ስራሕ መንግስቲ ብትዕግስቲ

No comments
Response to COVID-19 and One Day Eritrea series 2
ዮኤል ተወልደ

Nov. 16, 2020

ሓደ ንግሆ ታሕሳስ 1999 ካብ ቤተይ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምውጽአይ፡ “እውይ ይገፉ ኣለዉ!” ሰማዕኩ’ሞ፡ ኣይምልከተንን’ዩ ብምባል ደረተይ ነፊሐ ካብ ቤተይ ነቐልኩ።

ቅጽበት፡ “ደው በል!” ሰማዕኩ።

ኣይሰጋእኩን። እታ መንግስተይ ኣሚኑ ዝሃበኒ ብ‘ሽዳ’ እትፍለጥ መንቀሳቐስየይ ክጥቀመላ ምዃነይ ቍሩብ ሓጐስ ተሰምዓኒ’ሞ፡ ምሽት ኣቢለ ሃብኩዎ። ኣይተማትአን፡ ንእለቱ መለሰለይ። እታ ካብ ወረቐት መለለዪ ዜግነተይ ንላዕሊ ብዝማዕበለ መገዲ ዝተሰርሐት ግዝያዊት መንቀሳቐስየይ፡ ኣብ ጓጓ ሓራ ሃገረይ ክንቀሳቐሰላ ዝተዋህበትኒ እያ። ብትእምርቲ ሽዳ ምውካላ ድማ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምግላጽ ነበረ።

መንገደይ ኣናቐጸልኩ፡ ቶዮታ ‘ፒክ-ኣፕ’ ካብ ናህራ ዝሒጣ ደው በለት። ሓደ ወትሃደር ብመስኮት ተቐልቂሉ፡ “ንዓ’ስኪ፧!” ኢሉ ኣድሃየኒ – ‘ድላየይ ገባሪ እየ’ ብዘስምዕ ትዕኑን ድምጺ።

“ድኸም ደኣ ኢሉካ እምበር…” እናሓሰብኩ ሽዳይ ተኣማሚነ ናብኡ ሰጐምኩ። እተን ኣእዳወይ ካብ ቀዝሒ ታሕሳስ ከገላግለን ኣብ ጁባይ ኣእትየየን ስለ ዝጸናሕኩ፡ “እንታይ ክረክብ ወደይ!” እናበልኩ ብውሽጠይ ኣማረርኩ።

“መንቀሳቐሲ፧!” ገና ካብ መኪና ኣይወረደን።

ኣውጺአ ሃብኩዎ። ፍሉጥ! እዚ ወዲ ኣገልግሎት ኣይኰነን፡ ሓላፊ’ውን እዩ፣ ገመትኩ። ዕድመኡ ኣብ ዓርብዓታት ዝርከብ ይመስል፣ ከላሽን’ውን ኣይዓጠቐን።

ሽዳይ ቅጭነይ ብዝሃብኩዎ ምንም ከይተዛረበ ኢዱ ሰው ኣቢሉ መለሰለይ። ኢዱ ናብ ውሽጢ መስኮት መኪናኡ እናመለሰ፡ መንቀሳቐሲ ወረቐተይ ናብ ማሕፉዳይ ከእቱ ጀመርኩ። ኣዒንቱ ገና ካባይ ኣየልዓለን ነበረ’ሞ፡ ‘ዘይገፈፍኩዎ ኢሉ ኣይተሓጐሰን ይኸውን፡’ ክብል ሓሰብኩ።

“እስከ … እንታይ’ዩ እቲ፧” ሓተተኒ።

“እ፧” ኣይተረዳእኩዎን።

ናብ ማሕፉዳይ ኣመልከተለይ። ሃገራዊ ኣገልግሎተይ ከም ዝወዳእኩ ዝሕብር ወረቐት ርእዩ ከም ዝሓተተኒ በርሃለይ።

“ናይ ዝተጣየስኩሉ ወረቐት እዩ፡” እናበልኩ ኣቐበልኩዎ።

“ብኸመይ ተጣይስካ፧ ሓሙሻይ ዙርያ መዓስ ምስ ተጣየሱ፧”

“እ… ኣቐዲመ ናይ ሓደ ዓመት ኣገልግሎት ወዲአ ስለ ዝነበርኩ፡ ንታዕሊም ጥራሕ እየ ናብ ሳዋ ከይደ። ታዕሊም ወዲአ’የ ተጣይሰ።”

ሓሙሻይ ዙርያ፡ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ክፋነዉ ዝነበሮም ድሮ ሳልሳይ ዓመቶም ኣሕሊፎም ነበሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ናብ ሰላሳ ዓመታት ገጾም ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ክግምት ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን።

