ኣብ ልብን ዝኽሪን ዝሕተማ ጋዜጣታት

No comments

እየሩሳሌም ሃይለ

(እዚ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ መስከረም 2023፡ ብመሰረት ዕድመ ፐን ኤርትራ ብ እዮርሳሌም ሃይለ ዝተበርከተ ዀይኑ፥ ብምኽንያት ተዓቚሩ ጸኒሑ፡ እነሆ ሎሚ ማእከል-ሓሳብ እቲ ጽሑፍ ኣብ ዝዀነት ታሪኻዊት ዕለት ንንባብ ይቐርብ።)

———–

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣቢሉ ይኸውን፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 18 መስከረም ምዕጻው ነጻ ፕረስን፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዘለኒ ዝኽሪ ብጽሑፍ ከካፍል ዕድመ ምስቀረበለይ፡ ኣብ ናይ ምጽሓፍ ክእለተይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ኣብ ምጽሓፍ ዘለኒ ባህጊ ተኣማሚነ ኣቕልል ኣቢል እየ ርእየዮ፡፡

ብዘይካኡ ከኣ፡ ምስቲ ኣብዚ ሕጂ ዝነብረሉ ገዛውቲ ተደኲኑ ዝርከብ፡ ብሽም እቲ ህቡብ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊን ፈላስፋን ኣልበርት ካሙ ዝተሰየመ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን፡ ናይ ስፖርት ማእከልን ብዝተሓሓዝ፡ ዳርጋ ወትሩ ክበሃል ብዝከኣል ናብ ዝኽረይ ንዝመጽእ ናይ ሓሳባት ማዕበል፡ ኣብ ወረቐት ምስፋሩ እሞ እንታይ ኮይኑ ክኸብደኒ ይኽእል ኢለ ክሓስቦ፡፡

ኮይኑ ግን ሎሚ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ እታ ወግዓዊት ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ሓሊፋ ክነሳ፡ ነቲ ከከም ዝመጾ ዋሕዚ፡ ኣብ በበይኑ ወረቓቕቲ ዘስፈርክዎ ቁንጭልጫል ሓሳባት፡ ጠራኒፈን ኣወሃሂደን ናብ ሓደ ስጡም ጽሑፍ ከብቅዖ ዘይምኽኣለይ ዘግሃደለይ ነገራት እንተሃልዩ፡ እናሓንሳብ ጸብለልታ ሓይሊ ኣእምሮ ዝገሃደሉ፡ ንሓሳባትካን ስምዒታትካን ናብ ሓረጋትን ቃላትን ክትጥቕልሎም ዘይትኽእለሉ፡ እንተፈተንካ ውን ነቲ ርዝነቱ ዘፋኾስካዮ ኮይኑ ዝስመዓካ እዋን ከምዘሎ ከስተብህል ጌሩኒ ምህላው’ዩ፡፡ መቸም እንድዒ! እንተውሓደ ግን እቲ ንዓይ ዝስምዓኒ ዘሎ ስምዒት ንሱ እዩ፡፡

ሎሚ ዕለት 22 መስከረም፡ ብኣቆጻጽራ በርሊን ልክዕ ሰዓት 1፡42 ናይ ለይቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጠይ ንምጽሓፍ ዝድርኽ ስምዒት ይስምዓኒ ኣሎ፡፡ ስለዚ’የ ኸኣ ነቶም ሓርፋፍ ሓሳባት ከቐምጠሎም ዝቐነኹ ወረቓቕቲ ኣርሒቐ፡ ንዋሕዚ ሓሳበይ ከከም ኣመጻጽኣኡ ከቐምጦ ኣንቂደ ዘለኹ፡፡

