ምትርጓም ኪበዝሕ ከሎ

No comments
እዮብ ብእምነት*

ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ሓደ ትጉህን ህንጡይን ሓድሽ ጸሓፊ፡ ነቲ ብእንግሊዝኛ ዝቐሰሞ ትምህርቲ፡ ናብቶም ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ ዘለዎም ከስግር ስለዝደለየ እዩ ዚመስል፡ ትርጕም ሓያሎ ናይ እንግሊዝኛ ቃላት ናብ ትግርኛ  ኪሓትት ጀሚሩ። ምኽሪ እተሓተቱ ድማ በብዚመስሎም ነቶም ኣብ ትግርኛ ቃል የብሎምን ዝበልዎም ናይ እንግሊዝኛ ቃላት ናብ ኣምሳያኦም ትግርኛ ይቕይር’ዩ ዝበልዎም እተሓናገሩን እተሓናዀሉን ቃላት ለገሱሉ። ሽዑ፡ “ጸሚረ ስብእና፡ ሱልጣነ-ውልቀ፡ ገዛኢ ደሚረ፡ እብዳነ-ብሕትውና፡ ነጺገ-ሕቡረ” ዚብሉ ግእዝ ዘይኮኑ ግእዝ ዝጥዕሙ፡ ካልእ ምትርጓም ዘድልዮም ቃላት ለጊሶምሉ። እዚ ግና ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ኣብዚ ጠርዝ’ዚ ኣይብጻሕ እምበር፡ ብኸምኡ መልክዕ መጺኦም ሰብ ቤት ዝኾኑ ቃላት ኣለዉና። “ትሕተ-ቅርጺ”፡ “ሓይሊ ዕማም”፡ ከምኡ`ውን “ድሕረ-ባይታ” ዚብሉ ቃላት ንኣብነት፡ ንምርድኦም ፈለማ ናብ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ክንትርጒሞም የድልየና። ሕጂ`ኳ ስለ እተደጋገሙ ከም ናትና ጌርና ወሲድናዮም ንኸውን። በቲ ግቡእ ናይ ምርዓም መስመር ግና ኣይመጹን ክብል ዘድፍሩኒ ነጥብታት ጸኒሐ ክዝርዝሮም እየ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቃላት ኣመና ገኒኖም እተራእዩን እተዘተሩን ኣብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ምስ ምምጻእ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር እዮም። ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ከም ሓያሎ ሰውራዊ ተበግሶታትን ናይ “ምልዋጥ” ተርእዮታትን፡ ብዘይካ ምስ ጸላኢ ብብረት ምውጋእ፡ ኣብቲ ካልእ መዳያት`ውን ግሩም ዝኾነ ዕዮ የበርክቱ ከም ዝነበሩ፡ ተሰኒዱ ስለዘሎስ ዘካትዕ የብሉን። ከም ኣካል’ዚ ድማ ኣብ ስነ-ጽሑፍ`ውን ዘይነዓቕ ገስጋስ ጌሮም፡ ብብዙሕ ሸነኹ`ውን ተዓዊቶም እዮም። ኣስመራ ምስ ኣተዉ ግን ኣብ ሜዳ እተጠርየ ባህሊ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ሰለማዊ መነባብሮኡ ዝመርሕ ዝነበረ ህዝቢ ክራጸም ተራእዩ። ምናልባት ነቲ ነጺሩ እተራእየ ጋግ ንምጽባብ’ውን ኪኸውን ይኽእል፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ንቛንቋ ትግርኛ ዚምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ (ዓውዲ መጽናዕቲ) ኪካየድ ኣተባቢዖም። እቲ ፈተነ ነቲ ብናይ ኣምሓራ ባህሊ ተዓብሊሉ ቋንቋኡ ከጥፍእ እዩ ኢሎም ዝፈርሁሉ ዝነበሩ ሕብረተሰብ ምስ ቋንቋኡ ዳግማይ ንምትዕራቑ እተበገሰ’ዩ ዘምሰልስል። ነቲ ተበግሶ ዝወሰዱ መብዛሕትኦም (ምዕራባዊ) ትምህርቲ ዝጸገቡ እዮም ኔሮም። ኣተሓሕዛ`ቲ ጉዳይ ድማ ናይ elitist ዝንባለ ኔርዎ – ውሑዳት ምሁራት ብቐትሪ መብራህቲ ሒዞም ነቲ ኣብ ጸልማት ኣሎ ዝብልዎ ሓፋሽ ኪመርሕዎ ክብገሱ ከለዉ ዝዓይነቱ ተርእዮ።

