ጠሰስታ ቀስስታ

No comments

 

ተጋሕሸረት ዕንባባ፡ ስዕመት እትጽበ

ጐርዞ ከናፍራ ዘውተረት፡ መቐረታ ዝገልሀት፣

እቲ ዝግታ ዝጸዓነ ጽምብላሊዕ፡

ርግበት መንገብገቡ በብሓደ ዝፍቀድ፣

ማለት ዝያዳ ክትጕህር ዘንበድብድ።

ቀስስስ ኣቢሉ፡ ኣእጋሩ’ውን ብዝግግታ

ዘርጊሑ፡ ኣብቲ ዝተገልሀ መዓሙቛ

ኣብ መንጎ ሰዅዑ፡ ዓሊቡ ተጠንቒቑ።

 

ድሕሪ ነዊሕ ጠለስታ፡ መስለኒ

ከምታ ኣተዓላልብኡ እግሩ ጠራኒፉ፡

ድምጺ መንገብገቡ ከይርብሻ መስለኒ

ቀስስ’ሉ ተሲኡ ተዓዚሩ።

 

ኣነ ከኣ ካብታ ዝነበርኩላ ደንደስ ትዝታ፡

ሃንደበት ተሲአ ከየስማዕኹ ደርጓዕታ፣

ተጠንቂቐ ብማእከል ‘ቲ ሩባኡ፡

እምኒ እምኒ ዉትራን እናረገጽኩ፡

ተገሊህኺ ‘ተጸናሕኪ ተስፋ ጸይረ’የ

ናባኺ ዝመጽእ ዘለኹ።

 

ሃይለ ቢዘን

ምንጪ፤ ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት (2019)

Print Friendly, PDF & Email