ኣብ 2009 ካብ ዝተኻየደ ቍንጫል ወግዒ-በየነ ሃይለ

No comments

 ኢሳያስ በየነ*

 

 ኢሳያስ በየነ፤ ኣብቲ ብደራሲ በየነ ሃይለ ዝምራሕ ዝነበረ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ስራሕ ብዝጀመረ፣ ንበየነ ብቕርበት ከዕልሎ፡ ክዕዘቦ፡ ክብርብሮ፡ ክሓትቶ፡ ከድንቖን ክሳብ ክስዕቦን ከኣለ። ኣብ 2009፡ ን11 ሰዓታት ምስ በየነ ካብ ዝገበሮ፡ ብድምጺ ናይ ዝተሰነደ ሰፊሕ ወግዒ፣ ቍንጫል ትሕዝቶ እነሆ።

_______________________________________________

 

ካብ ዓዲግራት ኣትሒዙ ዝጀመረኒ ጎቦ ምድያብ ኢልካ ከመይ እዩ እዚ

 እዚኣ ብጣዕሚ’ያ ተስሕቐካ። ዝዀነ ሰብ ዝበዝሕ ግዜስ ንበይኑ ጎቦ ክሓኵር ኢሉስ ንበይኑ ኣይከይድን እዩ። ኣነ ግን ዋላ’ኳ ኣብ ከተማ እንተዓበኹ፣ እቲ ጎቦታት ሽዑ ክርእዮ ከለኹ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ። ዓዲ- ግራትሲ በቲ ሽዑ ብጣዕሚ ጽብቕቲ እያ ነይራ። ስለዚ ብርሑቕ ዝርኣኽዋ ጎቦ ክድይባ ኣለኒ ኢለ ይድይባ። ኣብቲ ላዕሊ ምብጸሐይ ጥራይ የሐጕሰኒ። ምስ ጎቦስ እዚ ዘይባሃል ፍቕሪ ነይሩኒ። ንሓንሳብ ምስቶም መማህርተይ’ውን ይኸይድ እየ። ‘ንተዘየሎ በይነይ ይኸይድ። ደሓር ኣብቲ ስድራቤት እዚ ዘይበሃል ወቐሳታት እዩ። ምኽንያቱ፣ ከምቲ ዝበልኩኻ፣ ሓደ ወዲ እየ። ግን ነቲ ጎቦ፣ ኣእማን ክርእዮ ይፍተወኒ። ክሳብ ሕጂ’ውን ኣይወጽኣለይን፣ ዋላ ኣብ ድኳን ትበርህ እምኒ፣ ደንጎላ፣ ጎቦ ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ዝጽሕፎ ኣሎ። መልእኽቲ ናይ ሃገር ካብ ጎቦ እዩ ዝወርድ’ውን ይብል እየ። ደሓር ምስ ዓበኹ፣ ብዙሕ ጎቦ ንምሕኳር ዕድል ኣይጎነፈንን።

