ክራር በረኸት መንግስትኣብ፡ ‘ታ ምርእይቲ ትውክልታዊት ጥበቡ

No comments

ተስፊት ኣብርሃም*

ቅድመ ኣንደበተ ልሳኑ፡ ‘ደቂ ዓደይ ኵላትኩም ዕምባባ / ስምዑኒ ክራረይ ከዛርባ፡’ ብምባል፡ ብቕኒት ክራሩ ንኣመታዊ ባሕረ-ሓሳባቱ ከፍስስ፡ ህርድግ ዝብል ስነጥበበኛ።

ኣብ ክንዲ ኣሽሓት ቃላት ናይ ፍቕራዊ ጥበራ፡ ‘… ብኣኺ ክቓኒ፡ ክራረይ ኣልዓልኩ / እደርፈልኪ ኣለኹ ፍቕረይ እናበልኩ፡’ ብውህደት ቅኒት ጣዕመ ክራሩ ክጸውየላ ሓዀት ዝብል ስነጥበበኛ።

ኣብ ክንዲ ናፍቖታዊ ደብዳበ ክሰድድ ዝህቅን፡ ‘ብቕኒት ክራረይ፡ ክሰድድ ሰላምታ / እዛ ድምጸይ ንዓኺ ትዅን መዘከርታ፡’ ብምባል፡ ብቕኒት ኣውታረ-ክራሩ ዝተማህዘ ናፍቖታዊ ዜማ ብምዝያም፡ ምፍልላይ ንዝፈጥሮ ጽምዋ ዝገልጽ ስነጥበበኛ።

ብተኽለ-ሰብነታ፡ ብውሽጣዊ ጽባቐኣ ንዝተሃነነላ ሄዋን፡ ‘… ጣዕሚ ናይ ቃላታ፡ እዝንኻ ዘዀኵዕ / ከም ድምጺ ሙዚቃ፡ ስምዒት ዘርክእ፡’ ብምባል፡ ንዅለንትና ቍንጅና ሄዋን፡ ዘጋንን ስነጥበበኛ።

እቲ ንሰውራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ-ዘዕወተ ብረታዊ ቃልሲ፡ ‘ገና እንከሎ ሰውራ፡ ብዙሕ ከይሰጐመ / ግጥምናን ዜማናን እንድዩ ዝቐደመ፡’ ብምባል፡ ‘ቅድሚ እቲ ተዅሲ – ኣውታረ ክራርና’ዩ ነይሩ ቀላሲ፡’ ኢሉ ዝምጕት ስነጥበበኛ።

ቀኒዑ፡ ተታዕኒኑ እውን፡ ‘ሓርበኛ ክራረይ / ኣንቲ ጥይተይ፡ ኣንቲ ዓረረይ / ምስታ ብረተይ ምስታ ዝናረይ’ ብምባል፡ ካብ ከተማ ክሳብ በረኻ ንዝሓለፈቶ ብድሆ ብምዝንታው፡ ‘ካብ ሽሕ ቃላት – ሓንቲ ቅብኣ’ ብዘምስል፡ እቲ ምርኡይ ስነጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ።

በረኸት፡ ‘ንቕኒት ክረይ፡ ንድምጺ ክራረይ፡ ንግርፊት መሰንቆይ፡ ንኣውታረ-ሃርሃሪት ክራረይ – ስምዕዋ፡ ኣዳምጽዋ፡’ ብምባል ኣብ ዝበዝሕ ሕደማ ደርፍታቱ ብዝተፈላለየ ትውክልትታት ‘ክራሩ’ ተጠቒሳ ንረኽባ። በረኸት፡ ንደቂ ሃገሩ ክደርፈሎም ምስ ዝደሊ፣ ልዕሊ እቲ ድምጹ፡ ንኽራሩ ከዳምጽሉ ይደሊ፤ ንጓል ሄዋን – ንቝንጅና ተኽለ-ሰብነታ፡ ክንእዳ፡ ክውድሳ፡ ከደሳድሳ ምስ ዝደሊ፡ ብጣዕመ ቅኒት ክራሩ ይምስላ፡ ይውክላ፡ ይቐርጻ’ውን።

