ይርጋኣለም ፍስሃ ተዓዋቲት ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር (Georg Elser Prize) 2023 ኰይና።

No comments

 

ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ከተማ ሙኒክ (ጀርመን) ዝዕደል ሽልማት ኰይኑ፡ ንዝኽሪ፡ ነቲ 1939 ዘይተርፍ መሲሉ ዘንጸላሉ ዝነበረ ካልኣይ ኲናት ዓለም “ንምክልኻሉ” ንኣዶልፍ ሂትለር ክቕንጽል ዝፈተነ ዮሃን ጆርጅ ኤልዘር ዝስሙ ጀርመናዊ ዝዕደል ሽልማት’ዩ።

ስነ-ስርዓት እቲ ሽልማት፡ ኣብቲ ኣዶሉፍ ሂትለር ዓመታዊ መደረ ዘስምዓሉ ዝነበረ’ሞ፡ ንምቕንጻሉ ፈተነ ዝተገብረሉ ዕለትን ኣደራሽን ብ8 ሕዳር እዩ ዝካየድ። ንዕዉት/ ዕውትቲ ከኣ €5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ-ኤሮ) ገንዘባዊ ሽልማት የውህብ።

እቲ ንሂትለር ንምቕታል ዝተፈተነ ስርሒት ዘይተዓወትን፡ ጆርጅ ኤልዘር ምስ ተታሕዘ’ውን ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ እንተተቐትለን፡ እቲ ተበግሶን ትብዓትን ግን ዓቢ ታሪኻዊ ቦታ ተዋሂብዎ ብኽብሪ እዩ ዝዝከር።

ይርጋኣለም፡ ዕለት 8 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ወግዒ ምዕዳል-ሽልማት ተረኺባ ሽልማታ ክትቅበል እያ።

ቃል መመይቲ ሽልማት፤ “ይርጋኣለም ፍስሃ፤ ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር 2023 ክትዕወት ዝኸኣለት፥ ኣንጻር ኢ-ዲመክስያዊ ስርዓት ደው ብምባል፡ ዲሞክራሲ ክነግስ ናይ ዘካየደቶን ተካይዶ ናይ ዘላን ጅግንነት ዝተመልኦ ቃልሲ ውጽኢት እዩ። ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዝበጽሓ ኣሰቃቒ ግፍዕን መከራን ከይደነነት፤ ኣብ ናይ ስደት ህይወታ እውን ከይተረፈ ብዝሓረነ መንፈስ ብግጥሚታታን መደረታታን ኣቢላ ምስክርነታ ትህብን ጸኒዓ ትቃለስን ኣላ። ዝሓለፈቶ መሪር ተመኵሮን ገና ዘይተጻዕደ ናይ ቃልሲ መንፈሳን ንኻልኦት ብተመሳሳሊ ጸቕጢ ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉን ዜጋታት ዓለም፥ ብፍላይ እኳ ደቂ-ኣንስትዮ ዘበራትዕን ከም ዓቢ ኣብነት ዝርአን እዩ።”

ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ቀዳማይቲ ተዓዋቲ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2019 ዝዀነት፤ ገጣሚት፡ ጸሓፊትን ጋዜጠኛን እያ። PEN ERITREA FREEDOM OF EXPRESSION AWARD

 

Print Friendly, PDF & Email