በየነ፡ እቲ ዘይተበርበረ ቈፎ ንህቢ

No comments

በረኸት ዕቝባጽዮን

ካልኣይ/መወዳእታ ክፋል

መቕድም

ብዙሕ ጽሒፎም ክፋሎ ዝተባህለሎም ኣሎዉ። ክፋሎ ዝኣክል ጽሒፎም ገበታ ዝተዘርበሎም’ውን እንተዘይበዚሖም ኣይውሕዱን። እቶም ብዙሕ ዝጸሓፉ ይኹኑ ውሑድ ዝጸሓፉ እንብሎም፡ ብዝሒ ይኹን ዋሕዲ ጽሑፋቶም ብብዝሒ ገጻት ደኣ እምበር፣ ብርዝነቱ፡ ብዕምቈቱ፡ ብዘለዓለማውነቱ፡ ኣድማስነቱ፡ ብፈጠራውነቱ፡ ሃብቱ ኣይዓቀንናዮምን። እቶም ነዚ ዘማልኡ ውሑዳት ጸሓፍቲ ግና፡ ይትረፍ ክዝመረሎም ስሞምን ዕዮኦምን ዝፈልጦምውን ውሑድ’ዩ። ክብ-ታ ጽሑፋቶም፡ ንደረጃ ብልሂ ሓፋሽ ነበብቲ ሰንጢቑ ስለዝዕዘር፡ ካብ ክዝመረሎም ክርገሙ፡ ዕሽሽ ክበሃሉ ንዕዘብ። በዳሊ መን’ዩ፧ ጸሓፊ ወይስ ኣንባቢ፧ ብወገነይ ክልቲኦም ኣይብልን። ኤልያስ ኣማረ ኣብ መመረቕታ መጽሓፍ ትጽቢት ባህጉ ኣብ ዘስምዖ መደረ እቲ ጠንቂ ዝበሎ ርዝነት ጽሑፍ ብምዃኑ ኣፈ ልሳን ጸሓፊ ኰይኑ ነቶም ዘዕዘምዝሙ “ስነ ጥበበኛ ካብቲ ሓዂርዎ ዘሎ እምባ ናባኻ ኣይወርድን ኢዩ። ንስኻ ኢኻ ከም ኣንባባይ ወይ መስተማቐሪ ናይቲ ስነ ጥበባዊ ስራሕ ናብቲ ልዑል ደረጃ ስነ ጥበበኛ ክትድይብ ጻዕሪ ክትገብር ዘሎካ” ይብል። እቲ ከም ቅቡል ምኽኒት ክቐርብ ዝኽእል እምበኣር፡ እቶም ኣስተማቐርቲ ጣዕሚ ምስትምቓሮም ከምቲ ዝድለ ብዘይ ምቕራቦም’ዮም። ወይ ኣቕሪቦም ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ፡ ካልኦት ከስተማቕሩ “ጠዓሙን ረኣዩን” ብዘይ ምባሎም ኢዮም። እቶም ዝቐረቡ ድማ፡ ዝበዝሕ ንደገ ከላልዩ ደኣ እምበር፡ ከርሲ ዓዲ ኣትዮም፡ ብቛንቋ ጸሓፊ ክለሃዩ ኣይረኣዩን። እዚ ጽሑፍ እዚ እምበኣር፡ ንዕኦም ኣይተጻሕፈን። ነቶም እንተ ብርሑቕ ጽሑፋት በየነ ፈሪሆም ዝገደፍዎ፡ እንተስ ብማዕዶ ብፍርደ ካልኦት፡ ነቲ ገንኢ መዓር ከይቀርብዎ ብመሪር ሕንዚ ዝተነኽሱ ዝዓለመ’ዩ። ጸሓፊ እዚ ጽሑፍ፡ ከም ተራ ነባቢ ላዕላይ ላዕላዩ ከም ቀጸላ ሽጕርቲ ከሸትት፡ ደገ ኣፍ ቈፎ ንህቢ ክብርብር እፍትን እምበር፡ ዕምቈተ ትሕዝቶ ከም ዝግባእ ኣይኵዕትን። ዝኽእሎ’ውን ኣይመስልን። ክንኵዕት ግደፈና፡ ክንብርብር ሕደገና ንዝብሉ ግና፡ መጻሕፍቲ በየነ፡ ካብ ዕዳጋ ሸሚትኩም ክሳዕ ዝዓቕሞም ክዅዕቱ፡ ክብርብሩ፡ እንሆ ኣብ ፈቐዶ ሜዳ ፋሕ ዝበለ ሰማዒ፣ እንሆ ዝጋለበ ፈረስ ዘይመልሶ ፈታዊ!

ገድለ በየነ

ንዝና ኢሎም ዝጽሕፉ፡ እሞ ዝሰልጦም ኣይሰኣኑን። ጥበብ ውሽጦም ሸንዲሕዎም ከስተንፍሱ ኢሎም ዝጽሕፉ፡ ጽሒፎም ከኣ ካብ ኰረሻ ዝና ብሕሱም ኣወዳድቓ ናብ ከንቱነት ዝወደቑ ድማ መሊኦም። በየነ “ጸሓፊ ንምንታይ ይጽሕፍ” ቢሉ፡ ዓርሰ ሕቶኡ ባዕሉ ኣብ መጽሔት ጸዳል እንክምልስ፡ “ስለምንታይ ክጽሕፍ ከም ዝደልይ ዝገልጽ ምላሽ የብለይን። ከም ውቃበ ኣብ ውሽጢ ህልውናይ ዝሰረጸ ድፍኢት ጽሓፍ-ጽሓፍ ኢዩ ዘጽሕፈኒ። ናይ’ቶም ስነጥበባዊ ሓይልታት ውርዉር ኲናት ኰይነ እየ ነቲ ብናብራ ገጢሙኒ ንውሽጠይ ዝሰፈረ ግጥማት ናብ ስነጥበባዊ ህልውና ክቕይር ዝፍትን። ኣብ ናብራይ ካብ ዝገጥሙኒ ዓይነይ ስሕብ ንዘብሉ ፍጻሜታት ኣዝየ እየ ዘቕልበሎም። እዚ ፍሉይ ባህሪ’ኳ ኣይመስለንን። ኵሉ ቀልቡ ናብ ዝስሕቦ የቕልብ ኢዩ። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ነቲ ዝገጥመኒ ዘበለ ተመኵሮ ሂወት ኣብ ወረቐት ብዘይዓለቡ ብመርበብ ቃላት ጸሚደ ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ከቐምጥ ላሕ እብል። እቶም ናይ ውሽጠይ ቃላት ነቲ ግጥሚ ብሓቂ ፈቲሎም ክኣልምዎ እንከለዉ ኣብ መንጎ ውነን ትሕተ-ውነን ወይ ኣብ መንጎ ሕልምን ግህዶን ኰይነ ቅሳነት ይስምዓኒ። ብዘይተሰምዐ ሙዚቃ አሰንዮም። ኣብ ዓለም ወሪድካ ብዘይምለኽ ተኽእሎታት ከም ዝዛነዩ እገብሮም። ንዕኦም እንዳኣለምኩ ጥራሕ ብሩፍታ ምነበርኩ። ዘይገብርዎ ነገር የለን። ናብ ወረቐት ውረዱ ኢለ ግን ብፍቓዶም እምበር ብፍቓደይ ከውርዶም ኣይክእልን። እንተወረዱ ድማ ከም’ቶም ፈለማ ዝተኸሰቱለይ ኣይኰኑን። ንንቕሓት ግህዶ ናብራይ ምሉእ ንስነቶም ኣይቀልዑለይን። ህይወት ድቃሰይን ዙረት ሕልመይን ዝሕሾም ኢዮም ዝመስሉ። ተቓሊሰ ምስ ኣውረድኩዎም ዝነበሮም ግርህነት ይገድፍዎ። ክንዲ ርብዒ ብልጭትኦም’ውን ኣይመልኡን። እምበኣር በዝን ብኸምዝን ጌርካ ኢኻ ንዓቢዱ’ዶ ትብልዎ”ን ንድኳን ትበርህን ትጽቢት ባህጉን ወግዒ ልብን ደሪስካ ንዝብል ሕቶ ግን እወ ኣይምበልኩን። እዚ ሕጂ ዝኸውን ምስ ኰነ ክመራመረሉ ዝፈተንኩ ጽሑፍ ኢዩ። እቲ ክጽሕፍ እንከሎኹ ግን ተመራማራይ ኣይነበርኩን። ተላኣኻይ እየ ነይረ። ኣብ ውሽጠይ ኰይኖም ንዝመርሑኒ ሓይልታት እየ ተገዚአ። ብውነይ ድሕሪ ኰይኑ ካብ ንእስነተይ ኣከያይዳ ዓለም ብዙሕ ዝመሓየሽ ከምዘለዎ ኰይኑ ኢዩ ተረዲኡኒ። ብዙሕ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ብሓዲሽ ክትካእ ዘለዎ ባህሊ ናብራ ኢዩ ተራኢዩኒ። ነዛ ፍረ ዘይብላ ጐዳም ማሕረሻ እንዳምለኸ ዝነብር ሰብ ተፈትዩኒ ኣይፈልጥን። ሰኣን ለውጢ ድሕሪት ዝተርፍ፡ ንልበይ ተንኪፉ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ ነጊሱ ምርኣይ ብቐደሙ ኣይተበረሃንን። ብሽም ስነጥበብ ዝቐርብ ጽላሎት ሓቅን ጽባቐን ኣይዓጀበንን። ንለውጢ ዘይኣምን ኵሉግዜ ምስ ኣጠራጠረኒ ኢዩ።”