በረኸት ምስ ክራሩ ዘለዎ ምትእስሳር ፍሉይ’ዩ። በረኸት ግን ንኽራሩ ኣብ ስነጥበባዊ ፍርያቱ ብኸመይ’ዩ ዘተኣሳስራ፧ ስለምንታይ’ዩ ብዙሕ ግዜ ‘ክራረይ’ ኢሉ ዝፍክር፧

ዕምባባ ዓደይ ተፋቐሩለይ

ክደርፈልኩም’የ ክብል ለይለይ፣

ደቂ ዓደይ ኵላትኩም ዕምባባ

ስምዑኒ ክራረይ ከዛርባ

ደርፈይ ምስ ከበሮ ክላገባ (. . .)

ንደቂ ዓዱ፡ ደርቢ ከይፈለየ፡ “ደቂ ዓደይ ኩላትኩም ዕምባባ / ስምዑኒ ክራረይ ከዛርባ / ደርፈይ ምስ ከበሮ ክላገባ፡” ብምባል፡ እቲ ውህደት ደርፊ ምስ ከበሮ ምስ ዓመረ፡ እታ ክራሩ ድማ ‘እንታይ ትብል ኣላ፧’ ዝያዳ ከዳምጽሉ ይደሊ። ‘እስከ ሓንሳብ፡ እስከ እሽታ’ ቢሉ እናገርሐ፡ ዝምድር፡ ዝምዕድ፡ ዝግስጽ ድማ’ዩ።

በረኸት፡ ቅድሚ እዛ ደርፊ፡ ‘ዕምባባ መስከረም’ ኢሉ ነጸላ ደርፊ ዘርጊሑ ነይሩ እዩ። ነታ ተምሳል ‘ዕምባባ መስከረም’ ዝዀነት ፍቕርቱ ድማ ናፍቖቱ ንኽጸዊ፡ ‘ብኣኺ ክቓኒ፡ ክራረይ ኣልዓልኩ፡’ ብምባል’ዩ ኣብታ ቀዳማይቲ ማይቤት ዝትርኽ። ንደርፊ ዕምባባ መስከረም ድሒርና ኣብቲ ፍቕራዊ መቓን ናይዚ ጽሑፍ ክንትንትኖ ክንፍትን ኢና።

ሕጂ’ውን በረኸት ስለምንታይ’ዩ ደጋጊሙ ንቕኒት ክራሩ ኣብ ዝበዝሕ ደርፍታቱ ዘካትት፧ ብኸመይ እዩኸ በረኸት ማዕረ ክንድ’ዚ ምስ ክራሩ ሕሉፍ ፍቕሪ ክወሮ ዝኸኣለ፧

በረኸት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ሃዘጋ ኣብ እትበሃል ዓዲ ብ1938 ተወሊዱ፡ ገና ምስ ጥሪቱ ኣብ ጕስነት እናውዓለ እንከሎ’ዩ ሻምቢቖ ዕንዱር ካብ ጉልዒ ብምስራሕ ወቂዑ መሊኹዋ። ቀጺሉ እውን ክራር ካብ ዕንጸይቲ መሮር ጸሪቡ ብምስራሕ ክለምዳ ክኢሉ።

ዋላ’ኳ ስድራኡ፡ ‘ንሕና ዓበይቲ ስድራ፡ ስድራቤት መኰንንትን ራእሲታትን እምበር፡ ኣብ ወለዶና ይዅን ታሪኽና ሓሜን የብልናን፡’ ኢሎም ብተደጋጋሚ ክራሩ ይሰብርሉ ከም ዝነበሩ፡ በረኸት ባዕሉ ኣብ ብዙሕ ቃለመሕተቱ ጠቂስዎ’ዩ። ህልኸኛ መንእሰይ ብምንባሩ ግን ኢዱ ከይሃበ፡ ወለዱ ክሰብሩ፡ ንሱ ጸሩቡ ክሰርሕ ኣብ ምርብራብ ነበሩ።

