ኣይትጫረቱና

No comments

ኣብ ከብድና ዘይወዓሉ

ኣጋይሽ በጻሕቲ

ንዓና ዘይመስሉ

ነዚ ሓለትና

ሓለት ተኸዋሊ

ጨጓር ንውሽጢ

ልሙድ ንላዕሊ

ቀቢኦም . . . ቅብኣ በረከት

ዓጊብናሉ ኸኣ

ስእላዊ ዕግበት።

ቀንጠ-መንጢ

ኢደ እግሪ እናመንጠለ

መናድቕ ገዛ

ድኽነትና

ኩባዕ እናዘለለ

ስታስቲክስና

ሰማይ ምስተሰቕለ

ደጊሙ ነብስና ዓጊቡ

ማና ጸብጻብ

ኣሃዝ ተመጊቡ።

ሕጂ ግዜ ምስ ዛረየ

ግብሪ እንተጸወየ

“ኣንቆልቊሉ. . . ተዋሒጡ

ተሃስዩ . . . ባይታ ዘቢጡ”

እናበልኩም ኣይትጫረቱና

ነታ ነናይ ሓሳብ ባኒ’ኳ

ርኢና ከይንስእና።

 

መምህር ተኽለ ተኸስተ

ጋዜጣ ዘመን 2001

(ካብ ሰብትን ታቦትን፡ ምስ ካልኦት ሕሩያት ግጥምታት (2019) ብመኮነን ተስፋይ ዝተረኽበ)

Print Friendly, PDF & Email