እዝክር’የ … ኣብቲ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ዝነበረ ናይ ንእስነት ግዜይ፡ እተን መዓልተን ሓልየን ዝሕተማ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ ናብቲ ዝዓበኹሉ ከተማ ሰንዓፈ፡ ምስታ ንግሆ ካብ ኣስመራ ተበጊሳ ረፋድ ሰዓት 11 ኣቢላ እትኣቱ ዝነበረት ህዝባዊት ኣውቶብስ ይመጽኣና ብምንባሩን፡ እቲ ዝመጽእ ዝነበረ መጠን ድማ ዝተወሰነ ብምዃኑን፡ ኣንበብቲ ከይዓደጉ ንኸይውድኦም፡ ኣብ ከባቢ እታ ከም መከፋፈሊ ጋዜጣን ካልእ ሃለኽቲ ሸቐጣ-ሸቕጥን ተገልግል ዝነበረት ንእሽተይ ድኳን ተደኲናትሉ ዝነበረትን፡ መነሃርያ ህዝባዊ መጓዓዚያታትን ዝኾነ፡ ብፒያሳ ዝፍለጥ ውዕውዕ ቦታ፡ ገለን ደው ኢሎም እንዳዋግዑ፡ ገለን ሻሂ እንዳሰተዩ፡ ገለን ድማ ጫማኦም እንዳኣወልወሉ… ወዘተ ክጽበዩ ይዝከረኒ፡፡

ገዛና፡ ዘይከምቲ ካልእ፡ ኣብ ከባቢ ፒያሳ፡ ካብኡ ሓሊፍካ ውን ዝሓልፋ ተሽከርከርቲ ክትርእየሉ ትኽእል ወሰን ጽርግያ ብምዃኑ፡ እታ ጋዜጣ ተማሊኣ ትኣቱ ኣውቶብስ ክትኣቱ ርኢኻ፡ ጉያ ኢልካ ኬድካ ከተርክብ ትኽእለሉ ብምንባሩ ብልጫ ኔርዎ’ዩ፡፡ ብልጫ ርኽበት ጋዜጣ!

ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ፡ ቍሩብ ድንጕይ ኢልካ ኬድካ እንተተወዲኡ፡ ወይ’ውን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ፈጺምካ ክትገዝእ እንተዘይጥዒሙካ ከኣ፡ ንመቕርብካን ጎረባብትኻን፡ ናይታ መዓልቲ ጋዜጣ ኣትሪፎም እንተኾይኖም ሓቲትካ ትለቓቓሕ፡፡ በብኽፋላት ዝቕርቡ፡ ንልብኻ ኣንጠልጢሎሞ ዝቕንዩ እትከታተሎም ዘይተዛዘሙ ልብወለዳዊ ዛንታታትን ጽሑፋትን እንተሃልዮምኻ ኸኣ እሞ፡ ኣብ ዝኣተኻ ኣቲኻ ክትረኽባ ትጽዕር፡፡ ዘይናትካ ኣይናትካን እዩ’ሞ፡ እናሓንሳእ ዋናታት ኣንቢቦም ክሳብ ዝህቡኻ ብዓቕሊ ክትጽበ ትግደድ፡፡ እናሓንሳብ ኣንቢብካ ክትመልሶ ትሕተት፡፡ እናሓንሳእ ኣመና ዘገድሰካ ክፋላት ናይታ ጋዜጣ ጥራይ ተነጺሉ ይወሃበካ፡፡

ኣቤት እባ ዝነበረ እንካን ሃባን!

ንዓይ ዝኽሪ’ተን ጋዜጣታት ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይኮነን፡፡ እንኮላይ ውዕለተን እዩ ዘለኒ፡፡

