ዕላል ምስ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፤ ንመጽሓፍ እኩብ ግጥምታት እንቶሽን ካልእን

No comments
ፍቕረይ የማን*

ኣብ መጋቢት 2019 ብኣሕታሚ እምኵሉ ተሓቲማ ንዕዳጋ ዝተዘርግሐት መጽሓፍ እኵብ ግጥምታት እንቶሽ ብቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ደራሲ ኣብ መንጎ 1998ን ብቐንዱ ከኣ ድሕሪ ኣብ 2009 ንስደት ድሕሪ ምምራሑ ዝጸሓፎም 102 ግምጥታት ዝሓዘት’ያ።

ግጥምታት እዛ መጽሓፍ፡ ነቲ ዝገልጽዎን ዝግለጽሉን ባህሊ በርቢሮም፣ እቲ ባህሊ መንነቱ ዝገልጸሎም ኣበሃህላታት፡ ምሳሌታትን ላዛታቶምን ኣለልዮም፡ ዳግማይ ከሺኖም ናብቲ ዝገልጽዎ ባህሊ፡ ስምዒትን ክውንነትን ይመልሱ።  እዚ መለለዪ እዚ፡ ነዞም ግጥምታት ምኡዛት፡ ጸዋዕትን ኣለበምትን ይገብሮም ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዓሚቚ ነባቢ እውን ኪኖ እቶም ግጥምታት ብምኻድ፡ ነቶም ኣብኡ ተሓዚሎም ዘለዉ ባህላውያን (ህዝባውያን) ኣበሃህላታትን ታሪኻውነቶም ክምርምርን ዝመርሑን እዮም።

ሓያሎ ካብዞም ግጥምታት’ዛ መጽሓፍ፡ ብልቦናን ትዅረትን ክምርመር፡ ተመርሚሩ ኣብ መዓላ ሕብረተ-ሰብ ክውዕል ክግበር ዘለዎ፡ ምስ እምነት ክርስትና ብፍላይ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶን መጽሓፍ ቅዱስን ዝራኸብ ወይ ዝዛመድ ዛንታን ቃናን ዘለዎም እዮም ግጥምታት’ዮም።

ኣብቲ ከም ሳልሳይ ክፋል ክምደብ ዝኽእል ዳሕረዋይ ክፋል ዝምደቡ ግጥምታት፡ ከምቲ እቲ ገጣማይ እውን ባዕሉ ዝብሎ፡ (ብወገነይ ነቲ ኣበሃህላ ኣይድግፎን) “ብቓላት ዝግበር ጸወታ” እዩ። እዚ ሒደት ወሓለታት ወይ ብዕምቈት ቋንቋን ኣጠቓቕማኡን ዝሃብተሙ ተቐነይቲ ዝኽሽንዎ ግጥሚ፡ ዋዛ ኣምሲልካ ዓቢ መልእኽቲ፡ ጸወታ ኣምሲልካ ክሓልፍ ዝድለ ቅዉም-ነገር፡ ድፍር ኢልካን ዓው ኢልካን ዘይተልዕሎ ዛዕባ (ዘረባ) ከተሕልፈሉ ዝከኣልጥበብ እዩ።

ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ (ክብሪ ንምንዝጣል ዘይኰነስ ከም ስነ-ጥበበኛን ኣብ ወግዒ ጥበብ ዝግበር ዝርርብ «ኣታ» ተባሂሉ ክጽዋዕ ስለ ዝመርጽ) ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ዓለማዊን ትምህርቲ ክህነትን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣስመራ ቀሲሙ። ኣብ 1995 ናብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝኣተወ ዓውዲ ጋዜጠኝነትን መራኸቢታትን ኣጽኒዑ። ኣብ መንጎ ካልእ ጽሑፋዊ ኣበርክቶ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኣድማስ ቀጻሊ ኣበርካቲ ዝነበረ ዮናስ (ዳሕራይ ቀሺ ዮናስ) ናይ ዩኒቨስቲ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳኡ ኣብ ረድዮ ድምጺ-ሓፋሽ (ተመዲቡ) ንኽልተ ዓመታት ሰሪሑ። ካብቲ ሚኒስትሪ ድሕሪ ምውኡ ኣብ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብፈተነ ስግረ-ዶብ ካብ መስከረም 2007 ክሳብ መጋቢት 2008 ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዊዓን ምዕጥርን ተዳጒኑ። መወዳእታኡ ኣብ ዓመተ 2009 ናብ ስደት ድሕሪ ምምራሑ ድማ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ሱዳን፡ 11 ወርሒ ድማ ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምቕማጥ ከኣ ካብ 2010 ኣትሒዙ ምስ ሓዳሩን ሰለስተ ደቁን ኣብ ሃገረ ስዊድን ይነብር ኣሎ።

