ ክኸቱ ተእዛዝ ወረደ።
ኣብዚ ህሞት ወዲ 17 ዓመት ስለዝነበርኩ፡ እቲ ናይ ክተት ኣዋጅ ኣይምልከተንን ነበረ። ነቶም ደቂ ገዛውተይ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ንምፍናው፡ ናብ ስታድዮም ኣስመራ ምስ ከድኩ ግን እቲ ኣቐዲመ ዝተላልኹዎ ኣሮን ብርሃነ እንደገና ዝርኣኹዎ። ኣሮን ነቲ ናይ ክተት ጻውዒት ብምቕባል፡ ሳንጥኡ ጠቕሊሉ ሓደ ካብቶም ንግንባራት ዝወፍሩ ዝነበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ነበረ። ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተሰቒሉ እንከሎ፡ ክፋነዎ ስሙ ጸዋዕኩዎ፣ ንሱ ግን ኢዱ ደኣ የወሳውሰለይ እምበር ቈላሕታኡስ ናብ በዓልቲቤቱን ደቁን ጥራይ ይመስል ነበረ። ኣሮን ተመሃራይን ጋዜጠኛን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን’ውን ነበረ። ሓዳሩን ስራሑን ብምጥንጣን፡ ነታ ዕድመ ንእስነቱ ዝሃባ ሃገር፡ ሕጂ’ውን ህይወቱ ከወፊ ናብ ዓውደ ኲናት ክፋለም ነቐለ።
ብድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ሓደ ነገር ናብ ኣእምሮይ ቅጅል በለኒ። እታ ወትሩ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ዝነበርኩ ወትሩ ዓርቢ እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ሰቲት፡ ብዘይ ኣሮን ብርሃነ እንታይ ክትከውን’ያ ዝብል። ካብቲ ዝፈራኩዎ ኣይወጻኹን፡ ጋዜጣ ሰቲት ካብ ዕዳጋ፡ ሓደ ዓርቢ ጠፍአት። እታ ንጽባሒቱ ቀዳም እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ዘመን’ውን ከምኡ። በዚ ድማ፡ ኣነ ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ተዓጽዩ ብምንባሩ፡ ገለ ከበርክት ይኽእል’የ ኢለ ብምሕሳብ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ሰቲት ኣምራሕኩ።
ዳዊት ይስሓቕ’ዩ ተቐቢሉኒ። ንዳዊት ንፈለማ ግዜ እየ ዝርእዮ ዝነበርኩ። ቅድሚ ሕጂ ናብ ጋዜጣ ሰቲት ጽሑፍ ኣበርኪተ ምንባረይን፡ ምስ ኣሮን ከም ዝፋለጥን ብምሕባር፡ ብዛዕባ ኣብተን ካልኦት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝነበረኒ ሓጺር ኣበርክቶ’ውን ብምዝርዛር፡ ምስ ጋዜጣ ሰቲት ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለኒ ሓበርኩዎ።
ኣሮን ብርሃነ፡ ስምረት ስዮም፡ ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤልን ያቆብ ርእሶምን ብምኽታቶም ዓቢ ሃጓፍ ተፈጢሩ ብምንባሩ፡ ዳዊት ሰብ ከም ዘድልዮም ሓበረኒ። ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል ዓምዲ ትንታነ ዜና፣ ያቆብ ርእሶም፡ ዓምዲ ስፖርት ዘዳልው ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣሮን ኣብ ምርታዕ ጽሑፋትን ምስ ዲፕሎማሰኛታት ቃለ-መሕትት ኣብ ምክያድን ብዝያዳ ይነጥፍ ነበረ። ስምረት ስዩም ድማ ኣብ ምሕደራዊ መዳያት እታ ጋዜጣ።
ዳዊት እምበኣር፡ «ብቕዓትካ ንምርግጋጽ ሓጻር ካብ እንግሊዝኛ እትትርጎም ጽፍሕቲ ክህበካ’የ እሞ፡ ድሕሪኡ ምሳና ክትሰርሕ እንተደኣ ብቕዓት ሃሊካ ክግምግም ኢየ» ብምባል፡ ሓንቲ ብሮይተርስ ዝተጻሕፈት ዜና ክትርጒማ ሃበኒ። ኣብ ሓጺር ግዜ ብምትርጓመይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣሰራርዓን ኣጠቓቕማን ቃላት ዝነበረኒ ብቕዓት ብምንኣድ፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ክሰርሕ ኣፍቀደለይ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ከም