ንሓቂ፡ ንሕይወት፡ ብጥበብ ኢሉ ዝነብር ሰብ ከቶ፣ ምስ ንዝና ዝናፍቑ፡ ገንዘብ ከኻዕብቱ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ሰባት ክቃዶ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ምንታይሲ ዓለሙን ዓለምናን ክሳነ ስለዘይክእል። ምኽንያተ ጽሕፈት እምበር፡ ዓለምናን ዓለሙን እንተ ተራኸበ’ዩ ነይሩ። ብቓላቱ፡ “ኣነ ከም ኣባልኩም ናተይ ኣጠማምታ ናብራ ዓለም ክገልጸልኩም እሞ ምናልባት ዝመሳሰል ኣረኣኢያ ድሕሪ ረኺብኩም እምበኣር ኣብ ሓደ ዓለም ኢና ዘሎና እንተ በልኩም እንታይ ይፍለጥ! ኵልና ሓንቲ ጸሓይ እናረኣና ስለንስጕም ኣብ መንገዲ ህይወት ዝጐነፈኒ ምስቲ ንዓኻትኩም ዝጐነፈኩም ድሕሪ ተጋጢሙ ገለ ዘራኽብስ ኣሎና እንተ በልኩም ካብ ጽምዋ ዓለም ቊሩብ ትድሕኑ’ሞ ንገጣጠም ንኸውን” ይብል።

እንተ ዘይተራኸበኸ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ’ዩ። ይጽምዎዶ ይኸውን፧ እዚ ዓይነት ጽምዋ፡ ዘዛርቡኻ ስኢንካ እትጽምዎ ጽምዋ ኣይኰነን። እዚ ጽምዋ እዚ ቀሊል’ዩ። ካብኡ ዝበኣሰ ግና፡ ኣብ ማእከል ሰባት ከሎኻ ዝስመዓካ ጽምዋ ኣሎ። ነዚ ዝሰማማዕ ካብ ድኳን ትበርህ ሓደ ሕጥበ ጽሑፍ ምንባብ ይከኣል፤ “ኣብ ማእከል ሰብ ከሎኻ ዝስመዓካ ጽምዋ ቀሊል ኣይኮነን፡ ናብ ጸድፊ ስነጥበብ ክፍንወካ ኢዩ ዝደሊ። ተሓምቢብካ ምስ ወረድካ እቲ ዝነበረ ኣካላትካ ምሳኻ ክህሉን ወይ ብኻልእ ክትካእን መን ኢዩ ከረጋግጽ። ኣሎኹ ክብል እንከሎኹ ናይ ትማሊ ድየ ናይ ሕጂ! ናይ ብቐዳማይ ቍጥዐይ ድየ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ሰሓቐይ! እንታይ ገዲሹኒ ዝመራመር! ስቕ ኢለ ዘይጽሕፍ! ኣብዚ ሕጂ መብዛሕትኡ ሰብ እኮ ሕሉፍ ክርስዕ ኢዩ ዘንቅድ ዘሎ። ኵሉ ቦታኡ ረሲዑ ማእከል ማእከል ዝብለሉ ዘመን ስለዝኾነ ነቶም ወሰን ዘሎና ኣየርክበልናን ኢዩ። ማእከልን ወሰንን ከም ዝመስለካ ደኣ’ምበር ከም ሓቅስ ኣየናይ ምዃኑ መን ፈሊጡዎ” ይብል እሞ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ድማ፡ “እዚ ሰብኣይ ፍሉይ ኤርትራዊ ኢዩ። ህይወቱ ብብርቱዕ ጽምዋ ዘሕለፈ ሰብ ምዃን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ንረክብ።

ኣብ ካልእ ገጽ እታ መጽሓፍ ድማ፡ ኣጆኹም፡ ኣይጽምወንን ኢዩ ብዘስምዕ፡ ጕዕላይ ብዛዕባ ኣቦኡ ንትርሓስ ክነግራ እንከሎ “ግን ዝጽምዎ ሰብኣይ ኣይኮነን፡ ማእለያ ዘይብሎም ዘዛርቡዎ ኣቝሑት ኣለዉዎ። ማእለያ ዘይብሎም ጥንታዊ ኤርትራዊ መጻሕፍቲ፡ ብራናታት፡ ጥንታውያን ቅርስታት፡ ኣቝሑት ምእካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስኦም ብፍቕሪ ኢዩ ዝዋሳእ” ይብል።

ጽሑፋት በየነ፡ ካብ መጀመርታ ንዝተኸታተለ፡ መጠይቑ ንዘንበበ፡ ደጋጊሙ ህርመት ልቡ ክሰምዕ ንዘንቀደ ሰብ፣ በየነ ሓቀኛ ትርጕም ሕይወት ክነብር፡ ሓቂ ከናዲ ከርተት ዝበለ፡ ብጽምዋ እተበልዐ፡ መዛርብቲ ዝሰኣነ ይመስለካ እሞ፡ ብዙሕ ትሓዝን። ጸኒሕካ ድማ፡ ንሱ ዝፈጠሮም ገጸ ባሕርያት ከም ከውግዕ፡ ክማጐት፡ ክስሕቕ፡ ክበኪ ትዕዘብ። ምናልባት እንተ ዘይተጋግየ፡ ብዓይነ ልቦናይ ንበየነ ክስእሎ ከሎኹ፡ ንበየነ እቲ “ባሕታዊ፡ ግና ኸኣ ከተመኛን ምርዑውን” ክብሎ እደፍር።

