ክብሮም ደሞዝ*
ሓምለ 5 2020
ድምጺ ምጽላል ጥራይ’ዩ ዓው ኢሉ ዝስማዕ ነይሩ። እቶም ካብ ምእራይ ዕንጨይቲ ዝተመለስና፡ ብድኻምን ጥምየትን ተሰኒፍና ብምንባርና፡ ኣብቲ ከም እቶን ዝልብልብ ሑጻ ዛሕ በልና። ምጽላል፡ ነተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ማይ ንኽህባና እናተደህየት፣ ንሳ ድማ ድራር ክትቅርበልና ሸበድበድ ትብል ከምዘላ ካብቲ ሸፋሕ ሸፋሕ ድምጺ ተበጊሰ’የ ብሓሳበይ ቀሪጸዮ። ዓይነይ ቛሕ ኣቢለ ክርእያ ዓቕሚ ኣይነበረን፣ ቀም ከኣ ኣበልኩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ዓው ዓውታን ኣውያትን ኣበራበረኒ። ሓደ ኲርማጅ ዝሓዘ ሱዳናዊ፡ ብዓረበኛ ይጭድረን ኣብ ቕድሚኡ ንዝጸሐን እናሃረመን ናባይ ገጹ ክመጽእ ረኣኽዎ። ናባይ ቅድሚ ምብጽሑ ካብቲ ደቂሰሉ ዝነበርኩ ሑጻ ተሲአ፡ ናብቲ ጐልጎል ሃደምኩ። ብዓረበኛ ይዛረብ ብምንባሩ፡ ገለ ግበሩ ኢሉ ይእዝዝ ከምዘሎ ገመትኩ። ኣብ መንጎ ምጽላል፡ ነቲ ዘምጻእናዮ ዕንጨይቲ ኣራጊፍና ክንፍልጾ፣ ፍርቁ ናይ ዝፈለጽናዮ ኸኣ ክንጽዕኖ ይእዝዘና ከምዘሎ ተርጐመትልና። እቲ በዓል ኲርማጅ ከምቲ ዝኣዘዘና እናገበርና’ውን ምትህርራም ኣይገደፈን።
እቶም ልዕሊ 180 እንኸውን መንእሰያት፡ በቶም ንሊብያ ብሰሃራ ዘሳግሩ ስዱናዉያን፡ ኣብ ጫፍ ሱዳን እትርከብ ከተማ እምዱርማን ተኣኪብና። ጸሓይ ጠለስ ምስ በለት፡ ክንብገስ ምዃናን ተሓቢሩና ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጒዕዞ ዘድሊ ዝበልኩዎ ቀሪበ’የ። እቲ በዓል ኲርማጅ ፡ ኣብቲ ማይ ዝመልአ በራሚን፡ ዳርጋ ፈፍርቂ ጀሪካን ዝኸውን ናፍታ ከነእቱ ምስ ኣዘዘና፣ ድንግርግር በለኒ። ኣብ ማይ ናፍታ ምእታው? ብልሓቱ ጭንቕ በለኒ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዕንጨይትን ኣስቤዛን፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ድሕሪ ምስቃሉ፣ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ክንስዕብ ነገረና። እቲ ዝተረፈ ቦታ ምስ ብዝሕና ስለዘይመጣጠን ንምድያብ ተሸገርና። ብኲርማጅ፡ በቲ ስልኪ ዝኣተዎ ቱቦ ናይ ማይ፡ ምጅላጥ ስለ ዝጀመረ ከይፈተና ኣብ ርእሰ ርእሲ ተጸፋጸፍና። ቃንዛ ማህረምቲ፡ ጽቕጥቕጥን መርገጽትን ዝፈጠሮ ኣውያትን ዋዕዋዕታን መሬት ዝግልብጥ መሰለ። መንገዲ ምስ ተጀመረ ግና ከም እኽሊ ብሓፍ ዞቕ ስለ እተሰገድና እመስለኒ ህጣምና እናደኸመ ከደ።