ጋዜጠኛታት ኰይኖም ኣብ ሰቲት ክሰርሑ ዝጸንሑኒ ፍሰሃየ የውሃንስ (ጆሽዋ)ን ኤደን ኢያሱን ጥራሕ ነበሩ። ዳዊት ይስሓቕ’ውን፡ ንዓይ ድሕሪ ምቝጻሩ፡ ናይ ሽወደን ዜግነት ስለዝነበሮን፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን’ውን ኣብኡ ብምባሮም፡ ቀጻሊ ናብ ሽወደን ይመላለስ ነበረ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ስራሕ ምጅማረይ እምበኣር፡ ዳዊት ናብ ሽወደን ብምምላሱ፡ ኣነን ጆሽዋን ኤደንን ጥራሕ ተረፍና። ጀሽዋ ከም ዋና ኣሰናዳኢ፡ ኣነን ኤደን ድማ ከም ጋዜጠኛታት። ለይቲን ቀትሪን ብምስራሕ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብምዕባስ፡ ንቐጻልነት ጋዜጣ ሰቲት ኣውሓስና።
ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዛዚሙ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብውዕል ኣልጀርስ ዝፍለጥ ውዕል ሰላም ኣብ ታሕሳስ 2000 ምስ ተኸተመ፡ ኣሮን ከምቶም ካልኦት ዝኸተቱ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ስምረትን ያቆብን’ውን፡ ብተመሳሳሊ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ብምንባሮም፡ ካብ ግንባር ተመሊሶም ኣብ ሰቲት’ውን ስራሖም ቀጸሉ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ኣሮን፡ ትምህርቱ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብዲግሪ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተመረቐ። ኣሮን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበረ እዋን፡ ዳዊት ይስሓቕ’ዩ ከም ዋና ኣሳናዳኢ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ። ድሕሪ መመረቕታ እምበኣር’ዩ ኣሮን፡ ንዳዊት ብምትካእ ከም ዋና ኣሰናዳኢ ብምኻን፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ሓደሽቲ ዓምድታት ከምዝተኣታተው ብምግባር፡ ከምኡ’ውን እታ ሓደ ግዜ ጥራሕ ኣብ ሰሙን እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ናብ ክልተ ሰሙናዊት፡ ማለት ዓርቢን ሰሉስ ከም እትሕተም ብምግባር ቀላሲ ተራ ተጻወተ።
ኣነ ኣብቲ እዋን ክቱር ፍቕሪ ሞያ ጋዜጠኝነት ደኣ እምበር፡ እኹል ስልጠና ኣብቲ ሞያ ኣይነበረንን። ኣሮን ንዝነበረኒ ጽምኣት ብምርኣይ፡ ዜና ብኸመይ ከዳልው ከምዘለኒን፡ ነቐፌታውያን ጸብጻባት ብኸመይ ክጽሕፍ ከምዘለኒ ስልጠና ብምሃብ፡ ንመንግስቲ ዝብድሁ፡ መረረ ህዝቢ ምርኵስ ዝገበሩ ዓንቀጻት ክጽሕፍ የተባብዓኒ ነበረ። ከም ኣብነት ብዛዕባ ካብቶም ኣብ ማእከል ገዛውቲ፡ ከም ምህራም ጭራን ኣርባዕተ ኣስመራን፡ ተደኲኖም ዝነበሩ ፋብሪካታት ጡብ፡ ዝወጽእ ዝነበረ ትክታትን ጠንቂ ጥዕና ነበርቲ ብምዃኖም ንዝቐርብ ዝነበረ ጥርዓንን መረረን ህዝቢ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ምስሕሓብ መሬት ዓድታት ስኛራን ሮራ ቤት ገብሩን ዞባ ዓንሰባ፡ ካብተን ሓያለ ዝጸሓፍክወን ዓንቀጻት ይዝክር። ኣሮን ኣብ ምድላው እዘን ዓንቀጻት፡ ብምትብባዕን ዓቢ ሞያዊ ምኽሪ ብምልጋስን ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ።
ኣሮን ከም ጋዜጠኛ
ኣሮንን ምስ ስምረትን ቀልጢፉ ዝገደፎ ሃብቶም ምሕረትኣብን ብምዃን ንጋዜጣ ሰቲት ኣብ 1997 መስሪቶማ፡ በዚ ድማ ቦኽሪ ብሕታዊት ጋዜጣ ብምዃን በሪ ከፈተት። ኣሮን ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ካብቲ ንህዝቡ ንምግልጋል ዝነበሮ ዓቢ ጽምኣት ዝምንጩ ነበረ። ከም ኩሉ ሰብ ስለ ነጻነት ኤርትራ ሰለስተ ኣሕዋቱ ሰዊኡን፡ ንሱ’ውን ገና ወዲ 9 ዓመት እንከሎ ንሳሕል ኣብ 1978 ወሪዱን ኢዩ።