እቲ ጎቦ ምድያብ እንታይ ትርጉም ይህልዎ ይኸውን፧ ዋላ ድሒርካ ዝፈለጥካዮ፡ ናይ ምንታይ ሕማም ይኸውን

ሕጂ ከተዛርበኒ ከለኻ፣ ክንደይ ኣንቢበ፣ ክንደይ ትርጉማት ፈሊጠ። ናተይ ዘይኮነስ ናይ ብዙሕ መጻሕፍቲ። በዓል ‘ማጂክ ማውንተን’ ናይ ቶማስ ማን ዝገበረለይ ጽልዋታት ኣሎ። በዓል ኒቸ ‘ዛራቱስትራ’ ኢሉ ዝጸሓፎ፣ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ጎቦ ኾይኑ’ዩ ዝጭድር። በዓል ክርስቶስ ተበልካዮ ኣብቲ ጎቦ ምስ ፔተር ኮይዱ ሰለስተ ኣደራሽ ስራሕ ክብሎ ከሎ። ብፍላይ እዛ ናይ እየሱስ ብዙሕ ትርጉም እያ ትህበኒ። ነታ ጎቦ ማውንት ኦቭ ተምፕተሽን ትባሃል ከይደ ርእየያ ኣለኹ። ኣብ ኤርትራ’ውን ንዓኣ ትመስል ርእየ ኣለኹ። ስለዚ እቲ ናይ ጎቦሲ እቲ መንፈስካ፣ ኣተሓሳስባኻ ናብ ላዕሊ የብለካ። ኣብቲ ናብራኻ ፍልስፍና ትሕውስ። ኣብቲ ሜዳ እንተኾንካ ድማ ፕራክቲካል ሰብ ኢኻ ትኸውን። ስለዚ እታ ጎቦ መልእኽቲ ትቕበለላ፣ መልእኽቲ ተተሓላልፈላ እያ። ሕጂ’ውን ኣብ ማነጅመት ከይተረፈ ‘ዋላ’ ኢና ንብል ዘለና። እምባትካላ’ውን ኣብ ጎቦ፣ ጥቓ ደብረ ቢዘን እያ ዘላ፣ ንዓኣ ክንመስል ኣለና’የ ዝብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትዝክሮ ፍሉይ ነገር እንታይ ኣሎ፧

