ግጥሚ እፈቱ’ምበር ገጣሚት ኣይኮንኩን
ገጣሚ አድንቕ
ግን ‘ገጣሚት’የ’ ኣይበልኩን።
ኣነ ድኣ ትብዓተይ ቀቲለ
ሕልናይ ኣቝሲለ
ዓይነይ ዓሚተ እዝነይ ኣሚነ
ልብኻ ዓሚጽካ ምንባር ክኢለ
ንሓቂ ከይስየፍ ደኒነ ‘ናኸድኩ
መቓብር ስምዒተይ ኮይነ ‘ናሃለኹ
ተጋጊኺ`ለኺ ተጋጊኻ ኣለኻ
ኣነ ኣይኮንኩን እታ ትብላ ዘለኻ!
ከመይ ድዩ ገጣሚ!?
ከመይ ድያ ገጣሚት!?
ንህይወት ሽፋና ዘይኮነ ዕምቆታ
ልሳና ዘይኮነ ስምዒታ
ኣንቢቡ᎓ መርሚሩ᎓ መዝጊቡ
ሓቅን ፍቕርን᎓ ሕልናን ፍትሕን ኣዋሲቡ
ምእንቲ ጽባቐ ዝነብር ኣብ ገድሊ
ንልቡ ዘዳምጽ እኮ’ዩ ገጣሚ።
ጠበቓ ውጹዓት፣ ልሳን ዝተዓብሱ
ትንፋሱ ከኽትት ዝሓጸየ ነብሱ
ብርዑ ዝጥዋፉ ስምዒቱ ሴፉ᎓
እኮ’ዩ ገጣሚ ብርሃንን ቀንዴልን
ዘይነብሮ መዓርግ ኣነ ኣይቅበልን
ክኸውን’ምበር ክመስል ኣይደልን።
ይርጋኣለም ፍስሃ
(2012)