ኣሮን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ናጽነት ከስተማቕር ሓሳቡ ብግቡእ ክገልጸሉ ዝኽእል ዕድል ክህሉዎ ምስ ዝኽእል ጥራሕ ምዃኑ እምነት ነበሮ። በዚ ምኽንያት እምበኣር’ዩ፡ ጋዜጣ ሰቲት ኣብ ምጅማር መሪሕ ግደ ዘበርከተ። ፍቕሪ ጋዜጠኝነት፡ ብሞያዊ ብቕዓት ምስ ዝስነ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ብዝነበሮ ተሪር እምነት፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ጋዜጠኝነት’ውን ከጽንዕ ወሰነ።
ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ እቲ እንኮ ብሞያ ጋዜጠኝነት ዝተመረቐ ኣሰናዳኢ ነበረ። ብጋዜጣ ሰቲት ዝሕተም ጽሑፋት ሚዛናውነት ክሕሉን ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ክምርኰስን ኣሮን ወትሩ ጸቒጡ ይዛረብ ነበረ።
ኣሮን ከም ኣሰናዳኢ፡ ንጸሓፊ ምሉእ ናጽነት ዝህብ፡ ኣብ ዝቐርቡ ጽሑፋት ድማ ምኽኑያት ገምጋም ብምሃብ ዘርትዕ ኣሰናዳኢ ነበረ። ንፉዕ ጸሓፊ፡ ንፉዕ ጋዜጠኛ ማለት ኣይኰነን ዝብል እምነት ነበሮ። ጋዜጠኛ ናይ ምጽሓፍ ብቕዓት ጥራሕ ዘይኰነስ ሞያዊ ስነ-ምግባር ዘለዎ፣ ስሚዒታዊ ዘይኰነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንኹርናዕ ጠመተ ህዝቢን መንግስቲን ብምትእንጋድ ሚዛናዊ ጽሑፍ ከምዝቐርብ ብምግባር፣ እቲ ፍርዲ ነቲ ኣንባቢ ክሕደግ ኣለዎ ይብል ነበረ።
ኣሮን ሓያለ ጻዕርታት ብምግባር፡ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ዛዕባታት ብምልዓል፡ መጽናዕቲ ብምግባር፡ ሓያለ ጽሑፋት ንንባብ ኣብቂዑ ኢዩ። ገለ ካብቶም ዝጸሓፎም ዓንቀጻት፡ ብዛዕባ ምዕዳል መሬት ኣብ ዞባ ማእከል፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኦርቶክስን ኣባላት ተሓድሶን ዝነበረ ምስሕሓብ፡ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣሮን ኩነታት ሃገርና ኣዝዩ የተሓሳስቦ ነበረ። ብፍላይ ድሕሪ ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን፡ ምጅማር ተቓውሞ ብጉጅለ 15ን፡ ኣሮን መንግስቲ ንኹለን ጋዜጣታት ብሕቲ ክዓጽወን ከምዝኽእል ዝነበሮ ስክፍታ የካፍለኒ ነበረ። ብፍላይ ቀቅድሚ ምዕጻው ጋዜጣታት፡ ንኹላትና ጋዜጠኛትታ ብሕቲ፡ ብቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ ብኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደት ዝነበረ የማነ ገብረመስቀልን፡ ሓላፊ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘምህረት የውሃንስን ዝተመርሐ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ዋላ’ኳ ኣብ ምንታይ ዛዕባ ከም ዝካየድ ኣቐዲሙ ዝተሓበረና ነገር እንተዘይነበረ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ግን፡ ብጥቕልሉ ናጽነት ፕረስ ዝበሃል ከምዘየለ፡ እተን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘለዋ ማዕከናት ዜና’ውን እንተዀና፡ ንጸቢብ ረብሓ ጉጅለታት ዘገልግላ ምዃነን ብመረዳእታታት ብምስናይ እናተበራረዩ መግለጺ ሃቡና።