ብዙሕ እዩ። እተን ኣርባዕተ ዓመትሲ ብዙሕ ነገራት እዩ ንዓይ ንህይወተይ ነጠማምታይ ዝቕይር ነገራት ነይሩ። ተዛሪብካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። መጀመርያ ምስቶም ተማሃርቲ እንድሕር ወሲድና፣ እቶም ኤርትራውያን ልክዕ ዝተሰደድና ኢና ንመስል። ሒደት ኢና፣ ሓደ ናይ ምዃን ድሌታት ነይሩ። ዳርጋ ፍርሒ’ውን ኣለካ፣ ክንታሓጋገዝ ኣለና ኢኻ ትብል፣ ንሳቶም’ውን [እቶም ኢትዮጵያውያን] ከም ወጻእተኛታት ገይሮም እዮም ዝጥምቱኻ። ዋላ እቲ ዓድና’ውን ኣይፈልጥዎን እዮም። ጥቓ ዓዲ ጥልያን ዘለና እዩ ዝመስሎም ነይሩ። ‘ዓድኹም ክትከዱ ከለኹም ካቦት፣ ሰዓት ሒዝካለይ ምጻእ’ ይብሉኻ። ስለዚ ምፍላጥ ከምዘየሎ ተረዲኡኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከድካ፣ እቲ ኢትዮጵያዊ እየ ዝብልሲ ነታ ዓዲ ኣይፈልጣን እዩ-ብጀካ ሓንቲ ማእኸል እቲ ንጉስ ዝነበራ። ኤርትራ ክንበሃል ከለና ንሕናስ ከምዚ ክፍሊ ናይ ኢትዮጵያ ዝኾንና ኮይኑ እዩ ዝስማዓና ነይሩ። ተራኣኻዮስ ኣይኮነን። ‘ኣብ ጥቓ ዓድኹም ድዩ ዘሎ እቲ ዓዲ ጥልያን፧’ ይብሉና ነይሮም። ብዛዕባ’ቲ ኣንድነት እናተባህለ ዝግበር ዝነበረ፡ በዓል ኣቦይ ዝገበርዎስ ኣብኡስ ኣይፈልጥዎን እዮም። ንሕናስ ከምዚ ምስ ጥልያን ባዕሊግና ነይርና ባዕሎም ዝመለሱና እዩ ዝመስሎም ነይሩ። ስለዚ ፖለቲካል ለቨል እንተወሰድካዮ፣ ኣፍልጦ ከምዘየሎ የረደአካ። ኣብቲ ሶሻል’ውን ከምኡ፣ ነቲ ዝፈላሊ እዮም ዘርእዩኻ’ምበር ነቲ ሓድነት ነገር ኣይኮኑን። ብሓጺሩስ ኢትዮጵያ ዝበሃል ከምዘየሎስ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ሱቕ ኢሉስ ኣርተፊሻል ዝተጣበቐ ድርዕቶ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ኢትዮጵያ ዝበሃል ባህሊ የለ፡ ገለ የለ ብጀካ እተን ዝፈጠርወን ታሪኽ። ኣነ ግን እንታይ ኣገዲስኒ፣ እቶም ኣምሓሩ ከይኰኑ እቶም ካልኦት ብሄራት ምፍላጦም እዩ። ንዕኦም ምፍላጥ ልክዕ ከም ስረሐይ ወሲደዮ። ብሕልፊ ምስቶም ኦሮሞ ተፋሊጠ፣ ተዓራሪኸ ገዝኦም ይኸይድ፡ ብዛዕባ ናብራኦም ክፈልጥ ክኢለ። ምስ ጕራጌ፣ ሶማሊን ኦጋዴንን ተፋሊጠ። ግን እዚታት ምፍላጥ ምስቶም ኤርትራውያን ፈላልዩኒ። ምኽንያቱ እቶም ኤርትራውያን ነታ ዘላ ፈሊጦም ነቲ ኻልእ ዝግድሶም ኣይነበረን። ኣነ ግን ካብ ምሒር ምፍላጥ ምስቶም ካልኦት እቲ ናይ ኢትዮጵያ ነገራት ብዙሕ በሪሁለይ። ዋላ እንዳ ሜስ እየ ዝኸይድ ነይረ። ክሰቲ ዘይኮንኩስ ምስቶም ዓበይቲ ከዕልል። በተን ኣርባዕተ ዓመትሲ ብዙሕ ለውጢ እየ ኣምጺአ። መጀመርያ በቲ ዘንበብክዎ፣ ብስእሊ፣ ብሙዚቃ ብዙሕ ሰጒመ። ብዛዕባ ነብሰይ’ውን እታ መንነተይ ኣብኣ’ያ የዐርያ ተቐሪጻ። ቅድሚኡ ኣብቲ ዓዲ-ግራት ከለና፣ ‘መን እየ ኣነ፣ እንታይ ኢና ንገብር፣ ኣብዚ ድዩ ሰፈርና’ ዝበልኩሉ እዋናት ነይሩ። ኩሉ ግዜ እታ መንነት ትበሃል ምስ ኣሰከፈትኒ እያ። ኣብታ ኣዲስ ኣበባ ግን ኣጸቢቓ በሪሃትለይ። ካልእ ይትረፍ ናይ እምነተይ፣ እቶም ዝበልኩኻ ጀዚዊት ጸዓዱ እዮም፣ ስለዚ እቲ ናቶም እምነትሲ ናተይ እምነት ድዩ፧ እናበልኩ ነቲ ሃይማኖት ከም ብሓድሽ ከም ዝሓስበሉ ገይሩኒ። እቲ ሱቕ ኢለ ዝቕበሎ ዝነበርኩ ክሓተሉን ከሕስበንን ጀሚሩ። እቲ ኣተሓሳስባይ ግልብጥብጥ ኣቢሉኒ። ሕጂ ኣብቲ በዓል መዝገበ ክትሪኦ ከለኻ፣ ናይቲ ዝርኣኽዎ ቅቡል ዝነበረ ኣተሓሳስባታት ክቕበሎ ኣዝዩ ይብርትዓኒ ስለ ዝነበረ፣ ዋላ እቲ ዝነበርክዎ ካልኣይ ደረጃ ዝበለጸ እዩ ዝበሃል፡ ግን ኣነ ጉድለታቱ ይረኣየኒ ነይሩ። ዋላ እቲ ትምህርቱ ብዙሕ ኣይቅበሎን እየ። ንሱታት እዩ ኣብ መዝገበ ኣብጺሑ። ምናልባት ናይ ንእስነተይ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ‘ባዕለይ እየ ‘ንተተማሃርኩ’ምበር ካብ ሰብሲ ክንደየናይ ክብል ጀሚረ።  ስለዚ ኣብ ናይ ዓለም ፍልስፍና፣ ታሪኽ፣ እምነት፣ ፖለቲካ ብዙሕ ሰጒመ። ናይ ኤርትራ የዐርዩ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ሽዕኡ እቲ ፈደረሽን እንድዩ ነይሩ፣ ዳርጋ ናብ ምፍራስ ገጹ፣ እቶም ኤርትራውያን’ውን ክርድኦም ጀሚሩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል በበይኑ ምዃኑ ክርደኣና ጀሚሩ። ግዙኣት ምዃንና ተረዲእና።

