ይርጋኣለም ፍስሃ*
“ነቶም ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ኣስካሕካሒ ህይወት ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝዝክር፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ንስለ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ደው ምባሎምን፡ ንስለ ዝኣምንሉ መትከል ሕጂ’ውን ዝኸፍልዎ ዘለዉ ዋጋን ደጊምካ-ደጋጊምካ ክብሪ ንምሃብ ዝዓለመ ወፍሪ ምጽሓፍ ደብዳበታት፡ ግጥሚታት፡ ዓንቀጻት ወዘተ ከነካይድ ኢና” ዝብል ትሕዝቶ ቀዳማይ ሕጥበ-ጽሑፉ ገይሩ፣ ንኣበርክቶ ኵሎም ኣባላት ዝዕድም፡ ካብ ፐን ኤርትራ ዝተላእከ ኢ-መይል ነቢበ ምስ ወዳእኩ፡ እንታይ ክሕውስ ከም ዝኽእል ዝጀመረኒ ሓሳብ ቀልጢፉ ኣይለቐቐንን።
ጕዳይና፡ ካብቶም ‘ክስምዓካ ደኣ’ምበር ክትብለሉን ክትጽሕፈሉን ኣጸጋሚ’ዩ’ ዝብሃለሎም ተረኽቦታት ህይወት’ዩ’ሞ፡ እልፊ ክብሎ ዝኽእል እናሃለወኒ፡ ወላ ሓንቲ ክብል ብዘይምኽኣለይ… ሓሳበይ ከየሰኻዕኩ ወርሒ ሓሊፉ። መስከረም ክትኣቱ ተቓሪባ… ብዛዕባ እቶም ዓመት ምሉእ ዘይርስዑ ዜጋታት ኣብታ ንዝኽሮም ዝተወፈየት ወርሒ ገለ ምባል ግድን ኮይኑ፡ ግን ከኣ ዘይቀሊል…
22 ዓመታት ድሕሪት ተመሊሰ፡ እቶም ብኣካል ዝፈልጦምን ዘይፈልጦምን፡ ብቕርበትን ብማዕዶን ዝተላለኽዎም፣ ዝኽሮም ዘለንን ዘይብለይን፡ ግን ከኣ ብሞያኦም፡ ብድሃይ ብርዖም፡ በቲ ዝኸፈልዎን ዝኸፍልዎ ዘለዉን ዋጋ… ዝያዳ ካልኦት ከም ዝብጽሑኒ ዝስምዓኒ፡ ዛንታይ ክጸዊ እንከለኹ፡ ኣስማቶምን ኵነታት ሃለዋቶምን ከይጠቐስኩ ምሕላፍ ዘይክኣለኒ… ክልቲኦም ዳዊት፡ ስዩም፡ ጀሽዋ፡ ዮሱፍ፡ ኤማ፡ ማቹ፡ ስዒድ፡ መዳ፡ ክርቢት…. በቲ ቅድሚ 22 ዓመታት ዝነበሮም ምስሊ ኣብ ስእሊ ኣእምሮይ ይርኣዩኒ።
ቅድሚ 2 ዓመታት ከምዚ ሕጂ “ክሳብ ሕጂ ኣብኡ’ለዉ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ’ለና” ኢለ ጽሒፈ ነይረ። ክልተ ዓመታት ሓሊፎም፣ ካብኡ ዝተፈልየ ክጽሕፍ ኣይክእልን’የ። ሓድሽ ዝብሃል ነገር የለን። “ክሳብ ሕጂ ኣብኡ’ለዉ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ’ለና!”