ኣብ ግዜና ዘሎ ትምህርቲ ብዓብላሊ ሸነኹ ምዕራባዊ ምዃኑ፣ ምስኡ ድማ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ መብዛሕትኡ ብእንግሊዝኛ ዚውሃብ ምዃኑ፣ ንብዙሓት ምሁራትና ግዙፍ ብድሆ ፈጢሩሎም ይርከብ። ብእንግሊዝኛ ኪምሃሩ ከለዉ፡ ብእንግሊዝኛ`ውን ኪሓስቡ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። እቲ ኣብነታትን መፍትሒታትን ብዓብላሊ ንምዕራባዊ ኩነት ዝገልጽ እናኾነ ካብቲ ናቶም ሓቅነት ይርሕቕ። ድሮ`ውን ብዙሓት ካብኣቶም ኪምሃሩ ኢሎም ካብ ሃገሮም ርሒቖም እዮም። እቶም ዘይረሓቑ እንተኾኑ`ውን በቲ ካብ ርሑቕ ዚመጽእ ስርዓት ትምህርቲ እዮም ዚምርሑ። ቀስ እናበሉ ንኽውንነቶምን ቋንቋኦምን ይጓነይዎ። ነቲ ምዕራባዊ ኣበሃህላታቶም ኪገልጽ ብዘይ ምኽኣሉ ድማ ንቛንቋኦም ድኻ ኪሰምዩዎ ይደናደኑ። እዚ ዝያዳ ዚኽሰት፡ ካብቲ ትምህርቶም ነቲ ሕብረተሰብ ኬቕስሙ ኣብ ዚፍትኑሉ ግዜ ብብዝሒ ናይ ባዕዲ ቃላት ኪጥቀሙ ከለዉ እዩ። እቲ ዘስተምህዎ ዘለዉ ሕብረተሰብከ ነቲ ብቛንቋኡ ትርጒም ዘይብሉ ሓሳባት እንታይ እዩ ኪብሎ?

እዞም ካብ ሕብረተሰቦም ርሒቖም ኣብ ሜዳ ኮይኖም ንትግርኛ ከመሓይሽዎን ኪሰናንዕዎን ዝመደቡ ምሁራት፡ ምስቶም ኣብ ኣስመራ ዝጸንሑ ዓበይቲ ፈላጣት ትግርኛ ኣብ ሓደ ዓውዲ መጽናዕቲ ተራኸቡ።  ኣብ ክንድ`ቲ ኩሉ ጻዕርታቶም፡ ካብቶም ዓበይቲ ሰባት ዝረኸቡዎ መልሲ ግና ብዙሕ ኣይመሰጦምን። ንገለ ካብቲ ግራዝማች ገብረምካኤል (ኣቦኡ ንየማነ ባርያ) ዘዳለውዎ ጽሑፍ፡ ነቲ ሽዑ ዚኣቱ (ዚተኣታቶ) ዝነበረ ሓደስቲ ቃላት ዚምልከት ልዙብ ነቐፌታ ነበሮ። ገለ ካብኡ ምጥቃስ ነቲ ጉዳይ ጽቡቕ ጌሩ ኬብርሆ ይኽእል እዩ ኢለ እግምት። “ሕጽረት ሰብ” እንታይ ማለት እዩ? ዋሕዲ ሰብ ንምጥቃስዶ ይኸውን? ካብቲ shortage ድዩ ብቐጥታ ተተርጒሙ? ከምኡ እናበሉ ብዙሕ ዘርዘሩሎም። ዋላ ኣብቲ ኣተራጒማኦም’ውን ጉድለት ከም ዝነበሮም ዚእንፍት ኣብነት ድማ፡ “ተሓጋጋዚ ሚኒስተር” ስለምንታይ “ሓጋዚ ሚኒስተር” ዘይተባህለ ድማ ወሰኹዎም።

