ኮኾብ ተስፋልደት*
ኵሉ ግዜ ቈጸራ ኣብ ዝህልዋ፣ ምስኡ፡ ምስ እቲ ‘ልበይ’ እትብሎ ሰብ፥ ልባ ጥራይ እኹል ከም ዝዀነ ስለ ዘይነገራ፣ ዓይና ክትኰሓሕል ብዙሕ ግዜ እያ ተጥፍእ። ኣብ ቈጸራ ከኣ “ደንጒኺ” ’ምበር፣ “ክንደይ ደኣ ጸቢቕኪ መጺእኪ” ተባሂላ ኣይትፈልጥን። ካብ ዝተራኸቡላ ሰዓት ጀሚራ ብዛዕባ ዓይናን ከናፍራን ክዛረብ ክትጽበዮ፡ ብዛዕባ ሕልምታታ ክትዛረብ ክሰምዓ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ከዘንትወላ ጽን ክትብሎ፡ ኣብ ትጽቢት ተምሲ። ንሳ ሓይላ ደኺሙዋ ሞባይላ ባትሪ ወዲኣ ይፈላለዩ።
***
ኣብ ቅድሚ መስትያት ደው ኢላ ምስ ነብሳ ዕላል ካብ ትጅምር ሰዓታት ሓሊፉዋ ኣሎ። ኩሕልታታ ኣብ መሬት ደራብያ ነብሳ ከተልዕል ትቃለስ ኣላ። ጽባቐኣ ከምቲ ኵሕሊ-ምሕሊ ፋሕ ኢሉዋ ነይሩ። በየን ጀሚራ ከም እትጥርንፎ’ውን ትፈልጥ ኣይነበረትን። ሎሚ ግን ናይ ብሓቂ ክትፍትን እያ። “መሲሉኪ እዩ’ምበር እዚ ወዲ ጽባቐኺ ኣይወሰዶን። ፍሽኽ ጥራሕ በሊ እምበር ከተብርሂ ኢኺ፡” ዝብላ ዝነበረ ይመስል፡ መስትያታ ንድኹም ፍሽኽታኣ፣ ብሃሳስ ፍሽኽታ ይመልሰላ ነይሩ።
በቲ ሓደ ከኣ፣ ድምጹን ምስሉን ኣጸይኑዋ ዝነበረ ሰብ ኣብ ቅድሚ መስትያታ፣ ሓደ ዘፈንፍን ምስሊ ዝሓዘ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ጥራይ ወይ ርእሱ ኣብ ሰልሚ ኣትዩ ህይወቱ ምሉእ ብዘይካ እቲ ሰልሚ ካልእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ተሰምዓ። ኣብቲ ዝለመዶ ዓዘቕቲ ህይወት ሒዙዋ ክጥሕል፣ ንዓኣ ብታሕቲ ገይሩ ኣብ ዝባና ኮይኑ ክስዕስዕ ተራእያ። ዝኾነ ክትብሎ ከኣ ደለየት።
***
ከም’ዚ ኢላ ክትጽሕፍ ጀመረት፥
“ካብ’ታ ዝተላለናላ ክሳብ እታ ዝተፈላለና ህሞት ዘርኣኻኒ ምስልታት መን ምዃንካ ክፈልጥ ስለ ዘይከኣልኩ ካብ ‘ናባኻ!’ ምባል ሓሊፈ ካልእ ኢለ ክጽሕፈልካ ኣይክእልን። ሕጂ፡ ንስኻ ንሰባት መን እየ ትብሎም ትኸውን ብዙሕ’የ ዝሓስብ። ወይ ድሕሪ’ቶም ኣብ ልዕለይ ዘመዝገብካዮም ዓወታት፡ ‘ጅግና’ እየ እናበልካ ’ዶ ነብስኻ ተላልያ ትህሉ፧ ከመይ ይገብረካ ኣሎ ናይ ሰብኣይ ስምዒት፧ ሰብኣይ ክዀኖ ኣለዎ ትብሎ ከምኡ እንድዩ ሓቀይ፧ ብግርህነት ንዘፍቀረካ ንጹህ ልቢ ምጽዋት፧”