ቐይዲ ወይ ሕጊ ብዙሕ ከምዘይብርሃካ ኣዕሊልካኒ ነይርካ . . .

ኣነ ከምዚ ጸቕጢ ዝገብረለይ ሰብ ኣይፈቱን እየ፣ ኣነ’ውን ንሰብ ጸቕጢ ክገብር ኣይደልን እየ። እቲ ቤት ትምህርቲ እምብዛ ሕግታት ነይርዎ። ከም ዝብልዎ ካብ ናይ ውትህድርና ዝብርትዕ እዩ። እቲ ቀይድታት ብልበይ ክቕበሎ ኣይክእልን እየ። ንኣብነት ሓንቲ ቦታ ነይራ፣ ‘ናብኣ ገጽኩም ኣይትሕለፉ ወይ ኣይትኺዱ’ ይብሉና ነይሮም። ትርጕማ ኣይተረደአንን እያ-ስለምንታይ ከልኪሎማ። ዝገበርኩ ገይረ በታ ቦታ ይሓልፍ-ባህታ ይስማዓኒ። ከምዚ ኣናርኪስት ዝብልዎ ኰይነ ከይኰንኩስ፣ እቲ ሕጊስ ንምንታይ ኣድለየ፣ ናጽነት ስለምንታይ ዘይበዝሕ፣ ሰብ ባዕሉ ዘይፈጥር ዝብል ኣተሓሳስባ ድማ ነይሩኒ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለኻ ስለምንታይ ናይ ደርፊ ግጥምታት ትእክብ ነይርካደራፋይ ናይ ምዃን ሕልሚ ነይሩካ ድዩብልክዕ እንታይ ወይ ክንደይ ዝኣክል ኢኻ ኣኪብካ

ከይተፈለጠካ መራሒ ትኸውን ኢኻ። መራሒ ክበሃል ከሎ ብብዙሕ መንገዲ እዩ። ብስፖርት ንፉዕ ትኸውን እቶም መሳቱኻ ምሳኻ ይኸዱ ወይ ብትምህርቲ ወይ ብኻልእ። ኣነ ብሓደ ሓደ ኣተሓሳስባታት ከምዚ ናይ ምምራሕ ነይሩኒ። ባህልና ኣለና ዝብል ዓይነት ክስማዓኒ ጀሚሩ። ገሊኦም ኣብኡ ዝዓበዩ ናተይ መሪሕነት ዘድልዮምሲ ነይሮም። ናትና ደርፊ ኣለና። ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ክጽሕፎ ጀሚረ። እታ ጥራዝ ክሳብ ሎሚ ኣላ። ገሊአን ባዕለይ ዘውጻእክወን እየን፣ ገሊአን ድማ ንኹሎም እናሓተትኩ ዘዝዘከርዎ ደርፊ ይጽሕፎ። ከምኡ ኣናገበርኩ ክእክብ ጀሚረ። ደርፊ ክእክብ ዝገብረኒ ዘሎ እንታይ እዩ እንተኢልካኒ፡ እቲ ኣነነተይ ወይ ንስነተይ ይስማዓኒ ነይሩ ማለት እዩ። ‘ንሕና’ውን ደርፊ’ኮ ኣለና’ መበሊ ይኾነኒ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብቲ ረድዮ ትግርኛ ዝበሃል የለን። ኦፔራ ምስ ሰማዕኩ ከምኡ ኣብ ኤርትራ ክግበር ይብል። ስለዚ እታ ጥራዝ ኣላ፡ ሓደ መዓልቲ ክትረኽባ ኢኻ።