ኣብ መወድእታ ከኣ ስድራኡ ረጥሪጡ ኣብ ኣስመራ ክነብር ጀመረ። ቀጺሉ፡ ኣብ 1958 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደ’ዩ ኣብቲ ምስ ጋዜጠኛ ኣስመሮም ሃብተማርያም ዝገበሮ ቃለመሕተት ዘብርህ።

በረኸት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ፡ ቀምቃማይ ኰይኑ ንኣስታት ክልተ ዓመት ከም ዝሰርሐ የዘንቱ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ኣብ 1960 ምስ ቀዳማይ ሃይለስላሴ ትያትር (ደሓር ብሄራዊ ትያትር ዝተባህለ) ተጸንቢሩ፡ ብትግርኛ ክደርፍ ጀመረ።

በረኸት ብኸመይ’ዩ ካብ ቀምቃማይ ናብ ደራፋይ ተሰጋጊሩ፧

በረኸት መንግስትኣብ ከም ዘዘንትዎ፡ ‘ሓደ ኤርትራዊ’ዩ፡ ኣብ ኣስመራ እንከሎ ክኢላ ናይ ጫማ ዲዛይነር ዝነበረ፣ ድሒሩ ግን ክኢላን መምህርን ናይ ሳዕስዒት ክኸውን ዝኽኣለ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ሳዕስዒት ምምህር ዝነበረ’ዩ፡ እዚ ሰብ’ዚ ተኽለ በየነ [ተኽለ ኮፒ] ይበሃል፤ ተኽለ’ዩ ድማ ኣእትዩኒ፡’ይብል።

ኣቶ ተኽለ በየነ ኣብ ቃለመሕተት ናይ በረኸት መንግስተኣብ ቀሪቡ፡ ዝኽርታቱ ኣካፊሉ ነይሩ።

“ኤርትራዊ ኣሎ ቀምቃማይ ምስ በሉኒ ደልየ ረኪበዮ። ሰላም ኢለ፣ ሓውኻ’የ፣ ኣብዚ ኣሎ ኤርትራዊ ሓውኻ ቀምቃማይ ምስ በሉኒ’የ መጺአ ክረኽበካ። ግዜ እንተ ኣለካ ከምስሓካ ደልየ ኣለኩ ኢለዮ። ሕራይ ኢሉኒ። እሞ ኣበይ ይሕሸካ፧ ኣበይ ወሲደ ከጋብዘካ፣’ ኢለዮ፡ ተኽሊሃይማኖት ውሰደኒ ኢሉኒ፡ ናብኡ ምስ ከድና፡ እተን ኣሳሰይቲ፡ ‘እውይ በረኸት መጺኡ’ ኢለን ክራር ከም ዝሃብኦ ይዝክር። ‘ሽዑ፡ ኣነ እዋእ! እዚ ቀምቃማይ ደኣ እንታይ ክራር ክሃርም’ዩ ኢለ ብውሽጠይ። በረኸት፡ ነታ ክራር ቃንዩ፡ ክሃርማ ጀሚሩ፤ እቲ ኣተሃራርምኡ ጽቡቕ፡ እቲ ድምጹ እውን ብሉጽ ኰይኑ ረኺበዮ። ደሃር ኣነ፡ ‘ጽቡቕ ኢኻ ትሃርም፡ ድምጽኻ እውን ጥዑም እዩ። ኣብ ብሄራዊ ትያትርዶ ከእትወካ፧’ ኢለዮ።

‘ብኸመይ እሞ ክኣቱ ይኽእል፧’ ኢሉኒ። ጸገም የለን ንስኻ ሕራይ በለኒ እምበር፡ ከእትወካ እየ። እዛ ክራር ግን ምሳና ኣይትኸይድን እያ። ተኽፍኣልና’ያ፡ ካልእ ጽብቕቲ ክራር ሰኑይ ኣዳሉ ኢኻ። ሰሉስ ድማ ሒዘካ ክኸይድ እየ፡’ ኢለዮ፤ ኣነ ድማ ሰኑይ ናብቲ ሓላፊ ብሄራዊ ትያትር ከይደ፡ ‘ሓደ ካብ ኣስመራ ዝመጽአ ጐበዝ ደራፋይ ኣሎ፡ ፖሊስ ባንድ ወይ’ውን ካልኦት ከይወሰድዎ ተዓወተሉ ኢለዮ። ’ሽዑ፡ ‘በጃኻ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኣብዛ ብርከይ ወዲቑኒ፡’ ደሓር ኣነ ስለ ዝተዓወትኩ፡ ርግጸኛ ኰይነ ‘ሕራይ ከም ጽኣልካ’የ ጽባሕ!’ ኢለዮ። ምስ በረኸት ብመሰረት ቈጸራና ሰሉስ ተራኺብና፡ ተተሓሒዝና ድማ ናብ ብሄራዊ ትያትር ከይደ።