ኣብ መንጎ ምጽሓፍ ከተዕርፍ ወሰነት፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝበላ ነገራት፡ ብፍላይ ብዛዕባ’ታ ‘ስዕረት ክስመዓኒ ገይርኪ’ ትብል ሓረግ ነዊሕ ሓሰበት።
“ብዛዕባ ዝተሳዕረ ዝመስሎ ሰብኣይ ክሓስብ ዝገበረኒ፡ ሓደ ዝተሳዕረን ተበዲለን ዝብልን ሰብ ኣይኰነን። ንስኻ ኣይኰንካን። ኣነ ስዒረካ ኢለ ኣፍ ልበይ እናሃረምኩ ዝሕጎስ ከም ዘይኰንኩ ክትፈልጥ መዓት ዕላላት ሓሊፉካ እዩ። ሕጂ ከረድኣካ ኣይክእልን እየ። ንስዕረት፡ ንስኻን ኣነን ብዝተፈላለዩ ኵርናዓት ርኢና ነናትና ትርጕም ከይሃብናዮ እዩ መወዳእታ ኣርኪቡና። ስለዚ ኢኻ ክትርድኣኒ ዘይከኣልካ። ብዛዕባ እቲ ንስኻ ‘ሰብኣይ’ እትብሎ’ውን ከምኡ። ኮፍ ኢልና ኣይተዘራረብናሉን። ብዝዀነ … ስዕረት ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ ዘይኰነስ ኣብ ብዙሓት ልብታት ናይ ብዙሓት ሰብኡት በጺሐ ርእየያ እየ። ካባኻ ብዕድመ፡ ብፍልጠት፡ ብቝመና፡ ብህይወት ዝበልጹ ሰብኡት፣ ዝስምዖም ጎደሎነት፥ ውድቀትን ቃንዛን ብዕላልን ኣብ መጽሓፍትን ኣብ ገጽ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዓበይቲ ኣቦታትን ርእየ እየ። ብዙሓት ዛንታታት ረኺበ ኣንቢበ እየ። ኣብ ክንድኦም ተቐንዝየን ሓዚነን እየ፡”
ነቲ ናቱ ‘ተሳዒረ’ ዝብል ስምዒት መትሓዚ ከም ዝሰኣነትሉ ክትነግሮ ኣሸገራ። ንነብሱ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኣብ ጸልማት ኣጸጊዑ ብጭጕራፍ ድንቍርና ዝቕጥቅጥ ሰብ እዩ።
***
ብኣካል ኣይትፈልጦን እያ። ንሱ እውን ኣይፈልጣን። መንፈሳን ልባን ግን ንሓደ ብኣካል ዘይትፈልጦ ሰብ ከመይ ክትቀርቦ ከም ዘለዋ ኣየጠንቀቕዋን። ንሳ ኣማኒት እያ። ንሱ ከኣ መሓሊ አዩ። ጠላሚ እውን። ምስ ተላለዩ ነዊሕ ከይገበሩ እዮም ፍቕሪ ጀሚሮም። ንዓኣ እዩ ፍቕሪ ነይሩ እምበር ንዕኡስ ጸወታ እዩ። ጸወታ ብሓዊ፣ ካብ ዓለማ ኣውጺኡ ብሓዊ ኣጻዊቱ ምስ ኣንደዳ ከኣ ንዕኡ ጕዳይ፣ ንዓኣ ጉዳ ዝብሃል ዛንታ ጀሚሮም።
***
ጉዳ …