ሓደ መዓልቲን ለይቲን ምስ ተጒዓዝና፡ ካብተን ተፈናቲተን ክኸዳ ዝወዓላ መካይን፡ ክልተ ኣብ ሑጻ ተሸኺለን ምንቕ ምባል ኣበያ። ምሽካል መካይን ከም ዘጋጥም ብዕላል እኳ ሰሚዐዮ እንተ ነበርኩ፣ ኣግራብ ጨዓ ቘሪጽካ፡ ነቲ ሑጻ ፊሒርካ፡ መሰጋገሪ ድልድል ሰሪሕካ፡ ብላዕሊ እተንድድ ጸሓይን ብድሕሪት ዘየባሪ ኲርማጅን ከም ዘለዎስ ፈጺመ ኣይገመትኩን። ዝዀነት ዝተሸኽለት መኪና፡ ተደፊኣ ምስ ወጽአት፡ ደጊማ ንኸይትሽከል ብናህሪ ስለ ዘኺድዋ፡ ከም ዑፍ በሪርካን በቶም ኣብ መኪና ዘለዉ ተሰሓሒብካን እንተ ዘይደየብካ ዝጽበየካ የለን። ገዲፎሙኻ’ዮም ዕዝር ዝብሉ። ምጽላል፡ ካብታ ቀዳመይቲ ዘዕረፍናላ ጀሚራ፡ ከተንጸርጽር ስለ ዝረኣኽዋ፣ ምስቲ ዝቐነየ ሞራላን ኒሓን ዘይከይድ’ውን ብምንባሩ ኣሻቐለኒ። ኣብቲ መሳፍሒ ይኹን መገምሰሲ ዘይነበሮ፡ ኣብ ልዕልቲ ኲርዃሕ ዕንጸይቲ፡ ኾይና ብቃንዛ እናዕለበጠት፣ ኲሉ ደኺሙን ሓይሉ ጸንቂቑን ብምንባሩ፡ ሓደ’ኳ ዝሕግዝ ኣይረኸበትን። እቲ ዝተጸቕጠን ዝተረገጸን ዘስምዖ ኣውያትን ቃንዛን ካብ እንብገስ ኣትሒዙ መጓዕዝትና’ዩ። ሓንሳብ ካብ ቦታኻ ምንቕ ምስ እትብል፡ ኲርኒዒትን ርጊሒትን መጓዕዝትኻ ወይ’ውን ኲርማጅ ናይቶም መስገርቲ’ዩ ዝዓልበካ። ሓደ ኣብ እስፖንዳ ናይታ መኪና ተንጠልጢሉ፡ ከይወድቕ ዝቃላስ ዝነበረ መንእሰይ፡ ክድይብ ክብል እግሩ ኣብ ገጽ ምጽላል ስለ ዝረገጸ፣ ሓይላ ኣኻኺባ ነው ኣበለቶ። ኲልና ሰንበድናን ዋጭ ዋጭ ከኣ በልናን፣ ካብ ማኪና ተሪፉ ወይ ወዲቑ ማለት ኣብ ጐልጎል ሰሃራ ተሰንድዩ ማለት ስለ ዝኾነ። ምጽላል ግና ናብ ቃንዛኣ ግዲ ኣድሂባስ ነቲ ዘጋጠመ ፈዓራ ኣይገበረትሉን። እቲ መንእሰይ ካብ ምውዳቕ ንስክላ ስለ ዝደሓነ ሩፍታ ተሰመዓኒ። ናብ ምጽላል ምስ ጠመትኩ ግና ስና ነኺሳ ቃንዝኣ ንኽትውሕጦ ትቃለስ ከም ዘላ ኣስተበሃልኩ። እነዕርፈሉ ቦታ ንኽንበጽሕ ድማ ተሃንጠኹላ።