ኣብ 1995፡ ካብ ዝተወለድኩሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፡ ጓል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣቢለ እየ ምስ ስድራይ ጠቕሊልና ናብ ኤርትራ ኣቲና፡፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ እኳ በቲ ወለደይ፡ ብፍላይ ድማ ኣደይ፡ ቋንቋናን ባህልናን ከነጽንዕ ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ደሓን ክበሃል ዝኽእል ምልከት ቋንቋ ትግርኛ ሒዝና እንተኣተና፡ ምንባብ ጋዜጣታት፡ መጽሄታትን መጻሕፍትን ግን፡ ብዘይካ እቲ ንዝነበረኒ ጎደሎ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ኣብ ምምላእ ዝነበሮ ተራ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ፡ ምግላጽ ሓሳባት፡ ኣሰዃኹዓ ቃላት፡ ኣተሃናንጻን ኣተኣላልያን ዋሕዚ ሓሳባት፡ ጥበብ ኣዘነታትዋ እንታይ ከም ዝመስል ዝተመሃርኩለን ምንጭታት እየን ኔረን፡፡

ብዘይካ’ዚ፡ ፍቑር ኣቦይ፡ ነቲ ኣነ ጋዜጠኛ ክኸውን፡ ንሱ’ውን ኮይነ ክርእየኒ ዝነበረ ማንታ ባህግታትና ንምርዋይ፡ ምሸት ካብ ስራሕ ኣትዩ ኣብ ዘዕርፈሉ ግዜ፡ ከም ጎያይት ዘሰልጥን ዘሎ ዓላማይ፡ ሰዓቱ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩ ደቓይቕ እንዳሓዘ፡ ጥበብ ኣናብባ ዜናን ናይ ምንባብ ፍጥነትን ከለማምደንን፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዘርእዮ ለውጢ ተተባቢዑ “በቃ‘ዛ ጓለይ! ንስኺ ከመይ ዝበለት ጋዜጠኛ ክትኰኒ እኺ” እንዳበለ ብተስፋን ብናይ ምኽኣል ወኒን ክሳብ ዓንቀረይ ክመልኣኒ ይዝከረኒ፡፡

እዚ ኰይኑ ከብቅዕ፡ ኣብ መበል 3ይ ዓመት ምዕጻው ጋዜጠኛታትን ምእሳርን ኣዳለውተንን፡ ብዝወጸ ሓድሽ መምርሒ መሰረት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምዝዛም ኣብ 17 ዙርያ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ምስ ወረድኩ፡ ዘይኣመለይ ናይ ትምህርቲ ሸውሃት ፈጺመ ኣጥፊአ፡ ዝዀነ ጻዕሪ ምግባር ኣቋሪጸ እኳ እንተነበርኩ፡ ዕድል ክበሃል ብዝከኣል ኣጋጣሚ መሕለፊ ነጥቢ ኣምጺአ ናብ ኮሌጅ ማይነፍሒ ምስ ኣተኹ ግን፡ ነቲ ካብ ቁልዕነተይ ጀሚረ ክሳብ ሕጂ ውን እንተዀነ ኣዝየ ዘፍቅሮን ዝብህጎን ሞያ ጋዜጠኝነት ንምምሃር፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ክመርጾም ዝደሊ ዓውድታት ትምህርቲ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ክሓስቦ ዘይምኽኣለይ፡ ኣብ ሎሚ ኰይነ ክሓስቦ እንከለኹ፡ እቲ ነቶም ግዳያት ንመቕጽዒ፡ ንዝተረፉ ከኣ ከም መሰክሒ ዝጥቀሙሉ እኩይ ውዲቶም፡ ኣብ ምዅላፍ ሓሳብ፡ ራእይ፡ ሕልምታትን ተስፋታትን ከመይ ከም ዝዓዪ በርሃው ኢሉ ይርኣየኒ እዩ፡፡

እዚ ኹሉ ዀይኑ’ውን፡ ሎሚ ኣብ ዓደይ፡ እቲ ኣነ ብቑሩብ-ቁራቦ እውን እንተዀነ ዝተቛደስክዎ ዕድል ፈጺሙ ዝተነፍጎ፡ ገዛእ ቋንቋኡ ኣዕርዩ ዘይመልኽ፡ ሓሳቡን ስምዒታቱን ብግቡእ ክገልጽን ክበሃሃልን ዘይክእል፡ አረ ምሕሳብን ሓሳብካ ምግላጽን ገበን ምዃኑ እናተማህረ፡ ኣእምሮኡ ዓጽዩ፡ ደገ ከናፍሩ ሓልዩ ክኸይድ ዝተፈርደ ወለዶ ይፈሪ ከምዘሎ ክሓስብ እንከለኹ፡ ሓቂ ንምዝራብ ብዛዕባ መን ክሓዝን ከምዘለኒ ሕውስውስ ይብለኒ እዩ፡፡