ንመጽሓፉን ስነ-ጽሑፋዊ ንጥፈታቱን ኣመልኪቱ ፍቕረይ የማን ምስ ቀሺ ዮናስ ዝገበርኩዎ ዕላል ይስዕብ፤

ሎሚ ኣብዚ ዘመነኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ግጥሚ ሓያሎ ገጠምቲ ንስራሓቶም ብናጻ የካፍልሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ወረቓታዊ ሕትመት መጽሓፍ ግጥሚ ንምንታይ ኣደለየ?

ሓያሎ ኣብ መጽሓፍ እንቶሽ ዘለዉ ግጥምታት፡ ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ቀሪቦም ዝነበሩ እዮም። ኣብቲ ኣነ ዝጽሕፈሉ ገጽ ግን፡ ግጥምታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልእ ዓይነት ጽሑፋት’ውን እዩ ዘአንግድ። ንግጥሚ ብዝምልከት፡ ጠርኒፈ ናብ ህዝቢ ከቕርበሉ ዝኽእል ሓደ ኣማራጺ ንሱ ስለዝነበረ፡ ብወረቐታዊ ሕትመት ከቕርቦ  መሪጸ። ብርግጽ ብመልክዕ ኤለክትሮኒካዊ-መጽሓፍ’ውን ክዳሎ ይኽእል ኔሩ’ዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ኤለክትሮኒካዊ መዳይ ዘይትረኽቦ፡ እቲ ብምድህሳስ ኣእዳው ዝስተማቐር ፍቕሪ መጽሓፍ’ውን ክኸስሮ ኣይደለኹን።

ቀሺ ናይ ተዋህዶ፡ እሞ ከኣ ካብ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዝተፈልየ (ዓለማዊ) ግጥምታት የሕቲምካ ኣለኻ፣ እዚ ብኸመይ’ዩ ዝተኣሳሰርን ዝፈላለን? ብቐንዱ ከኣ ብቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ከመይ ይርአ?

መንፈሳውያን መራሕቲ ክንሶም፡ ዓለማዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ መጽሓፍ፡ ኣንቀጽ፡ ግጥሚ ወዘተ ዝጸሓፉ፡ ሓያሎ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ቦኽሪ ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብትግርኛ፡ «ልሳነ ኣግዓዚ ዘእምግርማ» ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለው፡ መሪጌታ ግርማጽዮን መብራህቱ እዮም። ሊቀ-መዘምራን ሞጎስ ዝጸሓፍዎ፡ «ኣንጋረ ፈላስፋ» ዝብል መጽሓፍ፡ ቅድሚ ክርስቶስን ድሕሪ ክርስቶስን ናይ ዝነበሩ እኩብ ፍልስፍናዊ ሓሳባት እዩ። ኣብ ትካቦ ኣባይ ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ግጥምታት’ውን ኩሉ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ጥራይ ኣይነበሮን። ካብ ቀጽሪ ተዋህዶን ኤርትራን ከይወጻእና፡  ከምዚ እናዘርዘርና ሓያሎ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

ኣብ ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ኣብያተክርስቲያን እንተጠመትና’ውን፡ መጻሓፍቲ ኣባ ይስሓቕ ገብረኢየሱስ፡ ሓው ሰሎሞን ገብረኽርስቶስ ዝኣመሰሉ፡ ብዛዕባ ህዝቢ፡ ባህሊን ታሪኽን ዝጽሕፉ፡ ካብ ወገን ካቶሊክ፡ ልብ-ወለዳውን ካልኦት ጽሑፋት ቀሺ መምህር ሙሳ ኣሮን፡ ቀሺ እምባየ ህብትዝጊ፡ ወዘተ ሓያሎ ካልኦት’ውን ክጥቀስ ይከኣል’ዩ።

ብቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኸ ከመይ እዩ ዝርአ ንዝብል፡ እታ ቤተክርስቲያን ምስ ሰረተ-እምነታን መንነታን ዝጻባእ ክሳዕ ዘይተጻሕፈ፡ ብዛዕባ ካልእ ተዓቅቦ የብላን። ሓደ ካህን ካብ መዓርጉ ከውርዶ ዝኽእል፡ ወይ ነቲ መዓርግ ዘዋርድ ግብሪ ፈጺሙ ዝብሃል፡ እምነቱ ምስ ዝኽሕድ፡ ኣብ ዝሙት፡ ስርቅን ሓሶትን ምስ ዝዋፈር ጥራይ እዩ።

መዓስን ብኸመይን ኣብ ግጥሚ ኣቲኻ? ኣብዚ ዓውዲ ዘሎካ ክእለት ንምስሓልን ነብሲኻ ንምዕባይን እንታይ ትገብር/ተንብብ/ትውከስ፤ ኤርትራውያን ግጥምታት? ናይ ወጻኢ ሃገራት ገጠምቲ? መጽሓፍ ቅዱስ?

ገና ተማሃራይ መባእታ ኣብ ዝነበርኩሉ ኣትሒዘ፡ ምግጥጣም ቃላት እፈቱ ምንባረይ እዝክር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ውድድር ግጥሚ’ውን እሳተፍ ኔረ። ኣብ እዋን ዘመነ ደርግ፡ ሓንቲ «መቓልሕ ሰንበት» እትብሃል መደብ ምዝንጋዕ እትፍኑ ራድዮ ትምህርቲ ንዓበይቲ ነይራ። ጽሑፋት ግጥሚ ጸጽሒፈ እሰድድ ምንባረይ እዝክር፡ ኪንዮ ምጽዋዕ ስም ግን ሓንቲ’ኳ ትኹን ካብ ግጥምታተይ ኣንቢቦም ምንባሮም ግን ኣይዝከረንን።

ኣብዚ ዓውዲ ዘሎካ ክእለት ንምስሓልን ፍልጠትካ ንምዕባይን እንታይ ትገብር ንዝብል፡ ብፍሉይ እዝን እትን እገብር ዝብሎ የብለይን። ኣገጣጥማይ ንኸዕቢ ብምባል ዘይኰነስ፡ ምንባብ ስለዝፈቱ ጥራይ ጽሑፋት እነብብ። መብዝሕትኡ ዘንብቦ ኸኣ፡ ጽሑፋት ትግርኛ እዩ።

ኣብቲ ኤርትራዊ ዝዀነ ዙርያ ቋንቋ ትግርኛ ዝምእከሉ ኣዝዮም ብዙሓት መጽሓፍቲ ግጥሚ፡ ፈርዮምን ገና ይፈርዩ ኣለዉን። ብዝሒ ዝርጋሐን ሕትመትን ግጥምታት መርኣያ ብቕዓት ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ድዩ ወይስ እቲ ብዝሒ’ዩ መሊሱ ንግጥሚ ከም ኣዝዩ ቀሊልን ኵሉ ክገብሮ ዝኽእልን ዝቕይሮ ዘሎ?

ብዝሒ፡ መርኣያ ብቕዓት’ዩ ዝብል ርድኢት የብለይን። ብቑዕ ግጥሚ ፈርዩ’ዶ ኣይፈረየን ንዝብል ሕቶ፡ ምስቲ መዐየሪ ብቕዓት ጌርና እነቐምጦ ብምንጽጻር ክምለስ ዝግብኦ ይመስለኒ። ኣድማሳውነትን ዘልኣለማውነትን ዝብሉ መዐየሪታት ወሲድና እንተረአናዮም፡ መብዝሕትኦም ግጥምታት ትግርኛ፡ ብቕዓት ኣሎዎም ክንብሎም ከጸግሙና እዮም። ኣድማሳውነት ክብል ከለኹ፡ ሓደ ግጥሚ ናብ ካልእ ቋንቋ ተተርጒሙስ ነቲ በዓል ካልእ ቋንቋ፡ ገለ ትርጕም ክህቦ ዝኽእል እንተዀይኑ ማለተይ እዩ። ዓለም-ለኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዛዕባታት ክትሓስብ፡ ፍልስፍናዊ መዳዩ ቀሊል ስለዘይከውን፡ ክሳዕ ክንድኡ ኣብቲ ዓውዲ ጥሒልና ንጽሕፍ ኣለና ክንብል ዝከኣል ኣይኰነን። መብዝሕትኦም ግጥምታት ትግርኛ ኣዝዮም ጸበብትን ንእዋናዊ ሃልኪ ዝጸሓፉን እዮም። እቲ ‘ንእዋናዊ ሃልኪ’ እንብሎ ዘሎና፡ ነቲ ዘልኣለማውነት ዝብል ኣምር ዝጻረር እዩ። ብትግርኛ ካብ ዝፈረዩ ግጥምታት፡ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተጻሕፈ ክንሱ፡ ኣገዳስነቱን ሓይሊ ጽባቐኡን ሎሚ’ውን ዘይሃሰሰ ክንደይ እዩ፧ ስለዚ፡ በዚ መዐየሪ እዚ ርኢና፡ እቶም ዝጸሓፉ ዘለውን፡ እቶም ድሮ ኣብ ከብሕታትን ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን እንርእዮም ዘለናን ግጥምታት፡ ኣሕቢርካ ምዝራብ እኳ ግቡእ እንተዘይኰነ፡ ብቑዓት እዮም ክንብል ግን ዝከኣለና ኣይኰነን።