“ጽብቕቲ ክዳንኪ እባ ኣውጽእዮ። ናፊቐኪ’ኮ፡”
“እንተ ናፊቕካኒ ደኣ ስቕ ኢልካ ዘይተዕልለኒ፧ ምውጋዕ ደስ ኢሉኒ ኣሎ ናይ ልብና ነውግዕ በጃኻ፡”
“ስለ ዝናፈቕኩኺ እምበር እንታይ ደኣ ይገብር ኣለኹ ኣብዚ። ከነዕልል ኢና ሓንሳብ ጥራይ። ናፍቖተይ ከዐግስ ሓግዝኒ፡”
“በጃኻ! ደስ ኣይብለንን’ዩ። ክንራኸብ ኢና ምሽ፧ ክትመጽእ እንዲኻ፧ ንቁሩብ ግዜ ክሳብ ንራኸብ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን ማለት ድዩ፧”
“ይኽእል እምበር። ኣይኮነን ቅሩብ ግዜ ዓመታት ከማን። ግን ንስኺ እንዲኺ እሞ ኣጸልል እናበልክኒ። ጽባቐኺ ዓቕሊ ክገብር ኣይሓገዘንን፡”
ብኸምዚ ክጨቓጨቑ ሰዓታት ይኸይድ። ኣብ መወዳእታ ከም ኩሉ ግዜ ትሰዓረሉ። ከም’ዚ እዩ ከኣ ዝብላ፡ “ወዲ እንድየ ኣነ ኣይርደኣክን እዩ ንዓኺ፡ መንእሰይ እንድየ ዘይትርድእለይ ወይ ከኣ ምስ እዘን ኣብዚ ዘለዋ ክዘውር ፍቐድለይ፡”
መሲሉዋ፡ ንፍቕራ ከተድሕን ከኣ ኣብ ሓሳቡ ትሰማማዕ። “ናብቲ ተጠወዪ፥ በቲ ዅኒ፥ ካሜራኺ ኣዕርዪዮ፥ ይረኣየኒ የለን፡” እናበለ ንደቓይቕ ዓለማ ግምጥልጥል የብለላ።
“ኣጥባትኪ’ኮ!” ክብላ እንከሎ፣ ፈለማ ጡብ ከተውጽእ ከላ ዝተሰምዓ ሕፍረት ክትነግሮ ትብል ግን ንዕላል ግዜ የብሉን። እምበር ከም’ዚ ክትብሎ ትብል ነይራ።
“ክሓፍር መዓት እየ ነይረ፣ በቃ ኩሉ ክዳውንተይ እየ ዝኽደኖ ኣፍልበይ ክሽፍኖ መታን፥ ኩዕሶ ክጻወት ኣይክእልን፥ ከም ቀደመይ ኣይጎዪን፥ እዋእ መዓት መከራ እዩ ሓሊፉ፡” ኢላ ምስ ነብሳ ኣብ ግዜ ግርዝውናኣ ዘሕለፈታ ንእሽቶይ ገድሊ ክትነግሮ፡ ክስሕቐላ፡ ብሓደ ክዛነዩ ትምነ።
ንሱ ግን፣ ድሮ ደቂሱ ምሕርናኽ ጀሚሩ ነይሩ። ከይተረድኣ ዝተወደኣ ደቓይቕ፣ ‘ብሩኽ ለይቲ’ ከይበላ ብምድቃሱ ካልኦት ዘይትድቅሰለን ናይ ኵራን ሓዘንን ደቓይቕ ወሲኸናላ። ናይ ለይቲ ክዳና ገይራ ኣብ ዓራታ ተኾርምያ ኮፍ ኢላ ክትሓስብ ይወግሓ። ንግሆ ነብሳ ጸሊኣ ክትትንስእ እንከላ፣ ‘ሎሚ ፈጺመ ሕራይ ኣይብሎን እየ!’ ክትብል ንነብሳ ቃል ተእትዋ። ምሸት ከኣ የፍርሰላ። ብኸም’ዚ ክንደይ ግዜ ሓሊፉ። ደስ ከም ዘይብላ ክትነግሮ፣ “በቃ ሎሚ ናይ መወዳእታ!” እናበለ ክንደይ መወዳእታ ዘይነብሮም ለይታት ኣሕሊፋ። በብግዚኡ ‘ወኒነኪ’፡ ‘ናተይ ንብረት ኢኺ’ ዝዓይነቶም ምልክታት ክትርእየሉ እንከላ ‘ዓይነይ እዩ! ኣነ እየ ከምኡ ሓሲበ’ እናበለት ንነብሳ ከተዕሽዋ ፈቲና ግን ኣይኮነላን። ኣብዛ ዓለም ብዘይካኡ ሰብ ከም ዘየለ ክትሓስብ ደልዩዋ። ከም ሓንቲ ትንፋሳ ኣብ ኢዱ ዘላ እሞ፡ ካብኡ ንካልኢት እንተ ተፈልያ ትበንን ፍጥረት ኰይና ከም ትሓስብ ገይሩ። “ስራሕ ግደፍዮ፡ ደገ ግደፍዮ፡ ሰብ ከይትረኽቢ” ዝብሉ መዓልታውያን ትእዛዛት ህይወታ ኰይኖም።
ስለ ‘ተፍቅሮ፡ መጻኢኣ ካብኡ ወጻኢ ክትሓስብ ስለ ዝኸብዳ፡ ሓደ መዓልቲ ንኸተፈራርሖ ጥራይ ብምሕሳብ፡ ንፈላለ ክትብሎ ወሲና።
“ድሕሪ ሕጂ ከም’ዚታት ክንገብር ኣይደልን እየ፡”
“እንታይ ኮይንና ኢልና፧”
“ኣነ ስለ ዘይደሊ!”
“እሞ ኣነ ይደሊ እንድየ። ኣፍቃሪተይ ክሳብ ዝዀንኪ ድላየይ ክትገብርለይ ግቡእኪ’ዩ፡”
“ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ ንስኻ ኸ፡ ንዓይ፡ ጎሮቤተይ ዲኻ፧”
“ኣይትላገጺ እስከ! ኣፍቃሪኺ እምበር። ድላይኪ እንድየ ዝገብረልኪ ግዲ፡”
“እንታይ እዩ ድላየይ እስከ፧ እንታይ ከም ዝደሊ ትፈልጥ ኣይመስለንን። ድላይካ ድላየይ እናበልካ ዝግበሩ ነገራት እውን ኣይደልን እየ፡”
“እሞ ወዲእና ኣለና። ዝደለኽዎ ዘይትገብርለይ እንተ ዀይንኪ ደኣ ዘይትኸዲ። ኣብ’ዚ ክንደይ ኣለዋ እንድየን ድላየይ ክገብራለይ ዝኽእላ፡”
ናይ ልቡ ኣይኰነን ብምባል፡ እቲ ንሳ ክትብሎ ዝሓሰበት ቀዲሙ ስለ ዝበላ ሰንቢዳ እያ። ክሳብ ፍቕሪ “ክዳንኪ እባ ኣውጽእዮ፡ ካሜራ ኽፈትዮ፡” ጥራይ ከም ዘይኰነ ዝርደኦ፡ ‘በበይንና ንፈትኖ ደሓን፡’ ኢላ ምስ ነብሳ ገለ ዕረፍቲ ክትረክብ ሓለነት።
***
ድሕሪ ምኻዱ፡ ነተን ናይ መጀመርታ ለይቲታት ደቂሳ እያ ኣሕሊፋተን። ብፍጹም ካብ ተፍቅሮ ሰብ ዝተፈልየት ኣይትመስልን። ከቢድ ጾር ከም ዝተራገፈላ፣ ከም ድላያ ገይራ ደቂሳ። ድሕሪ ክንደይ ዝረኸበቶ ሰላም ግን ነዊሕ ከይቀጸለ ኣብ ጨው-ቀትሪ ክጽልምታ ዝገብር ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ። ብዙሕ መልእኽታት ካብ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ መጺእዋ።