ድሕሪ ነዊሕ ምኻድና፡ እተን መካይን ኣብ ሓደ ኵጀት ከነዕርፍ ጠጠው በላ። ምጽላል ተጸጊማ ድሕሪ ምውራዳ፡ ነቲ ተጠቕሊላቶ ዝነበረት ዒባያ ክትቅንጥጦ ተጋደለት። ንኽሕግዛ ክብገስ፡ በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ካምሲን፡ ነቲ ዝነበርናዮ ቦታ ብሑጻ ደፈኖ። መብዛሕትኡ በቲ ሑጻ ተደቢኑ፡ መን ካብ መን ንኽፈሊ ስለዘጸገመኒ ንምጽላል ክሕግዛ ኣይከኣልኩን። እቲ ምድረ-በዳ ቅርጹ ከም ባሕሪ ኣብ ደቓይቕ’ዩ ዝቃያየር። እቶም መስገርቲ ብምልክትን ብኲርማጅን እናሃረሙ፡ ናብ እግሪ እተን መካይን ምስ ኣጸጉዑና፡ ምጽላል’ውን ካብቲ መድበንቲ ሑጻ ኣምሊጣ ተጸንበረትና። እቲ ብድምጺ ፋጻ ዝተሰነየ ማዕበል ሑጻ፡ ብትሕቲ መኪና ሰርሲሩን ብልዕሊ መኪና እናተኻዕወን ክጐብጠና እናደለየ ሰዓታት ሓለፈ። ኣንፊ ንፋስ ዝረኣዩ ኣስገርቲ፡ ካብቲ ከባቢ ንምርሓቕ ብቕጽበት ክንስቀል ነገሩና። ኣነ’ውን ከም ሰበይ ንኽስቀል ተጓየኹ፣ ካብቲ ኲርማጅ እቶም ብድሕረኻ ዝድይቡ ክረጋግጹኻ ስለ ዝምረጽ። ምጽላል፡ ድሕሪት ተሪፋ ምስ ሓደ ካብቶም ኣሰገርቲ ክትዘራረብ ረኣኹዋ። ብኲርማጁ ክልተ ሰለስተ ምስ ተሳህላ ግና ተጋዲላ ናብ መኪና ተሰቕለት።
ብዙሕ ሰዓታት ድሕሪ ምጒዓዝና፡ ዳጋማይ ዕረፍቲ ተፈቕደልና። ምጽላል ኣዝያ ተሰኒፋ ስለ ዝርኣኹዋ፡ ካብቶም መጒዓዝትና ሓደ ዶክቶርን ሓደ ፋርማሲስትን ስለ ዝነበሩ፡ ክሕግዝዋ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም ተወከስኩዎም። እቲ ዶክቶር፡ ብኡ ንብኡ ስለ ዝተበገሰ፡ ናብቲ ዝነበረቶ መሪሐ ክወስዶ ከለኹ ብዛዕባ ምጽላል ይሓተኒ ነይሩ። ኣብ ጁባ፡ ከተማ ደቡብ ሱዳን፡ ሻሂ ትሸይጥ ከም ዝነበረት ከም ዝሰማዕኹ ነገርኩዎ። ነቲ ሕማማ ኣመልኪቱ ንዝሓተኒ ዝነበረ ግና መልሲ ኣይነበረንን። ዶክቶር ምስ ቀረባ፡ ንዓይ ንኽርሕቕ ብኢዳ ኣመልከተትለይ። ንዶክተር ክትነግሮ ዝደለየት ነገር ከም ዘሎ ጠርጠርኩ። ዶክተር ቊሩብ ጸኒሑ፡ ናብቲ ፍንትት ኢለ ዝነበርኩዎ፡ ክምለስ እንከሎ ገጹ ጸለሎ ለቢሱ ረኣኹዎ። ናይ ደሓን ከም ዘይኮነ ተረደኣኒ፣ ንምጽላል ንኽሕግዛ ናብኣ ገጸይ ክብገስ ክብል ዶክቶር ደዉ ኣበለኒ። ምጽላል ከም ተሰነፈትን ተስፋ ቈሪጻ ከም ዘላን፡ ክሳብ ኣብ ሓደ ከተማ እንበጽሕ ከኣ ሞራልን ድጋፍን ከም ዘድልያ ነገረኒ። ገለ ዕንጋሎ እንተኾና ምስ ካልኣየይ፡ ኣናናስ ኣመንጊግና ከነብልዓ ፈቲንና፣ እቲ ዝዓረበ ሕልንኣን ዝሃደመ ሸውሃታን ግና ክሕግዘና ኣይከኣለን። ካብቲ ተዘርጊሓ ደቂሳትሉ ዝነበረት ከነልዕላ ምስ ፈተንና ዘልሓጥሓጥ በለት። ተሰኪምናያ እናኸድና፡ ሓደ ኲርማጅ እናወጣወጠ ዓው ኢሉ ተዛረበ። እቲ ዝብሎ ዝነበረ ስለ ዘይተረደኣኒ፡ እንታይ ይብል ከምዘሎ ንምጽላል