እታ ካልአይቲ ሕቶኻ፡ ብዝሒ እቲ ዝሕተም ዘሎ ግጥምታት ድዩ፡ ንዓውዲ ስነ-ግጥሚ ከም ኣዝዩ ቀሊልን ኵሉ ክገብሮ ዝኽእልን ዘስምዕ ዘሎ እትብል እያ። ገጣሚ ወይ መጽሓፍ ግጥሚ ከሕትም ዝሓስብ ዘሎ ሰብ፡ «ከም እከለ ክነፍዕ እየ» ወይ «ልዕሊ ስራሕ እከለ ጸብለል ዝበለ ክሰርሕ’የ» ክብል ደኣ እምበር «ካብ እከለ ዶ ከይሓምቕ፧» ብዝብል ድርኺት ንምጽሓፍ ክትንስእ ኣይግብኦን። እቶም ብግቡእ እተጻሕፉ ግጥምታት ክንርእዮም እንከለና፡ ንመረዳእታ «ሰብ ዶ እዝግሄር» እትብል ግጥሚ ዶክተር ርእሶም ሃይለ ክጠቅስ። እቲ ብ እዝግሄር ተወኪሉ ዘሎ፡ እቲ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣን ዝጨበጠን፡ ካልኦት ናብታ ስልጣን ንኽድይቡ ዘየፍቅድን እዩ። ኣብዛ ግጥሚ ዘሎ ጽባቐ ኣገላልጻ፡ ብሱሩ እቲ ፍልስፍናዊ ሓሳብ’ውን እንተ ኣስተብሂልናሉ፡ ምድላው ግጥሚ፡ ቀሊልን ኵሉ ክገብሮ ዝኽእልን ዓውዲ እዩ ከብለና ዝኽእል ኣይኰነን። ነዛ ግጥሚ እዚኣ፡ ደቡብ ዓረብ ውሰዳ፡ ሰሜን ኣመሪካ’ውን ኣደይባ፡ እቲ ኣገዳስነታን ርዝነታን፡ ብዝዀነ መለክዒ ክንኪ ዘይትኽእል ስራሕ እያ። 100 ዓመት ዕቘራ፡ ዋላ ሽሕ ዓመት’ውን ኣንብራ ኸኣ፡ እቲ ርዝነታን ኣገዳስነታን ከምኡ ኢሉ ዝነብር፡ ዘልኣለማዊት ስራሕ እያ።

ንቛንቋ፡ ገጣማይ የህብትሞ ድዩ ወይስ ብቛንቋ ሃብታም ዝዀነ እሞ ተውህቦ ናይ ምግጣም ከኣ ዘለዎ እዩ ጽቡቕ ግጥሚ ዝጽሕፍ? ኣብ መቕድም መጽሓፍ እንቶሽ፡ ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ፡ጸሓፊ ንቛንቋ ትግርኛ ጽቡቕ ከምዝፈልጦ ዝምስክሩ …” ዝብል ሓረግ ብምትእስሳር ዝነቐለ ሕቶ እዩ። ብተወሳኺ፣ መጽሓፍቅዱስ ምንባብን ንትሕዝቶኡ ብዕምቆት ምፍላጥን ንናይ ስነጽሑፍ ተውህቦ የዕቢ ድዩ? ብፍላይ ንግጥሚ?