ነቶም ቃላት ኩሎም ኣይዝክሮምን እየ። እንተኾነ ግና ሓደ ነገር ከስተብህል ቀሲቡኒ። እተጠናነጉን እተሓናገሩን ቃላት እናበዝሑና ይመጹ ከም ዘለዉ ኣድህቦ ክገብር ተደሪኸ። ነቲ ናይ መወዳእታ ፊደል ናይ ቀዳማይ ቃል ናብ ግእዝ (ቀዳማይ ፊደል) ቀዪርካ ምስ ካልኣይ ቃል ምግጣም ከም ካብ ግእዝ መበቈል ዘምጻእካዮ ናይ ምምሳል ልምዲ በዚሑ። ግብረ-መልሲ፡ ነፍሰ-ፍትወት፡ ነፍሰ-ምትእምማን፡ ርእሰ-ቅትለት ዚብሉ ቃላት ድማ ዓዂኾም። “ተመሀሩ ገቢረ ጽድቅ” ዚብል ጽሑፍ እርኢ ኔረ ኣብ ናይ መንደቕ ጽሑፍ ቤት ትምህርቲ ካምቦኒ። ሓደ ግእዝ ዚፈልጥ ሰብ ከም ዝገለጸለይ፡ እታ “ገቢረ ጽድቅ” እትብል ሓረግ፡ ግብሪ ጽድቂ እያ ትርጒማ። ቅድሚኡ`ውን “ርእሰ-መምህራን” ማለት ዳይረክተር፡ ከምኡ`ውን “ርእሰ-ብሄር” ብንጹር በዚ መገድ`ዚ ርእሲ ናይ መምህራን ከምኡ`ውን ርእሲ ሃገር ተባሂሎም ይትርጐሙ ኔሮም። በዚ መገድ`ዚ ክንትርጉሞ እንተፈቲንና፡ ነፍሰ-ፍትወት ናይ ፍትወት ነፍሲ ኪትርጐም ማለት እዩ። ርእሰ-ቅትለት ድማ ርእሲ ኩሉ ቅትለታት ኢልና ክንትርጉሞ ስለእንኽእል፡ ምናልባት ነቲ ጽንተት ወይ ህልቂት (genocide) ዝያዳ ይገልጽ። እምበር ትንፋስካ ምሕላፍ/ርእስኻ ምቕታልሲ እንታይ ምትሕንጋር ኣድልይዎ? እቲ ካልእ`ውን ከምኡ።

መበቈል ትግርኛ ኣየናይ ቋንቋ ምዃኑ ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ብርክት ዝበሉ ቃላት ካብ ግእዝን ብናይ ግእዝ ኣገባብን ከም ዘርዓምና ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ግእዝ ብዚጥዕም ጥንግናግ ቃላት ጌርካ ንሓደ ቋንቋ (ኣብዚ ኣብነት – ትግርኛ) ጽግዕተኛ ካልእ ቋንቋ – እንግሊዝኛ ምግባሩ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ክንትርጒም እንተኾይንና ነቲ መንፈስ`ቲ ሓሳብ ኢና ክንትርጒሞ ዘሎና። ንሕብረተሰብና ናብ እንግሊዝኛ ምምጽኡ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ቋንቋ ሕብረተሰብና ምኻድ ከድልየና እዩ። ብመሰረቱ`ውን ተርጓማይ ነቲ ኣብ ካልእ ዝረኸቦ ተመኵሮ ናብ ሕብረተሰቡ ኬብጽሕ ዚብገስዶ ኣይኮነን? እንታይ ሒዙ ድኣ`ዩ`ሞ ናብቲ ሕብረተሰቡ ዚኸይድ ዘሎ? ከስተማቕሮ ዘይከኣለ ህያብ? ነቲ ባዕዳዊ ኣበሃህላ ግድን ቃል ብቓሉ ኣብ ክንዲ ምትርጓም፡ ሓሳባቱ ምግላጽዶ ኣይምሓሸን? ንኣብነት self-confidence ንዚብል ዝውቱር ቃል ብንውሕ ዝበለ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምትእምማን ኢልካ ምግላጹ ሕማቕ ኣይኮነን። ተርጓማይ ከምኡ ጌሩ ኪገልጽ ከሎ፡ ነቲ ትርጕም የነጽሮ ጥራይ ዘይኮነ ዘሎስ ኣምሳያ ትርጕሙ በቲ ሕብረተሰብ ኪፍተሽ`ውን ዕድል ይህብ ኣሎ።

ብሰንኪ ታህዋኽ ተርጐምቲ እተፈጥሩ ግጉያትን መስሓቓትን ቃላት ውሑዳት ኣይኮኑን። ምስ ተለምዱ ክትኣልዮም ኣሸገርቲ እዮም። ቂምቂምታ ሰዓት እናሰማዕና ነቶም ስሳ ቂምቂምታታት ስቕ ኢልና ኢና ንሓልፎም ኔርና። ምሁራት ህዝባዊ ግንባር ድማ “ካልኢት” ዚብል ሽም ከም ዘለዎ`ዚ ቂምቂምታ ነጊሮምና። እንግሊዘኛ ንዝፈልጥ ሰብ እቲ ቃል ቀጥታዊ ትርጕም seconds ምዃኑ ንምፍላጥ ኣይጸግሞን። ድሕረ-ባይታ ዚብል ቃል ንኣብነት፡ በቲ ናይ ግእዝ ኣገባብ`ውን ተርጒምካዮ ስምዒት ዘይህብ ኮይኑ ይርከብ። ሕሉፍ ታሪኽ፡ ወይ መበገሲ ሓሳብ ከምኡ`’ውን ካልእ ንዕኡ ዚጥዕም ትርጕም ኪወሃቦ ምተኻእለ። እቶም ተዛረብቲ እንግሊዝኛ እንተኾኑ`’ውን background ክብሉ ከለዉ፡ ነዚ ንረግጾ ባይታ ዘይኮነስ ዝያዳ ነቲ መሰረት ከስምዑ ከምዝሓለኑ ምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለንን።