ቍንቍኘ በየነ፤ ትንተና ኣብ ቋንቋን ኣፋዊ ስነ ቃላትን

ኣብ ክሊ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ዘለዉ እሞ፡ ንልዕሊ ሓደ ካብ ቃላት በየነ ብምልቃሕ “ቅርንጫፍ ኣርት” ዝኽእሉ፡ ውሑዳት ኢዮም። ዝኽእሉ ክንብል ከሎና፡ ከም መርወይ ስምዒቶም ዝፈታትኑ ማለትና ዘይኰነስ፡ ነቲ ካልእ ዓውዲ ብዝግባእ ዝመልክዎ ማለትና ኢና። ንሓደ ክትመልኮ፡ ግዜ፡ ብቕዓት፡ ዓቕሊ፡ ትዕድልቲ፡ ትምህርቲ ወዘተ. ዝሓትት ረቛሒታት ካብ ኮነ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓውዲ ምምላኽ እምበኣር፡ ክሳዕ ክንደይ ዓቕሚ ከም ዝሓትት ንምግማቱ ኣየጸግምን። ቀባኢን ደራሲ ልብ ወለድን ድራማን ሚኪኤል ኣዶናይ በዓል ክልተ ዓውዲ’ዩ። ቀባኢ፡ ገጣሚ፡ ደራሲ በየነ ድማ፡ በዓል 3+ ዓውዲ’ዩ። ንኣብ ወግዒ ልቢ ዘእተዎም ደርፍታትን ኣፋዊ ግጥምታትን፡ ንዕኦም ዝኸውን መሳንይቲ ዜማታት፣ ገለ ካብቶም መሰኻኽር ስርሓቱ’ዮም።

ኣብ ድራማ ወግዒ ልቢ፡ ከም ደራሲ ንዝቐረቡ ደርፍታት ከም ዘያሚ፡ ብዓል ቅኔ ኰይኑ ዝዓየየ በየነ ምስ ትዕዘብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምዚ ዓይነት ህያባት ዝተዋህቡ ሰባት፡ ብዓል ብዙሕ መኽሊታት ዝብል ጥቕሲ ይቕጀለካ። ኣብ ናብራ ሕዝበ ትግርኛ ንኸምዚ ዓይነት ሰብ እንቈርሓሉ ቅጽል እኳ እንተ ዘይብልና፡ ንብኽልተ ኢዱ ዝሰርሕ ሰብ ግና ተውለ ዝብል’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ንብዙሕ ስነ ጥበባዊ ቅርንጫፋት ዝመልኽ፡ ብእኦም ዝልሀ በየነ እንታይ ክንብሎ ንኽእል፧! ንግዚኡ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸኒ ቅጽል፡ ተውለ ተዋሉ ዝብል ቅጽል’ዩ!

ሀ. ኣፋዊ ግጥምታት

ንሓደ ካብቶም፡ ብዙሕ’ኳ ካብ ስራሓቱ እንተ ዘይረኸብና ወይ’ውን ንሕትመት ዘይተዘርግሑ ይኹኑ፡ ኣኽቢሩ ብዙሕ ሳዕ ዝውድሶ ግጥሚ፡ ብኸምዚ መልክዕ ይገልጾ። “ንግጥሚ’ውን ብኽቡር ደረጃ ኣባል ስነጽሑፍ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ጐይታ ስነጽሑፍ እንተተባህለ’ውን ዒራ ብግሁድ ኣይተተጠቐምኩሉን ኢለ ኣይምተቓወምኩን። ዋና ድሕሪ ረኺቡስ ሓኸለ ስነጽሑፍ ምዃኑ ብልበይ እየ ዝኣምን”። ነቶም ዘይጸሓፉ፡ ኣፋውያን ግጥምታት (Oral literatures) እንብሎም ድማ፡ ብዙሕ ሳዕ ክጠቕሶምን ክጥቀመሎምን ንዕዘብ።

ብዛዕባ ማሰ፡ መልቀስ ካልኦትን መጽናዕታት ዘቕረቡን ዝኣከቡን ጸሓፍቲ ኣለዉና። ኪኖ ምእካብን ከም ዘሎዎ ምድጋሙን፡ ባህሊ ምዃኖም ከም ቅርሲ ክዕቀቡ ከም ዘሎዎም ደኣ እምበር፡ ካብ ከብሒ ቅርሲ ኣውሪድካ ከመይ ቢልካ ኣብ ዘመናውነት ተርዕሞም ሓሳቡ ዘውስአ የልቦን። እዚ ድማ፡ ንባህሊ ከም ቅርሲ ተቐሚጡ ዝነብር፡ ወይ ድማ ከም ማይ ጳጕሜን ኣብ በዓላት ጥራሕ ቅልቅል ዝብል ደኣ እምበር፡ ምስ ናብራና ዘዋስቦም ስነ ጥበባዊ ኣይተዓዘብናን። በየነ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማ ወግዒ ልቢ ነዚ ብምስትውዓል፡ “ማሰ፡ ንስጥበባዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ንትምህርታዊ ይኹን ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ከሰጋግር ዝኽእል ዓረብያ’ዩ። ዝተደልየ ሓሳባት፡ መልእኽትን – ጽዒንካ ንቕድሚት ምባል’ዩ፣ ስለ ዝኾነ ኣብ ድርሰት ሙዚቃ ክዝውተር ኣለዎ” ይብል። ብፍላይ መንእሰያት ከመይ ጌሮም ክምዝምዝዎ ከም ዘለዎም ጸሓፊ ብኣፈ እድሪስ ከምዚ ይብል፤

እቶም መንእሰያት ንመርዓ፣ ንኽብረ-በዓላት፣ ንዝተፈላለዩ ፍጻሜታት፣ ንመመረቕታ ዓወታት፣ ንጸወታ፣ ንሸኸርከር፣ ንእሩሩ፣ ንሕጉስ ርክብ፣ ወዘተ. ዝመርሕ ብልሓት ይመሃሩ ነይሮም። ነንሕድሕዶም እውን ልምምድ እናገበሩ ይመሃሃሩ ነይሮም። ብሳዕስዒት ንምሕንባብ፣ ኣውሎ-ማሰ ንምግጣም፣ ምዕሸ ንምጭፋር፣ ብዕጥቂ ንምድባል፣ ብተሓምበለ ንምዕንዳር፣ ብፍትፍቲ ንምዝላል፣ ወዘተ. ልምምድ ይገብሩ ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣብ ገጠራት ይገብሩ ኣለዉ። ከም’ዚ ሕጂ ቅድሚ ናብ ቅሉዕ መድረኽ ተዋስኦ ምውራዶም ዝገብሩዎ ልምምድ ማለት ኢዩ። ነዞም ካብ መበቈልና ተበንቊስና ኣብ ከተማታት ፋሕ ምስ በልና መሳፍሕ ሰራውር ሕልና ስኢንና ዘሎና ግን መግለጽ ሓጐስ ይኹን ጓሂ ስለ ዘየብልና ብሕልፊ መንእሰያትና ይጽገሙ ኣለዉ። እቶም ብዕድመ ዝበልጹ ግን ናይ ቀደም ዝጸብሑዎ ሞያ እናጠቐሱ አይ-ኡይ መግዓሪ ኣይሰኣኑን። ናትና ሃፊፉ ኢልና ብናይ  ካልእ ሃገራት ባህሊ ከይንጥቀም ድማ ንጓሂኦምን ሓጐሶምን፣ ንብኽያቶምን ሰሓቖምን ናይ ኣሰይታ ወይ ናይ ኣውያት መግለጺ ዝኸውን ቋንቋ ኣይሃቡናን። መንነት ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስና ሰሓቕን ኣውያትን ዝሰረጸ ህይወት ስለዝዀነ ብልቓሕ ክርከብ ኣይተኻእለን።” (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 203)

ባህሊ ወጻኢ ይኹን ስነ ጥበባዊ ስርሓቶም፡ ምስ ሕይወትና ክሰርጹ እንተ ዘይክኢሎም፡ ዳርጋ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ፡ “እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን ኢዩ ንውግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧” ይኸውን። ስለዚ እቲ ዝድመጽ ድምጽታት ጓሂ ይኹን ሓጐስ፡ ትርግታ ልብታትና ክሰምዑ ከም ዘሎዎም ብምግንዛብ፤