እቲ ዝብሎ መለሳ እንተ ረኸብኩሉ መተዓልልቲ ደልየ። ሰሊጡኒ።
“ብዛዕባ’ዞም ተጨውዮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ጽሓፍትን ክትሓስብ ከለኻ ቀዲሙ ናብ ዝኽርኻ ዝመጽእ መን’ዩ፧” ሓቲተ።
“መጀመርያ ዝዝከረኒ፧” ተመሊሱ ሓቲቱኒ፣ ናይ ፈለማ 90ታት ተማሃራይ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ነበር ተመስገን ርእሶም።
“እወ፣ ኣብ ዝኾነ ንሳቶም ዝዝከርሉ ኣጋጣሚ ቀዲሙ ዝሰኣለካ” ሕቶይ ኣነጺረ።
“መዳ-መድሃኔ ሃይለ”
“ካብ ባህርያት መዳ ዘይትርስዖ ወይ ዝልለየሉኸ፧”
“ብመዳ ክሓስብ ከለኹ ፍሽኽታኡን እታ ወርቂ ስኑን ቀዲሙ ይቕረጸኒ። ድሓር ጸወታ ቴንስ…”
“ምቅርራብኩም ከመይ’ዩ ነይሩ፧”
“ምስ መዳ፣ ድሕሪ 2ይ ዓመት፣ ናይ ሓደ ዓመት ኣገልግሎት ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወዲኡ ምስ ተመልሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ኢና ተራኺብና። ክልቴና ምስ ብዙሓት ካልኦት ኣዕሩኽናን መማህርትናን ተማሃሮ ሕጊ ኢና ነይርና። ድሕሪኡ ኣብ ትምህርትን ምዝንጋዕን ወትሩ ንራኸብ ነይርና። ‘ቴብል ቴንስ’ እውን ንጻወት ነይርና”
“ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ማለት ድዩ፧”
“እወ። ንጻወት ክብል ከለኹ ግን፣ ብዝተመጣጠነ ዓቕሚ ማለት ኣይነበረን። መዳ፣ ኤርትራ ሃገር ቅድሚ ምዃና፣ ናይ ኤርትራ ሻምፕዮን ኰይኑ፣ ክሳብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ዝጻወት ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ’ዩ። ንሕና ንምዝንጋዕ ኢና ንጻወት። ንመገምገሚ ዓቕምና ኢልና ምስኡ ምግጣም ንደሊ ነይርና። ንጻወት ግና ኣይንስዕሮን። ንሕና ናይ ዘለና ንጻወት ንሱ ከኣ በቲ ወጥርና ይዛነ። መዳ፣ ኩሉ ዝፈልጦ ሰብ ክዝክሮ ዝኽእል ፍልይ ዝበለ ናይ ኣሰጓጉማ ልምዲ ነይርዎ። ከምዚ ምንጣር ዝተሓወሶ ዝመስል ኣካይዳ። ነዊሕ ኢዱ ናይ ላዕሊ እንተ ለቢሱ፣ እጅገኡ ከይሰብሰበ ርእየዮ ኣይፈልጥን። እቲ ተማሃራይ መዳ’ዩ ኣብ ሓሳበይ ዘሎ”
“ብካልኣይ ደረጃ ናብ ዝኽርኻ ዝመጽእከ መን ይኸውን፧”
“ሓደ ጥቐስ ምስ በልክኒ’የ መዳ ጠቒሰ’ምበር፣ ምስ ኤማ ነጻጺለ ኣኮንኩን ዝዝክሮም። ምናልባት ኣብቲ ንምዝካሮም ምኽንያት ዝኾነ ኣጋጣሚ ደኣ ይምርኮስ’ምበር፣ ቀዲመ ኣማኑኤል ዝዝክረሉ ግዜ’ውን ይህሉ’ዩ። ስለዚ ናይ ሕቶኺ መልሲ ኤማ ኢዩ።”
“ብዛዕባ ኣማኑኤል ቀዲሙ ናብ ሓሳብካ ዝመጽእ ዝኽሪ….፧”
“ኤማ ብሩኽ’ዩ። ሓላል፣ ጥዑም ትብልዮ ሰብ ምሽ ኣለኪ… ኣማኑኤል ከምኡ’ዩ። እቲ ተኻፋሊ ባህሪኡ ቀዲሙ ይዝከረኒ። ሓንቲ ሽጋራ እናተቐባበልና ንስሕብ ነይርና። እቲ ህይወት ወትሩ’ዩ ናብ ዝኽረይ ዝመላለሰኒ”
“ይዝከረኒ፣ ኤማ’ውን ወርቂ ስኒ ኣላቶ።” ዝኽረይ ሓዊሰ።
“እወ ሓቅኺ… ኣላቶ! ኣሳእሎም ክርኢ ከለኹ ምስ ፍሽኽታታቶም ኣተኣሳሲረ ክልቲኦም ወርቂ ስኒ ከም ዝነበሮም… ይዝከረኒ።”
“ኣበይ ኢኹም ትፋለጡ፧”
“ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ። ከምቲ ቐዲሙ ዝተጠቕሰ፣ ኣነ ተማሃራይ ሕጊ’የ ነይረ። ኤማ ከኣ ተማሃራይ ዕቃበ ማይን ሓመድን። ይኹን ግን ካብ ቀዳማይ ዓመት ጀሚርና ጽቡቕ ምቅርራብ ነይሩና፣ ኣብቲ ቀጽሪ ይኹን ኣብ ከተማ ናይ ሓባር ግዜ ነሕልፍ ነይርና”
“ምስቲ ክንዓቢ ከለና ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ማለት ዘየትክኽን ዘይሰትን ምዃኑ ዝንገረና ዝነበረን ብእኡ ዝቐረጽናዮ ስእሊን ምስምማዕ ኣብዩኒ’ሎ። ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተትክኹ ነይርኩም ማለት ድዩ፧”