ቋንቋ ጥራይ ንበይኑ፡ ግጥሚ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ግጥሚ ክንብል እንከለና፡ ብውሕዱ ክልተ ዝጋጠሙ ባእታታት ክነብሩ ኣለዎም። ሓሳብን ቋንቋን ክኸውን ይኽእል። ካብ ሓደ ፍጻመ ዝብገስ፡ ውህደት ሓሳብን ቋንቋን ክኸውን’ውን ይኽእል። ፍጻመ ዘይብሉ፡ መልእኽቲ ንምሕላፍ ወይ ንዘይምሕላፍ ዓሊሙ ዝጸሓፍ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ጥራይ’ውን ክኸውን ይኽእል ወዘተ።

ገጣሚ ንቛንቋ የሀብትሞ ድዩ ዝብል፡ ብገለ መዳዩ ‘እወ’ ዝብል መልሲ እዩ ዘሎኒ። ግድን ሓደስቲ ቃላት ብምእታው፡ ነቲ ቋንቋ የሀብትም ማለት ዘይኰነስ፡ ብሂላትን ኣበሃህላታትን ብምዝኽኻር፡ ምስ ግዜ እናተረስዑ፡ ምናልባሽ’ውን ጠፊኦም ዝጸንሑ ቃላት፡ ዳግም ኣብ መዓላ ብምውዓል፡ ብሒደትን ገለጽትን ብዝዀኑ ቃላት ተጠቂሙ፡ ጽባቐ ኣበሃህላታት ብምትእትታው ወዘተ፡ ነቲ ቋንቋ ከሀብትሞ ይኽእል እዩ።

ምልከት ቋንቋ ጥራይ ንበይኑ፡ ግጥሚ ክኸውን ከምዘይክእል ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ኣለኹ። ከምቲ ኣብ ሕቶ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ፡ ምልከት ቋንቋን ተውህቦ ኣገጣጥማን ዘለዎ እዩ “ተዛማዲ ጽባቐ ዘሎዎ” ግጥሚ ክጽሕፍ ዝኽእል ዝብል ርድኢት ኣሎኒ።

እወ። ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ (ብልምዲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብሎ) ማዕከን ትሕዞ ቃላትካ ክህብትም ስለ ዝገብር፡ ኣብ ጽሑፋዊ ክእለትካ ተዓጻጻፊ ክትከውንን ብዙሕ ኣማራጺ ኣበሃህላታት ከተዘውርን ይሕግዝ እዩ። ሓደ መረዳእታ እንተጠቐስና፡ ድሕሪ ምሳሕ ሽቓቕ ክጥቀም ዝደለየ ሰብ ኣሎ ንበል። ብእሩምን ወረጃዊ ኣበሃህላን፡ “ግዳም ክወጽእ፡” “ክናፈስ፡” ወዘተ እናተባህለ እዩ ዝጥቀስ። ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ዝብሃል ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ እንተረአና ግን “እግሩ ክኸድን ኣተወ” ዝብል ብሂል ተጻሒፉ ንረክብ፡ (1ሳሙ 24.4)። እቲ ኣበሃህላ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ዝብል ንጐኒ ኣጽኒሕና፡ ኣማራጺ ብሂላትን፡ ሓያሎ ኣብ ዕለታዊ ዝርርብ ዘይነዘውትሮም ቃላትን ግን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ቀሺ ተዋህዶ ምዃንካ ከይዘንጋዕና፡ ኣብ መጽሓፍ እንቶሽ ዝርከቡ ሓያለ ግጥምታት፡ ብህሎ፡ ጥቕሲ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ነጥቢ ኣልዒሎም ዝቓንዩ እዮም። ኣብ ዘሕልፍዎ መልእኽታት ክንምልከት እንከለና ድማ በዳህትን ፈተንትን እዮም። ነቲ መጽሓፍ ዲኻ ንምእመናን ትፍትኖም ወይ ትብድሆም ዘለኻ?