መንነት ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስና ሰሓቕን ኣውያትን ዝሰረጸ ህይወት ስለ ዝዀነ ብልቓሕ ክርከብ ኣይተኻእለን። ኵሉ ድማ ኣብ ቋንቋና ኢዩ ዝርከብ። መማህራን ዝብሃሉ፣ ነቲ ዝነበረና ናይ ባህሊናን ልማድናን ሉል ናይ ሕፍረት ሓጺን መሲሉዎም፣ ካብ መጻኢ ድልየትና ኣሕዲጎም ብዘይ መተካእታ ደርብዮሞ። ነዚኣቶም ከሲስካ ድማ ኣብ ዝብጻሕ የለን። ካብ ነዳያን ሃብቲ ምጽባይ ከንቱነት ኢዩ ትርፉ። ገሊኣቶም ግዳያት ከም ዝነግሩና ማይ ቦዲ ላይስ ኢን ዘኦሽን ዝብል ደርፊ ባዕዲ ክንደግም ይጕስጕሱና ነይሮም ይብሉ። ነየናይ ሓጐስ ወይ ነየናይ ጓሂ ከም ዝጥብር ግን ኣይፈለጡን። ብነቓዕ እምነታት ገይሮም ድማ ንተደጋጋሚ ሊጣኛታትን ቀለልቲ መዝሙራትን ዘሰንዩ ናይ ፒያኖ ሶልፋጆታትን ሕብረ ድምጽታትን ኣተኣታትዮም ደኣ’ምበር ኣብቲ ናቶም ዝዀነ ማድሪጋል፣ ረኩይም፣ ሲንፎንያ፣ ካንታታን ኮንቸርቶን ኣየእተዉን። ነቲ ዝነደየ ሰብ ድማ ካብቲ ሃብታም ማሕሌታቱ፣ ቅዳሰኡ፣ ዜማታቱ፣ ማሰታቱ፣ ደርፉን ትልሂታቱን ፈልየሞ።” ይብል። (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 204)

ለ. ቋንቋ

ቋንቋ ሓሳባትና እንገልጸሉ፡ እንዘራርበሉ፡ እንጽሕፈሉ መበሃሃሊ ዝኾነ ህያብ ፈጣሪ’ዩ። እዚ ህያብ እዚ፡ ጸሪብካ፡ ዓቂንካ፡ ወልዊልካ ምጥቃም ድማ፡ ኣብ ኢድ ተዛረብቱ ዝተርፍ ግደ’ዩ። ብውሑድ ክበሃል እናተኻእለ፡ ሰዓታት ብዝወስድ መደረ ሓሳቦም ዝገልጹ፣ ብቐሊል ክግለጽ እናተኻእለ ዝሓላልኹ ጸሓፍቲ፡ መደርቲ መሊኦም’ዮም። በየነ፡ ኣብ ጽሑፋት ቀብኣይ ከም ምዃኑ መጠን፡ ዘቐምጦም ቃላት፡ ሓረጋት፡ ምሉኣት ሓሳባት ከም ንፉዕ ቀራጺ፡ ብዝግባእ ዝተቐርጹ፡ ከም ንፉዕ ቀባኢ ብዝግባእ ዝተዋሃሃዱ፡ ከም ንፉዕ ሓረስታይ ዝተመርጹ ዘርእታት’ዮም። ኣብ ጽሑፋት “ተወሳኺት ዝኣትወት” ወይ ድማ፡ “ኸምዚኣ እንተ ትኣቱ” ወይውን “ዘይብቕዕቲ ቃል” እትብላ ክተረክብ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ። ምኽባዱ፡ ንሱ ነዞም ቃላት እዚኦም መሪጹ ከእቱ ዝወሰደሉ ግዜ፡ ዕምቈተ ሓሳብ ምውራድ፡ ምጥላቕ የድሊ። ሰሎሞን በርሀ “ከም በየነ ገይሩ፣ ንቋንቋ ትግርኛ ብውሕልነት ዝተጠቕመሉን ኣርቂቑ ዝፈተሎን ዝፈተጎን ናይ ምግላጽ ሓይሉ ዘርኣየን የለን” እንተበለ እምበኣር ምግናን ኣይኰነን።

1. ፈጠራውነት፤

  •   ስዕማ፤ ኣፍ ልቡ ቀሊዑ ምስጢር ሕይወቱ ከረድእ፤ ቀንዲ ትርጕም ባህጉ ብቓላት ከነጽር፤ ክልቲኦም ተተቐባቢሎም፤ ብዘይሕፍረት ብዘይቃልዓለም ከውሕዙ ስጉድ ንብዓቶም፤ እሞ ዅሉ ብዛዕባ ምስዓም፤ ስዕመት፤ ስዕማ፤ ስዓመ፤ ስዓመት፤ ብምስዓም ተሳለመ፤ ሰጊዱ ስዓመ፤ ባሪኹ ሰዓመ፤ ተሰዓሙ፤ ኣየናይ ኢዩ ግሲ መራሕ ግብሪ፧ ኣየናይ ኢዩ ቅጽል ገላጽ ቅርጺ፧ ተላጊቡ ድዩ ዝሳለ ወይ ተፈናጭሉ’ዩ ዝሕምበብ፧
  • ንስነት፤ ነዛ ቃል እዚኣ ፈለማ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ከንብባ ከሎኹ፡ ንእስነት ትመስለኒ ኔራ። ጸኒሐ ብዝረኣኽዋ ግና፡ ባዕልነት፡ ውልቃዊ መንነት፡ ውሽጣዊ ፍልስፍና ዝብሉ ኣምራት ዝሓዘት ምዃና ተገንዚበ። መበገሲ ቃል፡ ንሱ ዝብል ክንዲ ስም ዝሓዘት ድማ ትመስል።
  • ጣሕልያቶ፤ ነዚ ቃል እዚ ፈለማ ንዘንበቦ ሰብ፡ ትርጕሙ ንምፍላጥ ገለ ደቓይቕ ክወስደሉ ይኽእል ኢዩ። ንሓደ ድኳን ትበርህ ምዕራፍ ክልተ ከንብብ ዝጸንሐ ግና፡ ቀልቡ ደኣ ይስሕቦ እምበር፡ ትርጕሙስ ኣየጸግሞን። ግና ኸኣ፡ ብፈጠራውነት ጸሓፊ ይግረም። እቲ ምንታይ፡ ጸሓፊ ግሳሰ (ኣ)ስማት ብዝብል ከይዲ፡ ነቲ ስም ማለት ጥሕሎ የገስሶ። ጥሕሎ ዝብል ስም፡ ካብቲ ጠሓለ [ጣሕለወ] ዝብል ግሲ ዝወጸ ኰይኑ፡ ብሕሉፍ ካልኣይ ኣካል ኣንስተይቲ እንተደኣ ገሲስናዮ ድማ፡ ጣሕልያቶ ክንብል፡ ሰዋስዋዊ ስነ መጐት ይፈቅድ’ዩ።