ዓቢዱ ትብልዎ ክትጽሕፍ ከለኻ ኣብ ኣስመራ ኢኻ ነይርካ። እቲ ግዜ ድማ እዋን ፈደረሽን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ እዋን ማለት ናብራ ኤርትራውያን፣ ስርሖም ኣነባብረኦም ወዘተ ኣዕልለኒ።

እቲ ኣነባብርኦም ብዙሕ ክርድኣኒ ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ንእሽተይ እየ ነይረ። ግን እቶም ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ኣዲስ ኣበባ ክርእዮም ከለኹ ሃዲሞም ዝመጹ ኮይኖም እዮም ዝስምዑኻ። እቲ ቋንቋ ክዛረብዎ ከለዉ ዘይናቶም ምዃኑ ይርድኣካ፣ ብሓንሳብ’ዮም እክብ ዝብሉ። ኵሉ-ዅሉ ርኢኻ ዘይዓዶም ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ናብ ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ ዘብጽሓኒ ዘሎ ቀዳማይ፤ እተን ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝተኣከባ እየን። ብፍላይ ስነ-ጥበብ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ብዙሕ ኣንቢበ ኣለኹ። እቲ ሙዚቃ፣ ስነጽሑፍ፣ ስእሊ ዳርጋ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ፈሊጠ ኣለኹ። ብዙሓት ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ጸሓፍትን መጻሕፍትን ኣንቢበ ኣለኹ። ቶልስቶይ ከይተረፈስ ኣንቢበዮ ነይረ። ቀንዲ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሕለፍክዎ፡ ዝተማራመርክዎ’ዩ ንኽጽሕፍ ዘብቀዓኒ ዘሎ። ክጽሕፍ ከለኹ ኣብ ኣስመራ ድኣ ይንበር እምበር እታ ጥንሲስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከለኹ ብፍላይ ኣብቲ መወዳእታ’ያ ተጠኒሳ። ኣብ ዉሽጠይ መዝገበ ዝመስል ይራኣየኒ ነይሩ ወይ ኣነ ንባዕለይ መዝገበ እየ ነይረ፡ ሓይሊ ድኣ ኣይነበረንን’ምበር። ከም መዝገበ ነይረ እንተዝኸውን ብዙሕ ነገራት ፍንጥሕጥሕ ኣቢለ ምቐየርክዎ ነይረ። ኣብ ዓዲ ግራት እወ ኣብ ዓዲ ግራትካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ እናመጻእኩ ከለኹ፣ ኣብቲ ዓዲ ግራት ምስ በጻሕኩ’የ ጽሒፈያ። ኣብ ዓዲ ግራት ምስ በጻሕኩ እታ መእተዊ ናይታ ታሪኽ ተራእያትኒ። ኣስመራ እትው ምስ በልኩ ከይትጠፍኣኒ ቅልጥፍ ኢለ ሓደ ገጽ ወይ ክልተ ገጽ ዝኣክል ጽሒፈ። ብርግጽ ኣብቲ ‘ስታይል’ ብኣውት ላይን ኣይሰርሕን እየ። ሱቕ ኢለየ ዝሓስብ፣ ዝጽሕፍ። እቲ ታሪኽ ድማ ምስ ሓሳበይ እዩ ዝምዕብል። ንኣብነት መዝገብ ከም ዝመውት ካብ መጀመሪኡ ኣይፈልጥን’የ ወይ ኣይርድኣንን እዩ። ጥራይ ኣብ ሓንጎለይ ሓደ ህልውና እዩ ዝቕረጽ ወይ ዝፍጠር። በጋጣሚ ድማ ኣስመራ ምስ መጻእኩ፣ እታ ባንዴራ ኣውሪዶማ ስለ ዝነበሩ፣ ኣብ ዓዲ ግራት’ውን ኩሉ ግዜ ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል (ሕምብርቲ) እታ ከተማ ፒያሳ ኣብ ዝብልዋ’ያ ቦታ ዝነበረት፡ ባንዴራ ክትወርድ ከላ ትዝከረኒ እያ። እቲ ዓዲ ግራት ናይ ወታሃደር ዓዲ እዩ፣ ምኽንያቱ ዶብ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ወታሃደራት ተሰሪዖም መጺኦም’ዮም ዘውርድዋ። ኩሉ ግዜ ዓቢ ሰረሞኒ እዩ። ነቲ ህዝቢስ ይነግርዎ እዮም ነይሮም ‘ተገዚእካ ኢኻ ዘላኻ’ እዮም ዝብልዎ ነይሮም። ምኽንያቱ ትግራይ ንሕና ቅድሚ ምምጻእና ምልዕዓል ኣካይዶም ነይሮም-ወያነ ዝበሃል። ስለዚ እዛ ባንዴራ እያ ትገዝኣካ ዘላ እዮም ዝብልዎ ዘለዉ። መዝገበ ምስ ሓብቱ ከም ዝሓልፍ ዝገብሮ ዘለኹ’ውን ዳርጋ ንዓይ’ውን ኣብታ ባንዴራ ዝነበርታ ከይኰነስ በቲ ቤተ-መንግስቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ክሓልፍ ከለኹ፡ እቶም ወታሃዳራት ‘ቑም’ ገለ ኢሎም ኣሰንቢዶምኒ ነይሮም እዮም። ኣነ ድማ ክስንብድ ዝኽእል እየ ነይረ። እታ ቁም ትብል ክሳብ ሕጂ ኣይፈትዋን እየ። እዚታት ተኣኻኺቡ’ዩ ሓደ ምልክት ፈጢሩ።