ምስቲ ሓላፊ ብሄራዊ ትያትር ድማ ኣራኺበዮ። እቲ ሓላፊ፡ ‘እሞ ደርፊዶ ከተስምዓኒ፧’ ኢሉ ሓተቶ፡ በረኸት ድማ ኣስምዒዎ። እቲ ሓላፊ ተሓጒሱ። ‘ጐበዝ ኢኻ፤ ናይ ኣተወብርሃን ሰጊድ ‘ዓደይ፡ እስከ ኣስመዓኒ፧’ ኢልዎ። በረኸት ድማ ‘ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ/ ብዓልመንዮ’ቶም ዝጠለሙ፧’ ክብል ኣስመዖ። ሽዑ እቲ ሓላፊ ኣዝዩ ስለ ዝተሓጐሰ፡ ‘ካብ ሎምዓንቲ ሰሉስ ኣባል ብሄራዊ ትያትር ኢኻ፣’ ኢልዎ።’(recorded 07:14 – 09:50 min part-2) ብምባል’ዩ ዝኽሩ ዘካፍል።

በረኸት ምስታ ካብ ግዜ ጕስነቱ ኣትሒዙ ዝጽለለላ ዝነበረ ክራሩ ደጊሙ ተራኺቡ፡ ኣብ ጕጅለ ብሄራዊ ትያትር ተፈቲኑ ስለ ዝሓለፈ፡ ብ75 ብር ንወርሒ ተቘጺሩ ምዱብ ኣባል ኰነ።

በረኸት፡ ኣብ ፈለማ ስርሑ፡ ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ደረፍቲ – ደርፎም እናደገመ’ኳ የጻውት እንተ ነበረ፡ ካብ 1961 ጀሚሩ ግን ‘ናተይ’ ዝብሎ ደርፍታት ከፍሪ ጀመረ። “ዕምባባ መስከረም” ኢሉ ብምዝያም ናይ ፈለማ ስነጥበባዊ ፍርያቱ ናብ ህዝቢ ዘርግሐ፤

ዕምባባ መስከረም ፍቕረይ ወትሩ ለምለም

ከኾብ ናይ ወግሕታ ብርሃን ኵሉ ዓለም

በቲ ጸላም ለይቲ ንዓኺ ምስ ኣፍቀርኩ

ኣብ ሓሳብ ጥሒለ እና’ስተንተንኩ

ብኣኺ ክቓኒ፡ ክራረይ ኣልዓልኩ

እደርፈልኪ ኣለኹ ፍቕረይ እናበልኩ።

ኣብ ድፍንቓዊ ደርፍታቱ፡ ንኽራሩ ከም ኣስቈርቋሪት፡ ከም ጸዋይት፡ ከም ቃናዪት፡ ከም ሃርሃሪት ብምሕሳብ፡ ንኽራሩ ከነዳምጻ፡ ምስኣ ከነስተንትን ይዕድምን ይሓትትን። ኣብ ናእዳዊ ፍቕራዊ ደርፍታቱ እውን ንኽራሩ ከም ጥዕምቲ ድምጺ ብምውሳድ ‘ጥዕምቲ ደሃይ – ከም ድምጺ መሰንቆ’ ብምባል ብኣድናቖት ይውክላ። ኣብ ሰውራዊ፡ ሃገራዊ ደርፍታቱ፡ ንኽራሩ ከም መሳርያ ዕጥቂ ይውክላ፣ ‘ጅግና ክራረይ’ ቢሉ ክምጕሳን ክውድሳን እውን ተሰሚዑ’ዩ።