ተወከስኩዋ። ድሕሪ ቊሩብ መንገዲ ንሊብያዊያን ኣረኪቦምና ከም ዝምለሱ፡ በቲ ድኹም ድምጻ ኣውከኣትለይ። ደጊፍና ደጋጊፍና ናብ ጥቓ እታ መኪና ምስ ኣብጻሕናያ፣ ነቲ በዓል ኲርማጅ፡ ብቕድሚት ንኽሰቕላ ሓተትኩዎ። መልሱ ግና ከምቲ ልሙድ ምኲርማጅ ኮነ። ካልእ ንገብሮ ስለ ዘይነበረና፡ ንምጽላል ሳንቦ ሳንቦ ኢልና ኣብ ልዕሊ ሰባት ደርበናያ።
እቲ ሓጺር ጒዕዞ’ዩ ዝተባህለ፡ ብጽምእን ድኻምን ሕልናይ ዓሪቡ ብምንባሩ ግዲ ኾይኑ፡ ከም ዓመታት ተመጠጠኒ። ኣብ ሓደ ምዉት መሬት ምስ በጻሕና፡ ሩዖና ጠቕሊልና ክንወርድ ተነግረና። እቶም ሱዳናውያን ንሊብያውያን ኣረኪቦምና ንድሕሪት ተመልሱ። ካብቲ መገረፍቲ እቶም ሱዳናዊያን ብምግልጋልና ሩፍታ ተሰምዓኒ። ሩፍታይ ግና ብዙሕ ኣይጸንሐን፣ እቶም ሊብያዊያን ንተኣከቡን ተሰቐሉን ብሰደፍ ከላሽንን ብባዴላን ክዋቕዑ ጀመሩ። ንኲሉ’ቲ ንብረትን ስንቅን ደርቢዮም፡ ኣብ ሓንቲ ቶዮታ ፒክኣፕ፡ ኣስታት ኣርብዓ ኣርብዓ እናገበሩ ጸፍጸፉና። ካብቲ ጽቕጥቕ ንላዕሊ፡ ናህሪ ናይተን መካይን ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። ንሕማም ምጽላል እዚ ጽቕጥቕጥ ተወሲኽዎ ከመይ ከምዘላ ዝያዳ ኣሻቐለኒ። ደጋጊመ ክርእያ ፈቲነ ግና ኣይኮነለይን።
ካብተን ንሓድሕደን ዝቀዳደማ ዝነበራ ቶዮታ ሓንቲ ተሸኺላስ፡ እቲ ዝበዝሕ እዋን ከም መህረሚና ዝጠቀምሉ ባዴላታት፡ ስራሕ ረኸበ። ኲላትና ተጓዓዝቲ ኣብ ምፍሓርን ምድፋእን ድማ ኣተና። እታ ተሸኺላ ዝነበረት መኪና ተደፊኣ ምስ ወጸት፣ ነቶም ብድሕሪኣ ዝነበርና ሑጻ ከዲና ክሳብ ካብ ዓይንና እትስወር ተመርቀፈት። እቶም ዓቕሚ ኣለዎም ዝተብሃልና ብእግሪ ከነርክብ ተገብረ። ሓይለይ ብድኻም ብምጽንቃቑ፡ ነቲ ኣብቲ ደቦቕባቓ ሑጻ ዝሽከል ዝነበረ እግረይ’ውን ሓፍ ንምባሉ ዓቐብ ኾነኒ። ተዋሊእና ዘርጠብተብ ብምባልና፡ እቶም ሊብዊያን ብባዴላ እናደሰቑ ኰብኰቡና። ኣብተን መካይን ስነይ ነኺሰ’የ በጺሐ፣ ተቐዳዲመ ድማ ንምጽላል ብዓይነይ ደለኹዋ። ሕጂ’ውን ክርእያ ኣይከኣልኩን።
