WIR MACHEN DAS (ሓርፋፍ ትርጕም-‘ኢሂናይ ደኣ ዘይንገብሮ! / ንገብሮን ፈረቓን’ምበር!’ )፡ ኣብ 2015 ካብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት፤ ባህሊ፣ ሳይንስ፣ ስነጥበብ፣ ጋዘጠኛነትን፣ ካልእን፤ ብዕላማ ዝተጠምራ 100 ደቂ-ኣንስትዮ ዝመስረታኦ ሓልዮታዊ ትካል እዩ። ንብዙሕነት ከም ጸጋ ቈጺሩ ድማ ኣብ ስነጥበብ፥ ባህሊ፥ ወዘተ. ኣተኲሩ ይዓዪ። ናይ ስደትን ቅልውላውን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም መጻእተኛታት ጸሓፍቲ፡(ብፍሉይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ) ዝበቅዕ ደገፍ ረኺቦም ኣብ ምምእዛን ሕብረተሰብን፡ ምቕናዕ ዝምቡዕ ትርኽትን እጃሞም ከበርክቱ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ይቃለስ።
weiterschreiben.jetzt ካብ ቋንቋ ጀርመን ናብ ትግርኛ እንክትርጐም፤ ከየባተኽኪ/ካ ጸሓፊ/ፍ ዘስምዕ መልእኽቲ ይህብ። ንኡስ ፕሮጀክት ናይ WIR MACHEN DAS ኰይኑ፥ ከየባተኹ ዝጽሕፉ ደረስቲ ዘይተባተኸ ተሰማዕነት ምእንቲ ክህልዎም፡ ምስ ስደተኛታትን ደቂ-ዓዲን ናይ ሞያ መዘናታቶም ተመኵሮታት ዝለዋወጥሉ ጥበባዊ መድረኽ ይሃንጽ። ምልውዋጥ ተመኵሮ ብደብዳበ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ንጥፈታት ናይዚ ፕሮጀክት እዩ። ኤርትራዊት ደራሲት ይርጋኣለም ፍስሃን – Yirgalem Fissehaን በላሩሳዊት ደራሲት ሳቢና ብሪሎን – Sabina Brilo ብመንገዲ ኣርባዕተ ደብዳበታት ኣቢለን፡ ኣብ ዝተቐባበላኦ ሓሳባት፡ ዝተመላለሳኦ ሕቶታት፡ ተመሳሳልነት ዝፈጠረለን ሓቅታት፡ ቀስቃሲ ናፍቖተንን፡ ናብ ዓደን ዘቋምት ህንቁው ተስፋታተንን ዝሓቘፈ ትግርኛዊ ትሕዝቶ ኣብ ኣርባዕተ ሕታማት ክቐርብ እዩ። (ብቛንቋ ጀርመን ንዝመርጽ ነባቢ ነዚ ኣብዚ መእተዊ ዘሎ ጥብቆታት ብምጥዋቕ ናብ ምንጪ ጽሑፍ ምብጻሕ ይከኣል።) ኣብ ካልኣይቲ ደብዳበ ሳቢና ንዝቐረቡ ሕቶታትን ሓሳባትን ማእከል ዝገበረት ካልኣይቲ ደብዳበ ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕታም ቀሪባ እነሀት። (ትርጕም፡ ካብ ጀርመን ናብ ትግርኛ ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ናብ ጀርመን ሚራስ ፍጹም፤ image:© Mohammed Saleh
—————————
ሙኒክ 3 ታሕሳስ 2022
ዝኸበርኪን ዝተፈተኽን ሳቢና
ከመይ ቀኒኺ፧ ኣንድሬው ብዓል-ቤትኪኸ ከመይ ኣሎ፧ ብኽንድኡ ዝቐልጠፈ ግዜ ብኣካል ክንራኸብ ኢና ዝብል ግምት ኣይነበረንን። እሞ ድማ እታ ‘ሓደ መዓልቲ ብኣካል ክንራኸብ’ ተስፋኽን ምንዮትክን እትገልጽ ደብዳበኺ ኣብ ኢደይ ቅድሚ ምብጽሓ ምርኻብና ዘየገርም ኣይኮነን። ብምርኻብናን ደስ ዝብል ናይ ሓባር ግዜ ስለ ዘሕለፍናን ኣዝዩ ባህ ኢሉኒ።