ድሕሪ ኣኼባ ነናብ ቤት ጽሕፈትና ምስ ተመለስና፡ ንኣሮን ነቲ ኣኼባ ከመይ ረኺብካዮ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ ‘መንግስቲ ብዝኾነ ሰበብ ነዘን ጋዜጣታት ክዓጽወን ከም ዝእኽል ዘአንፍት ኣኼባ ኢዩ ነይሩ’ ክብለኒ እንከሎ ይዝክር። ኩላትና ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸብና ጋዜጠኛታት ምሉእ ሽምና ብምጽሓፍ፡ ክታምና ከነንብር’ውን ተገደድና። ብርግጽ ከምቲ ኣሮን ዝበሎ፡ ናይ መወዳእታ ደወል ኢዩ ነይሩ እቲ ኣኼባ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ እታ ናይ መወዳእታ ሕታም ጋዜጣ ሰቲት ሰሉስ ምስ ወጸት፡ ኩለን ጋዜጣታት ብምሕቲ ካብ ስርሐን ንግዚኡ ከምዘቋርጻ ተገይረን ኣለዋ ዝብል ኣዋጅ፡ ሰሉስ ንግሆ 18 መስከረም፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ብጋዜጠኛ ነፍሲሄር ሰለሙን ኣበራ ተነበ። ኣብዚ ህሞት እዚ፡ እቲ ኣቐዲሚ ዝነቐሐ፡ ጋዜጠኛን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ ደበናን ዝነበረ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ብሕማም ዝዓረፈ ሚልኪያስ ምሕረተኣብ፡ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ምስ ካልኣዩ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ኣቃልሓ።
መንግስቲ ብብሓደ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ 15ን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ንኣሰናዳእቲ ጋዜጣ ብሕቲ’ውን ክኣስር ጀመረ። ኣብዚ ህሞት ፍስሃየ የውሃንስ (ጆሽዋ)ን ዳዊት ይስሓቕን፡ ካብ ሰቲት ክእሰሩ እንከለው፡ ኣሮን ብርሃነን ስምረት ስዩምን ግን ተሰወሩ። መዓጹ ጋዜጣ ሰቲት ተሸጎረ። ተዓሺጉ ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ልዳት ተለጢፍዎ ይርአ።
ኣነ ኣቐድም ኣቢለ፡ ኣብ መንጎ ዓድታት ስኛራን ሮራ ቤትገብሩን ዝነበረ ናይ መሬት ምስሕሓብ ዓንቀጽ ንምጽሓፍ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ብፖሊስ ዞባ ማእከል ተኣሲረ ነበርኩ። ኣሮን ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእ ብዙሕ ጻዕርታት ገበረ። እቲ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ጉዳይ ምስ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተኣሳሰር ብምንባሩ፡ ኣዝዩ ተነቃፊ ጽሑፍ ነበረ። ኣነ በቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመኒ ምፍርራሕን ምግቡዕባዕን በርጊገ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ ነቲ ጽሑፍ ከም ዘይቅጽሎ ንኣሮን ሓበርኩዎ። በዚ ድማ ኣሮን ንዳዊት ይስሓቕ እቲ ጉዳይ ዋላ’ኳ ተነቃፊ እንተነበረ፡ ሓቅነቱ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ ብምባል፡ ክሳዕ ናብ ከረን ብምኻድ ጽሑፍ ከምዝቐርብ ገበረ። ዳዊት’ውን ሰፊሕ ጸብጻብ ብምቕራብ፡ ኣዝዩ ዝንኣድ ስራሕ ሰርሐ።
ኣሮን ከም ሰብ
ኣሮን ብርሃነ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ዝርኣኽዎም ብባህርያቶምን ትሕትናኦምን ኣብነታውያን ዝበሃሉ ሰባት ኢዩ። ኣነን ኣሮንን ብዕድመ ይኹን ትምህርቲ ዋላ’ኳ ዓቢ ፍልልይ እንተነበረና፡ ንኣሮን ግን ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ዓቢ ክብሪ ብምሃብ ምስ ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ክረዳዳእ ዝኽእል ሰብ ነበረ።