ብምንታይ ኢኻ ጽሒፍካያ-ኣብ ምንታይ ዓይነት ወረቐት፣ መዓስ-መዓስ ትጽሕፋ ነይርካክንደይ ግዜ ወሲዳትልካስለምንታይ ጽሒፍካያ

መጀመርያ ኣብ’ዛ ሕጂ ዘለነያ ከይኰነት፡ ቀደም ዝነበርናዮ ገዛ እንዳ ኪዳነምህረት እየ ጽሒፈያ። ኣብ ሳሎን ትሕት ዝበለት ጣውላ ኣላ፣ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣላ፣ ቁሩብ ድፍእ ኢለየ ዝጽሕፋ ነይረ፣ እተን ወረቓቕቲ እንተ ካብ ስራሕ ናይ ኣቦይ ኣምጽአየን ወይ ካብ ካልእ ኣይዝክሮን እየ፣ ሕርፍፍ ዝበለ ኤ-4 ከምዚ ናይ ሎሚ ልሙጽ ኣይኮነን፣ ኣለዋ ንሰን’ውን፣ ኣብ ክልተ ይዓጽፈን፣ ኣርባዕተ ገጽ ይኾናለይ። ብርሳስ – እታ ርሳስ ግድን ብጫ ክትከውን ኣለዋ፣ ኩሉ ግዜ ክጸርባ ኣለኒ፣ ኣብ ሓንቲ ቦታ ዀይነ ጽሒፈያ። ምናልባት ኖት ኣብ ካልእ ቦታ ይወስድ ነይረ ይኸውን እየ፡ ግን ኣብ ሓንቲ ቦታ ኰይነ እየ ጽሒፈያ። እቲ ግዜ ክረምቲ እዩ ነይሩ፣ ከባቢ ዓሰርተ ወርሒ ወዲኣትለይ፡ ካብ ሰነ – የካቲት። ንዓኣ ጥራይ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ብርግጽ የዕሩኽ ነይሮምኒ፣ ምስኣቶም ዘይረ ይመጽእ፣ ስእሊ’ውን ይስእል ግን ኩሉ ግዜ ብሰንሰለት ናታ ተታሒዘ እየ። ቀዳማይ ትዅረት ንዓኣ እየ ዝህባ ነይረ። ኣነ ናይ ግዜ ነገር ብዙሕ ኣይርድኣንን እዩ፡ ከብቢ ዓሰረተ ወርሒ ሰሪሐ እየ። ዳርጋ ዓመት በሎ።