ከምቲ ዝበልክኒ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ብድሕረይ ኣብ በርሊን ገለ መዓልታት ጸኒሕኩም ኢኹም ናብ ቪልኒዩስ ተመሊስኩም። ጕዕዞ ከመይ ነይሩ፧ ድሕሪ ምምላስኩም‘ውን ኮንፈረንስ ነይርኩም መስለኒ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ዛዕባ ማለት ዓመጽን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዝራብ ኣመና የሕምም‘ዩ። ዓመጽ ወይ ዓመጽቲ ክንኣሊ ክንድዚ ምኽባዱ‘ውን የቐንዙ‘ዩ። ዛዕባኹም ካብዚ ዝተፈልየ እንተ ነይሩ ወይ ድማ ግምተይ ትኽክል እንተኾይኑ ክትጽሕፍለይ ክጽበየኪ‘የ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣእጋረይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብዛ ዝነብረላ ዘለኹ ጀርመናዊት ከተማ ሙኒክ ዝረገጻሉ ዕለት‘ዩ። እዚ ካብ ዝኸውን ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑ‘ሎ። እቲ ምሸት‘ቲ ንዓይ ሕልሚ ዝጥዕም ጋህዲ‘ዩ ነይሩ። ከምዚ… ሓደ ሰብ እኹል ሰብ ኰይኑ እንተ ዝውለድ ኢልኪ‘ሞ ሕሰቢ። ኣብ 9 ወርሒ ዘይኮንናስ ኣብ 18 ዓመትና ንውለድ እንተ ንኸውን፡ እቶም ቅድሜና ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ተኣምራት ክንግረም ግን ከኣ ሓንቲ ነገር‘ኳ ንምግባር ክንጽገም ከለና ሰኣልዮ። እቲ ሽዑ ዝነበረኒ ስምዒት ከምኡታት‘ዩ ነይሩ። ንኹሉ ነገር ሓዳስን ተገራሚትን‘የ ነይረ። እቲ ውሕስነት ብቐንዱ ኣሎ። ካብ ሃድን ኣምሊጥኪ፡ ካብ ማሕዩር ድሒንኪ… ሸለብ ገለብ ዘይትብልሉ ውሕስነት ክትረኽቢ ከለኺ ዝህሉ ስምዒት፡ ብልክዕ ስለ ዝተመኮርክዮ እንታይ ከም ዝጥዕምን ዝመስልን ትፈልጥዮ ኢኺ። እቲ ኣነ ኣብዚ ምስ መጻእኩ ዝነበረኒ ስምዒት ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን – ዝተፈልየ‘ዩ።
ሓንሳብ ጥራይ‘የ ቅድሚኡ ነፋሪት ተሰቒለ ዝፈልጥ ነይረ። ብባቡር ክጕዓዝ፡ እታ ካብ መዕርፎ-ነፈርቲ ሙኒክ ፡ ናብ ከተማ ዘምጽኣትኒ ባቡር ንፈለማየይ‘ያ ነይራ። ነቲ ወላ‘ውን ተዓሚትኪ ወይ ኣብ ሞባይልኪ እናጽሓፍኪ (ብዘይ ዝኾነ ፍሉይ ኣቓልቦ) እትኸድዮ፡ ናይ ትሕተ ምድሪ ባቡራት መውረድን መደየብን መሳልል‘ውን ንፈለማየይ‘ዩ ነይሩ። ንኹሉ ከኣ ኣብ ከም ናብ ዕድመ ህጻንነት ምምላስ ኰይነ‘የ ተለማሚደዮ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ግን ኣወስትራልያ፡ ደቡብ ኣመሪካን ኣንታርቲካን ገዲፍኪ ነተን ዝበዝሓ ክፍሊ ዓለማት በጺሐየን ኣለኹ። እዚ ነታ ብስራሕ ካብ ዝተመደበትሉ ቦታ 110 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ ስድራኣ ክትበጽሕ እንተኾይና ግድን መንቀሳቐሲ ፍቓድ ወረቐት ካብ መንግስቲ ክትረክብ ዝነበራ ኤርትራዊት፡ ብርቂ ምዃኑ ኣይርኣየክን!፧
