ይርጋኣለም ፍስሃ Bayerischer Kunstförderpreis für Literatur – 2023 ተሸሊማ

No comments

 

Bayerischer Kunstförderpreis ስነጥበብ ንምድንፋዕ፣ ካብ 1965 ጀሚሩ ዓመታዊ ብሚኒስትሪ ሳይንስን ስነጥበብን ክልላዊ ግዝኣት ባየር-ጀርመን ዝዕደል ሽልማት’ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስነጥበብ፣ ቅብኣ፣ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፣ ሳዕስዒት፣ ሙዚቃን ስነጽሑፍን ንዝዕወቱ ስነጥበበኛታት፡ ብውልቂ €6,000 (ሽድሽተ ሽሕ-ዩሮ)፣ ብጕጅለ ንዝዕወቱ ድማ €10,000 (ዓሰርተ ሽሕ-ዩሮ) ገንዘባዊ ሽልማት የውህብ።

ይርጋኣለም፡ በታ ናብ ቋንቋ ጀርመን ዝተተርጐሙን መበቆላውን ግጥሚታታ ሓቚፋ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ዝተዘርግሐት ‘’Ich bin am Leben’’ ዘርእስታ መጽሓፋ እያ ተሸላሚት Bayerischer Kunstförderpreis für Literatur – 2023 ኰይና። ወግዒ ምዕዳል እቲ ሽልማት፣ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ባየር ኣብ ዝዀነት ከተማ ሙኒክ ሰኑይ፥ 27.11.2023 ተኻይዱ።

ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ዛጊት፣ “ኣለኹ” “ዘይበረየ ጎድነይ” “Ich bin am Leben” “Freiheit in Briefen” (ምስ ታንያ ኪንከል ብምዃን) ዘርእስተን መጻሕፍቲ ንማሕተም ኣብቂዓ ኣላ።

በዅሪ ተዓዋቲት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2019፥ ተሸላሚት ናጻን ተባዕን ጋዜጤኛ – ሽልማት MMY 2022፥ ኣብ 2019፡ ሓንቲ ካብ 5 ለወጥትቲ ደቂ ኣንስትዮ ጸሓፍቲ ተባሂላ ብፐን ኢንተርናሽናል ዝተሰየመት፡ ተዓዋቲት Georg Elser prize 2023 እውን’ያ።