ናይ መጀመርያ ተመስጦኻ ወይ ተመኵሮኻ ኣብ በይሩት ከመይ ትዝክሮብዛዕባ ሊባኖስ ብፍላይ ድማ በይሩት እንታይ ትፈልጥ ነይርካ

ሓቂ ዘረባ ብዛዕባ በይሩት ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ግን ቅድሚ በይሩት ምኻድና፣ ኣብ ግብጺ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ጸኒሕና፣ ስለምንታይ ከም ዝቐነኹ ኣይዝከረንን። ኣብ ግብጺ፣ ፒራሚዳት፣ ስፍኒክስ ክርኢ ክኢለ። ሽዕኡ ዝሳኣልክዋ ስፍኒክስ ክሳብ ሕጂ ኣላ። ብዛዕባ ስፍኒክስ ካብ ቅድሚኡ’ውን ኣብ ጽሑፍ ይፈልጣ ነይረ እየ። ንበይሩት ግን ብዙሕ ኣይፈልጣን እየ። በቲ ታሪኽ ግን ቀደም ፈኒሻ ከም ዝነበረት ተማሂረዮ ኣለኹ። ብዝኾነ ምስ ኣተኹ፣ ምጭውቲ፣ ሰላም ዝሰፈና፣ ትፍተወካ ከተማ፣ እቲ ዩኒቨርሲቲ’ውን ኵሉ ነገራቱ ጽቡቕ፣ ዋላ እቶም ህዝቢ’ውን ከምኡ። ስለዚ ሓዲሽ ህይወት ክጅምር ዝኽእል ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብፍላይ እቲ ባሕሪ፣ ማእከላይ ባሕሪ እዩ፣ እቲ ኣብኡ ዝራኣኽዎ ሰማያዊ ሕብሪ ብጣዕሚ ፍሉይ እዩ፣ እቲ ጎቦታት’ውን፣ እቲ ኸተማ’ውን ምዕቡል እዩ። እቶም ህዝቢ’ውን ኣይትንክፉኻ ኣይትትንክፎም እዮም። ግን ኣነ እታ ናብራይሲ ኣብታ ቀጽሪ ናይ ዩኒቨርስቲ እያ። እቲ ኣብኡ ዝርከብ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። ኣነ እቲ ናተይ ዓውደ-ትምህርቲ ዘይኮነ፣ እቲ ካልእ ንኣብነት ሙዚቃ ክልተ ሰሚስተር ተማሂረ፣ መዓልታዊ’ውን ክላሲካል ሙዚቃ የስምዑኻን ይምህሩኻን፣ ኣብ መንጎ’ቶም ፕሮፌሰራት ክትዓት ዝግበር ኣሎ። ኣብታ ካምፓስ ዝግበራ ኩለን እየን ዝዓጅባኒ ነይረን። ኣብቲ ከተማ ግን ፊልም ክርኢ’የ ዝኸይድ። ብሕሱር ስለዝዀነ ኣብ ሰሙን ዳርጋ ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ይርኢ ነይረ። ነቲ ናይ በዓል እንግሊዝ ወዲአስ ዋላ ናይ ራሻ፣ ፈረንሳይ ክርኢ ክኢለ። እዚታት እዩ ዘሐጕሰኒ ነይሩ። እቲ ተፈጥሮ’ውን የሕጕሰኒ።