በረኸት፡ ነታ ፈዋኒት ደርፉ፡ ‘ዕምባባ መስከረም’፡ ኣጋውል ናይታ ደርፊ እንታይ እመስል፧ ገለ ውስጠዘ ኣለዋ ድዩ፧’ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ፡

‘ኣነ ስሩዕ ናይ ሓራካ [ማሕበር ሽውዓተ] ስለ ዝነበርኩ፡ እቲ ሃገራዊ ወኒ ነይሩኒ። ‘ዕምባባ መስከረም’ ክሰርሓ ከለኹ፡ ናፍቖት ዓደይ፡ ናፍቆት ሃገረይ፡ ሃረርታ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ስለ ዝነበረኒ፡ ቍሩብ ትውክልቲ ክገብረሉ ፈቲነ’የ። ደሪሰ ናብ ክፍሊ ምመያ ብሄራዊ ትያትር ኣንቢበ ክትርጕመሎም እንከለኹ፡ ንትግርኛ ብዙሕ ይርድእዎ ብዘይምንባሮም፡ ምሳሌኣዊ ንኽጥቀም ዕድላት ነይሩኒ’ዩ። እዛ ደርፊ ድማ ከም ፍቕራዊት ደርፊ ደኣ’ምበር፡ ካልእ ትርጕም ክህልዋ ይኽእል’ዩ ኢሎም ኣይገበትዋን። ደሓር፡ ኣብቲ ብሄራዊ ትያትር ኣነ ጥራይ’የ ኤርትራዊ ነይረ። ብቋንቋ ትግርኛ ወላ ንተጋሩ ዝወከልኩ’የ ነይረ። እምበር፡ እዛ ደርፊ፡ ኣብዚ ወጺኣ ነይራ እንተ ትኸውን ከቢድ’ዩ ነይሩ። [ኣብ ኣስመራ ማለቱ’ዩ፤] (recorded 11:00-16:35 part-3)

‘እምባታትኪ ሰሜን ዘይብሉ ዘማቲ፡’ እታ ዓደይ ዝብላ፡ እታ ሃገረይ ዝብላ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኣብ እምባታት ዓደ’ቦኡ ዘላ ሃገሩ፡ ብሓንቲ ተናፋቒት፡ ተፈቃሪት ሄዋን ብምውካል፡ ክራሩ ቃንዩ፡ ‘እምባታትኪ ሰሜን’ ብምባል የውስጠዝጥዝ።

እዚ ይዅን’ምበር፡ ነቶም ናይ ሽዑ ዝነበሩ ሰውራውያን መንእሰያት ግን ኣዝዩ ግሉጽ ደርፊ እምበር፡ ውስጠዘ ወይ እውን ምሳሌኣዊ ቍንቝኛ ከም ዘይነበሮ ግሉጽ’ዩ። እቲ ውስጠዘ ኣብ ናይ 1960ታት ዝተለምደ ቅዲ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ብብዝሒ፡ ‘ብቕኒት ክራረይ፡ ብኣውታር መሰንቆይ፡’ ዝብሉ ሓረጋት ግን ስቕ ኢልካ ክትሓልፎም ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ሓድሕድ ምትሕሓዝ ‘ንሱን ክራሩን’ ግን ክብጻሕን ክትንተንን የድሊ።

ደርፍታት በረኸት መንግስትኣብ፡ እቶም ዝበዝሑ ምስ ስደትን ቃልስን ዝተኣሳሰሩ’ዮም። ንዝተፈልያ ኣፍቃሪቱ፡ እቲ ክትዀኖ እትኽእል ብምግማት፡ ነቲ ጽምዋ፡ ነቲ ናፍቖት፡ ነቲ ምፍልላይ ከየባተኸ ኣብ ደርፍታቱ ክጸውዮ’ዩ ዝስማዕ።

‘ፋና’ ነታ ኣብ ዓዲ ዝገደፋ ኣፍቃሪቱ፡ ዘዛርባ፡ ዛዋግዓ ስኢና ኣብ ጽምዋ ንበይና ብናፍቖት ኣብ ከቢድ ምድፍናቕ ከም እትርከብ’ዩ ዘዘንትወልና። ኣብቲ ውሽጢ ደርፊ ድማ ብቕኒት ክራሩ – ሰላምታ ክሰደላ’ዩ ዝፍትን፤

“ብቕኒት ክራረይ፡ ክሰድድ ሰላምታ

እዛ ድምጸይ ንዓኺ ትዅን መዘከርታ”

ኣብ ኣዝማች ናይታ ደፊፉ፡ ‘ፋና፡ ንበይና ብምዃና፡ ብጽምዋ ከም ዝተዋሕጠት፡ ዘዘናግዓ ከም ዝሰኣነት – እቲ ጽምዋን ተነጽሎን ከቢድ ብምዃኑ፡ ብድምጺ ቅኒት ክራሩ ኣቢሉ ሰላምታ ይሰደላ። ነቲ ተሕልፎ ዝነበረት በይናኣዊ ጽምዋ ድማ ንጽውያ – ጽባሕ፡ እታ ደርፉ መዘከርታ ክትኰና ከም እትኽእል’ዩ ዝሕብራ። ዋላ’ኳ እዛ ደርፊ፡ ካልእ ምሳሌኣዊ መልእኽቲ እንተ’ለዋ፡ ኣብዛ ደርፊ፡ ድምጻዊ ምስ ክራሩ ንዘለዎ ቅርበት’ውን ልዑል ምዃኑ’ዩ ዘብርህ።

ካብ ፍቕራዊ ዛዕባ ከይወጻእና፡ ንሓንቲ ብኵልንተናኣ ዝማረኸቶ ሄዋን፡ “ሸዊት” ቢሉ ብምጽዋዕ ካብ ግዳማዊ ተኽለ-ሰብነታ ክሳዕ ውሽጣዊ ጽባቐኣን መቓልሕ ድምጻን ብምግላጽ፡ ንመቓልሕ ድምጻ ድማ ምስ ህርመት ሙዚቃ ከመሳስላ እዩ ዝርአ፤

ሸዊት ሸዊት…

ጽብቕቲ ጕምቦ

ደረት ጥርምቦ።

ጥምት ውዒለኪ፡ ጽብቕቲ ርእየኪ

ዝተመስገነ ግርማ ኣምላኽ ዓዲሉኪ

ብሓቂ ክዛረብ፡ ብጋህዲ ክብለኪ

ደጊም ተፈቲኺ ኣብ ዓይነይ ኣቲኺ።

[…]

ጐደሎ ዘይብላ፡ ኵሉ ነገር ልክዕ

ኣየ ተዓዲላ፡ ጨው ዘለዎ መልክዕ

ጣዕሚ ናይ ቃላታ፡ እዝንኻ ዘዀክዕ

ከም ድምጺ ሙዚቃ፡ ስምዒት ዘርግእ።

ኣብ ፍቕራዊ ደርፍታት በረኸት መንግስተኣብ፡ ንቝንጅና ደቂ ሄዋን፡ ህያው ገይሩ ክገልጸን ኣይጽገምን’ዩ። ‘ሸዊት፡ ዛውዛዋ፡ ኣጕለ፡ ጓል ሃገረሰብ’ ዝብላ ምስ ተፈጥሮ ብምዝማድ ወዝ ዘለዎ ኣዘናትዋ’ዩ ዝጥቀም። ከምኡ’ውን ምስ ህርመታት መሳርሒ ሙዚቃ፡ ንመቓልሕ ድምጸን የመሳስሎ’ዩ። ንኣብነት ነዘን ክልተ ነግሒታት ምስ እንምልከት፡ ‘ጣዕሚ ናይ ቃላታ፡ እዝንኻ ዘዀኵዕ / ከም ድምጺ ሙዚቃ፡ ስምዒት ዘርግእ፡’ ቢሉ’ዩ ንደሃያት ድምጽታታ ምስ ጣዕምን ውህደትን ሙዚቃ ዘመሳስላ።

‘ስነጥበብ ካብ ፖለቲኻ ይዓቢ!’