ብዛዕባ‘ቶም ንዓመታት ክሕየሩ ዝተፈርዱ ኣንድረይ ምስ ኣፍቃሪቱ ኢሪና ከምኡ‘ውን ኣንቶኒና መሓዛኺ ሓዘነይ ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይክእልን። እቲ ኩሎም መለኽቲ፡ ዝጥቀምሉ ሜላታት ተመሳሳሊ ምዃኑ ድማ ኣስተብሂለ። ንኹሉ እቲ ዜጋታት ብቕንዕና፡ ብሰብኣውነትን ሓልዮት ህዝቦምን ዝገብርዎ ነገራት መጥቅዒኦም ንኽውዕል፡ ጥርኑፍነት፡ ኣኽራርነት፡ ክሕደት ሃገር… ዝብል ስምን ጠቐነን‘ዮም ዝህብዎ።
እዚ ንዓና ዝወረደና ኣደራዕ ዘይወረዶም ገለ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ‘‘ህዝብኹም ነዚ መራሒ መሪጹዎ እዩ፡ ስለዚ ጉዳይኩም ባዕልኹም ክትፈትሕዎ ኣለኩም…” ዝብል ርእይቶ ከም ዘለዎም፡ እንተኾነ “መለኽቲ ብምርጫ ዘይኮነ ብምትላል’ዮም ኣብ ስልጣን ዝድይቡ” ኢልኪ’ለኺ። እዚ ኣብ በሪኽ ዝወጸ ሓቂ’ዩ። ኣብ ትግርኛ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝብል ኣበሃህላ’ሎ። እቲ ከም መፍትሒ ጸገምኪ ዝወሰድክዮ ስጉምቲ ከቢድ ሳዕቤን ምስ ዘኸትል፡ ነቲ ጸገምኪ ንምፍትሑ ዝወሰድክዮ ስጉምቲ ክትመርጺ ዝገበረኪ ረቛሒ ኣብ ቦታኺ ኰይኑ ከይመዘነ፡ ነቲ ዘይመረጽክዮ ካልእ ኣማራጺ ከተቐድሚ ከም ዝነበረኪ ክምዕድ ዝፍትን ሰብ ኣሎ። ንሱ ነታ ካልአይቲ ምርጫ ክመርጽ ዝገበሮ እቲ ናትኪ ስጉምቲ ምዃኑ ግን ኣይሓስቦን’ዩ። እቲ ሽግር ንዕኡ ኣጋጢምዎ እንተ ዝነበር፡ እቲ ንስኺ ዝወሰድክዮ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ነይሩ’ዩ። ምኽንያቱ ንስኺ ቅድሚ ምፍታንኪ ኣየናይ ኣማራጺ ዝያዳ ዋጋ ከም ዘኽፍል ክግመት ዝክኣል ኣይምነበረን።
ነቲ ኣብ ሃገራትና ዘሎ ግህሰት፡ ኣብ ሃገራቶም ብዘሎ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ዝመዝኑ’ውን ኣለዉ። ንኣብነት ንዓና ኤርትራውያን፡ “ኣብ ቱኒዝያኮ ብኸምዚ’ዩ መንግስቲ ተቐይሩ። ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን… ህዝባዊ ናዕቢ’ዩ ለውጢ ፈጢሩ። ስለምንታይ ኢኹም ክንዲ ትገጥምዎ ትሃድምሉ፧” ዝብሉና ኣለዉ – ወላ’ውን ኤርትራውያን። ኣነ ግን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ሰይጣን” ብልክዕ ካብ ዘይምፍላጡ ዝነቅል ርእይቶ’ዩ – ብሃሊት’የ። ኣብ ኤርትራ፡ መሓዙትክን ጎረባብትኽስ ይትረፍ፡ ነብሲኺ‘ኳ ከም ዘይትኣምኒ ዝገብር ሃዋሁ‘ዩ ዘሎ። ምሳኺ ተመሳሳሊ ሽግር ከም ዘለዎም ትሓስብዮም ሰባት፡ ምሳኺ እናተረግጹ ሰለይትኺ ኮይኖም ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም።