ንጹር ምእንቲ ክኸውን፡ ነታ “እንታይ ነገዱ” እትብል ግጥሚ ንጥቀሳ። እታ ግጥሚ፡ ነቶም መዝሙሮምን ስብከቶምን ካልእ፡ ዕለታዊ ናብራኦም ድማ ብኣንጻር እቲ ዝሰብኩዎ ካልእ ዝዀኑ እትነቅፍ እያ። ኣበጋግሳኣ፡ ካብቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ “ቃል ስጋ ኰነ” ዝብል ጥቕሲ እዩ፡ (ዮሃ1.14)። እዚ ጥቕሲ’ዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምልከት መዳዩ ሓዲግና፡ ነቲ ዘንበብካዮ ወይ ዝሰማዕካዮ ቃል፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ (ብኻልእ ኣዘራርባ ስጋ ምልባስ) ብዝብል’ውን ክንርድኦ ስለ እንኽእል፡ ኣብታ ግጥሚ “ቃል ዘዝወሰዱ፡ ቃል እንተወለዱ፡ ኪንዮ ምህሮ ዓለም፡ እስከ እንታይ ነገዱ፧” እናበለ፡ እቲ ገጣሚ ይሓትት። «ትምባኾ ንጥዕና ሃሳዪ እዩ» እናበለ ዝምህር፡ ንባዕሉ ግን ዘትኽክ ዶክተር ማእለያ የብሉን። ሓደ ቀሺ ድማ፡ ነቲ ዝምህሮ ዘይገብሮ እንተዀይኑ፡ ኪንዮ ምህሮ ዓለም እንታይ ካልእ የርእየና’ሎ፧ ስለዚ፡ እቲ ብድሆ፡ ንኻልኦት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእሰይ’ውን ዝሕውስ እዩ።

BBC መደብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተዳለወ ውድድር ግጥሚ ውጽኢቱ ምስ ተፈልጠ፡ ንስኻ፡ ዳሬክተር ፐን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ካልኦት ኤርትራውያን ውሩያት ገጠምትን ዘይዕግበትኩም ነቲ ውጽኢት ገሊጽኩም ወይ ኣንጸባሪቕኩም፡፡ እቲ ዘይዕግበት ነቶም ዕዉታት ግጥምታት ብምምዛን ዝነቐለ ድዩ ነይሩ ወይስ እቲ ዓወት ንህቡባት ወይ ፍሉጣት ገጠምቲ ጥራይ ዝተሓዝአ ገይርኩም ስለዝወስድኩሞ?

“BBC” ክብሃል እንከሎ፡ ዝፈጠረለይ ትጽቢት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ዓቢ ስእሊ ይጸንሓካ እሞ፡ ብእኡ መጠን ድማ እቲ ትጽቢታትካ ይዓቢ። እቲ ሚዛን ርእይቶ በዚ ስለዝተጸልወ እምበኣር እየ፡ ዘይዕግበተይ ዝገለጽኩ። ብሓጺር ኣገላልጻ፡ ትጽቢታተይ ምስ ክውንነት ስለዘይተሳነየ እየ ዘይዕገበተይ ገሊጸ።

እቲ ሽልማት፡ ንህቡባት ወይ ፍሉጣት ገጠምቲ ጥራይ ዝተሓዝአ ክኸውን ኔርዎ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረንን። ከምኡ ምባል ንክውንነት እቲ ውድድር ምስትንዓቕ እዩ። ግደ ሓቂ፡ እቲ ውድድር፡ ኣብ ሞንጎ እተን ግጥምታት ደኣ’ምበር፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ገጠምቲ ኣይኰነን ክኸውን ዝግብኦ። ብመሰረቱ’ውን ነቶም ድሮ ህቡብነት ዘጥረዩ፡ ህቡብነቶም ንምዕቃብ፡ ሓደው ጀመርቲ ንምትብባዕ ኢልካ፡ ሓፈሻዊ ውድድር ዕውትቲ ግጥሚ ምክያድ፡ ግቡእ ኣይመስለንን። ኩሉ ዝሳተፎ ውድድር እንተዀይኑ፡ ኩለን እተን ዝቐረባ ግጥምታት፡ ብማዕረ ክወዳደራ ይግብአን። ከምኡ ኣይተገብረን፡ ዝብል መረዳእታ እዩ ዘሎኒ።

