ኣቲ ብርዒ

No comments

ለካቲት 7 2021

ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ

መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ?

መወልዒ ሽምዓ

መድለይ ሓቂ

ክንዲ መርፍእ

ክንዲ ዕንቊ

ጠፊኣትኒ ኣብቲ ሓሰር

ሓሰር ኣፍሪቃ

ገለን ብምጥምየት

ገለን ብሕማም ብምዅስታር

ገለን ብምሳር ብምምታር

ገለም ብምእሳር ገለን ብምሕሳር

ክንዲ ደቃ ምስርሳር

ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ

መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ?

 

ዶ/ር ርእሶም ሃይለ

ምንጪ–ዕንክሊል (2002)

Print Friendly, PDF & Email