2017 (ውሑዳት ኣዋርሕ ካብ ሃገረይ ቅድሚ ምውጽአይ) ኣብ ርእሰ ከተማና ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት፡ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ መንግስቲ ኢዱ ንኸየእቱ ካብ ኮሚተ ወለድን መምህራንን ተማሃሮን ተቓውሞ ስለ ዘጋጠመ፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝብሃሉ ወዲ 93 ዓመት ኣቦ ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት (ወለዲ፡ መምህራንን ተመሃሮን) ተኣሲሮም። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓጅ ሙሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ ዓሪፎም። እንታይ ስዒቡ ትፈልጢ፧! ኣብ ቀብሮም ምስታፍ ድማ ካልእ ምኽንያት ንማእሰርቲ ኮይኑ። ኣብቲ እዋን ኣብ ቀብሮም ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣስታት 800 ይበጽሕ ምንባሩ ኣብ ናይ ሽዑ ዜናታት ተሰኒዱ‘ሎ። ስለዚ ንኣሽቱ ተቓውሞታት (ምሉእ ብምሉእ ሰለማውያን እናሃለዉ‘ውን) ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፍሉ እቲ ብግብሪ ዝሓልፎ ዘሎ’ዩ ዝፈልጦ።
ኣብታ “መለኽቲ ብምትላል’ምበር ብምርጫ ኣይኮኑን ናብ ስልጣን ዝመጹ” ትብል ነጥብኺ ክምለስ። ገለ ደቂ ሃገረይ፡ “እዚ ሰብዚ ዓንዚዙና’ምበር ኣየታለለናን። እቲ ዝገብሮ ብግልጺ ይዛረቦ’ዩ” ይብሉ’ዮም። ኣብዚ፡ ክሰማምዕ ዝገብሩኒ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነገራት ካብቲ ዝተፈጸምሉ ግዜ ኣመና ምስ ማሕደጉ “ኣሃ“ ንብለሉ ብዙሕ ግዜ ኣጋጢሙና‘ዩ። እንተኾነ፡ ኣብታ “ህዝቢ ብምትላልን ዓይኒ ንዝኸፈተ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ብምርጋጽን‘ዩ ዕድሚኡ ዘናውሕ ዘሎ“ እትብል‘የ ዝያዳ ዝሰማማዕ። መለኽቲ፡ ተታሊሎምን ጥቕሞም ብምቕዳምን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘየሎ ነገር ዝሕበኑ ዜጋታት ምፍራይ‘ውን ይሳኽዓሎም‘ዩ። ዓለም ብዛዕባ‘ቲ ኣብ ውሻጢኦም ዝግበር ዘሎ ነገር ክትፈልጥ ፍጹም ዘይደልዩ‘ውን ኣለዉ። ንዕኡ ክሽፍኑ፡ ‘ነይሩና‘ ዝብልዎ ግና ዘየርከብሉ ዛዕባ እናልዓሉ ክምድሩ ኣይህከዩን – ኣይስከፉን‘ውን።
ሓደ ካብ ኣንበብቲ ዝቐደሙ ደብዳበታትና፡ ነታ “ከልብን ድሙን ከምዚ ኣብዚ ምስ መጻእኩ ዝተዓዘብክዎ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ዓርክን መሓዛን ኣይኮኑን ዝርኣዩ“ እትብል ነጥበይ ኣልዒሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ቅድሚ 400 ዓመታት ጀሚሩ መሰል እንስሳታት ዘኽብር ሕጊ ነይሩ‘ዩ“ ኢሉ ርእይትኡ ኣስፊሩ ኣሎ። እንተኾነ፡ ንእንስሳታት ከም ዓርኪን መሓዛን ምርኣይን ዘይምርኣይን ወይ ምሓዝን ዘይምሓዝን ምስ ባህሊ‘ምበር፡ ምስ ሕጊ ዘተሓሕዝ የብሉን። ኣነ፡ ብዛዕባ‘ታ ኣብዚ እዋን፡ ብምጥሓስ መሰላት ደቂ ሰባት ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ትስራዕ ዘላ ኤርትራ‘የ ዝዛረብ ዘለኹ።
