እንታይ ኣሎዎ (እንታይከ ዘይብሉ) እዚ ግዜ…

No comments

ግርማይ ዮውሃንስ*

ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ’ተን ልሳናት ህዝቢ ዝዀና ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታተንን ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍትሕን መሰልን ዝሓተቱ ኣባላት ባይቶን ዝወሰዶ ዓፋኒ ስጕምቲ ከም ጸላም ወርሒ ካብ ትጽብጸብ ነዊሕ ግዜ ኰይኑ ኣሎ። ድሮ ድማ 20 ዓመታት ሓሊፎም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እዚ 20 ዓመታት ’ዚ ከኣ ገለኦም ናይ ምንባር መሰሎም ተገፊፉስ ግዜኦም ማለት ናይ መወዳእታ ዕለት ዕረፍቶም ኣብ ዘሎዉዎ ኰይኖም ኣብ ምቝጻር ይርከቡ። ገለኦም ድማ ኣብ ዝተዳጐኑሉ ጕድጓድ ህይወቶም ተሰሪቖም ኣለዉ። 20 ዓመት – ዕድመ ሓደ ጎበዝ እዩ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኴንካ እንክትፈቕዶ ድማ “ግዜ እንታይ ኣሎዎ?” የብለካ። ኣብ ትሕቲ ጕድጓድ እሞ ኣብ መጫንቕ ኴንካ ዒሕታን እህህታን ዝተሓወሶ ፍቕዲ ግን መዋእል እዩ። ኣብ ልዋም ዘሎዎ ድቃስ ኴንካ ለይቲ ሓጺር እዩ። ኣብ ድቃስ ምስኣን ኴንካ ግን “ኣይወግሕን እዩ ለይቲ!” የብለካ።

መጽሔት ግዜ

ኣብ ምስሊ እዛ መጽሔት ንዕዘቦ ከም ዘለና፡ ግዜ ዝብል ጽሑፍ ተዓዃሊሉ ብሓደ ጫፍ እዩ ዝወጽእ ዘሎ። ገና እቲ መከራ ይቕጽል ኣሎ ንኸስምዕ ዝተገብረ እዩ። ነዞም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ፈቒድናዮምስ ገና ድማ ምፍቃድ ንቕጽል ኣለና እዩ እቲ ሓሳብ። እዛ መጽሔት’ዚኣ ድማ ግዜ ከይዱን ይኸይድ ኣሎን እሞ ነዚ ናይ ከተማ ጎተንበርግ ዓለም-ለኻዊ ምርኢት መጽሓፍቲ ኣጋጣሚ ብምግባር ብኹሉ ዓይነት መንገሪ (ብጽሑፍ መጽሔትን ብቓላት ልሳንን) ክንነግረሎም ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተበገሰ እዩ። ክሕግዙ ምስ ዝኽእሉ ክኢላታትን ዝምልከቶምን ሽወደናውያን ድሕሪ ምዝርራብ ተስፋግዮርጊስ ሃብተ (ነብሱ ይምሓሮ) ከምኡ ድማ ሞጎስ ዑቕባሚካኤል (ዳይረክተር ፔን ኤርትራ) ከም ቦርድ ምስንዳእ ገይራ ዝተበገሰት እዛ መጽሔት ’ዚኣ፡ ብምሉኡ ኣሳእል ጋዜጠኛታት፡ ጋዜጣታትን ገለ ጽሑፋትን ካብ መርበብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራን ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን፡ እቲ ዝበዝሕ ጽሑፋት ድማ ካብ ዓርከ-መሓዙትን ቤተሰብን ብዝተወሃሃደ ከም ዓንዲ ሕቘ ገይራ ተበጊሳ። ብተሳትፎን ሓገዝን ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ሰባትን ኣካላትን ጽሑፋት ትግርኛ ምስተኣከበ ብተርጓምነት ካልድ ኣበራ ናብ እንግሊዘኛ ድማ፡ ብሽወደናውያን ክኢላታት ናብ ሽወደንኛ ተተርጒሙ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብሓገዝን ተሳትፎን ብዙሓት ሽወደናውያን ክኢላታት መጽሔት ኣኺላ።