ስነጥበባዊ ስርሓት፡ ብዝግባእ ተዓዩ ናብ ህዝቢ ምስ ዝበጽሕ፡ ስነጥበብ ጅግና ክፈጥር ከም ዝኽእል፡ በረኸት ኣብታ “ብስምኩም” እትብል ደርፉ ኣቐሚጥዎ ይርከብ። ቅድሚ ፖለቲካዊ ቃልሲ ሃገርና፡ መቓልሕ ዜማታት ሃገርና ከም ዝቐደመ፡ ጀጋኑ ድማ ከም ዝዓደመ’ዩ ዘዘንቱ።

ገና እንከሎ ሰውራ፡ ብዙሕ ከይሰጐመ

ግጥምናን ዜማናን እንድዩ ዝቐደመ፣

ከም ሓያል ክረምቲ ዘሰነዮ ግመ

ነጋሪት ድምጽና፡ ጀጋኑ ምስ ዓደመ

ትምቢታዊ ቃልስና እንቋዕ ተተርጐመ። (. . .)

በረኸት፡ ነቲ ቅድሚ ቃልስታት ዝፈሪ ዝነበረ ደርፍታት ንሰውራዊ ቃልሲ ንኽጅምር ደራኺ ተራ ከም ዝነበረ’ዩ ኣብዛ ደርፊ ዝምጕት። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ብኣሊጐራዊ ቅዲ ዝፈሪ ዝነበረ ደርፍታት፡ ‘ጸብሒ-ጾም (ዑስማን ኣብደሪሕምን ኣልኣሚን ዓብደላጢፍን)፡ እቲ ገዛና (ተበርህ ተስፋሁነይ – ግጥምን ዜማን መም. ኣስረስ ተሰማ)፡ ኣብ ገዛና ዘለኹም ሰብ ክራይ (ዑስማን ዓብደሪሒም) ብንኡሰይ እንከለኹ እበሳጮ ኣለኹ (ብዑስማን ዓብደሪሒም ተገጢማን ተዘይማን ብኣወወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈት) ካልኦትን ምሳሌኣዊ ደርፍታት ጀጋኑ ከም ዝዓደመን ባህራት ከም ዘፍረየን’ዩ ዘዘንቱ።

እዛ ደርፊ ቀስቃሲትን ኣሕሳቢትን ኰይና፡ ንሓይሊ ስነጥበብ ግን ልዕሊ ፖለቲካን ዕጥቃዊ ቃልስን ብምርኣይ’ዩ ክጣበቐሉ ዝስማዕ። ከምቲ ዘምህረት ዮሃንስ ኣብ መመረቕታ መጽሓፍ ‘ህያው ደብሪ፡  “ተስፋማርያም ኣብ ሓደ ጽሕፉ ዝበሎ፡ ‘ባህሊ መሰረት ስልጣኔ፡ ወይ ብኻልእ ቃላት፡ ስልጣኔ፡ ድንፋዐ ባህሊ ዝወልዶ ናይ ነገራዊ፡ ሞራላዊ፡ ትካላዊ ምዕባሌን ምርቃቕን ኵነት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሓሳባት ቀዳምነት ባህሊ ብንቕሓት ክሕሎን ብቐጻልነት ክረጋገጽን ኣለዎ፣’ ዝብል ኣረዳድኣ ነይርዎ’ዩ። ኣብ ሓደ ጽሑፉ ንኣብነት፡ ‘ንዓይነትን ደረጃን ናይ ሰብኣዊ ስልጣኔ፡ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ምዕባሌ ዝውስን ረቋሒ፡ ኣውራ ፖለቲካ ኣይኰነን። ብቐዳምነት ባህሊ ደኣ’ምበር፡’ ምባሉ ነዚ ዘረጋግጽ’ዩ፤” ከም ዝበሎ፣ በረኸት እውን ነዚ ዛዕባ’ዚ’ዩ ክራሩ ቃንዩ – ጐረሮኡ ስሒሉ ‘ግጥምናን ዜማናን’ዩ ዝቐደመ፡’ ኢሉ ዝምጕት።