“ሉካሸንኮ፡ ዓማጺን ውልቀ መላኺን፡ እንተ ዘይከውን፡ ምናልባት ካብ ፍርሒ ወይ ረብሓ ተበጊሱ ነዚ ወሲድዎ ዘሎ ጸግዒ ፑቲን ምዃን ክወስድ ምኽንያት ምነበሮዶ፧” ዝብል ሓሳብ ብልጭ ኢሉኒ። …ኣይመስለንን። ኩሎም እቶም ጸግዒ ራሻ ዝሓዙ መራሕቲ ውልቀ መልኽትን ንዜጋታቶም ብዘይ ንሕስያ ዝረግጹን’ዮም። ሓደ ካብኦም እቲ ናይ ሃገረይ “መራሒ”’ዩ። ኤርትራ ሃገር ንምግባራ ተጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ጎነጻዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1960ታት ትምህርቶም ኣቋሪጾም ካብ ዝተጸንበሩ መንእሰያት’ዩ ነይሩ። ኤርትራ ሃገር ምስ ኮነት ግን፡ ንሱ ዓብዩ ንሳ ድማ ንኢሳ – መስለኒ። ጣዕሳ ዘንቀሎም ብዝመስሉ ምኽንያታት ኣብ ረጽሚታት እናሸመመ ከኣ ክንድቲ ሃገር ክትከውን ዝተሓልፈ ገድልን ዝተኸፍለ ህይወትን ኣኽፊሉና። ገና ከኣ ኣብኡ’ለና! ኣብዚ ኲናት ጸግዒ ራሻ ዝሓዘ ንምንታይ መስለኪ፧ ኣቓልቦ ናይ በዓል ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ምዕራብ ንኽረክብ’ዩ። እምበር በቲ ሃገር ንምዃን ዝተቓለስናሉ ዕላማ፡ ራሻ ንምኹናን ትቕድመና ሃገር ክትነብር ኣይምተገብአን። ንራሻ ምድጋፍ ምስ ድሌትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ኣይከይድን’ዩ – ብኣረኣእያይ።
ንሕለፍ ናብ ካልእና…
ስደት (Exile) ትብል ዝፈትዋ ግጥሚ ናይ Stella Nyanzi ኣላ። ነቲ፡ ኣብታ ብውልቀ መላኺ እትምራሕ ሃገራ ዘሕለፈቶ ኣርዓዲ ህይወትን ጉዕዞ ስደታን‘ያ ተዘንቱ። “ኣብ ኡጋንዳ ኡጓንዳዊት‘የ። ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ኣፍሪቃዊት‘የ። ኣብዛ ዓለም ድማ ጓልዛ ዓለም‘የ። ስለዚ ስደተኛ ኣይኮንኩን። ስደተኛ ኣይትበሉኒ ብስመይ ጸውዑኒ!” ዝብል ትሕዝቶ ድማ‘ለዋ። ካብ ገዛእ ሃገርኪ 30 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቕኪ ምህላውኪ ክስእሎ ፈቲነ። ቃንዛኡ ክመዝኖ‘ውን ደልየ። እስከ ከቢድ ጥምየት ኣለኒ ንበል። ካብዚአን ኣየንተን ትኸብድ ትኸውን፧ መግቢ ዝብሃል ኣብ ዘይብሉ ቦታ ወይስ እናርኣኽዎ ግን ከኣ ዘየርክቦ ቦታ ምህላዉ…፧ (ኩሉ ጥምየት‘ዩ። እናርኣኽዮ ክትበልዕዮ ዘይምኽኣልኪ ከኣ ካልኣይ መቕጻዕቲ‘ዩ…) ከምዚታት ከም ዝሓስብ ገይሩኒ።
ነሓሰ 2006 ሓንቲ ካብተን ዝኸበዳ ወርሓት ናይ ስድራቤተይ‘ያ ነይራ። (ምናልባት‘ውን መጀመርታ ናይቶም ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ኣሰቀቕቲ ከበድቲ እዋናት።) እቲ ቀዲሙ ዝተሰደደ ክብሮም ዝስሙ ምንኣስ ምንኣሰይ ሓወይ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ናይ ካልኣይ ደረጃ መዛዘሚ ፈተናን ኣብ ዝወሃበሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ንልዕሊ ዓመት ድሕሪ ምጽንሑ ናብ ሱዳን ሃዲሙ። ድሕሪኡ ብዘይ ሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ሊብያ ቀጺሉ። ነሓሰ 2006 ድማ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኤውሮጳ ንምእታው ኣብ ልብያ ተዳልዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበርና ኣባላት ስድራቤቱ፡ ብዛዕባ ሓደገኛነት ናይቲ ምስጋር ብዕምቆት ንፈልጦ ኣይነበርናን። ብኤውሮጳ ኮይኑ ገንዘብ ክሰደሉ ዝኽእል ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ ስለ ዘይነበረና ግን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣቲና ነይርና። ንመዓልታዊ ምዕባለታት ጕዕዞኡ ብዝምልከት ምሳይ‘ዩ ዝራኸብ ነይሩ። ንመርከብ ዘድልዮ ዝነበረ ገንዘብ (እዝክሮ‘የ 1500 ኤሮ) ከም ዝበጽሖ ምስ ተገብረ “ኣብዚ ውሑድ መዓልታት ክንብገስ ስለ ዝኾንና እንተ ዘይደዊለልኪ ኣይትሻቐሊ“ ኢሉኒ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ሓደ ንግሆ ናብ ስራሕ እናኸድኩ፡ ኣብታ ኣውቶቡስ ሬድዮ ተወሊዓ ነይራ። ዜና ይስማዕ….
“120 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ሊብያ ናብ ጥልያን ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒላ። 70 ካብቶም ተጓዓዝቲ ክሞቱ ከለዉ፡ 10 ድሒኖም 40 ገና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን…” ምናልባት ቃል ብቓሉ ከይከውን ይኽእል‘ዩ። ትሕዝቶኡ ግን ንሱ’ዩ። ርእሰይ ዘይሩኒ። ሰልሃዉ ኢሉኒ። ቀስ ኢለ ኣብታ ዝነበርክዋ ኩርምይ ኢለ። እቲ ዜና፡ ኣብ መንጎ እቶም ተጓዓዝቲ፡ ዜጋታት ኤርትራ ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ይጠቅስ ነይሩዶ ኣይነበረን ሕጂ ኣይዝክሮን። ኣነ ግና ሓወይ ኣብ መንጎኦም ምንባሩ ርግጸኛ ነይረ። ካብቶም 10 ዝድሓኑ ክኸውን ዝነበሮ ዕድል ባዕለይ ባዶ ገይረዮ። ኣብ ጥልያን ኮይና ካብ ሰባት ገንዘብ ተለቂሓ ኣብ ምስዳድ ንዝሓገዘትና ወይዘሮ ምሕረት ቀላቲ ወዳ ኣብ ኣስመራ ነይሩ። መልእኽቲ በዚ መስመር እዚ‘ዩ ክመጸና ዝኽእል ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ክድውለሉ ደልየ። ኣብ ኣምሓርኛ፡ “ኣጥቢቑ ዝሓትት ሞት ኣዲኡ ይርዳእ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ነዛ ምስላ’የ ዘተግብራ ነይረ። ኣብ ቦታ ስርሐይ ክበጽሕ ከለኹ‘ውን ከይተረፈ ገና ኣብቲ ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ግምት‘የ ጥሒለ ነይረ። ናይቲ ክድውለሉ ዝደለኹ ሰብ ቁጽሪ ኣብ ተለፎነይ ፈትሸ ክድውለሉ ምኽኣል ስኢነ። ኣእዳወይ ፈጥፈጥ ኢለን….
