WIR MACHEN DAS (ሓርፋፍ ትርጕም-‘ኢሂናይ ደኣ ዘይንገብሮ! / ንገብሮን ፈረቓን’ምበር!’ )፡ ኣብ 2015 ካብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት፤ ባህሊ፣ ሳይንስ፣ ስነጥበብ፣ ጋዘጠኛነትን፣ ካልእን፤ ብዕላማ ዝተጠምራ 100 ደቂ-ኣንስትዮ ዝመስረታኦ ሓልዮታዊ ትካል እዩ። ንብዙሕነት ከም ጸጋ ቈጺሩ ድማ ኣብ ስነጥበብ፥ ባህሊ፥ ወዘተ. ኣተኲሩ ይዓዪ። ናይ ስደትን ቅልውላውን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም መጻእተኛታት ጸሓፍቲ፡(ብፍሉይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ) ዝበቅዕ ደገፍ ረኺቦም ኣብ ምምእዛን ሕብረተሰብን፡ ምቕናዕ ዝምቡዕ ትርኽትን እጃሞም ከበርክቱ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ይቃለስ።
weiterschreiben.jetzt ካብ ቋንቋ ጀርመን ናብ ትግርኛ እንክትርጐም፤ ከየባተኽኪ/ካ ጸሓፊ/ፍ ዘስምዕ መልእኽቲ ይህብ። ንኡስ ፕሮጀክት ናይ WIR MACHEN DAS ኰይኑ፥ ከየባተኹ ዝጽሕፉ ደረስቲ ዘይተባተኸ ተሰማዕነት ምእንቲ ክህልዎም፡ ምስ ስደተኛታትን ደቂ-ዓዲን ናይ ሞያ መዘናታቶም ተመኵሮታት ዝለዋወጥሉ ጥበባዊ መድረኽ ይሃንጽ። ምልውዋጥ ተመኵሮ ብደብዳበ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ንጥፈታት ናይዚ ፕሮጀክት እዩ። በላሩሳዊት ደራሲት ሳቢና ብሪሎን – Sabina Brilo ኤርትራዊት ደራሲት ይርጋኣለም ፍስሃን – Yirgalem Fisseha ብመንገዲ ኣርባዕተ ደብዳበታት ኣቢለን፡ ኣብ ዝተቐባበላኦ ሓሳባት፡ ዝተመላለሳኦ ሕቶታት፡ ተመሳሳልነት ዝፈጠረለን ሓቅታት፡ ቀስቃሲ ናፍቖተንን፡ ናብ ዓደን ዘቋምት ህንቁው ተስፋታተንን ዝሓቘፈ ትግርኛዊ ትሕዝቶ ኣብ ኣርባዕተ ሕታማት ክቐርብ እዩ። (ብቛንቋ ጀርመን ንዝመርጽ ነባቢ ነዚ ኣብዚ መእተዊ ዘሎ ጥብቆታት ብምጥዋቕ ናብ ምንጪ ጽሑፍ ምብጻሕ ይከኣል) ካብ ሳቢና ናብ ይርጋኣለም ዝተጻሕፈት ካልኣይቲ ደብዳበ ከምዚ ዝስዕብ ትንበብ። (ትርጕም፡ ካብ ጀርመን ናብ ትግርኛ ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ናብ ጀርመን ሚራስ ፍጹም።)
————————————————————–
ቪልኒዩስ፤ 6 ሕዳር 2022
ሰላም ንዓኺ ይርጋኣለም።
መልስኺ ክቕበል ከለኹ ኣዝየ ተሓጒሰ። ከንብቦ ከለኹ ድማ ንብዓተይ ምቁጽጻር ስኢነ። ኣብ ጽሕፍቶ ክልቴና ብዙሕ ዝመሳሰል ኣሎ። ከምቲ ዕድልኪ፣ እቲ ናተይ ዕድል እውን ብቐጥታን ብሕሱም መንገድን፣ ምስቲ ዝተወለድኩሉ ግዜን ቦታ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቶም ካብ ክፋእ ተላዒሎም ኣብ መንግስትታትና ስልጣን ዝተዋህቦምን፡ ስልጣን ዝጨበጡን ሰባት ምትእስሳር ኣለዎ። ኣብ ኣእምሮኺ ዝፈጠርኪዮ ስእሊ ናይ ስልጣን ብጣዕሚ ገላጺ’ዩ። ንስልጣን ከም ናይ ኣምላኽን ናይ ሰይጣንን ገጽ ዘለዎ ሰብ ምቕራጽኪ ምስ ኣንበብኩ፡ ጽቡቕ መግለጺ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ኢድ ሰብ ሰናይ ወይ ሰብ እከይ ግብሪ – ስልጣን ኣብ ኢድ መን ምውዳቓ ኣመና ኣገዳሲ’ዩ። ግን ኣብዚኣ ዘመናዊት፡ ስልጥንቲ ኢልና እንገልጻ ዓለምና ከምኡ ክኸውን ኣይምተገበአን፡፡ ንሓይሊ ውልቀ-መላኺ ክገትኡ ዝኽእሉ ሃገራውያን ይኹኑ ዓለም ለኻውያን፡ ሕጋውያን ፖለቲከኛውያን፡ መሳረሒታት ክህልዉ ነይሩዎም፡፡ ደቂ ካልእ ሃገር ብዙሕ እዋን ‘‘ህዝብኹም ነዚ መራሒ መሪጹዎ እዩ’ሞ ጉዳዮም ባዕሎም ክኸፍቱዎ ኣለዎም’’ ይብሉ፡፡ ዘለናዮ ጸበባ ስለ ዘይርደኦም እዮም ከምኡ ዝብሉ፡፡ ውልቀ መላኺ ኵሉ ግዜ ዝተመረጸ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብምትላልን ብምምዝማዝ እምነት ሰብን’ዩ ናብ ስልጣን ዝመጽእ። ድሕሪኡ ንኣብያተ ፍርድን ንሓይልታት ጸጥታን ኣንበርኪኹ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ ኮይኑ ፍጹም ስልጣን ይጎብጥ፡፡ ንሓያሎ ዓመታት እውን ወለዶታት እናኣሳቐየ ይቕጽል፡፡
ብዛዕባ፡ ኣብ ሃገርኪ-ኤርትራ ካብ ዝእሰሩ 21 ዓመታት ዝገበሩን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ሰባት ጽሒፍኪ ነይርኪ፡፡ መባህረሪ’ዩ፡፡ ኣብ መስከረም፡ ጉዳይ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዘጠኛታት መሓዙተይ ናብ ሕጊ ቀሪቡ፡፡ ሓደ ካብኦም እቲ ወትሩ ሕጉስ ገጣሚ ኣንድረይ ኣለክሳንድሮፍ (Andrej Alexandrow)’ዩ፡ ንሱ ን14፡ ዓርኩ ኢሪና (Irina) ድማ ን9 ዓመታት ክሕየሩ ተፈሪዶም፡፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ በላሩስ ዝተላዕለ ተቓውሞ ህዝቢ፡ ኣንድረይን ኢሪናን ገንዘብ ንግዳያት ናይ’ቲ ስርዓት ኣኪቦም ነይሮም። ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ድማ ዝከኣሎ ሂቡ፡፡ ገለ ካብ’ቲ ገንዘብ ንኮሎክዮ እሱራት ተወፍዩ፡ ገሊኡ ከኣ ንምሽፋን ክፍሊት ጠበቓታትን ካልኦት ኣገደስቲ ወጻኢታትን። ሓገዝ መሓዙተይ ግን ገበን ተቖጺሩ፡፡ ዝቐረበሎም ክሲ ድማ ጥሩፍነትን ክሕደት ሃገርን’ዩ። እታ ኣንቶኒና ኮቫሊዮቫ (Antonina Kowaljowa) ዝስማ መሓዛይ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ሓደ ኣንጻር ናይ ሓሶት ምርጫ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ስለ ዝተሳተፈት፡ ንሓደ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ። ጓል 63 ዓመታት እያ። እዚ ዕድመ ሒዝካ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ምእታው ቀሊል ኣይኮነ። ሕስብ እሞ ኣብሊዮ፡ ዝተዋሃባ ብይን ምስ ሰማዕኩ በኽየን ስሒቐን’የ። እዚ ድማ ሓንቲ ዓመት እምበር ክልተ ወይ ሰለስተ ከምቶም ተመሳሳሊ ‘‘ገበን’’ ዝፈጸሙ ሰባት ስለ ዘይተወሃባ’ዩ።
