ለካቲት 7 2021
ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ
መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ?
መወልዒ ሽምዓ
መድለይ ሓቂ
ክንዲ መርፍእ
ክንዲ ዕንቊ
ጠፊኣትኒ ኣብቲ ሓሰር
ሓሰር ኣፍሪቃ
ገለን ብምጥምየት
ገለን ብሕማም ብምዅስታር
ገለን ብምሳር ብምምታር
ገለም ብምእሳር ገለን ብምሕሳር
ክንዲ ደቃ ምስርሳር
ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ
መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ?
ዶ/ር ርእሶም ሃይለ
ምንጪ–ዕንክሊል (2002)