ሕጂ ኣብ እንግሊዝ ዘላ፡ ኣብ ሬድዮ ባና መሳርሕተይ ዝነበረት ጋዜጠኛ ሰናይት ሃብቱ ከኣ‘ያ ንኹሉ ዓሚማትለይ። ዳዊት ካብ ቦታ ስርሑ ጥብ ኢሉ መጺኡና። እቲ ዝሰማዕክዎ ነጊረዮ። ኣዲኡ ደዊላትሉ እንተ ኾይና‘ውን ሓቲተዮ። ኣይደወለትን ኢሉኒ። ግምተይ ጌጋ ምዃኑ ከእምኑኒ ተጋዲሎም። ግና ኣይኣመንኩን። ኣብቲ እዋን ንመርዓ ትሸባሸብ ንዝነበረት መሓዛይ ኣዝመራ ገብረስላሴ፡ ኣብ መንጎ እተን ሰለስተ መሓዙት ናይ ዕለተ መርዓኣ ከይህሉ ስለ ዝኽእል መተካእታይ ክትሕዝ ነጊረያ። ….ምጽባይ መርድእ….
ድሕሪ ገለ መዓልታት ካብ ጥልያን ተደዊሉኒ። ሓወይ ብሰላም ኣትዩ። ኡፍፍፍ! ብካልእ መርከብ‘ዩ ተጓዒዙ። እንሀልኪ እዚ ሓወይ‘ዚ ዓንዲ ገዛና‘ዩ። እቶም ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነን ማእሰርትን ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምህዳሞም ብተመሳሳሊ ጕዕዞ ክሓልፉ ከለዉ እቲ ጾር ኣብ ዝባኑ ነይሩ። ንነብሲ ወከፎም ከባቢ 5 ሽሕ ኤሮ ክኸፍል ነይርዎ። ሓደገኛነት እቲ ጉዕዞ፡ ካብቲ ኣቐዲመ ዘዘንተኹልኪ ግዜ ኣዚዩ ስለ ዝተዓጻጸፈ ግን ገንዘቦም ከፊሎም ህይወቶም‘ውን ዝኸፈሉ ብዙሓት‘ዮም። እዚ ንኣሕዋተይ ዝተኸፍለሎምን ንኽሰግሩ ዝሓለፍዎ ሽግርን ምስቲ ካብ ኣሰጋገርቲ ናብ ኣሰጋገርቲ እናተሸጡ ክንደይ ስቓይ ድሕሪ ምርኣዮም 20፡ 30፡ 40…ሽሕ ዶላር ከፊሎም ህይወቶም ከውጽኡ ዝኸኣሉ ኣዝዮም ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደኣንስትዮን ኤርትራውያን ክወዳደር ከሎ ዝሓሸ ክፍሊት ተባሂሉ‘ዩ ዝጥቀስ። እምብኣር፡ እዞም ኣሕዋተይ ሓደ ኣብ ሆላንድ እቶም ክልተ ከኣ ኣብ እንግሊዝ ይነብሩ ኣለዉ። ድሮ‘ኳ ብዘይካ እቲ ሕንሳስ ልደ ገዛና ዝኾነ ተመስገን፡ እቶም ካልኦትስ ኣሞይ ዝብሉኒ ቆልዑ ወሊዶሙለይ ኣለዉ።
እቲ ዛንታ ዘይጥዑም ጉዕዞ ህይወት ዝበዝሖ ደብዳበይ፡ ነቲ ምቁር ፍሩታ ዝኾነ በለስ ብዝገልጹ ሓሳባት ክዛዝሞ። በለስ፡ ኣሿኽ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውሽጡ‘ውን ደቀቕቲ ፍረታት ስለ ዘለዎ፡ ምስ ፍሪኡ ከኣ ስለ ዝብላዕ፡ ብዙሕ ዋጋ እናኣኽፈለ ዝፍቶ ፍሩታ‘ዩ። ኣብ ግዜ ክራማት ከኣ ሓደ ካብቶም ንወግዒ ቡን ዝዕጅቡ ሽሻያት‘ዩ። ሓደ መዓልቲ ደጊምና ተራኺብና፡ ንቡንን በለስን ከነራኽቦም እትስፎ።
ምስ ምውቕ ናፍቖት
ይርጋኣለም