2. መረጻ ቃላት፤

ኣብ ጽሑፍ እንመርጾም ካብቶም ብብዝሒ ዘንበብናዮም፡ ዝሰማዕናዮም፡ ወይውን ኣብ ዕለታዊ ናብራና እንጥቀመሎም እንመልሶም ጕስዖ’ዮም። ብኸምዚ፡ እንጥቀመሎም ቃላት እናወሓዱ ብዝኸዱ፡ ቀደም ንፈልጦም ዝነበርና ካብ ውሽጥና እናሃሰሱ ይኸዱ። ድኽነት ቋንቋ ድማ የጥቅዓና። ክንዛረብ ይኹን ክንጽሕፍ ከሎና ድማ፡ ባዕዳውያን ቃላት ንጥቀም። በየነ ብፍሉይ ዝተጠቀመሎም ካብ ጽሑፋት ትግርኛ እናሃሰሱ ዝኸዱ ዘለዉ ቃላት ከም እኒ ማጫ፡ ዳረገ፡ ቈረሐ፡ ማህዚ፡ ሰሚጡ ይጥቀም። ብኸምዚ ኣብ መረጻ ቃላቱ፡ ልክዕ ከም ሓረስታይ ጥንቁቕ ይገብሮ።

3. ዘይቅዩድነት

ህየሳ፤ ህየሳ ኵልና ከም እንፈልጦ ክሳዕ ሎሚ ንreview መተካእታ ወይ ድማ ንገምጋም መለሳ ስማ ኰይና ዝጸንሐት ቃል’ያ። በየነ ግና፡ ኣብ መጠይቓቱ ከም ዝነግረና ንውዕላት ኣይሰግድን፡ ንእታው መዝገበ ቃላት ድማ፡ ኣይሕጸርን’ዩ። ስለዚ ድማ፡ በዚ ንሕና እንህባ ውስንነት ትርጕም ከይተቐየደ፡ ሓደ ምህዞ ቃል፡ የወፍየልና።

እቲ ምንቃፍ ክትብሉዎ ጸኒሕኩም ምህያስ ክትብሉዎ ጀሚርኩም ዘሎኹም ምልብባም ኢዩ ዝብሃል። ምህርቲ ፈጠራዊ ስነ-ጥበብ ብኣለባሚ ክኢላ ኢዩ ዝፍተን። እቲ ክኢላ ልበዋ ኢዩ ዝገብር፤ ክልብም ዝደለየ ድማ ነቲ ልበዋ ይምርምር፤ እቲ ንጥፈት ብሓፈሻ ምልብባም ይብሃል። እቲ በዓል ሞያ ንሰብ ብዛዕባ ስርሒት ስነ-ጥበብ የለብም ኣሎ ኢዩ ዝብሃል፤ ነቒፉ፣ ሃይሱ ፍረ ሃልኩ ኣይርአን፤ ካብ ብርሃኑ ጸልማቱ ይዓዝዝ፤ እዚ ኣዘራርባ ካበይ ከም ዝመጸ ኣይፈልጥን፤ ሃይሱ፣ ነቒፉ ኢልካ ንስነ-ጥበብ ክትርዳእ ምፍታን ከንቱነት ኢዩ ትርፉ። ሓደ ሰብ ሜላ ልበዋ ክመሃር፣ ክዕለም ወይ ክስልጥን ይኽእል፤ ለበውቲ ማለት ንፍርያት ስነ-ጥበብ ተዓዚቦም ንሰብ ዘለብሙ ኢዮም። ኣብ ስራሕ ልበዋ ዝተዋፈሩ ለባዊት ወይ ለባዊ ይብሃሉ ኢዮም። ኣለባብማ ይኽእል’ዩ፣ ኣለባብማ ትኽእል’ያ፣ ኣለባብማ ይኽእላ’የን ወይ ይኽእሉ’ዮም ክብሃል ይክኣል፤ ልባሞ ሂቡ ወይ ሂባ’ውን ከምኡ። ኣብ ሓደ መጽሔት ወይ ጋዜጣ ወይ መጽሓፍ ልባሞ ጽሒፋ ዘይብሃለሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን።

ልበዋ ቅብኣ፣ ልበዋ ስነ-ጽሑፍ፣ ልበዋ ተዋስኦ፣ ልበዋ ፊልም፣ ልበዋ ቅርጺ ወይ ስነ-ህንጻ ወይ ግጥሚ

ወይ ሙዚቃ ክብሃል ዘይክኣለሉ ምኽንያት’ውን ኣይረኣየንን። ኣብ መንጎ ኣፍቀርቲ ስነ- ጥበብን ኣፍረይቲ ስነ-ጥበብን ለበውቲ ኣለዉ ማለት ምልብባም ንኽህሉ ዝጽዕሩ ወይ ምልባም ዝስራሖም ወይ ልበዋ ዝሞያኦም ወይ ልባሞ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ከቕርቡ ዝኽእሉ ወይ ልበዋ ኣቕሪቦም ዝብሃሉ ክህልዉ ይኽእሉ። እዚ ጥረ ዘርኢ ቃል ካብ ልቢ ኢዩ መንጪዩ። ስነ-ጥበብ ምስ ስምዒትን ሓሳብን እኳ እንተ ተቐራረበስ ዝያዳ ምስ ናይ ስምዒት ፍልጠት ኢዩ ዝዛመድ። ልቢ’ዩ ዝቐርቦ ማለት ኢዩ። ልቢ ኣለዎ’ዶ፧ ብልባ ድያ ተፍቅሮ፧ ምስ ልቡ ኣይኰነን፣ ብዘይ ልበይ፣ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣትያትኒ፣ ልቢ የብሎምን፣ ልቢ የብላን፣ ለባም ኢዩ፣ ንለባም ኣምተሉ፣ ወዘተ. ይብሃል ኢዩ። ስነ-ጥበብ ካብ ልቢ’ዩ ዝውለድ ግን ኣይብልን። ስነ-ጥበብ ይፍጠር እምበር ኣይውለድን። ጽባቐኡ ኣብ ምፍጣሩ ኢዩ። ካብ ስምዒት ጥራሕ ኣይፍጠርን። ሓሳብ እውን ፈጣሪ ስነ-ጥበብ ኢዩ። ኣእምሮን ልቢን፣ ሓሳብን ስምዒትን፣ ሕልሚን ራእይን፣ ውነን ትሕቲ-ውነን፣ እምነት፣ ፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን ናብ ባህሊ ተጠቕሊሎም፣ ንሕሉፍ፣ ንሕጂን ንመጻኢን ብርሃን ክህቡ እንከለዉ ስነ-ጥበብ ይፈጥሩ። እቶም ክኢላታት ድማ ሞያ ልባወ የማዕብሉ’ሞ ይልብዉ፣ ምእንቲ ሰብ ብፍረታት ስነ-ጥበባት ንምህብታም ክልብም ብልበዋ ስነ-ጥበብ ወይ ዝተጻሕፈ ልባሞ ብምንባብ ወይ ልበዋ ብምኽታል፣” እናበለ ሰብ ክሳዕ ዝድንጹዎ ይደጋግም እቲ መልእኽተኛ ሓቂ። (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 281-2)

4. መዝገበ ቃላት በየነ

በየነ ሃይለ፡ ምናልባት ብዘይ ምግናን፡ ናቱ መዝገበ ቃላት ክምስርት ዘንቀደ ጸሓፊ ይመስል። ብዙሓት ኣምራት ዝሓዘሉ ቃላት በየነ፡ ብዝግባእ እንተ ዘይተፈሊጦም፡ መልእኽቲ ጽሑፉ ምርዳእ ይኸብድ። ብኸምዚ እታዋት መዝገበ ቃላት በየነ ወይ መፍትሕ ቃላት በየነ ክዳሎ ይኽእል ክንብሎም ካብ እንኽእል ቃላት ወይ ሓረጋት ንምጥቃስ፤ ዕምባባ እምኒ፡ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት፡ ኣንጭዋን ሓርማዝን፡ ዕንጨይቲ ቈልቋል፡ ድቀት መንነት፡ ፍልስፍና ዕምባባ እምኒ፡ ሕዝሎ ብርሃን፡ ምራን ኣጻብዕቲ፡ ሕቶታት ስፍኒክስ፡ ጥባው መግዛእቲ፡ ድርሳነ ፈጠራ፡ ሓወልቲ እዝኒ፡ ደራፍ ለይቲ፡

