ከየዕረፈ ዝተኾልፈ ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ!

No comments

ይርጋኣለም ፍስሃ*

Tesfagiorgis Habte
Photo courtesy of Emkulu Publishers

1987 ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ናብ ቃልሲ ንናጽነት ተጸንቢሩ። ንሱ ግና “ኣነ ናጽነት ምስ መጸ‘የ ገድሊ ጀሚረ“ መውጽኢት ኣፉ‘ያ። ሓደ ካብቶም ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ክምህሩ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመደቡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነይሩ። ቀትሪ እናማሃረ፡ ምሸት ድማ እናተማህረ፡ ተውለ ምዕማም ሕርያኡ ነይሩ። ተማሃሪት ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ (1995 – 1997) ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሚዐምሓዛ (ዓድቐይሕ) ናይ ጂኦግራፍ መምህረይ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ድራማን ስነጽሑፍን ጉጅለ ተመሃሮ ናይ ምእላይ ንጥፈታት ካብ ዘካይዱ መምህራን ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ምፍላጥና ዓሞቑ። እምበኣር ካብቲ ግዜ‘ቲ ጀሚሩ ክሳብ (ግንቦት 2021)፡ ምርሓቕ ቦታን ውረድ-ደይብ ህይወትን ክበትኮ ዘይክኣለ ቅርበት ነይሩና። መምህር፣ ጽሓፊን ጋዜጠኛን ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ።

መልቀቒ ፈተና (ማትሪክ) ተኻፊሉ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ልዑል ነጥቢ ረኺቡ ክነሱ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ተነፊግዎ ኣብ ምምህርና ክቕጽል ኣብ ዝተገደደሉ ግዜ፡ ናብ 2ይ ደረጃ ተሰጋጊረ‘ኳ እንተነበርኩ፡ ነታ ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ብዝተዋጻእና ተማሃሮ ዝቖመት ጉጅለ ድራማን ስነ-ጽሑፍን ክኣሊ ስለ ዝተመዘዘ፡ ርክብና ኣይተበትከን። እኳ ደኣ ካብ ዝምድና መምህርን ተማሃሪትን ዝያዳ ናብ ምሕዝነት ማዕቢሉ።

ከምቲ ባዕሉ ብተደጋጋሚ ዝገልጾ ድሕሪ ክንደይ ልመናን ዘይሕላል ጻዕሪን ኣብ 2000 ዓ.ም. ትምህርቱ ክቕጽል ተፈቒዱሉ ናብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ኣትዩ። ድሮ ተመርዕዩ ሓዳር መስሪቱስ ኣቦ ንምዃን በቒዑ‘ውን ስለ ዝነበረ ከኣ፡ ድርብ ሓላፍነት ምስካም ኣይተጋደፎን። በዚ ተማሃራይ፡ በቲ ኣላዪ ስድራን ናብራን። ይኹን‘ምበር ኣብ ክልቲኡ ኣይሰነፈን። ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብዝበለጸ ነጥቢ ተመሪቑ፡ ህዝባዊ ርክባት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምዃን ተመዲቡ። እንተኾነ ነቲ ዝያዳ ኣፍራዪ ናይ ምዃን ባህጉ ዝምልስ ኮይኑ ኣይረኸቦን። ስለዚ ኣብ ምምህርና ክምደብን ናይ ትምህርቲ ዕድል ክወሃቦን ካብ ምሕታት ኣየዕረፈን። መምህር ናይ ምዃን ድሌቱ፡ ምስ ምቕያር ዑስማን ሳልሕ ብሰመረ ርእሶም፡ ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ሕልሙ ድማ ብሓላፊ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ሚ/ትምህርቲ ምኹላፉ፡ ገለ ካብ ዕንቅፋት ዕብየቱ ምንባሩ ጸቒጡ ይዛረበሉ ነይሩ።

ደጊምና ከም ሰራሕተኛታት ሓደ ሚኒስትሪ ምስ ተራኸብና፡ ናይ ምርኻብ ዕድላትና ሰፊሑ። ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ሚ/ትምህርቲ ዝነበረት ቤት ጽሕፈቱን ቀጽሪ ሬድዮ ባናን ምስ ሻሂ ኣሰኒና ሓያለይ ናይ ምብህሃል ዓመታት ኣሕሊፍና። ትምህርቲ ወትሩ ርእሰ ጉዳዩ‘ዩ። ስድራቤቱ ካብ ዓድቐይሕ ናብ ኣስመራ ብምግዓዝ፡ ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ዘሎ ግዚኡ ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት እናመሃረ ምስ ክብደት ናብራ ቃልሱ ቀጸለ።

ሓደ ዕለት፡ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጺኡ ምስ ቕልጡፍ ኣሳጉማ ኣብ ጎደና ጎፍ ምስ ተበሃሃልና፡