ኣብዚ ዝነብሮ ዘለኹ ሃገር፡ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቆልዑትን መንእሰያትን ናይ ምንባብ ባህሊ ንምትብባዕን ንምህናጽን፡ ዓመታዊ ብዙሕ ወጻኢታት ፈሲስዎ ዝወጽእ ፕሮግራማት ክርኢ እንከለኹ ድማ እቐንእ፡፡ ኣብ ፈይስ-ቡከይ ሓደ ጽሑፍ ምስ ኣካፈልኩ፡ “ጽሑፋትኪ ስለዝምስጡኒ ተጸሚመ የንብቦም’የ፡ ግን በጃኺ ንሕና ናይ ነዊሕ ርሕቀት ተዅሲ እምበር፡ ናይ ነዊሕ ጽሑፍ ምንባብ ስለዘይተዓለምና ኣሕጽር ኣብልዮ”  ዝብል ካብ ዝኽረይ ዘይሃስስ ዘረባ ናይ ሓደ ሓው ክዝክር እንከለኹ፡ በቃ ነቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዘለዉ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ርእሲ መሬት ዘለናን፡ ንዝመጽእ ወለዶን እዩ ዝያዳ ዝድንገጾ በሊ ይመጻኒ፡፡

“ጸሓፋይ፡ ካብቲ ናይ ሓባር ሕሰም ክሃድም ከምዘይክእልን ኣብ ምኽንያታዊ ዝዀነሉ እዋን ድማ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ፈጸምቲ እቲ ታሪኽ ዘይኰነ፡ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ውጹዓት ክርከብን፡ ኣፍ ናይቶም ዕቡሳት ክኸውን ከምዘለዎን፡ ጭውነት ሞያኡ ድማ ወትሩ ኣብ ክልተ ኪዳን ዝተሰረተ ክኸውን ከምዝግባእ ንሱ ድማ፡ ነቲ ዝፈልጦ ሓቂ ዘይምዕባጥ/ዘይምሕሳውን፡ ኣንጻር ጭቆና ደው ምባልን እዩ” እዚ ጽሟቕ ትርጕም፡ ካብቲ ብዙሕ ድማ ሒደት፡ ኣልበርት ካሙ፡ ኣብቲ ኣብ 1957 ዝተኻየደ ስነስርዓት ምቕባል ሽልማት ኖቤል ፕራይዝ (Nobel prize in literature) ንተራ ጸሓፋይ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ መሳጢ መደረ እዩ፡፡

እዚ ድምጺ እዚ’ዩ ኸኣ፡ እቲ ወትሩ ብኣፍደገ እቲ ኣብ ገዛውተይ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣልበርት ካሙ ክሓልፍ እንከለኹ፡ ኣብ ኣእዛነይ እንዳቃልሐ ናብቶም “ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት” ኣብ ዝብል ናይ ድኹማት መጸናንዒ በዓቲ ኣዕቂሎም፡ ነቲ ዝኸውን ብማዕዶ ክዕዘቡ ከይመረጹ፡ ንሞያኦም እሙናት ሓርበኛታት ኰይኖም ከገልግሉ ስለዝተረኽቡ ጥራይ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኢሰብኣዊ ዝዀነ ኵነታት፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዝበልዩ ዘለው ጋዜጠኛታት ደቂ ዓደይ፡ ናብቲ ኣዒንቱ ኣንቊሮም ኣፉ ዓቢሶም ብስኑዕ ሓሶት ዘጽመምዎ ውጹዕ ህዝበይ፡ ናብታ ብርሃና ኣጸልሚቶም ኣብ ዕጽው ዝዕምጽዋ ዘለው ዓደይ፡ ብማዕበል ሓሳባት እንዳገላበጠ ሃፍ ኣቢሉ ዝወስደኒ፡፡