“ስእልታትኪ ተቐበልኒ ዓባይ ሰብ። ነዚ ሒዘ፡ ኣይኮነንዶ ኣካላትኪ ገንዘብኪ ከይተረፈ ከም ዘይስእን ፍለጢ፣ ድላየይ ሕጂ ከይደለኺ ክትህብኒ ኢኺ። ሎሚ ኣይኮነንሲ፡ ህይወትኪ ምሉእ እውን እንተ ዀነ ካባይ ኣይክትከድን ኢኺ፡” ዝብል ካብ ዘፍቅረኒ ትብሎ ዝነበረት ሰብ ዘይተጸበየቶ ተግባራት ልባ ጠጠው ኣቢሉ ክትሓስብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ኣጥሓላ።
ነቶም ደማ በብዝሓለፎ መስመር ደው ክብሉ ዝገብሩ ዝተሓዋወሱ ስምዒታታ ክትጥርንፍ፣ ኣካላታ ኣኪባ ተኾርምያ ክንደይ ኣዋርሕ ነቢዓ። ነቲ፡ ብኣጋጣሚ፡ ኣብ ዓዲ ስደት ከም ሓዋን ኣቦኣን ኰይኑ፣ ሕማማን ናፍቖታን ክማቐል ብመንገዲ ኢንተርነት ዝተላለየቶ ሰብ፣ ንህይወታ ኣብ ኢዱ ሒዙ ከትቅጽልን ዘይክትቅጽልን ክውስነላ ይደናንደን ምህላዉ ገረማ። ብዛዕባ እቶም ነቲ ስእልታት ምስ ርኣዩ ዝፈርዱን ዝውርጽጹን ሰባት ክትሓስብ ከኣ በቲ ኣብ ሕብረተሰባ ዘሎ ነቲ ዓማጺ ዘይኮነስ ነታ ብድልቲ ዝጓንዩ ህዝቢ ሓፈረት። ንዕኡ ተኣማሚኑ ንዝፍክረላ ዝነበረ እውን ደንገጸትሉ። ካብኡ ንላዕሊግን ኣብ በይና ዘይምዃኑ ንልባ ሰበሮ። ብዙሓት ከምዚ ከምኣ በዚ ነገር ህይወተን ዝተባላሸወ ኣሕዋታ፡ ኣብ ቦታአንን ቦታኣን ብምዃን ብዙሕ ሓሰበት።
ምጽሓፋ ቀጺላ…
ጉዱ…
“ዓለም ፍትሓዊት ኣይኰነትን ምባል ገዲፈ፡ ሰባት ከም’ዚ እዮም ከምቲ’ባ ከይበልኩ፣ ኣነ ከም’ዚ ይብለካ፤ ብፍቕርኻ ወላ ኣይማሙቕ ብዛዕባኻ ጽቡቕ ክሓስብ ወሲነ ኣለኹ። ድላይካ ግበር። ነቲ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ነብሰይን ዘለኒ ኣረኣእያ ኣይትቕይሮን ኢኻ። ንስኻ መሪጽካ ክትኮኖ ዝደለኻ ከም’ዚ እዩ። ኣነ ከኣ ክኾኖ ዝደሊ መዓት ካልእ ኣሎ። ካብ’ቲ ነዛ ዓለም ክቕይራ ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ ንላዕሊ ከኣ ናጻ ሰብ ኮይንካ ምንባር ዝብል ድላይን ሓሳብን እዩ ዘለኒ። ብናጽነተይ ጥራይ ኣይትምጻእ እምበር ስእልታተይ ደኣ ወላ ኣብ መንደቕ ገዛኻ፣ ወላ ኣብ ሰማይ ስቐሎ ዓለም ምሉእ ይርኣዮ። ካባይ ዝጎድል ወላሓደ የለን።