“ናበይ ድኣ‘ዩ‘ዚ ዘብዘብ፧“ ሓቲተዮ።

“ድራር ቆልዑ ክንደሊ። ናብራ ኣስመራ ትፈልጥዮ ኢኺ። ኣርባዕተ ቆልዑ ሒዝካ ይትረፍ፡ ንውልቅኻ‘ውን ከቢድ‘ዩ።” መሊሱለይ። ደሞዙ ምስቲ ዝበጽሖ ደረጃ ዘይተመዓራረየ ገና ኣብ 94 ብዝነበሮ ደረጃ ትምህርቲ ምህላው ዝነገረኒ‘ውን ሽዑ‘ዩ። 1994 ገና ኣብ ምኽዕባት ትምህርቲ ኣብ ምድላብ ተመክሮ ዝነበረ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽቱ ብጉጅለ ዝነብር መንእሰይ‘ዩ ነይሩ። እንተኾነ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ፡ ህይወት መልክዓ ቀይራ፡ ስድራ መስሪቱ፡ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ ከብቅዕ ኣታዊኡ ግን ኣብ ዝነበሮ ደሪቑ ተሪፉ። ንሱ ግን ብዘለዎ እናተቓለሰ ሓቦኡ ኣየዕበረን ቅስሙ ኣይተሰበረን!

19 ለካቲት 2009 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ቤት ጽሕፈት ሬድዮ ባና ብወተሃደራት ተኸቢቡ፡ ሰራሕተኛታትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ ቀጽሪ ዝጸንሑ ሰባትን ኣብ ሓደ ከም ንእከብ ምስ ተገብረ ተስፋጊዮርጊስ ምስ ካልኣዩ ብወተሃደራት ተኸቢቦም ተጸንበሩና። ኣብ ማእከልና ኣትዩ ድማ ኣብ ጥቓይ ቆመ።

“ሕጅስ ሞት ከም ኣዳም! ምስ ህዝቢኻ መዓት…” ብትሑት ድምጺ ተዛረበ።

“ተስፌ እንታይ ኢና ንኽውን ዘለና፧” ናይ ዓቕሊ ጽበት ሓቲተዮ።

“ስቕ‘ባ በሊ… ሰብ ከይረኣየኒ ከይስውሩኒ ክንደይ ድየ ክቃለስ ጸኒሐ” በለኒ።

“ኣበይ ዲኻ ጸኒሕካ፧”

“ካብ ኦፊሰይ ‘ሰብ ይጽውዓካ’ሎ’ ኢሎም ኣውጺኦምኒ። ምስ ወረድኩ ኩነታት ደስ ኣይበለንን። እቲ ሰብ ናብ ኦፊሰይ ይምጻእ ኢለ ሓዲገዮም ተመሊሰ። ‘ነብስኻ ከይተሕስም’ ኢሎም ኣፈራሪሖም’ዮም ኣምጺኦምኒ። ኣነ ከኣ ክወስዱኒ ከለዉ፡ እንተወሓደ ሰብ ክርእየኒ ደልየ ነይረ።”

ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ተወሰድና። ድሕሪ ኣዋርሕ ድማ ናብ ሸላታት ማይስርዋ! ደጊምና ምስ ተስፋጊዮርጊስ ብኣካል ዝተራኸብና፡ እሱራት ተሓከምቲ ኮንና ኣብ ሕክምና ዓይኒ ማይ ተመናይ‘ዩ – ጥሪ 2010። ብዕላል፡ ኣስመራ – ዓድቐይሕ፡ ማይስርዋ – ዓዲኣበይቶ፡ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት – ስቱድዮ ሬድዮ ባና፡ ንጥፈታት ስነጽሑፍ – ሕቶታት መርመራ…. ብምልዓል ኣዕሊልና። ሓድሕድ ሞራል ተወሃሂብና፡ ትሕዞ ጁባ ተማቒልና።

“ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ርክብ ኣለካ፧” ሓንቲ ካብተን ኣብ መርመራ ዝቐረባሉ ሕቶታት ነይራ።

“ኣብ ቤት ትምህርቲ ወጋሕታ ተማሂረ ነይረሞ ምስኡ ተሓዋዊሱኩም ከይህሉ” መሊሱ። ነቲ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ጓናን ጋሻን ምንባሩ ግን፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 72 ካብ ምዕጻው ኣየድሓኖን። ኣብታ ካብ ዓይኒ ምድሪ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከባቢ 20 ሜትሮ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ሸላኡ፡ ብምኽንያት ሕማም ንዘጋጠሞ ጸገማት ንምፍታሕ እታ እንኮ ዝነበረቶ ስልጣንያ መቐረቢት መግቡን ዓይኒ ምድሩን ምንባራ ዝገልጽ ኣብ ናይ ፔን ኤርትራ ዌብሳይት ዝወጸ ጽሑፉ፡ ብተመሳሳሊ ሽግር ከም ዘይሓለፍኩ ብስንባደን ብስቅቕታን‘የ ነቢበዮ። ኣብ ሓደ ዓይነት ሽግር ዝወደቑ ሰባት ነናቶም ዛንታ ብድሆ ከም ዘለዎም ክሓስብን ናይቶም ምስኦም ስለ ዝነበርኩ ጥራይ ዛንትኦምን ሽግራቶምን ዝፈልጦ ዝመስለኒ ዝነበረ፡ ገና ንምስምዑ ዘሰቅቕ ዛንታት ምህላዉ ትጽቢት ከሕድርን ገይራትኒ።

