ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022

No comments

 

ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022 ቀዳማይ መዓልቱ ሎሚ 1 ትቅምቲ 2022 ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስተኮልም ተቓኒዑ ውዒሉ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ 20 ኣባላት ፐን ኤርትራ ኣብ ዝተሳተፍሉ ቀዳማይ መዓልቲ ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ፡  ካብ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ተኻይዱ። ፐን ኤርትራ ኣብ ናይ ሎሚ ጕባኤኡ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት፣ ነቲ ገና ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ምዕፋን መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢናን መላእ ዓለምን ዝፍጸም ኵሉ-መዳያዊ ምዕፋን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይቲ ፐን፣ ብዛዕባ ምምራጽ ሓደስቲ ኮሚተ መሪሕነትን ካልእን ዘትዩ።

ኣብ ናይ ጽባሕ 2 ጥቅምቲ መደብ ዓመታዊ ጕባኤ ፐን ኤርትራ፡ ወግዒ  ምሽላም ዕዉት ሓሳብካ ምግላጽ  2022፡ ገዲም ስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማንን፣ ምምራጽ ሓድሽ መሪሕነትን ከካይድ እዩ።

Print Friendly, PDF & Email