ትምህርትን ምሁራንን

ትምህርቲ ካብ ሕጻንነት ዝጅምር ወዲ ሰብ ዝገብሮ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ሕይወቱ ኢዩ። እንተስ ብቤተሰብ፡ እንተስ ብትምህርቲ ዝተፈላለዩ መስኖታት ትምህርቲ ድማ፡ ማይ ትምህርቲ ይሰቲ። እዚ መስተ እዚ፡ ካብ ሕጻንነትና ምስ እንሰትዮ ኣዝዩ ኣድማዒ ክኸውን ተኽእሎታቱ ብዙሕ’ዩ። በየነ ትምህርቲ ንሕጻናት ብፍላይ ድማ ብጽውጽዋይን ዛንታ ሕጻናትን ክሳዕ ክንደይ ኣበርክቶ ከም ዘለዎም ይጠቅስ እሞ፡ “ንሕጻናት ንምሕጓስ ኵልና ሕጻናት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ዓለም ሕጻናት ዘይነብር ንሕጻናት ዘርብሕ ምህርቲ ከወፊ ኣይክእልን ኢዩ። እቶም ዝበለጹ መማህራን ንሕጻናት ክምደቡ ኣለዎም። ሕጻናት ምስ ኣድማሶም ዘለዎም ዝምድና ዘርጕዱ መምህራን የድልይዎም። እቲ መምህር ናይ ህይወት ዘማሪን ናይ ፍጥረት ተመራማሪን እንተዀነ ይምረጽ። እንተዘየሎ ግን ከምዞም ሕጂ ዝርኣዩ ዘለዉ ግዳያት ትምህርቲ ክድገሙ ኢዮም። ስነ-ጥበባዊ ምህዞን ስነ-ፍልጠታዊ ፈጠራን ዝጐደሎም ጸማልያ ዓበይቲን መንእሰያትን ብስም ምሁራት ተሪፎም ኣለዉ።” ክብል፡ ኣብ ሕጻናት ዝግበር ሸለልተኝነት ክሳዕ ክንደይ ሳዕቤን መጻኢ ከም ዘለዎ ይእምት።

ነዚ ዝኸውን መድረኽ ብዘይምህላውና ብግሁይ መንፈስ ድማ፡ “ሓቂ’ዩ መድረኽስ የብልናን። ብሕልፊ ንተመልከትቲ ዘሳትፍ የብልናን። ገና ኣእምሮና ብፍርሒ ተዓዅሊሉ ኣሎ። ብናይ ቀደም ገመድ ትምህርቲ ተጠምጢሙ ኣሎ። ብሓድሽ ብርሃን ትምህርቲ እንተ ዘይተበራቢሩ ሓድሽ መድረኽ ኣይምሃዝን ኢዩ” ይብል።

ካብዚ ክንድሕን እንጽልዮ ጸሎት፡ ኪኖ ከብዲ ምምላእ ኣእምሮ ምምላእ ክኸውን ከም ዘሎዎ ብምዕዛብ፤ “ጸሎትና ማይ ኣውርደልና፤ ከብዲና ምልኣልና ዘይኰነስ ክእለት ምግራም ሃበና ኢዩ ክኽውን ዘለዎ። ምኽንያቱ፣ ምግራም እንተዘየልዩ ነቲ ረቂቕን ውሕሉልን ሕቶታት ህይወት መደራጕሕ ምላሽ ዓያሹ ክጸቕጦ ኢዩ። ስነ-ጥበብ እንድሕሪ ዘይነጊሱስ ኣደዳ ቀለምቀመሳት ክንከውን ኢና ክብሉ ኣለዎም።” ይብል።

ትምህርቲ ይኹን ንግዲ፡ ንዕኡ ዘካይድ መምህር ይኹን ነጋዳይ ኵሉ ተሳታፊ ዓውዲ ናብራ፡ ብጥበብ ክጥመቕ ከም ዘለዎ ይእምት። ክእምት ከሎ ግና ንገዛእ ርእሱ’ውን ሓራ ኣይገብርን- ኵልና እናበለ ደኣ ይጽሕፍ፤

“እወ ኵልና ክንፍወስ ኢና ደሊና ዘሎና። ብስነ-ጥበብ ክንፍወስ ኢና ንምህለል ዘሎና። ኵሉ ትምህርቲ ይኹን ተመክሮ ኣሎኒ ዝብል፣ ዓይነይ ብትምህርቲን ብስራሕን ነቚሑ ኢዩ በሃላይ፣ ክሕክም፣ ክመርሕ፣ ክጣበቕ፣ ክነግድ፣ ክሃንጽ፣ ክምህር፣ ክጽሕፍ ዝጓየ ዘሎ ብስነ-ጥበብ ክፍወስ ኣለዎ እየ ዝብል ዘሎኹ።” (ትጽቢት ባህጉ፡ ገጽ 139-140)

በየነ ብዙሕ ግዜ፡ ጸረ ምሁራን ከም ዝኾነ ጌርካ ምቕራብ፡ ኣብቲ ፈለማ እዋን መጻሕፍቱ ዝተራእየ ክስተት’ዩ ኔሩ። ዝበዝሑ ደጋጊሞም ዘንበብወን፡ ምስኡ ዘዕለሉን መጠይቑ ዘንበቡን ግና ተናሲሖም’ዮም። ብሕጽር ዝበለ ቀለም ቀመሳት ዝብሎም፤ “ኣብቶም ተማሂሮም ወይ ተመኲሮም ዝብሃሉ ቀለምቀመሳት ጐዲሉ ዘሎ ከኣ ናይ ምህዞ ክእለት ኢዩ። ኵሉ ሃብቲ ከቢቡዎም እንከሎ ድኽነት ይርኣዮም፤ ወጋሕታን ኣጋ-ግዜን ክፈልዩ ኣይክእሉን” ይብል። ኣንውሕ እንተ ደኣ ኣቢልናዮ ድማ፤ “ኵሎም ቀለም ቀመሳት፡ ኵሎም ፈለጥና ዝብሉ ብሕጹር ትምህርቲታት፡ ከኣልና ዝብሉ ብብላይ ተመኵሮታት፡ ንግዙፍ መጨበጢ እምበር ንረቂቕ መሕቈፊ ኣፍ ልቢ ዘይብሎም፡ ናይ ብዝሒ፡ ስፍሓት፡ መጠን፡ ክብደት፡ ጣዕሚ፡ ሓንካስ መለክዒ ገይሮም ራእይ ጽባቐ ክግምግሙ ዝደልዩ ሰባት! ብሓንካስ ትምህርቶም ንወራዙት ክወራዘዩ ዝህቅኑ ቀለም ቀመሳት! ገዛ ኣስራሕና ኢሎም መቓብሮም ዝዅዕቱ ድኻ ፍልጠታት” ክብል፡ ዕርቃኖም የውጽኦም።

እዞም ቀለም ቀመሳት ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት ክጥነስ ንደገ፡ ክውለድ ንደገ ብምዃኑ ድማ፡ ኣዝዩ ዘስደምሞ በየነ ብኣፈ ጸጋይ “ስለምንታይ ኢዩ ኵሉ መጽናዕትታት ኣብ ርሑቕ ተጠኒሱ ከብቅዕ ንኽውለድ ድማ ተመሊሱ ንርሑቕ ዝምለስ፧ እቶም ህይወትን ሞትን ምዕብልና ስልጣነ ዝውስኑ ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ጥራሕ ስለዝኾነ ድዩ፧ ባረኽቲ ንሳቶም ቈረስቲ ንሳቶም፡ ዓደልቲ ፍልጠት ንሳቶም መስከርቲ ፍልጠት ንሳቶም፡ መጽናዕትና ኣመሪቕና ኢና ንሃገርና ንምለስ እናበሉ እቶም ንፈትዎም በብሓደ ይፍለዩና። እግሮም ተኸቲሎም ዝመጹና’ውን ዘየተሓድር ኣየማሲ እናበልና ተመሊሶም ይሃልቁ ኣለዉ። ሒደት እንተ ተመልሱ ኸኣ ኲናት ዓስቦም ኢሎም ዝተሓንገጡዎ ወረቐት እናንፈጥፈጡ ካልኦት ክሕግዙዎም ከይመጹ መዲዶም ክሓብኡ ኸለዉ ንርኢ። ኣብዚ ዘለዉ ቀለም ቀመሳት ድማ ብርሃን ፍልጠት ከይደጕሖም ኣዒንቶም ይዕምቱ፡ እንታይ ኢዩቲ’ጕዱ” ንዘመናት ዝዘልቕ ሕቶ ይድርብየልና። በየነ እዞም ምሁራን ካብ ድኳን ትበርህ ዝገብርዎ ዕድጊ “ነዚ ዅሉ ዝዕብልል ግን ሸመታ ህድማ ድምጺ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ዓዳጊ ዘበን መግዛእቲ ዘዘኻኽሮ ደርፊ ገዚኡ ክወጽእ ምስ ረኣየ ሃብተ፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ሓደ ገዚፍ ናይ መጽናዕትን ምርምርን ሕዛእቲ ገና ተሓጺሩ ከም ዘሎ ኣስተውዒሉ።”

ካብ ትምህርትኻ ምምራቕ ማለት፥ ደውታ ትምህርቲ ከም ዘይኰነ፡ እንታይ ደኣ ቀጻልነት ትምህርቲ ክህሉ ከም ዘለዎ ብምግንዛብ፤ “እቶም ሓዲሽ ሓሳባት ምቕባል ዘፍርሖም እቶም ቀለም ዝጸገቡ ዝመስሎም ወይ ብስልጣን ኮነ ብሃብቲ ልቦም ዝዓጸዉ ኢዮም። ጠበቓታት፡ ሓካይም፡ መምህራን፡ ኣመሓደርቲ፡ መሃንዲሳት፡ ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠት ብጹሓት ተመረቕቲ ነቲ ልዑል ተባሂሉ ዝወሃቦም መባእታዊ ምስክር ደረጃ ፍልጠቶም ዕርዲ መሐለዊ ህይወቶም እምበር መተኣታተዊ ምርምር ህይወት ወይ ተወሳኺ ፍልጠት ምዃኑ ይዝንግዑ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ሃብቲ ምኽርን ምይይጥን፡ ደገፍ ምርምርን መጽናዕትን፡ ጥቕሚ ልምምድን ፈተነታትን፡ ኣድላይነት ቀጻሊ መሃዝነትን ምትሕልላፍን፡ ዋጋ ዘየቋርጽ ስልጠናን ርእሰ ምዕበላን፡ ወሳንነት ርእሰ ግምገማን ሚዛን ተጸበይትን በሃግትን ከምዘሎ ይርስዑዎ” ይብል። ነዚኦም ምናልባት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ግዲ ረኺብዎምስ፡ “ትምህርቲ ዝብሃል ነገር ዘጽንዑ ዝነበሩ እምበር ብእለሻ ትርጕም ህይወት ዝነደሩ ኣይነበሩን” ይብል።

በብዓመቱ ኣብ ሃገርና ይኹኑ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝምረቑ ተመሃሮ፡ ሕይወቶም ምሉእ ዝዘልቕ ድርድር ሕቶ የዀልሶም። ንሱ “ጸጸኒሑ ንሓንሳብ ብዛዕባ እቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ ላዕለዋይ መኽዘን ትምህርቲ ወይ እተን ካልኦት ከምአን ዝመሰላን፡ በቒዕኩም ኢኹም እናበላ በብዓመቱ መሪቐን ናብ ዓለም ዘእትዎኦም ዝነበራ መንእሰያት ይሓስብ’ሞ፡ ዘቕረባሎም ሕቶታት ስለ ዝመለሹ ድዩ ወይ ከኣ ንናይ ገዛእ ርእሶም ሕቶታት ምላሽ ስለ ዝረኸቡ ኢዩ እናበለ ይግረም። እቶም ብቐለም ትምህርቲ ዝምረቑ ዝነበሩ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ ዝሓቱዎ ካልእ ዘይሓተቱዎን ዘይተመለሸሎምን ሕቶ ተሰኪሞም ዲዮም ዝወጹ፧ ወይ ከኣ ንገዛእ ርእሲ ህይወቶም ዘሳቒ ሕቶ ዘይነበሮም ድሕሪ ኾይኑ፡ ፍጹም ብጹዓት ክኾኑ ኣለዎም ይብል ነይሩ”። ብጹዓት ክብል ከሎ በየነ፡ ፍሉያት ማለቱ’ዩ። እቲ ቅኑዕ ትርጕም እታ ቃል ንሱ ስለ ዝኾነ። እምበር፡ ሕቶ ክንሓትት፡ ብሕቶ ክንመላለስ ግድን የድልየና’ዩ። ሕቶ መኣዛ ሕይወት’ዩ። ብቓላቱ፡ “ሕቶታት እንተ ዘይህልዉ እንታይ ምኾንና! መኽዘናት ፍልጠታት ኢና ዝብላ ዘቕረባኦ ሕቶታት መሊስና ትርጕም እንተ ንረክብ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” እንተኾነ ግን ወዲ ሰብ ሕቶታት ነፍሱ ወይ ሃገሩ ንምምላሽ ኢዩ ሂወቱ ዘሕልፍ። ናይ ገዛእ ርእስና ሕቶታት እንተ ዘይህልዉና ህይወት ኣይምመቀረናን” ክብል ክብደት ሕቶን መቐረቱን ብገጸ ባህርያቱ የውስኣልና።

ፍሰተ ፍልጠት ከመይ’ዩ፡ መምህርከ ከመይ ቢሉ የሕልፍ፡ ተመሃራይከ ከመይ ቢሉ ትምህርቱ ይከታተል ወዘተ. ዝብሉ ጥያቐታት፣ ንበየነ ካብቶም ዝጸሓፎሎም ዛዕባታት ኣውራ ኢዮም። በዚ መንጽር ድማ፡ ነቶም ምሁራን ኢና ዝብሉ ብምንቃፉ፡ ዘለፋ ወሪድዎ’ዩ።