እቲ ኩሉ ጸበባን ወጽዓን ግዳማዊ ትርኢት ኣዕንዩ፡ ንሓይልን ብርታዐን ተስፋገርጊስ ምፍራስ ከይተኻእሎ ዓመታት ሓሊፉ። መጋቢት 2013 ሸላኡን ሸላታት ገለ ብጾቱን ጋህ ኢለን። ናብ ቤቶም፡ ናብ ደቆም፡ ናብ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክጽንበሩ ካብ ዝኸኣሉ ዕድለኛታት ድማ ኮነ!

ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይ ምኽንያት ጸጋታትካ፡ ዓቕምኻ፡ ናብራኻ፡ ህይወትካ፡ ሞራልካ፡ ሕልምኻ፡ ባህግኻ ትሕደግ‘ሞ፡ ፈጺሙ ከም ዘይነበረካ ክሳብ ትሓስቦ ትጭቆን። ብዕድል ብገለ ዓቐኑ እንተተመሊሱልካ ወይ ናብ ንቡር ህይወትካ ዝመልስ ፈቓቕ እንተተረኺቡ፡ ሓለፋ ይግበረልካ ከም ዘሎ ክስምዓካ ይድለ። እዚ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ዝኣተወ ስምዒት‘ዩ። “ካብዚ ዝኸፍእ ኣይምጻእ!”

ኣብ ህይወት ተስፋጊዮርጊስ ግና “ካብኡ ዝኸፍእ” ምምጻእ ኣየቋረጸን። ሓዳሩ ኣብ ዝገደፎ ኣይጸንሖን። ከምቲ ንሱ “ኣነ ናጽነት ምስ መጸት‘የ ገድሊ ጀሚረ” ዝብሎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ‘ውን ናብ መቑሕ ካልእ ሽግር ክኣቱ‘ዩ ተቐሲቡ።

“በቃ ሓንቲ ኩባያ፡ ሓንቲ ብያቲ፡ ሓንቲ ማንካ… ኢለ ካብ ባዶ ተበጊሰ” ኢሉኒ ካብ ሃገር ወጺኤ፡ ብዘይ ገደብ ናጽነትን ሰዓታትን ከነዕልል ምስ ከኣልና – 2018። ሰባት ዘይኮኑስ ህይወት ብቐንዳ ዓቕሙ፡ ሞራሉ፡ ኣይምብርከኽን ባሃላይነቱ፡ ዝሓሸ ሰብ ናይምዃን ባህጉ፡ ቅንዕንኡ፡ እዱብነቱን ልዙብነቱን ርእያ ከም ዝተሃላለኸቶ ዝድምድም ስምዒት‘ዩ መጺኡኒ።

“ኣብ ህይወት፡ ኣብ ናብራ፡ ንስኻ እንተዘይተዓዊትካስ መን ደኣ‘ዩ ዝዕወት!” እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረኒ ውህሉል ኣድናቖት ዝወለዶ ግራመ‘ዩ።

“ናይ ዝባሃግካን ዝጸዓርካን ጥራይ ኣይኮነን። ፈጣሪ ዝበሎ‘ዩ ዝኸውን።” ድሕሪ ምባሉ ኣብ ኣስመራ፡ እግሪ ንምትካል ዘሕለፎ፡ ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ጉዕዞ፡ ናይ ዱበይ፡ ኣንጎላ፡ ሽወደን ምዕራፋት ህይወቱ ኣዕሊልና። ናተይ‘ውን ከምኡ።

Photo Courtesy of Emkulu Publishers

“….ኩሉ ሓሊፉ ሕጂ ግን ንዓይ ትኸውን ጥዕምቲ ሰብ ረኺበ ኣለኹ። ኣብ ኡጋንዳ መጺእና ክንምርዖ መዲብና ስለ ዘለና፡ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ብኣካል ክንራኸብ ኢና” ኢሉኒ።