ኣሕታሚ እምኵሉ ምዝርጋሕን ምሻጥን ንጥፈታቱ ብኦንላይን እዩ ዘካይዶ፡፡ ከምዚ እንተዀይኑ፡ ሓደ ኣብ ምዕራብ (ኤውሮጳን ኣሜሪካን) ዝቕመጥ ሰብ፡ ንምንታይ ኣሕታሚ የድልዮ ባዕሉ ኣሕቲሙ ባዕሉ ብኦንላይን ዘይሸጦ? እንታይ እዩ እቲ ፍልልይ ብኣሕታሚ ምሕታምን ብውልቂ ምሕታምን? እሞ ኸኣ ኣብ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ እንተሪእናዮ፡ ግጥሚ ውዱእ ስራሕ ገጣሚ ምስ ምዃኑ ካልእ ኣካል ኣብኡ እንታይ እዩ ከበርክት ዝኽእል፧

ኣሕታሚ ክብሃል እንከሎ፡ ከም ኣብ ሞንጎ ህዝብን ጸሓፍትን ዘሎ መራኸቢ ድንድል ጌርና ክንገልጾ ንኽእል ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ። ካብ ምንቃል ሓሳብ፡ ክሳዕ ምድላው ሕትመት፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳዕ ዝርጋሐን መሸጣን ዝሽፍን፡ ሓላፍነት እናተሰከመ ዝዓዪ ትካል ድማ እዩ። ኣሕተምቲ እምኩሉ ኸኣ፡ “ኣብ ኣርትዖት፡ ቅርጽን ንድፍን፡ ትርጉም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕትመት” ከምዝነጥፍ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ኣሎ።

ሓደ ሰብ፡ ገጣሚ’ውን እንተዀነ፡ ኩሉ ዓይነት ብቕዓት ክህልዎ ዝከኣል ኣይመስለንን። ጸሓፊ ነቲ ናይ ምጽሓፍ ጸጋኡ፡ ኣሕተምቲ ድማ ነቲ ናይ ሕትመት ጸጋኦም ጸብለል ብዘበለ መገዲ ከምዝጥቀሙሉ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ወትሩ እኳ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ካብ ሓደ ርእሲ፡ ክልተ ምዃን ይበልጽ። ባዕልኻ ጽሒፍካ፡ ባዕልኻ ኣሪምካ፡ ባዕልኻ ሓቲምካ፡ ባዕልኻ ዘርጊሕካ፡ ኩሉ ባዕልኻ ክትገብሮ፡ ዘይከኣል ኣይኰነን። ሞያዊ ብቕዓት እቲ ስራሕ ግን ብእኡ መጠን ከምዝጐድል ከኣ ኣይከሓድን። ኣሕታሚ፡ ድሮ ዝፈጠሮም ርክባትን መርበባትን ኣለውዎ። ውልቀ ጸሓፊ ግን፡ ነቶም ርክባትን መርበባትን ብሕጂ እዩ ክፈጥሮም ዘለዎ።

መጽሓፍ እንቶሽ፡ ከም መረዳእታ እንተጠቐስናያ፡ እርያ ፊደላት፡ ቅጥዒ ጽሑፍ፡ ቅርጺ መጽሓፍ፡ እዚ ኹሉ፡ ኣሕታሚ እምኩሉ እዩ ጌርዎ። ኣብ ምዝርጋሕ ድማ ባዕሉ እቲ ትካል እዩ ዝዝርግሖ ዘሎ። ሰፊሕ ዝርጋሐን ተፈላጥነት ብዝረኸበ መጠን ድማ፡ እቲ ስራሕ ሕትመትን እቲ ዝርጋሐን እናተቓለለ ስለ ዝመጽእ፡ ካብ ብውልቂ ምሕታም፡ ብመገዲ ኣሕተምቲ ምሕላፉ፡ ድርብራብ ረብሓታት እዩ ዘለዎ እየ ዝብል።

ግጥሚ ውጹእ ስራሕ ገጣሚ ብምዃኑ፡ ካብ ኣሕተምቲ እንታይ ክረክብ ይኽእል፡ ዝበልካዮ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ዝመለስክዎ ይመስለኒ። ኣብ ጽፈት ኣጠቓቕማ ቃላት ከም ንመረዳእታ እንተወሰኽኩ ግን፡ ኣድላይነት ኣሕታሚ ጐሊሑ ክርኣየና ይኽእል ይኸውን’ዩ። ገለ ጸሓፍቲ “ኮነ”  ገለ ጸሓፍቲ ድማ “ኰነ” ዝብል ኣጸሓሕፋ ነዘውትር ኢና። ኣሕተምቲ እምኩሉ ግን ሓደ “ቅጥዒ” ኣዳልዩ፡ ኣብ ኩለን እተን በቲ ኣሕታሚ ዝፈርያ መጽሓፍቲ፡ ሓደ ዝዓይነቱ ቅዲ ክጥቀም’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። እዚ ቅዲ እዚ ድማ፡ ንጽፈት ኣጸሓሕፋ እቲ ገጣሚ’ውን ከምዘድልዮ ርዱእ ይመስለኒ።

እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ከቕርበልካ እንከለኹ ኣብ ወንበርፐን ኤርትራተቐሚጠ እየ እሞ፡ እቲ ንስኻ እውን ኣባሉ ዝኾንካ ፐን ኤርትራ ንስነጽሑፍ ብሓፈሻ ንስነግጥሚ ድማ ብፍላይ ክገብረሉ ዘለዎ ርእሱ ዝኸኣለ ጠመተ ኣሎ ትብል? እንተሎ ኮይኑ፡ ዝገብሮ ዘሎ መስለካ? ብኸመይ? ስለምንታይ? ንኽልቲኡ፡ ይገብሮ ኣሎ እንተኾይኑ ብኸመይ ኣይገብሮን ኣሎ እንተዀይኑ ድማ ብኸመይን ስለምንታይን?

ፐን ኤርትራ ንስነ-ጽሑፍ ብሓፈሻ ርእሱ ዝኸኣለ ጠመተ ክገብረሉ ዘለዎ ጠመተ ኣሎ’ዶ ንዝብል፡ እወ፡ ዝብል መልሲ እዩ ዘሎኒ። ቀዳማይ ኣንቀጽ፡ ቻርተር ፔን ኤርትራ’ውን ብዛዕባ እዚ እዩ ዝዛረብ። ምትብባዕ ስነ-ጽሑፍን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን። ፔን ኤርትራ ብኹሉ ኤርትራዊ ቋንቋታት ንዝቐርብ ጽሑፍን ሓርነት ምግላጽ ሓሳብካን ንምትብባዕ ዝተወፈየ ማሕበር ምዃኑ፡ ኣብ ኣንቀጽ ሓደ ንረኽቦ።

ዝገብሮ ዘሎ’ዶ ይመስለካ፡ ንዝብል ግን፡ ከምቲ ዝግባእን ብኽንድቲ ክዀኖ ዝግባእን ጠመተ ኣይመስለንን ዝብል እዩ መልሰይ። እቲ ምኽንያት ድማ ብቐንዱ፡ ኣነ ከም ጸሓፍን ኣባልን መጠን፡ እቲ ዝግብኣኒ ስለዘይገበርኩ እዩ። ከምዚ ኸማይ ድማ እቶም ካልኦት’ውን እቲ ዝግብኦም ስለዘይገበሩ እዩ። ብተበግሶይ፡ ንፔን ኤርትራ ክኸውን ብምሕሳብ ዘዳለኽዎ ጽሑፍ የልቦን። ፔን ኤርትራ ግን ናትካ ጽሕፍቲ’ውን ዘሓቘፈት “Uncensored Voices” እትብል መጽሓፍ ምሕታሙ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኸኣ፡ ንገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ሽልማት ሓሳብካ ብሓርነት ምግላጽ ምሃቡ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ጠመተ ይገብር ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ መጠነ ንኡስ ጠመተ’ዚ፡ ኣበርክቶ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ተወሲኽዎ እንተዝነብር፡ ብርግጽ ካልእ ዛንታ ኢና ምተዛረብና። ኣበርክቶና ቊጡብ ክሳዕ ዝሃለወ ግን፡ ፔን ኤርትራ ንበይኑ፡ እዝን እትን ዘይገበረ ኢልካ  ምዝራብ ቅኑዕ ኣይመስለንን።

መጽሓፍ እንቶሽ ንምግዛእ ኣብዚ መላግቦ ምጥዋቕ ይከኣል።

____________

*ፍቕረይ የማን ንነዊሕ እዋናት ኣብ ስራሓት ግጥሚን ስነ-ጽሑፍን ዝነጠፈን ዝነጥፍ ዘሎን ኰይኑ ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ይርከብ። ፍቕረይ ኣብታ ብፐን ኤርትራ ዝተሓትመት Uncensored Voices: Essays and Poems and Art Works by exiled Eritreans (2018) እትብል መጽሓፍ “On the Road” እትብል ዓንቀጽ የሕቲሙ ኣሎ። ንጸሓፊ cobiabahri@yahoo.com ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email