ኣብ ድኳን ትበርህ ብጃብር ዝበሃል ገጸ ባህሪ ጌሩ፡ ፍሰተ ፍልጠት ከምቲ ልሙድ ዝመስለና፡ ኣብ መንጎ መምህርን ተመሃራይን ዝግበር ቀጥታዊ ርክብ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብብዙሓት ከይድታት ከም ዝከናወን ንምጥቃስ፤ “ፍልጠት ኣብ መንጎ መምህርን ተመሃራይን ብዘሎ ምልካዊ ዝምድና ጥራሕ ዝተሓላለፍ ዝመስሎም ሰባት ኢዮም ወሰንቲ ግንባር መጻኢ ትውልዲ። ካብ ኵሉ ዘስግእ ግን፡ ትምህርቲ ስነጥበብ ከይህሰ’ሞ ጸኒሑ ድማ ከይመውት! ቀልጢፉ ካብ ውሻጠ ሕያዎት መምህራን ናብ ግሉጽ ባይቶ ህዝቢ ክተሓላለፍ ኣለዎ። ሰሚዕካ ጸጋይ! እቶም ዝረኣዩና ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት እኮ ገና ኣይተቐልቀሉን ዘለዉ። ሒደት እንተ ተቐልቀሉ ድማ ዘስተብህለሎም ዓይኒ ኣይነቝሐን” ይብል። ፍልጠት ወይ ትምህርቲ ብኸመይ ይሓልፍ ኣብ ዝብል ድማ፡ “ሜላ ኣመሃህራ ብተዋስኦ እንተ ዝኸውን ጸገም ኣይምሃለወን። ናይ መግዛእቲ ከይኣክል ሕጂ’ውን ብጊዜ ናጽነት ክእለት ዘለዎም መምህራንን መራሕቲ ትምህርትን ኣይረኣዩንን ዘለዉ። ቀደም ኣይነበሩን ሕጂ የለዉን። ጕድለታት ክእለቶም ኣብ ዝወረዶም ወለዲ እናሓበሱ፡ ነዞም ናይ መጻኢ ተስፋ ሃገር ንዝኾኑ ወለዶ፡ ደገል ድንቍርናኦም ክቐብኡዎም እንከለዉ ምርኣይ ዘስካሕክሕ ጭካነ ኢዩ” ይውስኽ። ነዚ ዝውክል ቅብኣ እንተ ዝቕባእ’ሞ፡ ገጸ ባህርይ ጕዕላይ ሕራይ እንተ ዝብሎ ድማ፡ ብየማናይ ክንፊ እቲ ቅብኣ፡ “ዕዉር መምህር፡ ዕዉር መራሒ ትምህርቲ፡ ኣስካርዮን ቅትለቱ ዝተዓጥቀ፡ ደገል ድንቍርናኡ ዝተቐብአ፡ መርዚ ፍልጠት ዝንስንስ፡ ሕቱም ትዕቢት ዘጕስዕ፡ ትርጕም ዝሓረሞም ቃላት ዘዝንብ፡ ብኸበሮ ዘረባ ዘዅድድ፡ ብዋልታ ቓላት ዝሕሱ (…)። እቲ ስእሊ ውግእ ብርሃንን ጸልማትን፡ ውግእ መጻእን ሕልፈትን፡ ውግእ ቀለም ቀመሳትን ግዙፋት ሰባትን፡ ውግእ ህይወትን ሞትን ዝብል ኣርእስቲ ምሃብኩዎ፡” ይብል።

ቀለም ቀመስነት እምበኣር ዘይመሃዝነት፡ ዘይፈጠራውነት፡ ጽልኢ ባህልን ቋንቋን፡ ወዘተ. ዝረቛሒኦም ምሁራን ኢዮም። ብዓይኒ በየነ ምሁራን ዝብሎም ትርግታ ሕብረተ ሰቦም ዝሰምዑ፡ ዝቅይሱ፡ ዝሓልሙ፡ ዝምህዙ፡ ዝትልሙ፡ ንጥበብ ዘምልኹ ኢዮም። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ሓውልቲ’ውን እንተ ዝስርሓሎም ሓጐስ በየነ ወሰን የብሉን። ብኸምዚ ንበየነ “መፍቀሬ ቀለም ቀሰማት፡ ጸላኤ ቀለም ቀመሳት” ክንብሎ ንኽእል።

ለበዋይ

እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶና፡ ካብ ዓዱን ዓውዱን ምስዳዱ ከይኣኽሎ፡ ኣደራዕ ብላለ ባህሊ፡ ኣለባብሳ፡ ኣመጋግባ ወዘተ. ዝበጽሖ ወለዶ’ውን ኢዩ። ሳዕቤን እዚ ዘስዓቦ ድማ ይመስል፡ ሕማመ ረሲዐ ከርሲ ኤርትራ ዝወለደቶም ጀጋኑ ጸሓፍቲ፡ ጀጋኑ ፖለቲከኛታት፡ ጀጋኑ ቅዱሳን ክትርኢዩ ኢኹም። ጀጋንኡ ዘየኽብር ሕብረተሰብ፡ ጀጋኑ ኣብ ምፍጣር ከም ዝጽገም ድማ ኣየጠራጥርን። እዚ ከይዲ ሕይወት እዚ፡ ንሓዋሩ ክመሖ እንተደኣ ዀይኑ፡ ዝነበሩ ጀጋኑና ንዘክር። ደራሲ በየነ ሃይለ ነዚ ኣስተውዒሉስ ከምዚ ይብል፡

ተዝካር ኣየድልን ኢዩ ዝብሉ ሰባት ዝበዝሑሉ ዘመን ኢዩ ዝመስል። ግጉይ ድምጾም ኣብ ፈቐድኡ መድረኻት የስምዑ ኣለዉ። ኣይትዘክሩ ይብሉ ኣለዉ። ክልለዩ ስለዘይደለዩ ኢዩ እዚ ዅሉ ምምሳል፡ ኣይትገደሰሎም! መልቀስ ዝፈልጡ ሰባት ኣይኮኑን፡ ወየ ወየ ኢሎም ብግጥሚ ተዝካር ምዉት ከተንስኡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ምዉት ይረሳዕ፡ ሕሉፍ ኣይዘከር እናበሉ ምስ ቀደም ክፈልዩኻ ዝደልዩ ክብሪ ኣይትሃቦም። ስነጥበብካ ንምዕምባብ ሕሉፍ ዘክር፡ ሰማእታትካ ኣተዝክር፡ ሜስ ኣውድቕ፡ ብርዚ ኣጥዕም፡ ስዋ ጽመቝ፡ መኣዲ ፍቕሪ ኣቕርብ። ብዘይ ሕሉፍ፡ ሕጂ ወይ መጻኢ ኣይምቅርን ኢዩ። ተዝካር ሕሉፍካ ኮይኑ ታሪኽ ሕፍረትካ ክዕቅብ ዝኽእል ዝነበረ ምልክታት ጭካነ ገዛእቲ ንዝመጽእ ትውልድታት መምህር ከይከውን ንጊዝያዊ መንበሪ ከንቱነቶም ኢሎም ክብርዙዎ ክጽዕሩ እንከለዉ ተዓዚብካ ትኸውን። ተዝካር ዘሕንኾም ሓበኖም ክገልጹ ኣይክእሉን ኢዮም።

ተዝካር እምበኣር፡ ኪኖ ሽምዓን ምግብን ዝሓልፍ፡ ህሞት ኢዩ። ብቓላት ጸሓፊና “ህዝቢ ብተዝካር ኢዩ ክተሓቛቘፍ ዝኽእል፡ ፍቕሩ ብተዝካር ይሕደስ፡ ሓቦኡ ብተዝካር ይዅላዕ፡ ታሪኹ ብተዝካር ይሃጥር። ሕጂ ግን ተዝካር ንሰብ ጥራሕ ኣይትፍለዮ። …ተዝካር ግደፉ እናበለ ዝኽሩ ዘጥፍአ ሰብ በዚሑና” ብምባል፡ ክንዝክርን ዝዝከሩ ክንፈልጥን የድሊ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ጅግና ዝግበር ተዝካር፡ ካብ ብስማዊ ብተግባራዊ እንተ ዝኸውን ክንደይ ዝመጽእ ወለዶ ብዙሕ ካብ ታሪኽ ኣያታቱ ምተማህረ። ኣብ ሓደ ቤት ንባብ “ክፍሊ በየነ ሓይለ”፡ “እምባ በየነ ሓይለ”፡ ጐደና በየነ፡ ዓመታዊ ስልማት ስነ ጽሑፍ በየነ ወዘተ. እንተ ዝግበር፡ ወለዶና ንበየነን ጽሑፋቱን ክፈልጦ ክሳዕ ክንደይ ተራ ምተጻወተ ምግማቱ ኣየጸግምን።

ዝኽሩ፡ ኣብ ልብና- ንሓዋሩ!