ኣብዛ ውጽዕቲ ሃገርን ውጹዕ ህዝብን ክንደይ ፍጻመታትን ታሪኻትን ተመዝጊቡስ እናተገንጸለ ዝንበብ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ቀደም ክሳዕ ሎሚ፡ ብጓናን ብዋናን ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ፡ ካብ መከራ ናብ መከራ ኣብ ዝሰጋገሩሉ ሓዲድን መንኮርኮርን ኣወጢሑ ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝጓዓዙ ገይሩዎም ኣሎ። መግዛእትን ጭቈናን ነታ ሃገርን ህዝባን ሓድሽ ኣይኰነን። እታ ሃገርን እቲ ህዝብን ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ መግዛእቲታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት እዮም ነይሮም። ዓይነት ኣገዛዝኣን ዓይነታት ገዛእትን እናተቐያየሩ ድማ ነቲ ህዝቢ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ህይወቱ ክሳዕ ዝኣኽሎ ኣዳኺመሞ እዮም። ናይዚ ዳሕረዋይ ክፋል ህይወትን ኵነታትን ናይታ ሃገርን ናይቲ ህዝብን ዝተፈልየ ዝገብሮ ግን፡ ብዋናታት ዝካየድ ዘሎ መግዛእቲ ምዃኑ እዩ።

ኣብዛ ውጽዕቲ ሃገር’ዚኣ፡ ደቂ እቲ ውጹዕ ህዝቢ፡ ዝመሰሎምን ዝኣመኑሉን ክሓስቡን ክዛረቡን ብምኽኣሎም፡ ልሳን ህዝቢ ብምዃኖም፡ እሞ ድማ ንመግዛእቲ ምእንቲ ክጥዕም ልሳን ህዝቢ ክዕበስ ስለ ዝተደልየ ጥራይ ብዘይክስን ብዘይፍርድን፡ እቶም ናይ ትማሊ ድምጺ ህዝቢ ንነብሶም ’ውን ክኾኑ ኣብ ዘይክእሉሉ ሓደጋ ወዲቖምስ ኣፎም ተዓቢሱ ኣብ ጐዳጕዲ ይበልዩ ኣለዉ። እቶም ሕጊ ናጻ ፕረስ ዝሃቦም ዕድል ተጠቒሞም ሞያዊ ግዴታኦም ኣብ ምዕማም ዝነበሩ ኣካየድተንን ኣገልገልቲ ህዝብን ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ካብ ዕለት 23–27 መስከረም 2001 ኣብ ዘሎዉ ዕለታት ከካብ ገዝኦምን ዓዲ ኣማን እዩ ዘሎ ኢሎም ወፊሮምሉ ካብ ዝነበሩ ቦታታትን ተለቒሞም ከም ዝእሰሩ ተገይሩ። ካብቲ ዕለትን ግዜን እቲ ጀሚሩ ድማ ”እገለ መይቱ፡ እገለ ሓሚሙ” ዝብል ወረ እንተዘይኰይኑ ንሃለዋቶም ብዝምልከት በቲ መንግስቲ ዝተዋህበ ዋላሓንቲ ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን። እቲ ቃልሲ ኣብ መንጎ ምውጸኦምን ዘይምውጸኦምን ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መንጐ ምርስዖምን ዘይምርስዖምን ከኣ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ቃልሲ፡ ስርዓት እታ ሃገር ፍጹም ንኽርስዑ ጻዕሪ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ ብዝተኻእለ መጠን ከም ዝዝከሩን ድምጺ ኣውያቶም ካብ ዘዘሎዉዎም ጐዳጕዲ ከም ዝስማዕን ንምግባር በብዘለናዮ ድምጺ ንኽንኰኖም እዩ። ወርሒ መስከረም ከኣ ክንነግረሎም ቃልናን መብጽዓናን ነሕድሰላ ወርሒ ከም ምዃና መጠን መበል 20 ዓመተ-መጭወይቶም ምኽንያት ብምግባር ትሕተም ብዘላ መጽሔት ኣቢልና ንዝክሮምን ንነግረሎምን ኣለና።