መዓት ዘይትፈልጦም ምስጢራትን ዘይትበጽሖም ራኢታትን ኣለዉኒ። ነቶም ኣካላተይ ክርእዩ ዝሰደድካሎም ሰባት፣ ውሽጥኻ ባዶነት ከም ዝመልአ ከም ዝበጽሖም ኣይትፈልጥን ኣይብልን። ስለዚስ መን እዩ እሞ ንመን ከፈራርሕ፧ ኣነ እየ ከማን ስእለይ ስለ ዘለካ ናይ ሞራለይን ብዘይ ፍቓደይ ናይ ዝሰኣልካዮ ዘኽብሮ ኣካላተይን ካሕሳ ክሓትት ዝነበረኒ። ስእለይን ንስኻን ናብ ጥቓይ ኣይትቕረቡ። ምስ ናተይ ደረጃን ዓለምን፣ ምስ ኣነ ምዃንን ዘራኽብ የብልኩምን። ኣብ ዝደለኻዮ ከም ዝደልኻዮ ገይርካ ስቐሎ ናባይ ኣይትስደዶ፡ ናባይ ኣይትምጻእ። በዚ ከተፈራርሓኒ ኣይትፈትን፡ ኣይፈርሕን እየ! ዘፍርሓኒ፡መጻኢኻን ናይታ ከም’ዚ ኸማይ ብፍቕሪ ትቐርበካ እሞ ህይወታ ትህበካ ሓፍተይን እዩ። ምስ ነብስኻ ከመይ ኢልካ ትሓድር። ኣብ ህይወትካ ነዚ ዛንታ ሓኺኽካ ምንባር ክትክእሎ ዲኻ፧”
ጽሒፋ ምስ ወደአት ሩፍታ ተሰሚዑዋ። ‘ካብ ሎሚ ናጻ ሰብ እየ’ ኢላ ነታ ኣብ መስትያት ዘላ ንሳ ነገረታ። ናይ ነብሳ ናይ ባዕላ ሰብ። ብዛዕባ ካብ ስድራኣ ካብ ፈተውታ ንዝመጽኣ ዘረባን መሳርሕታ ኣብ ልዕሊኣ ዝህልዎም ግምትን ኣረኣእያን ምሕሳብ ገዲፋ፣ ንሳ ንነብሳ ጥራይ ከመይ ከም ትርእያ ከም ዘገድሳ ሓሰበት። ኣዝያ ፍልይቲን ሓያልን ምዃና እያ ትፈልጥ ነይራ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንዕኡ እያ ክትነብሮ። ካብ ጽባሕ እንታይ ሓድሽ ነገር ከም ዘጋጥም ኣብ ሎሚ ኰይና ምፍላጣን ምድላዋን ኣሐጒስዋ ነይሩ። ዝዀነ ሓድሽ ነገር የብላን ጽባሕ። ጸሓይ በሪቓ ክትዓርብ እያ። ንሳ ከኣ ክትውዕልን ክትሓድርን እያ። ካብተን ዝሓለፋ ኣዋርሓ ብዝበለጸ እኳ ደኣ። ኵሕልታታ ኣልዒላ በቦታኦም ኣትሓዘቶም። ሞባይላ ኣልዒላ ዝጸሓፈትሉ ሰደድትሉ። ንመዋእላ ንኸይትረኽቦ እውን ዓጸወቶ። ኩሉ ነገር በቦታኡ ዝሓዘ ዀይኑ ተሰምዓ። ክሕዝ እዩ ከኣ።
______________________________________
ኮኾብ፤ ገጣሚት፡ ጸሓፊትን ኰይና፣ ብቐጻሊ ጽሑፋታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተካፍል። Kokob.tes@yahoo.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካባ ይከኣል።