ኮኾብ ተስፋልደት*
ብዛዕባ እቲ ንፈልጦ ግን ከኣ ዘይንፈልጦ ጋዘጤኛ ዳዊት ኢሳቕ። ስሙ እቲ ንኽንደይ ዓመታት ክዝከር ንሰምምዖ ጋዜጠኛ። ምሳና ከም ዝዓበየ፡ ዝተማህረ ከም ሓደ ብቐረባ ንፈልጦ ከም ዝኾነ ዝስመዓና ስም—ዳዊት ኢሳቕ።
ምስሉ ግን እቲ ኣብ ሓደ ዕድመ ደው ዝበለ፡ ኣፍሮ ዓይነት፡ ጽልም ኢሉ መንእሰይ ከሎ ዝገደፈልና ጥራሕ እዩ። ሕጂ እንታይ ይመስል፧ ከመይ ይዛረብ፧ ከመይ ይሓስብ፧ ዋላ ብሓሳብ ክንበጽሖ ይኸብደና እዩ። እቲ ዘለዎ ቦታ ኣበይ እዩ፧ እቲ ን 23 ዓመታት ዝተኣሰረሉ ቦታ ዋላ ብሓሳብ ምብጽሑ ክኸብድ!
“ሓደ ንግሆ ቍርሲ እናበልዐ ካብ ገዛኡ ተወሲዱ፡” ትብል ሓረግ ምስ ኣንበብኩ እቲ ምስሊ ክቐርጾ ፈቲነ።
“ክምለስ እየ። ሰላም እዩ ኩሉ ነገር። ንሕቶ ጥራሕ እዮም ደልዮሙኒ፡” ዝብል ፍሽኽታ ዝተሓወሶ ቅሩብ ፍርሒ ዘለዎ ምስሊ መጺኡለይ።
እታ ንግሆ ቅድሚ 23 ዓመታት እያ ነይራ። እቲ ሕቶ ናይቶም ክሕተት ደልዮም ዝወሰድዎ ክሳብ ሎሚ ዝተወደአ ኣይኰነን። ብድሕሪ እታ ንግሆ ክንደይ ንግሆታት ነናተን ሕቶታት ሒዘን መጺአን፡ ብዘይ መልሲ ሓሊፈን እየን። ሎሚ ናትና ሕቶታት ወሲኽና። እታ ዝዓበየት ሕቶና ግን፡ “ዳዊት ይፈታሕ፡” እሞ ብድሕሪኡ ዝቕጽሉ ሕቶታት መልሶም ዳዊት ተፈቲሑ ምስኡ ኰይንና ንሓቶም እዮም ክኾኑ።
23 ዓመታት ንዝኾነ ሰብ ይትረፍዶ ኵሉ ዘለዎ ተሓዲጉ ተኣሲሩስ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኰይኑ ብዘይ ለውጢ ምንባር እኳ የሰልችዎ። ነቲ ዝጽሕፍ፡ ዘንብብ፡ ኣብ መዓልቲ ብዙሓት ህይወታት ዝነብር ጋዜጠኛ’ኸ ድኣ። ኣብ ህይወትና ክንደይ ጽልዋ፡ ኣብ ጽሑፋትና ክንደይ ዛንታታት፡ ኣብዛ ተራ ትመስል መዓልትና ክንደይ ኣስተዋጸኦ ምገበረልና። ን23 ዓመታት መመላእታ ናቱ ዘይምህላው፡ እቶም ኤርትራ ዘሕለፈቶም ዓመታት ይመስክሩ።
ካብ ኤርትራ ሓሊፉ፥ እታ ከም ካልኣይ ዜጋኣ ዝተቐበለቶ ስዊድን እንታይ ትብል፧ ካብቲ ሓሓሊፉ ዝዝከርን ሰለማዊ ሰልፊ ዝካየደሉን ብስሙ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ጎደና ትጽወዓሉ፥ ብስሙ ኣብ ከተማ ማልሞ ቤት መጻሕፍቲ ዝኸፈተት ካልኣይቲ ሃገሩ ብምኽንያት ዕለተ ልደት ዳዊት ኢሳቕ እንታይ በለት።
“ዳዊት ኢሳቕ ግድን ክፍታሕ ኣለዎ፡” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፤ ‘ዮተቦሪ ፖስተን’ ዝተባህለት ጋዜጣ ብዛዕባ ዳዊት ንዝኽሪ ዕለተ ልደቱ ብምምልካት ጽሒፋ ነይራ። “ሎሚ እቲ ስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዕለተ ልደት 60 ዓመቱ እዩ። ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ኣሎ። መንግስቲ ስዊድን ዳዊት ንኽፍታሕ ሕጂ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ፡” Kurdo Baksi ዝተባህለ ጋዜጠኛን ጽሓፍን፡ ከምኡ እውን Elisabeth Löfgren ዝተባህለት፤ ጋዜጠኛ፡ ጽሓፊትን ተጣበቒት መሰልን፡ ኣብ ጕዳይ ዳዊት ሓዳሽ ወሃቢት ቃል ኰይና ተሸይማ ዘላን፡ ተማሕጽኖኦም ጽሒፎም።
“ኤርትራ ንሓደ ስዊዳናዊ ጋዜጠኛ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዘይ ደሃይ ክትጨውዮ፡
ልዕሊ ኵሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ምኽንያታት እዩ፡” ብምባል ይቕጽሉ።
“እታ ዝበለጸት ህያብ ንዕለተ ልደቱ፡ ናጽነት እያ። ፍትሒ!”
“ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብ ዕድሚኡ ኣብ ማእሰርቲ ምሕላፉ ጥራይ ኣይኰነን ዘሕምመኒ። ንስለ ሞያኡን ንስለ ምግላጽ ሓሳባትን ምስ መሳርሕቱ ምእሳሩ፡ እቲ ዝነውሐ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ምኻኑን እዩ፡ ብዘይካ ኣብታ ኣብ ኤርትራ ናይ መጀመርያ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት መስራቲ ምዃኑን፣ ብጋዜጠኝነት ሞያኡን፥ ብዘይ ዝኾነ ካልእ ገበን፡ ብዘይ ናይ ሕጊ መስርሕን ናይ ፍትሒ ኪደትን ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ምህላዉ እዩ፡”
እታ ኣብታ ዳዊት ኢሳቕ ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ትሕተም ጋዜጣ ቀጺላ። ዳዊት ንኽፍታሕ መንግስቲ ስዊድን ካብቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ብዝሓየለ ንምፍታሑ ክቃለስ ጸዊዖም። ሽወደን ንዳዊት ናብ ገዛኡ ንምምላስ ዓቲባ ክትሰርሓሉ ዘለዋ ጕዳይ ከም ዝኾነ፥ ክንድቲ ዝድለ ክትገብሮ ዝግበኣ ከም ዘይገበረትን ነቒፎም። ብሰንኪ ስዊድን ትኽተሎ ናይ “ስቕታ ዲፕሎማሲ”(Silent diplomacy) እቲ ኣካይዳ ዝኾነ ረብሓ ከም ዘይርከቦ፡ ንሱ ዘስዓቦ ደሃይ ሃለዋቱን ኲነታቱን ዘይምርካብ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ዳዊት ኢሳቕ ዘሎ ቅልውላውን ዘይምቕሳንን ወሲኻ ብምግላጽ፡ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ብምባል ትዛዝም
“ሕጂ እዩ እቲ ግዜ። መንግስቲ ሽወደን ዝከኣሎ ኵሉ ገይሩ ንዳዊት ብምኽንያት ዕለተ ልደት ዝዓበየ ህያብ ከበርክተሉ። ናጽነት! ፍትሒ!”