ኣብ መንገዲ፡ እታ ከም ዑፍ እትበርር ዝነበረት መኪና ተገልቢጣ፡ ኣብቲ ሑጻ ከዓወትና። ዝደሓነን ዘይደሓነን ከይተፈልጠ፡ ዛሕ ብትን ኢልና ኸለና፡ ኣድራጋ ጠያይቲ ንላዕሊ ብምትኳስ መኪና ከነቕንዓ ተብተብ ኣበሉና። ቃንዛይን መጒዳእተይን ጸይረ ምስቶም መኪና ዘልዕሉ ተሓወስኩ። ነቶም ተሃስዮም ክትስኡ ዘይከኣሉ፡ ብዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ እናሃረሙ፡ ከም ዝሕወሱና ገበሩ። በቲ ሕርቃኖምን ጸርጸሮምን ተገረምኩ። ንሕና ከም ዝገምጠልናያ ክሳብ ዝመስለኒ ኸኣ ድንግርግር በለኒ። ኣብ መንጎ፡ ሰሰሪቐ ንምጽላል ብዓይነይ ምድላይ ኣየቋረጽኩን፣ ክርእያ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ብልበይ ጥራይ ኣጻለትኩ።
ካብቲ ዝቐነናዮ ዶብቕቦቓ ሑጻ ኣብ ቊሩብ ሕይሽ ዝበለ፡ ሓውሲ ቶንኮቴን ዝኾነ ጐልጎል፡ ንምሕዳር ወረድና። እቲ ቀትሪ ብረመጽ ዝልብልብ ቦታ፡ ለይቲ ግና ብዛሕሊ ዝሓልብ ብምንባሩ ሰለም ከየበልኩ ወግሐት። ምልክት ተበገስ ጠያይት ቶሮግሮግ ስለ ዝበለ፡ ናብ መኪና ክስቀል ክኸይድ ከለኹ ንዶክተር ረኸብኩዎ። ተቐዳዲመ ደሃይ ምጽላል ሓተትክዎ። ደሓን ከም ዝኾነት ጥራይ ነጊሩኒ፡ ናብታ ኣብ ቅድሜና ዝነበረት ቶዮታ ተሰቐለ። መን ኣበየነይቲ መኪና ዝበሃል የለን፡ ኣብ ቕድሜኻ ዝጸንሓትካን ቦታ ኣብ ረኸብካሉን ኢኻ ትስቀል። ምጽላል ኣብ ዘላታ መኪና ንኽስቀል፡ ማህረምቲ ሰደፍ ጠብንጃን ባዴላን ተጻዊረ እዃ እንተ ፈተንኩ፡ ክሰልጠኒ ግና ኣይከኣለን። ኣብ መንገዲ፡ ካብ ሓድሕድ ኲናት ዝሃድሙ ሊብያዊያን ክንርኢ ስለ ጀመርና፡ ናብ ማእከል ሊብያ ከም ዝበጻሓና ፈለጥኩ። ሰባት ካብ ውግእ እናሃደሙ፡ ንሕና ኸኣ ናብኡ ንኸይድ ብምንባርና፡ ከምታ ናብ ሓዊ እትጥበስ ጽንብላሊዕ ዝኾንና መሰለኒ።
ኣብ መንገዲ ምስ ኣዕረፍና፡ ክልተ ሰባት ሳልሳዮም ድማ ዶክተር፡ ንምጽላል ተሰኪሞማ ናብ ጸግዒ ጎቦ ክኸዱ ረኣኽዎም። ሰንበድኩ! ዓው ኢልካ ብኸን ኡይ በልን መጽኣኒ፣ ንብዓተይ ከነበ፡ ኣፈይ’ውን ጡጥ ከም ዝተወተፎ ዕብስ በልኩ። ውሽጠይ ከም መቑሎ ረሲኑ፡ ጐረረይ ብጽምኢ ተቓጸለ፡ ቐራዕ ቐራዕ በለኒ። ዝስተ ማይ ብዓይነይ ኣለሽኩ። ሽዑ ነቲ ብዙሕ ምእንቲ ከይንሰቲ ናፍታ ዝሓወስሉ ማይ ናይቶም ሱዳናዉያን ናፈቕክዎ።
ምስ ተበገስና፡ ቀዲመ ናብ መኪና ደይበ ኣብ ኲርናዕ ተሸጐጥኩ። እንታይ ከም ምኻነይ ተሓባእ ተሓባእ መጽኣኒ። ኣብቲ ደብዛዝ ወጋሕታ፡ በዚ’ባ ናብዚ’ባ ዝብል ዋዕዋዕታ ምስ ሰማዕኩ ንምርኣዩ ውጥም በልኩ። ንምጽላል ብሳንቦ ሳንቦ ከደይብዋ ርእየ ካብ ውሽጠይ ኣተንፈስኩ –ከም ሓደ ከቢድ ጽዕነት ዘራገፍኩ ኸኣ ሩፍ በልኩ። ኣብ መንገዲ፡ እታ ዝነበርናያ ቶዮታ ገለ ሰይራ ሃንደበት ጠጠው በለት። እቶም