“መን ሂቡካ፧ ብኸመይ ረኺብካዮ፧”

“ኣብ ሚንስትሪ እየ ዝሰርሕ። ኣብ ዘለኹዎ ከም ዝኸተትኩ ተሓሲቡ እዩ ብስራሕ ተዋሂቡኒ።”

“ደይብ!” ብርእሱ ናብ ድሕሪት ናይታ ‘ፒክ-ኣፕ’ እና’መልከተለይ።

“ብስራሕ እኮ እዩ ተዋሂቡኒ…”

“ደይብ ጥራሕ! ክጻረይ እዩ፡” ብምባል ኰለፈኒ። ተገንጪሩ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ስራሕ ከደናጒዩኒ ደኣ እምበር . . . እናሓሰብኩ ናብ’ቶም ቀዝሒ ክቕበሉ ዝጸንሑ ወትሃደራት ዒምም ከይበልኩ ደየብኩ።

ቦታ ስርሐይ ኣብ ሓልሓለ (ድባርዋ ሓሊፍካ) እዩ። ኣውቶቡስ ናይ ስራሕና ካብ ፓራዲዞ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቐ ስለ እትብገስ ሓዲጋትኒ ከይትኸይድ ተሻቐልኩ። ቀልጢፉ ኣጻርዩ ከም ዘፋንወኒ ግን እምነት ነበረኒ። ግቡአይ ዝገብር ዜጋ እየ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ዝስከፈሉ ምኽንያት ኣይነበረንን፣ ወናኒ “ሽዳ” እኮ እየ ዝነበርኩ።

ሰዓት ስራሕ ምድንጓየይ እናተሻቐልኩ፡ “ኣብ ታሕሳስ ስራሕ ከም ዝጽዕቀና ኣይክርድኦን እዩ፡” ሓሰብኩ። እንተታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ “ተገፊፉ በሉዎም፡” ኢለ ናብ ገዛና መልእኽቲ ሰዲደ ነበርኩ።

እቲ ምጽራይ ኣብቲ ገዛውተይ ኣይተፈጸመን። ካብ ‘ፒክ-ኣፕ’ ኣውሪዶም ናብ ‘መርቸድስ-ሸዊት’ ኣደዪቦም ናብ ንእሽቶ ገጀረት – ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ሳንፍራንቸስኮ – ወሰዱና።

“ቀልጢፎም እንተ ኣጻርዮምና፡ በቲ ከባቢ ናብ ፓራዲዞ እትኸይድ ኣውቶቡስ ትህሉዶ ትኸውን፧” ሓሰብኩ። ካልኦት ናይ ስራሕና መካይን ስለ ዝህሉዋ’ውን፡ “ይድንጕይ እምበር ብገለ ገይረ ክኸይድ እየ፡” ዝብል ሓሳብ ኣተስፈወኒ።

እቲ ዝገፈፈኒ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ-ክርስትያን ሳንፍራንቸስኮ ናይ ዝነበረት መአከቢ ግፉፋት ሓላፊ (ቦጦሎኒ) ምንባሩ ድሒረ ፈለጥኩ።

ኣብቲ ቀጽሪ፡ ክፍልታት ሓሊፍካ መአከቢ ኣደራሽ ነበረ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ቀበሌ ዝነበረ እዩ። በቲ ገበላ ሓሊፍና ናብ ውሽጢ ክንኣቱ ከለና፡ እንታይ ከም ዝነበረ ኰነ እንታይ ከም ዝመስል ክዕዘብ ኣይከኣልኩን፣ “እቶ! ያላ እቶ! እቶ!” እናበሉ እዮም ዘእተዉና። መውጽኢኣ’ውን እታ ዝኣተናላ ማዕጾ ጥራሕ እያ። ኣብኣ ድማ ዋርድያ ይቀያየሩ። ኣብ ውሽጢ ኣደራሽ፡ ሒደት ሰባት እዮም ዝጸንሑና። ዝዀነ ንብረት’ውን ኣይነበሮን። ሓደ ሰብ ግና ኣብ ተዓጻፊ ዓራት ንበይኑ ኣብ ኵርናዕ ደቂሱ ነበረ። ድሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ መራሒ ቦጦሎኒ ዝዀነ መኮንን እዩ፣ መንቀሳቐሲ ብዝሓተቱዎ ሽጉጥ ስለ ዝመዘዘሎም ገፊፎም ዳጐንዎ።