ክሳብ ሓደ ጋዜጠኛ ን23 ዓመታት ተኣሲሩ ዝሰምዕ፡ ክሳብ እታ ከም ካልኣይ ዜጋኣ ዝተቐበለቶ፡ እታ መሪጹ ናታ ዝኾነ ዓዱ እውን ከይተረፈ፡ ከምቲ ዝድለ ትሰርሓሉ ዘይምህላዋ፡ ተጻሒፉ ዝርእን፡ ኵሉ ክገብራ ኣብ ዝኽእላ ሃገራት ዘለና ኰይኑ ይስመዓኒ ነይሩ።
ስዊድን ግን ብዘይካ ምዝካርን ንስለኡ ምጽሓፍን፡ ምዝራብን ካልእ ክትገብረሉ ኣይከኣለትን ዶ ትኸውን፧ ብሰንኪ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ንሓደ ዜጋኣ ክንድዚ ዓመታት ካብ ዕድሚኡ ክስረቕ፡ ብጎቦ-ዓይና ክትዕዘብ ምተገበአ ዶ፧
Expressen ዝተባህለት ጋዜጣ ብወገና፣ “ዳዊት ኢሳቕ መበል 60 ዕለተ ልደቱ ኣብ ማእሰርቲ ከኽብር ይግደድ፡” ብዝብል ኣርእስቲ ንዝኽሪ ልደቱ ትጽሕፍ።
“በይኑ ኰይኑ ኣብ ማእሰርቲ ዕለተ ልደቱ የኽብር። ልክዕ ከምቶም ዝሓለፉ 24 ዓመታት፡” ቤተልሄም ኢሳቕ።
“ስዊድን ኣይኰነትን ንኤርትራ ትደልያ፡ ኤርትራ እያ ንስዊድን ትደልያ። መንግስቲ ስዊድን እዚ ክርዳእ ይግበኦ፡” ትብል ጓሉ ንዳዊት ኢሳቕ፡ ጋዜጠኛ ቤተልሄም። ቀጺላ። ንሳ ናይ መንግስቲ ስዊድን ኣካይዳ ኣብ ኣታሕዛ ጕዳይ ናይ ኣቦኣ ከም ዘይትዓግበሉ ትገልጽ። ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ስዊድን መራሕቲ ኣውጺኦሞ ዘለዉ ዳግመ ምጽራይ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ከም ዝኾነ እውን ትውስኽ።
ዋላ እኳ ምሳና ኣይሃሉ ንዳዊት ንምዝካር ብዙሓት ንጥፈታት ይካየዱ እዮም። ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ዕለተ ልደቱ ምቑራስ ቶርታ ተኻይዱ ነይሩ። ዳዊት ካብ እሱር ምዃኑ ንላዕሊ ከም ዝኾነ ዘዘኻኽሩ ካልኦት ንጥፈታትን እውን ይካየዱ እዮም። ዳዊት ክቡር ጸሓፍን መርኣያ ጽኑዕ ተቃላሳይ ምግላጽ ሓሳባትን እዩ። እውን ይብሉ።
ኤርትራ ኣበይን ኣብ ከመይ ዓይነት ኵነታት ከም ዘሎ ክትሕብር፡ እቲ ዝዓበየ ባህጊ ናይ መንግስቲ ስዊድን ብፍሉይ ከኣ፥ እዛ ሓዳሽ ናይ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሓላፊት Maria Malmer Stenergard ዳዊት ንኽፍታሕ ብዓቢ ንጥፈት ክትሰርሓሉን ንኤርትራ ክትበጽሕን ይጽውዕ።
ጋዜጠኛ ቤቴልሄም፡ “24 ዕለተ ልደታት በይኑ ኣብ ማእሰርቲ ኣኽቢሩ። ዕለቱ ልደት ምኽባር ይፈቱ ነይሩ። ኣብ ደገ ድራር ምብላዕ ይፈቱ ነይሩ። ምንባብን ንዓናን የፍቅር ነይሩ። ህይወት ይፈቱ ነይሩ፡” ትብል ኣብ 2020 ኣብ ዝተዘርገሐት ‘ህይወተይ ብዘይበኣኻ፡’ ትብል መጽሓፋ።
ከማና ሰብ ከም ዝኾነን፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ይግበኦ ምንባሩን ዘዘኻኽሩ ብዙሓት ዝተባሃሉ ነገራት ኣለዉ ብዛዕባ ዳዊት። ኵሉ ሰብ ነዚ ክርዳእን ንዳዊት ፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሰርሕን ዘዘኻኽሩ እዮም ይብል።
Karin Olsson ኣብ ጋዜጣ Expressen ዝጸሓፈቶ፤ “ንዳዊት ኢሳቕ ምኽባር ማለት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ን 23 ዓመታት ምእሳሩ ምልክት ንማያኡን ን ናጽነት መሰል ምግላጽ ሓሳብን ዘለዎ ተወፋይነትን፥ ምዝኽኻር ኣገዳስነት መሰል ምግላጽ ሓሳባትን እዩ፡”