ቅድሚ ዝኣገረ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዝርጋሕ ስእልታት ዝፈልጦ ናይ ንእስነቶም ምስልታት፡ በተን ክትቆጽረን ተራ ቁጽርታት ጥራይ ዝመስላ ጽንኩራት ዓማውቲ የርብሖ’ሞ፡ ስእለ-ኣእምሮይ፡ ደፊረ ክዕዘቦም ዘሰክፈኒ ዝሸምገሉን ዝዓረቑን ምስልታት ቀሪጹ የርእየኒ፡፡

እቲ ኣብቲ ፈታኒ እዋን ንሓቂን ንሞያኦምን ደው ክብሉ ዝነበሮም ትብዓት፡ ነዚ ርዝነቱ ክትግምቶ እምበር በኣእምሮ ክትበጽሖ ዘይከኣል ክብደት ህይወት ንምብዳህ ኣብ ውሽጦም ጸኒዑ ዶ ይህሉ ወይስ ከምቲ ሕሱም ጥልመት ንኣማኒ ልቢ ዘሰምብሮ፡ ኣብ ትብዓት ዝነበሮም እምነት ጎዲሉ፡ ተስፋ ምቑራጽን ድኻምን ይጸናተዎም ይህሉ ንዝብል ሕቶ፡ መልሲ ክረክብ ዝጽዕት ዘሎ እንክመስል ከኣ፡ በብሪጋ እንዳመላለሰ ምስ ምስሎም የፋልመኒ፡፡

ነቲ ካብ ኩሎም ብዕድመ ዝዓበየ፡ መሰታ ኣቦይ ኣቢሉ ዝኸውን፡ ሕጂ መበል 71 ዓመቱ ረጊጹ ዘሎ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ….ካብቲ ዘለዎ ሸላ ኣውጽእ ኣቢለ፡ ኣብ ንቡር ህይወት ዘሎ ሽማግለ ሰብ፡ ኣቦ፡ በዓልቤት፡ ሓው፡ ዘመድ፡ ዓርኪ፡ መሳርሕቲ፡ ወዲ ማሕበር፡ ወዲ ዓዲ ገይረ፡ ቀያይረ እንዳዋሳእኩ ንደቓይቕ እዕዘቦ እሞ፡ ነቲ ኣብኡን፡ ኣብቶም ንሱ ጎዲልዎም ዘሎ ኣካላትን ተፈጢሩ ዘሎ ገዚፍ ሃጓፍ ብዓይኒ ሕልናይ እስእሎ፡፡ ብኹሎም ብጾቱን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ድማ የርብሖ፡፡ ናብ ኩሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝፈረሱን ዝተበታተኑን ኣእላፍ ስድራቤታት ኤርትራ ከኣ ይመቕሎ፡፡ ሽዑ ኤርትራ ብምልእታ ናብ ሸለው ዝበለ ገደል ተቐይራ ዘላ ኰይኑ ይስምዓኒ፡፡

ሎሚ፡ ብቑጽሪ ውሑዳት ዘይኮኑ ደቂ ሃገረይ ዓድና እታ ኣብ ዓለም ‘እተኹርዕ’ ሃገር ምዃና ይኣምኑ። ኣነ’ውን ከምኡ ክኣምን ደስ ምበለኒ፡፡ ግን ኵርዓት ኵላትና ደቂ ሃገር እኳ ተኣኪቡ ክዓብጦ ዘይክእል ምረትን እህህታን ዘቃልሕ ጋህሲ ኣብ ማእከላ ከምዘሎ ዘስተውዓለ ኣእምሮይ ኵርዓተይ ኣሕዲጉ ሕንከት ይጽዕነኒ፡፡