እቲ ሰማያዊማእከላይ ባሕሪ፥ ኣብ ግዜ ዲኻ ኣስተባሂልካሉምስ ኣብ ድኳን ትበርህ ዘሎ ጉዕላይ ገለ ዘመሳስል ተመኵሮ ይህልወካ

ዳርጋ ጉዕላይሲ ብናተይ ዓይኒ ገይረ’የ ጽሒፈዮ። ኣብቲ መጀመርያ ዓመት፣ ብዙሕ ናይ ግሪኽ ኣይተማሃርኩን። ድሕሪኡ ግን ብዙሕ ተማሂረን ኣንቢበን። ግሪኽ ከም ዓደይ ክወስዶ ጀሚረ። እቲ ናይ ጥንቲ ግሪኽ ማለተይ እየ። ብጣዕሚ እዚ ዘይበሃል ፍቕሪ ምስ ግሪኽ ሒዙኒ። እቲ ስልጣኔ፣ ፍልጠት፣ ፍልስፍና፣ እቶም ኣማልኽቲ ዝነበሩ ከይተረፈ ዳርጋ ከምልኾም ክኢለ። ኩሉ ነገሮም እዩ መሲጥኒ። ኣብቲ ማእከላይ ባሕሪ ኰይነ ክርእዮ ከለኹ፣ እታ በይሩት ፈኒሽያ እያ፣ ቅድሚ ግሪኽ ዝነበሩ እዮም። ኣነ ፈኒሳዊ ኰይነ፣ ናብ ግሪኽ ዝጥምት ዘለኹ ኰይኑ ይስማዓኒ። እቲ ናይ ግሪኽ ስልጣነ ዝዓበየ እዩ። ኣብቲ በይሩት ኰይነ ናብ ግሪኽ ጥራይ ይጥምት ነይረ። ደሓር’ውን ካልእ ምስጢር ከምጽእ እዩ ንጉዕላይ። ኣነ’ኮ ካብ ምዕራባዊ ስልጣነ እየ ናብ ሃገረይ ዝመጽእ ዘለኹ ሕጂ። እምበር ኣብኡ ጥራይ እየ ኣገልጊለ፣ ኩሉ ሓሳበይ ብናይ ምዕራባውያን እዩ ዝግዛእ ነይሩ። ናቶም ስእሊ፣ ሙዚቃ፣ ጽሑፋት ጥራይ’የ ዳርጋ ዘምልኽ ነይረ። ደሓር እየ ልክዕ ከምቲ እታ ዛርቲ ንጉዕላይ ትብሎ፣ ‘ናትካ ደኣ ድለ ትብሎ፣ ዳርጋ ከምኡ ተባሂለ እየ። ሕጂ’የ ናብ ቋንቋይ፧ ክኣቱ ክኢለ። ብጣዕሚ’የ ዘምልኾም ነይረ። እቲ ናይ ጥንቲ ስልጣነ ይራኣየኒ፣ እቶም ኣማልኽቲ፣ እዚ ኹሉ ድማ ንበይነይ እየ። ዘካፍሎ ወዲ ዓደይ፣ ኣብኡ ኣለዉ ብዙሓት እዮም ግን፡ ምስ ሓደ ሰብ ከምኡ ኢለ ክዛረብ ኣይክእልን እየ። እንተ’ልዒልካሎም ተጸሊሉ ጥራይ እዮም ክብሉኻ። ንበይነይ እየ ዝሕዞ ነይረ።

 

___________________________________________________________________________________

ኢሳያስ በየነ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲቪል ሰራሕተኛታት (CPA) ካብ 2004 ክሳዕ 2006፡ ድሕሪኡ ክሳዕ 2007 ክሳብ 2015 ካብታ ሃገር ክሳብ ዝወጽእ ድማ  ኣብ ማእከል ትካውላዊ ብቕዓት ኤርትራ (ምትብኤ) እምባትካላ ይሰርሕ ነይሩ። ጸሓፊ issaiasbe@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

 

 

Print Friendly, PDF & Email