ኣብ ኵሉ ክፋል ዓለም ጋዜጠኛታት ንዝበጽሖም ሓደጋትት ምስ ዳዊት ብምንጽጻር፡ ብሰንኪ ሞያኣ ንቕትለት ንዝተቓለዐት ስዊድናዊት ሶማላዊት ጋዜጠኛ Amun Abdullahi ኣብ ጹሑፋ ብምዝካር። ነቶም ተባዓት ጋዜጠኛታት ክንከላኸልሎም ይግባእ ትብል።
ካብ መሰልን ናጽነትን ዘይክበረለን ሃገራት ዝመጹ ጋዜጠኛታት ብፍሉይ ከም ዝጥቅዑ ትምስክር። ንመሰል ምግላጽ ሓሳባትን፥ ንህይወቶም ኣብ ሓደ ኣእትዮም ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ምሕጋዝን ምክልኻልን፡ ግቡእና ከም ዝኾነ ተዘኻኻር። ብምኽንያት ዕለተ ልደት ዳዊት ኢሳቕ፡ ካልኦት ጋዜጠኛታት ካብ ትብዓት ዳዊት ኢሳቕ ክመሃሩ፥ ሞያኦም ንመሰል ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ምብርታዕ፥ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ጋዜጠኝነት ኣብ ምስራሕን ከውዕልዎ ትመክር።
እዚታትን ካልእን፡ ብምኽንያት ዕለተ ልደት ዳዊት ኢሳቕ፡ ትርጕም ልደቱ ንምድማቕን፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ምፍታሑ ቃልሲ ንምድራኽ ካብ ዝተሓተሙ ጽሑፋት ዝተወስዱ እዮም።
ንሕና ኸ፧
ዳዊትን ብጾትን ካብዚ ዝሓይሽ ብዙሕ ዝግበኦም ነይሩ። ግን ኣይረኸብዎን። ብዛዕባኦም ኣብ ምጽሓፍን ኣብ ምዝካሮምን እውን ብሓደ ከም ደቂ ሃገር መጠን፡ ሕማምና ማዕረ ከም ዘይኰነ ዘኪረ።
ዋላ እኳ ከምዚ ተዘኪሩ ምርኣይ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፈጺምካ ስሙን ስም ብጾቱን ናይ ዘይምልዓል ባህጊ ኣዝዩ ዝሓይሽን ንፍትሒ ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ምኻድን ይኹን፡ ግን ክንዲ ፍትሕን ናጻ ምዃንን ኣይከውንን። ስለዚ ከኣ እቲ ቃልሲ ይቕጽል። ንሕና እውን ኣካል ናይቲ ቃልሲ ክንከውን ይግባእ።
እቲ ናይ ጽባሕ ተስፋና ሓቂ ኰይኑ፡ ብልሳን ዳዊት ኢሳቕ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ንስዊድን ክነግራ፡ ካብ ኣፉ ክንሰምዕ፡ ኣብ ጋዜጣታት ስዊድን ናቱ ጽሑፋትን ዛንታትን ክንርኢ፡ በዞም ኣብዘን ጋዜጣታት ዝተሓተሙ ጽሑፋት፡ “ንዳዊት ናብ ገዛኡ ምምላስ፡” ዝብሉ ሓረጋት፡ ብዘሕደሩለይ ተስፋን ህንጥዩነትን፡ ፍትሒ ረኺቡ ክንርእዮ ይትስፎ።
ከምኡ ድማ ጋዜጣ ሰቲት ክትትንስእ፡ ኣብኣ ብዘይ ፍርሕን ሽቑረራን ሓሳባቱ ክገልጽ፡ ብዙሓት ዳዊታት ከፍርን፡ ነቲ ስዊድን ትምነየሉ ናጽነትን ሓርነትን፡ ንሕና ከኣ ንዳዊትን ብጾትን፡ ንሃገርናን፡ ፍትሒ ንምነየሎም።
_________________________________________________________________
ኮኾብ፤ ገጣሚት፡ ጸሓፊትን ኰይና፣ ብቐጻሊ ጽሑፋታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተካፍል። Kokob.tes@yahoo.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካባ ይከኣል።