ሰዓት 8፡00 ቅ.ቐ ምስ ሓለፈ ተርባጽ ክስምዓኒ ጀመረ። ታሕሳስ ዓመታዊ ጸብጻብ ንጽሕፈሉ ወርሒ እዩ። ንምርምራዊ ዕማመይ ኣሃዛዊ ትንተና (statistical analysis) ዝገብረሉ እዩ። ስለዚ፡ ብቕንያቱ ብዛዕባ ምርምራዊ ስርሓተይን ውጽኢቱን፡ ከምኡ’ውን ጸብጻበይ ኣብ ዕለቱ ንኸረክብ እየ ክሓስብ ዝቐነኹ።

ናብ ዋርድያ ቅርብ ኢለ፡ “መን ሽምኪ… በጃኺ ነቲ ሓላፊ ንገርለይ፡ ኣነ መንቀሳቐሲ ሽዳ ኣሎኒ። ዘረክቦ ውጽኢት ስራሕ ኣሎኒ። ዓመታዊ ጸብጻብ ዝጽሕፈሉ እዋን እዩ፣ ግዜ ይኸደኒ’ሎ በጃኺ ተዛረብዮ፡” ደጋገምኩላ።

“በጃኻ ዓቕሊ ግበር፡’’ ጥራሕ በለትኒ ህድእ ኢላ።

ተመሊሰ ኣብ መንደቕ ተጸጊዐ ደው በልኩ። እቲ ኣደራሽ ብግፉፋት ምስ መልአ፡ እቶም ጉዳዮም ብፍሉይ ክጻረይ ዝተባህሉ ውሑዳት ገዲፍካ ካልኦት ኵሎም ናብ ሰረጀቓ ከም ዝውሰዱ እኳ እንተ ፈለጥኩ፡ ኣነ ግና ናብ ሰረጀቓ ዘኽይድ የብለይን ክብል ሓሰብኩ።

ኣብ ጥቓይ ኣብሪኹን ደኒኑ ርእሱ ተደጊፉን ዝነበረ መንእሰይ፡ “ኣበይ ዲኻ ትሰርሕ፧ እንታይ ኢኻ ትሰርሕ፧” ሓተተኒ። ዝተመነዎ ይመስል ነበረ።

“ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ እየ ዝሰርሕ። ተመራማሪ ናይ ዘራእቲ እየ።”

“ናይ መንግስቲ፧!” በለ ብሓውሲ ምግራም።

“እወ…”

“እዋእ! በጃኻ ኢለካ፡ ትዕግስቲ ገይርካ ኮፍ በል። ብበትሪ ርእስኻ ከይፍንክቱኻ እሞ ክፉእ ከይተርእየና።”

ቍሩብ ተጠራጠርኩ፣ “ኣነ ደኣ’ሞ ግቡእ መንቀሳቀሲ ዘሎኒ ሰራሕተኛ እንድየ። እንታይ ስለ ዝገበርኩ ክሃርሙኒ። ደሓር ንስራሕ ናይ መንግስቲ እኳ እየ ዝሻቀል ዘለኹ፡” ኢለ ብምትእምማን መለስኩሉ።

ድሕሪ ቍሩብ፡ እቲ ዝገፈፈኒ መራሒ ቦጦሎኒ፡ ናብ ኣፍደገ ናይቲ ኣደራሽ መጺኡ፡ ሻፎ በትሪ ዓቲሩ ብኣዒንቱ እናዀለለና ብዅርዓት ደው በለ። መጺኡ ከሎ ክረኽቦ ኣለኒ ኢለ ሓሰብኩ።

ናብቲ ዝነበሮ ቀሪበ፡ “ምስ መንቀሳቐስየይ ኢኻ ሒዝካኒ፡ ሽዳ መንቀሳቀስየይ ምሳኻ ኣሎ…”

ኣየወድኣንን፣ “ኮፍ በል እስኪ! ክጻረይ እዩ፡” ብትዕቢት ደገመለይ።

ካልእ ሰብ ከዛርቦ ናብኡ ቀሪቡ ኣፉ ክኸፍትን በቲ ሻፎ በትሪ ብሓይሊ ኣብ ርእሱ ክዘብጦን ሓደ ኰነ። “ኪድ!” እናበለ ድማ ክልተ-ሰለስተ ሳዕ ኣብ ጐድኑን ኢዱን ደሰቖ።

ወዮ ወዲ ተሰናቢዱ ግምጥል ኢሉ ናብ መንደቕ እናተጸግዐ፡ ንበይኑ ብእንግሊዝኛ ክዛረብ ጀመረ፡ “This is crazy! What the f…” ንበይኑ ኣቝረምረመ። ኣብ ድሕሪ-ቐትሪ ካልእ ሰብ በታ ሻፎ ብተመሳሳሊ ምስ ተቐጥቀጠ፡ “እንዴ!…” ካብ ትግርኛ ብኣምሓርኛ ክዛረብ ጀመረ። ነዚ ምስ ተዓዘብና እታ ማህረምቲ ቋንቋ ስለ እተቐይር፡ “ኣለዊጡዎ”፡ “ከለውጠካ’ዩ” ብዝብል ሰየምናያ። ካብቲ ኵነት ትዕግስቲ ተማሂረ፡ “ስራሕ መንግስቲ ብትዕግስቲ፡” በልኩ።