ብመሰረት ሰዋስው ትግርኛ ነቲ ገላጺ ቃል ቅድም`ቲ ዚግለጽ ኢና እነቐምጦ። ንኣብነት፡ ቤት ትምህርቲ፡ ወረቐት ምስክር፡ ቀያሕ ማኪና፡ ቁጽሪ ሰለስተ፡ ቀታሊ ሰብ፡ ገባር ሰናይ፡ ወዘተ። ሰዋስው ትግርኛ ምስ ኣምሓርኛ ኪተሓዋወሱና ከለዉ ድማ፡ እስር ቤት፡ ምስክር ወረቐት፡ ሽጉርቲ ጻዕዳ፡ ክልተ ቑጽሪ (ኣውቶቡስ)፡ ወዘተ፡ ክንብል ንስማዕ።

ሓያሎ ዓመት ይገብር፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሓደ ህዉኽ ተርጓማይ፡ ብዛዕባ ማህሌት ኣልዒሉ ምስ ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ዝምድናን ካልእን ኪጽሕፍ ከሎ ያዕ ዚብሎ ኣይተረኸበን፡ ክሳዕ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ መፋርቕ 2000 ጸሓፊ ተኪአ ተስፋይ ነዚ ግጉይ ኣተረጓጕማ ብምንጻር ከም እንሓንኽ ዚገብረና! Hymn ካብ hymen ፈለማ ኣነጺርካ ምፍላጡን ምፍላዩን ነቲ ጌጋ ምኣለዮ።

ምትርጓም ዝያዳ ነቲ ሓበሬታ እትረኽበሉ ዘለኻ ቋንቋ ጽቡቕ ጌርካ ካብ ምፍላጡ ዚብገስ ይመስለኒ። እንተተኻኢሉ`ውን ቅድሚ ነቲ ክትርጐም እተደለየ ቃል ከመይ ናብ ቋንቋኻ ከተፍልሶ ምሕላን፡ ፈለማ ኣብቲ ዘለዎ ቋንቋ መበቈሉ ምእላሽ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ምስ ተክኖሎጂ ዝመጹ ባዕዳውያን ቃላት ከም ዘለውዎ እንተተሓወሱ ብዙሕ ጸገም ዘለዎ ኣይመስለንን። ፈቲና ከይፈተና ናብቲ ኣደማምጻና  ስለ እነርዕሞም፡ ኣካል ቋንቋና ምዃኖም ኣይተርፎምን። ጣውላ፡ ባኒ፡ ረፈረንደም፡ ደሞክራሲ፡ ወዘተ ክንትርጉሞም ኣየድለየናን። እንታይ ማለት ምዃኖም ትርጕም ይህቡና እዮም። ዲክታተር እውን እንታይ ዓይነት መራሒ ምዃኑ ኣይምጠፍኣናን።  ገለ ካብ ተርጐምትና እዚ ዲክታተር ዚብሃል ሰብ ከመይ ይመልከና ከም ዘሎ ከረድኡና ዝደለዩ ይመስሉ ፡ እዚ ቃል`ዚ “ውልቀ-መላኺ“ ምዃኑ ትርጉሙ ነጊሮምና። እንታይ ንምግላጽ እዩ? እቲ ሰብ መላኺ ድዩ ኮይኑ? በይኑ ስለዚመልኽ ዲና ውልቂ ክንውስኸሉ ደሊና፡ ሽዑ ነታ ውልቂ ናብ ውልቀ ቀዪርናያ? መላኺ፡ ወይ ዓማጺ፡ ወይ ረጋጺ እተኢልናዮ፡ በይኑ ምዃኑ ንጹር ይመስለኒ። ሞተር ሳይክል ምስ ረኣየ ቱግቱግ ዝብል ስም ዝሃበ ሕብረተሰብ፡ ንስምዒታቱ ብቛንቋኡ መግለጺ ዚስእነሉ ኣይመስለን።

___________________

እዮብ ብእምነት፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ  ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ሰኣን ልሳን ከምኡ`ውን ኣብታ ለይቲ ዚብላ ናይ ቪድዮ ፊልምታት ዝደረሰን ዝኣለየን ኪኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ድማ ኣብቲ ኩነታት እትብል መጽሓፍ ንንባብ ዘርጊሑ ኣሎ። በዚ ኢመይል`ዚ እውን ኪርከብ ይከኣል፦ eyobaye@gmail.com

Print Friendly, PDF & Email