ኣብ ከብድና ዘይወዓሉ
ኣጋይሽ በጻሕቲ
ንዓና ዘይመስሉ
ነዚ ሓለትና
ሓለት ተኸዋሊ
ጨጓር ንውሽጢ
ልሙድ ንላዕሊ
ቀቢኦም . . . ቅብኣ በረከት
ዓጊብናሉ ኸኣ
ስእላዊ ዕግበት።
ቀንጠ-መንጢ
ኢደ እግሪ እናመንጠለ
መናድቕ ገዛ
ድኽነትና
ኩባዕ እናዘለለ
ስታስቲክስና
ሰማይ ምስተሰቕለ
ደጊሙ ነብስና ዓጊቡ
ማና ጸብጻብ
ኣሃዝ ተመጊቡ።
ሕጂ ግዜ ምስ ዛረየ
ግብሪ እንተጸወየ
“ኣንቆልቊሉ. . . ተዋሒጡ
ተሃስዩ . . . ባይታ ዘቢጡ”
እናበልኩም ኣይትጫረቱና
ነታ ነናይ ሓሳብ ባኒ’ኳ
ርኢና ከይንስእና።
መምህር ተኽለ ተኸስተ
ጋዜጣ ዘመን 2001
(ካብ ሰብትን ታቦትን፡ ምስ ካልኦት ሕሩያት ግጥምታት (2019) ብመኮነን ተስፋይ ዝተረኽበ)