ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ፡ እምረታዊ መቓን ንሓርነት

No comments

“ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት ንዓሰርተታት ዓመታት፡ አረ ገሊኡስ ንዘመናት ዝኣክል ብናይ ውሽጥን ወጻእን መበቆል ዘለዎ ጭቆና ተሳቕዮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብ-መዝን ገዛእትን ብዘይሕቶ ኣሜን ኢልካ ናይ ምእዛዝ ባህሊ ከምዝሰርጽ ተገይሩ’ዩ። ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ድማ፡ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ክህልዉ ብዝኽእሉ ማሕበራዊ ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሃይማኖታዊ ትካላት’ውን ከይተረፉ፡ ብደይመደይ ተዳኺሞም ጽግዕተኛታት ከምዝኾኑ ተጌሮምን፣ ወይ’ውን በቶም ስርዓት ብዝዝወሩ መግዝኢን መቆጻጸሪ ሕብረተሰብ ብዘገልግሉ ሓደስቲ ትካላት ተተኪኦም።”

ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ፡ እምረታዊ መቓን ንሓርነት (2002)

ብጆን ሻርፕ ተደሪሳ ብዳኒኤል ረዘነ ዝተተርጐመት መጽሓፍ። ምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email