ናይ ምሸት ሃንደበት ናብ ማኪና ክጽዕኑና ጀመሩ። ኣብ ሰረጀቓ ምስ በጻሕካ፡ ነቶም መንቀሳቐሲ ዘይሓዙ ናብ ሳዋ፡ ነቶም ካብ ኣሃዱታቶም ዝዀብለሉ ድማ ናብ ተሓድሶ እዮም ዝወስድዎም፡ ዝብል ወረ ክሰምዕ ውዒለ ነበርኩ። ኣብ ልዕሊ ‘ማርቸድስ-ሸዊት’ ብዘይ መንቀሳቐስየይ ስለ ዝተሰቐልኩ መንፈሰይ ተረበሸ። ገለኡ ንሓድሕዱ፡ ገለኡ ናብ’ቶም ኣሰርቱ፡ ኵሉ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ። ገለ ድማ ኣብ ኵርናዕ ተዀርምዮም ዝን በሉ።

_“ረኺበናኒ…”

_“ስራሕ ሓዲረ ንገዛይ እየ ዝኸይድ ነይረ።”

_“ሳዋ ኣይከይድን ከም ዝበልኩ ይገፉኒ፧!”

በብወገኑ ንተግባር ዘይፍትሓውነት ገፈፍቱ ከረድእ ይፍትን ነበረ። ቅጽበት ብድድ ኢለ፡ “በጀኻ’ባ ነቲ ሓላፊ ንገሮ። መንቀሳቐስየይ ምስኡ እዩ ዘሎ፡” ነቶም ወተሃደራት ደጋገምኩሎም።

“ኮፍ በል ኣታ ወዲ! ኮፍ’ስኪ በል!” ይደጋግሙ በትሮም እናኣወጣወጡ። ምናልባት ንሶም’ውን ክዛረቡለይ እንተ ፈቲኖም ‘የለውጦም’ ይኸውን – እቲ ሓላፊ።

እቲ መራሕ ቦጦሎኒ መጺኡ፡ “ኮፍ በል ኣታ ወዲ!” ክጭድር ጀመረ።

“እሞ እቲ መንቀሳቀስየይ ሃበኒ፣ ሒዘዮ ክኸይድ፡” መለስኩሉ ብዓውታ ምእንቲ ክሰምዓኒ።

“ኣውርዱዎ፣ ውረድ!” ኣዘዘ።

ስለ ዝተመላለስኩዎ ከለውጠኒዶ ይኸውን፧ ኢለ ሓሰብኩ። ምስ ወረድኩ፡ “እቶ” ተባሂለ ናብቲ ኣደራሽ ተመለስኩ። ምስቶም ብፍሉይ ክጻረይ ተባሂሎም ኣብኡ ዝቕንዩ ተጸንበርኩ። ሳላ መንግስተይን ትዕግስተይን ግና፡ ጉዳየይ ‘ተጻርዩ’ ድሕሪ ትሽዓተ መዓልቲ ተፋነኹ። እታ ናይ ሽዑ ‘ስርሒት ግፋ’ ብኣዘዚ ማእከል ስልጠና ኮሎነል እዝራ ወልደገብርኤል ትምራሕ ምንባራ ብዕላል ሰሚዐዮ ነበርኩ – ገና ከይተፋነኹ።

ደቂ ስራሐይ፡ “ኣብ ሚንስትሪኡ ከም ዝኸተተ ኰይኑ ክሰርሕ ተፈቒዱዎ እዩ፡” ዝብል ካብ በለዛ ዝተጻሕፈት ደብዳበ ሒዞም ምስ መጽኡ፡ እቲ ዝገፈፈኒ፡ እወ እቲ ብበትሪ ቋንቋ ዘለውጥ መራሒ ቦጦሎኒ፡ ነቲ ደብዳበ ኣንቢቡ ክወጽእ ፈቐደለይ። ኣብቲ ቀጽሪ ምስ ደቂ ስርሐይ ተራኺበ ክወጽእ እናሰጐምኩ፡ “ነዚ ቈልዓ ሃሲኹሞ፡ ደንጒኹሞ፡” ድሕሪ ምባል፡ ኢደይ ጨቢጡ ተፋነወኒ፣ ሓዘነለይ ድማ።

Print Friendly, PDF & Email