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ምስ ሕጽይቱ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ንሳ ካብ ዱበይ፡ ንሱ ካብ ሽወደን ካምፓላ ኣትዮም። ድሕሪ 8 ዓመት ድማ ኣብ ቦታ ስደትና ብኣካል ተራኺብና። ንመዓልቲ መርዕኦም ካብ 2 ሰሙን ዝውሕድ ግዜ ምስ ተረፎ‘ዮም ካምፓላ ረጊጾም። ቅድሚ እታ ዕለት ኣብ ዝነበረ ቀዳመ ሰንበት፡ ቤተክርስትያን ክሳለሙ ኣንጊሆም ከዱ‘ሞ፡ ኣብ ምምላሶም ማዕጾ ቤቶም ተሰይሩ፡ ንወጻኢታት መርዓን መሐጸንን ተባሂሉ ብወገን ክልቲኦም ዝተኣከበ ገንዘብ፡ ስልማት መርዓት ብምሉኡ፡ ናይ ክልቲኦም ላፕቶባት… ተዘሪፉ፡ ገዛ ብዘይ ጥር ትብል ሳንቲም ጸንሓቶም። እዚ ኣጋጣሚ፡ ይትረፍ ንዕኦም ንዓይኳ ዝፈጠረለይ ስንባደን ጓህን ክገልጽ ዝኽእል ቃላት የብለይን።

ብናይ ውሽጢ ሓይልን ብርታዐን‘ምበር ብመጸናንዒ ቃላት ክብዳህ ዝኽእል ፍጻመ ኣይነበረን። ንሰማዒን ፈላጢን ፈታኒ ኣጋጣሚ‘ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ናይ ጸበባ ግዜ ከይተረፈ ምስ ኩሉ ምርድዳእን ኣርኣያ ምዃንን ዝኽእለሉ ተስፋጊዮርጊስ ግን ጸኒዑ፡ ንሕጽይቱ ኣብ ምጽንናዕ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ሓይሉ ተራእዩ። ብደገፍ ኣዕሩኽትን ፈተውትን ሽሻይ ዝወሓዶ ግን ከኣ ፍቕሪ ዘማሞቖ ስነ-ስርዓት ቃልኪዳንን መርዓን ፈጺሞም፡ ድሕሪ ሕጽኖት ነናብ ቦታኦም ተመልሱ።

ሓድሽ ሓዳሩን ኣብ ዓዲ ዝሓደጎም ደቁን ዝጠራንፈሉ ዕድል ንምርካብ ናብ ካናዳ መስርሕ ንምስላጥ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ጠቕሊሎም ናብ ኡጋንዳ ተኣኻኸቡ። ኣብ ዓመቶም ድማ ጓል ወለዱ። ባህጊ ዘርእስታ ቦኽሪ መጽሓፉ‘ውን ንማሕተም በቕዐት። ነዚ ክልተ ዓወታቱን ንሓፈሻዊ ገጻት ህይወትናን ዛዕባ ዝገበሩ ብዙሓትን ነዋሕትን ናይ ተለፎን ዕላላት ነይሮሙና። ብምኽንያት ኮሮና ጉዳዮም ተጎቲቱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈት ግንቦት ክድውለለይ ከሎ፡ “ናይ ከናዳ ጉዳይና ሰሊጡ‘ዩ ዝመስል። ደቀይ ከኣ ብሰላም ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ” ክብለኒ‘ዩ። ናይ መወዳእታ ዕላልና ድማ ኮነት።

ምስ ብዙሕ ትልሚታቱን ባህጉን፡ ምውዳቕን ከም ሓድሽ ህይወት ምጅማርን ከየሰናበዶ፡ ቃልሱ ኣብ ምዕራፍ ከየብጽሐ፡ ከርተቱ ብሩፍታ ከይተበርየ፡ ኣመና ቀልጡፉ‘ዩ ከይዱ።

ንስድራቤትን ፈተውትን ምጽንናዕን ኣኻእሎን እምነ!

 

*ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማዕከናት ዜናን ኤርትራ ስራሓታ ዘሕተመት’ያ። ይርጋኣለም ካብ መስከረም 2003 ጀሚራ ኣብ ትምህርታዊ ሬድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ምስ ምዕጻው ናይታ መደበር ሬድዮ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ንማእሰርቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሓ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ተፈቲሓ። ይርጋኣለም ካብ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 2018 ድሕሪ ምውጻኣ፡ ኣብዚ እዋን ብምትሕብባር ፐን ጀርመን ኣብ ዝወሃብ ናይ ጸሓፍቲ ማህደረ-ትምህርቲ ኣብ ጀርመን ትርከብ። ይርጋኣለም፡ ብመገዲ ኣሕታሚ እምኩሉ፡ ኣለኹ እትብል መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት ንምሕታም ኣብቂዓ ኣላ።

በዚ ስድዕብ ኣድራሻ ምርካባ ይክኣል።
Ymebfisseha@gmail.com

Print Friendly, PDF & Email