ግዜ ‘ንታይ ኣሎዎ፡ ግዜ ሸባዕባዓ! ተጠቓሊሉ ተጠቓሊሉ 20 ዓመታት ኣቝጺሩና ገና ድማ ይቕጽል ኣሎ።

እዛ መጽሔት ’ዚኣ ንዝኽሪ መበል 20 ዓመታት ናይ’ቶም ኣብ ጐዳጕዲ ዝበለዩን ዝበልዩ ዘለዉን እሱራት ጋዜጠኛታት ዝተዳለወት መጽሔት እያ። ኣብ ውሽጣ ድማ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ምስ ኣረርባዕተ ገጻት ዘሎዎ ትሕዝቶ (ጽሑፍ ድሕረ-ባይታኦም፡ ስእሎምን ስእሊ ጋዜጣታትን) ብሰለስተ ቋንቋታት (ትግርኛ፡ እንግሊዘኛን ሽወደንኛን) ሓቚፋ ኣላ። እቶም 12 ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ጐዳጕዲ ዘለዉ ክዀኑ ከለዉ እቶም ኣርባዕተ ድማ ካብ ሃገር ወጺኦም ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ በብእዋኑ ብሞት ዝተፈልዩ እዮም። ብኣገዳስነት ድማ ኣብዛ መጽሔት ተኻቲቶም ኣሎዉ። ንሳቶም ድማ፡

  1. ማቴዎስ ሃብተኣብ 2. ስዩም ጸሃየ 3. ዳዊት ሃብተሚካኤል 4. ዳዊት ኢሳቕ 5. ፍስሃ ዮውሃንስ-ጆሽዋ 6. ኣሮን ብርሃነ           7. ኣማኑኤል ኣስራት 8. ተመስገን ገብረእየሱስ 9. ሳህለ ጸገዘኣብ-ወዲ ኢታይ 10. ሚልክያስ ምሕረትኣብ 11. ዮሱፍ መሓመድዓሊ 12. እድሪስ ኣቡዓረ 13. መድሃኔ ሃይለ 14. ስዒድ ዓብደልቃድር 15. ተስፋግዮርጊስ ሃብተ 16. ፕሮፈሶር ኡላ ካርልሶን (ብኣገዳስነት) እዮም 17. ሰለሙን ኣበራ።

ኣብዛ መጽሔት ብጽሑፍን ካልእን ዝተሳተፉ ሰባትን ኣካላትን፡

1, ተስፋግዮርጊስ ሃብተ(ቦርድ ምስንዳእ) 2, ሞጎስ ዑቕባሚካኤል (ቦርድ ምስንዳእ) 3, ደሳለ በረኸት 4, ቴድሮስ ኣብርሃም ጸጋይ 5, ክብሮም ደሞዝ 6, ኣኸድር ኣሕመዲን 7, ካልድ ኣበራ 8, ሳሚአል ቢዘን 9, ካሕሳይ በርሀ 10, ጸጋይ መሓሪ 11, የዕብዮ ገብረመድህን 12, እስቲፋኖስ ተመልሶ 13, ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል 14, ክፍለዮውሃንስ ተወልደብርሃን-ጎርድም 15, ሰለሙን ኣበራ 16, ኣሮን ብርሃነ 17, መርበብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ 18, መርበብ ሓበሬታ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

ከከም እዋኑን ግዜ ዝጠልቦን ኣብዛ መጽሔት ተጠርኒፎም ዘለዉ ጽሑፋት ኣብዚ መርበብ ፐን ኤርትራ ከነካፍል ኢና።

__________________________________

*ግርማይ ዮውሃንስ ደራሲ ፊልምታት፡ ገጣሚን ጋዜጠኛን ኰይኑ ኣሰናዳኢ እዛ ሓዳስ መጽሔት (ግዜ) እዩ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝርከብ ጸሓፊ ብzebenawit@gmail.com ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

 

Print Friendly, PDF & Email