ኣነን ኣሮንን መዓልታዊ ንግሆ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፡ ካብ ቤት ጽሕፈትና ብምውጻእ፡ ኣብታ ኣብ ናቕፋ ሃውዝ እትርከብ እንዳ ሻሂ ብምኻድ፡ ቡን ናይ ምስታይ ልማድ ነበረና። በዚ ድማ ንኣሮን ከም ጋዜጠኛ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ከም ሰብ መን ምዃኑ ክፈልጦ ዕድል ረኸብኩ። ኣሮን ብዛዕባ ማሕበራዊ ኵነታት ህዝቢና፡ ብዛዕባ ደቁን በዓልቲ ቤቱን፡ ብዛዕባ መጻኢ ትልምታቱን፡ ገለ ካብቶም ዘካፍለኒ ዝነበሩ ዕላላት ነይሮም።
ኣሮን ብዘይካ እዚ ኣዝዩ ህዱእን ዓቃልን ሰብ ነበረ። ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ብዙሕ ዝደኸመላ ዶክመንት ብጌጋ ካብ ኮምፒተር ደምሲሰያ። እቲ ዝገበርኩዎ ጌጋ ምስተረድአ፡ ኣነ ኣዝዩ ክቝጣዕ’የ ተጸብየዮ። ካብቲ ዝገረመኒ ግን፡ ኢዱ ኣብ ኣፍ ብምሓዝ፡ ነዊሕ ዝንን ብምባል ‘ብዙሕ ዝደኸምክሉ ስራሕ’ዩ ነይሩ፡’ ብምባል ከም ቀሊል ነገር ሰጊሩዎ ሓለፈ።
ኣሮን ኣብ ስደት
ኣሮን ኣብ ስደት ናብ ሃገረ ካናዳ ምስ ገዓዘ፡ ኣነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝነበርክሉ ወትሩ ደሃየይ ይገብር ነበረ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣነ’ውን ከም ሰበይ ናብ ስደት ኣብ መወዳእታ 2007 ኣምራሕኩ። ካብ ሱዳን ብመንገዲ ው.ሕ.ሃ ናብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝግዕዝ ኣብ ምግባር ከይተሓለለ ሰርሐ። ዳርጋ መዓልታዊ ኢሜል ብምጽሓፍ ሃለዋተይ ይከታተል ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ነሓሰ 2009 ናብ ሃገረ ኖርወይ ምስ ገዓዝኩ’ውን ርክብና ቀጸለ።
ምስ ኣሮን ኣብታ ብሓባር እንነጥፈላ ዝነበርና ማሕበር ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት፡ ምስ ካልኦት ብጾት ብሓደ ብምስራሕ ኣፍ እቶም ኣብ ፍቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዓጽዮም ንሞት ዝተፈርዱ ብጾትና ብምዃን ሰራሕና። ኣሮን ኣብዚ ማሕበር፡ ሓደ ካብቶም መሪሕ ግደ ዝነበሮም ጋዜጠኛታት’ዩ።
ብድሕሪ እዚ ኣብ 2015 ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣሮን ካብ ካናዳ ኣነ’ውን ካብ ኖርወይ ንምስታፍ ስለ ዝመጻእና፡ ድሕሪ 14 ዓመት ንፈለማ ግዜ ገጽ ንገጽ እንራኸበሉ ዕድል ተፈጥረ። ነዊሕ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘሕለፍናዮም ምቁራት ግዜን፡ ዝሓለፉ ፈተናታትን ከነዋግዕ ዕድል ረኸብና።
ድሕሪ እዚ ኣነ ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተኣልየ ናብ ካልእ መገዲ ህይወት ስለ ዝቐጸልኩ፡ እቲ ምስ ኣሮንን ካልኦት ጋዜጠኛታት ብጾተይን ዝነበረኒ ርክብ’ውን እናዛሕተለ መጸ። በዚ ድማ ምስ ኣሮም ነዊሕ ከይተራኸብና እንከለና’ዩ፡ ሃንደበት መርድእ ሞቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሰማዕኩ።
__________________
*ቴድሮስ ኣብርሃም ጸጋይ ካብ ግንቦት 2000 ኣትሒዙ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት «ትንታነ ዜና» ዝብል ዓምዲ ኣብ ምድላው ነይሩ። ምሩቕ ክፍሊ ጋዜጠኝነት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝዀነ ቴድሮስ ካብታ ሃገር ኣብ 2007 ድሕሪ ምስዳዱ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ይርከብ። ጸሓፊ ኣብዚ እዋን ኣብ ኖርወይ ከም ኣማኻሪ ስደተኛታት ከምኡ’ውን መምህር ኣብ ዩኒቨርስቲ ቪድ ይሰርሕ ኣሎ። teddi_ab@yahoo.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ድማ ይከኣል።