በረኸት፡ ነታ ኣብ ኵሉ ትውክልትታትን ምሳሌኣውን ዘእትዋ ክራሩ፡ ድሒሩ እውን ‘ሓርበኛ ክራረይ’ ኢሉ ዘይሙላን ደሪፉላን እዩ።

ሓርበኛ ክራረይ

ኣንቲ ጥይተይ፡ ኣንቲ ዓረረይ

ምስታ ብረተይ ምስታ ዝናረይ

ምስ ከላሽነይ ምስ ዝናረይ።

ሓርበኛ ክራረይ፡ እስከ ተዛረቢ

ምስ ቈልዓ ሰበይቲ፡ ምስ ንእሽቶ ዓቢ

ድምጽኺ ይቃላሕ ኣብ ዓለም ከባቢ

ምስጢራት ግለጽዮ፡ ስለ ሓፋሽ ህዝቢ።

ብናይ ጠፈር ጕዕዞ፡ ማዕበላት ሰንጢቕኪ

ብኣየር ሃዋሁ፡ እና ተሓንበብኪ

ኣብ ኣእዛን ሚልዮናት እናነጻጸርኪ

ሓቂ ገሊጽክሎም ኣስተውዕሉ እናልኪ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እንተላይ ኣብ ኣስመራ

ትዛረቢ ነይርኪ፡ ብዛዕባ ኤርትራ

እናተሃደንኪ ለይቲ ምስ መዓልቲ

ትዋግኢ ነይርኪ ምስ ክንደይ ሰለይቲ።

ጸላእታ በዚሖም፡ ክራር ጸጊምዋ

ኣነ ክቓንያ፡ ንሶም ከፍርስዋ

ሓቂ ከይትገልጽ፡ እናሓነቕዋ

ትፍንጥሶም ነይራ፡ ሕቡእ ሓይሊ’ለዋ።

ምጥዋይ በዚሕዎ፡ ክራር ምስ ከረረ

ብዘይስነፍልጠት፡ እንተ ተወጠረ

ጋሊቡ ዘይክእል፡ ፈረስ እንተ ሰረረ

ክሳርኡ ይበዝሕ፡ ካብ ዝህቦ ፍረ።

በረኸት፡ ንኽራሩ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሕ ስነጥበባዊ ስርሓቱ ክውክላ ህርድግ ከም ዝብል ተመልኪትና ኣሎና። ኣብዛ ‘ሓርበኛ ክራረይ’ ኢሉ ዝሰመያ ደርፉ እውን ንኽራሩ፡ ንመላእ ሕብረትሰብ ዓለም ‘ኣብ ኣእዛን ሚልዮናት ኣነጻጺርኪ፡ ሓቂ ገሊጽክሎም ኣስተውዕሉ ’ናልኪ… !’ ብምባል ነቲ ዝነበረ ምረት መግዛእቲ፡ ነቲ ዝሓለፈ ጭቆና፡ ነቲ ዝሓለፈ ኣደራዕ፡ ነቲ ዝነበረ ዓፈና ከም ዝበድሃቶ’ዩ ዘዘንቱ። ቀጺሉ እውን ንቕኒታ ክዘርጉ፡ ከፍርሱ እንተ ክኢሎም እውን ክሰብሩ፡ ብዙሕ ግዜ ከም ዝፈተኑ፡ ንሱ ግን ስለ ሓርበኛ ክራሩ ደው ብምባል፡ ክቓንያ፡ ከዛርባ፡ ከዳምጻ ከም ዝኽኣለ’ዩ ከብርህ ዝፍትን።

ክራር በረኸት፡ እታ ምርእይቲ ትውክልታዊት ጥበቡ፡ ንፍቕሪ ዘሚራ፡ ንስለ ናፍቖት ኣስቆርቊራ፡ ንስለ ሃገር ሃርሂራ፡ ንስለ ህዝቢ ተቓንያ’ያ፣ ኵሉ ከኣ ትውክልቲ ገዛእ-ርእሳ ብምዃን።

________________________________________________________________________________________________________________

ተስፊት ኣብርሃም፤ ገጣሚን ጸሓፍይን ኰይኑ፡ በዚ tesfitabr86@gmail.com ምርካቡ ይከኣል።