እምበኣር ትሕዝቶታት ደብዳበታትና፡ መከራን ዘሕዝን ፍጻመታትን ዝነግሩ እዮም። ናይ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከይኮኑልና ከኣ ናይ ካልኦት ሰባት እውን ይርከቦም። ታሪኽ ሃገርኪ ምስ ገለጽክለይ፡ ን1998 ዝተወለደ ወደይ ዘኪረ። ምሉእ ህይወቱ ኣብ ትሕቲ ሉኮሸንኮ (Lukaschenko) ዝበሃል ፕረዚደንት ኣሕሊፉዎ። ድሮ ድማ ወዲ 22 ዓመት ምስ መልአ፣ ካብታ ብዙሕ ዝናፍቓ ዓዱ ክወጽእ ተገዲዱ። ብዛዕባ እቶም ብሰሃራን ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ አእትዮም፡ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ የሕዋትኪ ዝያዳ ክፈልጥ ምደለኹ። ሎሚ ከመይ ኣለዉ፧ ኣበይከ ይቅመጡ፧ ናብራ ክሰማምዖም ክኢሉ ዶ፧ መንከ ሓጊዙዎም፧
ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ስለ ዘየለ ንቤተ-ሰብኪ ብቪዲዮ ክትረኽቢዮም ከምኡ’ውን ብተለፎን ንነዊሕ ከተዕልልዮም ዘይምኽኣልኪ ምሕሳብ ኣጸጊሙኒ፡፡ ኣነ ዳርጋ መዓልታዊ’የ ንቤተ-ሰብይ ዝረኽቦም። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ብቪደዮ። ከምኡ ኣቢለ ድማ ሓሓሊፈ ንዓይነይ ጓና ዘይኮነ ገዛ፡ ሳሎን፡ ስእሊ መንደቕ ይርኢ። ንድሙይ’ውን ከምኡ ገይረ ይሪኣ’ሞ ክደርዛ ብዘይምኽኣለይ ይሓዝን። ኣብ ኤርትራ ንገለ ጥቕሚ እምበር፡ ንምሕዝነት ኢልካ እንስሳ ከም ዘይትውንን ጠቒስኪ ነይርኪ። ትፈልጢ፡ ኣብ ሃገር-ሰብ ናይ ቤላሩስ’ውን ከምኡ ዝውቱር’ዩ። ኣብኡ ኣኽላባት ገዛ ይሕልዉ፡ ኣድማም ድማ ኣናጹ የጥፈኣሎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ በላሩስ፡ ማለት ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ዝኸውን፡ ኣብ ከተማታት’ዩ ዝቕመጥ።
‘‘ስመይ ንኸተድምጺ ክንደይ ወሲዱልኪ’’ እትብል ሕቶኺ ሕጂ ክምልሰልኪ’የ።
ምናልባት ክልተ ፈተነ ወሲዱለይ ይኸውን 😊። ስምኪ ወላ ስም ሃገርክን ስም ቋንቋ ኣደኽን – ትግርኛ፡ ከበድቲ ኣይኮናን፡፡ ኵለን እዘን ቃላት ንእዝነይ ከም ካብ ሓደ ደስ ዝብል ጽንጽዋይ ዝተወስዳ ኰይነን እየን ዝስምዓኒ። ንኣስትሪድ ሊንድግረንን (Astrid Lindgren) ን‘‘The Brothers Lionheart’’ እትብል መጽሓፋ ኣዘኪሮምኒ፡፡ ስመይ ኣብ ሃገርና ልምድቲ ኣይኰነትን። ሳቢና ስም ኣደ ኣቦይ’ዩ፡፡ ዓባየይ ፖላንዳዊት’ያ ነይራ። ኣብ ጥንታዊ ኣረማይስጢ ሳቢና፡ ‘‘ጥበበኛ፡ እታ ገለ’ኳ ዘይትደሊ’’ ዝብል ትርጉም’ዩ ዘለዎ። (እተን ናትኩም ሳቢናታት ከምኡ አየን ዝኾና።) ኣብ ቱርኪ ‘‘ሓያል፡ ጽንዕቲ’’ ዝብል ትርጉም ከም ዘለዎ ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ ግን ናይ ብሓቂ ትርጉማ ኣይፈልጦን’የ፡፡ ምናልባት ኣነ ከምኡ’የ፡፡ ሓጻርን ቀጣንን ግን ከኣ ከምኡ 😊፡፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን ወላ ሓደ ናብ ዓድኺ ክትምለሲ ዝምነየልኪ ሰብ ከም ዘየለ ጽሒፍክለይ ነይርኪ። ናትና ኩነታት እውን ከምኡ’ዩ። ኵሎም ኣዝማድና ይናፍቑና፡ ግና ኣብ ውሕስነት ብምህላውና ሕጉሳት እዮም። ምኽንያቱ ኣብ በላሩስ ሰባት ክሳብ እዛ ሎሚ ዕለት ይእሰሩ ኣለዉ። እቲ ስርዓት ነቲ ሰባት ኣብ ነሓሰ 2020 ዝፈጸምዎ ‘‘ገበን’’፣ ብሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ናይ ሓሶት ምርጫ ምቅዋምን ክርስዖ ኣይክእልን’ዩ። ደድሕሪ እቲ ሰለማዊ፣ ሰልፊ ሉካሸንኮ ‘‘ንዅሉ ሰብ ክንረክብን ክንቀጽዕን ኢና’’ ኢሉ ነይሩ። እነሀ ድማ ካብ ዝረኽቡን ዝኣስሩን ክልተ ዓመት ገይሩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ እዮም ናብ ጐደናታት ዝወሓዙ።
ሃገረይ ምስ ሩስያ ዘለዋ ርክብ ብኸመይ ከም ዝጸልዋ ሓቲትክኒ ነይርኪ። ሃገረይ ከም ኤርትራ ናጽነታ ንምርካብ ክትቃለስ ኣይነበራን። ሰብዓ ዓመት ኣካል ናይ ሕብረት ሶቭየት’ያ ነይራ። ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ምስተበታተነት ብሰላማዊ መንገዲ ልኡላውነትና ረኺብና። ኣብ 1994 ሉካሸንኮ ናብ ስልጣን ደይቡ። ልክዕ ከም ፑቲን፡ ሉካሸንኮ’ውን ናይ ሰይጣን ገጽ ኣለዎ። ክልተኦም እከይ እዮም ዘንጸባረቑ። ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ፡ ናጽነትን ልኡላውነት በላሩስን ህዝባን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም። ሕልሚ ፑቲን ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ዳግም ምህናጽ ሕብረት ሶቭየትን ገዛኢኣ ምዃንን’ዩ። ፑቲን ሕልሙ ንኸተግብር ድማ ሉካሸንኮ የድልዮ እዩ። ሉካሸንኮ ድማ ብምስምስ ናይ ልኡላውነት ኣቢሉ ንሃገርና ናብ ሜዳ ሰራዊት ፑቲን ቀይሩዎ’ሎ።
ቀንዲ ጭርሖኡ ድማ: ‘‘ምዕራባውያን ኣብ ጕዳያትና ጣልቃ ክኣትዉ መሰል የብሎምን፡ ካልእ ዝሓስብ ሰብ እንተ’ሎ ድማ፡ ናይ ወጻኢ ልኡኽን ጥሩፋውን’ዩ።’’ ሉካሸንኮ ወትሩ ኣብ ሩስያ ምስ ተደገፈ’ዩ። ብዘይ ናይ ሩስያ ደገፍ፡ ካብ ፍርሒ ዝኣክል’ውን ምናልባት እዚ ንህዝቡ ዝገብሮ ዘሎ፡ ከተግብሮ ኣይምኸኣለን፡፡ ሎሚ በላሩስ የማናይ ኢድ ፑቲናዊ ጭኰና ትጽዋዕ ኣላ። ነዓይ ግን በላሩስ ጅሆ’ያ ትመስለኒ። ከቢድ ወላ እንተ ኾነ፡ ስቕ እትብል ጅሆ ኣይኮነትን እኳ ደኣ መመሊሳ ተቃውሞኣ እትገልጽ።
ፍትውቲ ይርጋኣለም፣ ልብኺ ኣብ ዓድኺ ከም ዝገደፍኪያ ጽሒፍክለይ። ኣነ’ውን ከምኡ’የ ዝብል። እንተ ኾነ ግን ንስኺ ካብ ሃገርኪ እምብዛ ርሒቕኪ። ካብዚ ዘለኹዎ ናብ ሃገረይ ዘሎ ርሕቀት ሰላሳ ኪሎሜተር ጥራይ’ዩ። ይኹን እምበር ዓቐን ኣብ ልብይ ዝተፈጠረ ሰንፈላል ምስ ናትኪ ማዕረ’ዩ…
ክንራኸብ እሞ ብኣካል ከነዕልል ዕድል ክንገብር ኣመና ይትስፎ። እንግሊዘኛ ጽቡቕ ገይረ ኣይመልኽን’የ ግን ከም ንረዳዳእ ርግጸኛ’የ። ቡን’ውን ምሰተና። ኣበላልዓ ብኢሾኽ ዝተሸፈነ ፍረ በለስ ከማን ምመሃርክኒ።
መልስኺ ይጽበ፡ ብዛዕባ ምርኻብና ድማ እሓስብ፡፡
ሳቢና