ሊብያዊያን መካኒክ ከምጽኡ ኣብቲ ጎልጎል ገዲፎምና ከዱ። እግዚሄር ይሃቦም፡ ንምጽላል ምስኦም ተማልእዋ። ሕሉፍ ድኻም ስለ ዝነበረኒ፡ ኣብቲ ሓሰር ክድቅስ ግምስስ ክብል ከለኹ፡ ዶክቶር ሃንደበት ተዳህየኒ። ምጽላል ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ነፍሰ ጾር ከምዝነበረትን፡ እቲ ጥንሲ ከም ዝተነጸላን ነገረኒ። ብስንባደ ቐዘዝኩ። ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሳ ይሻቐል ከም ዘሎ’ውን ኣይሓብኣለይን። ሕንቕንቕ በለኒ። ንሱ’ውን ገጹ ካባይ ክውል ኣቢሉ ንብዓቱ ደረዘ።
ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ፡ ቅያር መኪና መጺኣ ናብቶም ቀዲሞምና ዝሓለፉ ብጾትና ዘዕረፍሉ ቦታ ወሰደትና። ኣብቲ ቦታ ሓደ ጨና ሃንገፍ በለኒ፡ ምስ’ቲ ድኻመይ ግዲ ተሓዊሱ ኸኣ ዓፈነኒ። ኣብቲ ጸላም ሕሹኽ ሹኽ ሰሚዐ ጽን’ኳ እንተ በልኩ፡ ፍረ ዘረብኦም ግና ክሕዞ ኣይከኣልኩን። ኣብ መንጎ ድቃስ ወሰደኒ። ወጋሕታ፡ ድምጺ ሰሚዐ ክትስእ ከለኹ፣ ዶክተርን እቲ ፋርማሲስትን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት፡ ሬሳ ተሰኪሞም ክኸዱ ምስ ረኣኹዎም ብስንባደ ቐዘዝኩ። ውዑይ ነገር ኣብ ኣምዑተይ ተኻዕወ፡ ውሽጠይ ሓዊ ከም ዝተረኩዖ ነደደ። ከይተረደኣኒ ካብቲ ዝተጋደምኩሉ ብድድ ኢለ ንዘይመልሳ ክቃወሞም በልኩ፣ ኣሰሮም ሒዘ ንኽስዕቦም ግና ሓቦ ሰኣንኩ። ተዓኒደ ተረፍኹ። ኣብቲ ሑጻ ፍሕር ፍሕር ኣቢሎም ቀቢሮማ ክምለሱ ከለዉ፡ ናብኦም ንኸይርኢ ገጸይ ጠወኹ። ከይተረዳኣኒ ናብቲ ዝሓለፍናዮ ኣንፈት ጠሚተ፡ ግንብንብ በለኒ። ናብቲ እንኸዶ ኣንፈት ገጸይ ጠወኹ፡ በዚ መጺኡ ዘይበልኩዎ ሑጻ ንዓይነይ ደፈኖ።
እዚ ጽሑፍ ኣካል ናይቲ ምስናድ ሓቀኛ ታሪኽ ብብዝል ተበግሶ ምስ ፐን ኢንተርናሽናል ብምትሕብባር ዝፈረየ’ዩ።
____________________
*ክብሮም ደሞዝ ገጣሚ፡ ጸሓፊን ዓያዪ ፊልምን ኰይኑ ኣብ መንጎ ካልእ ስራሓቱ፡ ሓወልተይ፡ እኩብ ግጥምታት (2019) ከምኡ’ውን ንመን እትብል ፊልም ናብ ህዝቢ ዝዘርግሐ’ዩ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ጸሓፊ demozkibrom@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።