“ካብቲ ዝጠቐስክዮ ‘ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ኣየትክኽ ኣይሰቲ’ ዝብል ስእሊ ዝወጹ ተመሃሮ የለዉን ኣይነበሩን ክበሃል ኣይክኣልን። እንተኾነ፣ ንሕና ካልእ ምኽንያት ነይሩና። ወዲ ኣስራት፣ ኣነን ካልኦት ብዙሓትን ካብ ሰራዊት ዝመጻእና ተመሃሮ ኢና ነይርና። ብሰንኪዚ ብዙሕ ዘይናይ ተማሃራይ ወይ’ውን ናይ ወተሃደር ጠባያት ይንጸባረቕ ነይሩ’ዩ – ሽዑ።”
“ስለዚ ምስ ወዲ ኣስራት ካብ ሰራዊት ጀሚሩ ድዩ ሌላኹም፧”
“ኣይኰነን። ኣነ ካብቶም መጀመርያ ናጽነት “ኤርትራ ሓራ ወጺኣ” ኢሎም ካብ ኢትዮጵያ ብኣውቶቡሳት ተተጻዒኖም ዝመጹ መንእሰያት ኰይነ፣ ትምህርትና ክንቅጽል እናተጸበና ኢና ናብ ሰራዊት ተሰዲድና። ኣማኑኤል ተጋዳላይ’ዩ። ድሒርና ትምህርትና ክንቅጽል ምስ ተፈቕደልና ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኢና ተላሊና። ትዝክርዮ እንተ ዀይንኪ ኣብቲ ኣብ 90ታት ኣብ ሲነማ ካፒቶል ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ሕቶታት ዝቕበለሉን ዝምልሰሉን ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ 1996 ብዛዕባ ሕጊ በዳህቲ ሕቶታት ዘቕረበ’ሞ፣ ኢሰያስ ብባጫ ዝመለሰሉ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሓደጋ ህይወቱ ዝሰኣነ ዳኒኤል ተስፋይ ዓርክና’ዩ ነይሩ። ሰለስቲና ገለ እዋን ከኣ ምስ ካልኦት ኣዕሩዅና ብሓባር ናይ ምምሳይ ልምዲ ነይሩና።”
ዳኒኤል ተስፋይ ዘኪረዮ’ለኹ። እቲ ሕቶን መልሲን’ውን ኣብ ዩቱብ ርእየዮ’ለኹ። ዕላለይ ኣመንጕየ ዩቱብ ኣብ ምፍታሽ ኣትየ። “Isayas public seminar 1996 p – 2” ረኺበያ። መንእሰይ ወዲ 20ታት ዳኒኤል ተስፋይ፡ ኣብ ዓውዲ ሕጊ ዘኻዕበቶ ፍልጠትን ኣብ ሃገሩ ዝስርሓሉ ዝነበረ ኣካይዳን ሓደ ኰይኑ ከም ዘይረኸቦ፡ ነጥብታት ዘርዚሩ እናተጫበጠ ኣብ ማእከል ኣኼባኛታት ደዉ ኢሉ ኣብ ፊት ‘መራሒ መንግስቲ’ ይርአ። ብዛዕባ ዳኒኤል’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ከም ዘድሊ ተሰሚዑኒ።
“እዚ ሕቶታት ካብ ዘቕረበሉ ዕለት ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ’ዩ፡ ብሓደጋ መኪና ሞይቱ ተባሂሉ” ኢሉ፡ ቅድሚ ኣስታት 27 ዓመታት ዓርኩ ዝሰኣነ ተመስገን ርእሶም።
ኤርትራ፣ ናብዚ ወዲቓትሉ ዘላ ዓዘቕቲ ሕሰምን ድሕረትን ንኽትሽመም ዝመጽኣቶ ጕዕዞ… ኣብ ዛንታት’ዞም መንእሰያት 90ታታት ተሰፍዩ ይርአ። እዞም ኣዕሩኽን መማህርትን መንእሰያት ፈለማ ናጻነት፡ እቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘልዓሎ ዕጫ ዝውክሉ’ዮም። ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት…
ሓደ እዋን ኣብ ህይወቶም፡ ኣብ ቀጽሪ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ውዒሎም፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይ ሓደ ቤት ንባብ ኣጽኒዖም፣ ኣብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ የማስዩ ነይሮም። ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት ግን እዚ ኰይኑ….
….ዳንኤል ግልጺ ብዘይኰነ ኣጋጣሚ ህይወቱ ስኢኑ። ኣማኑኤልን መድሃኔን ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተጨውዮም፡ ተመስገን ተሰዲዱ። መንእሰያታ ብኸምዚ ዘጥፍአት ኤርትራ፡ ደቃ ብኸምዚ ዝሰኣነት ስድራ… ኣብ ቅድሚ ዓይነይን ኣብ ቅድሚ ዓለምን ተሰጢሐን ኣለዋ።
ዕላለይ ንምጥቕላል ሕቶይ ቀጺለ።
“ዕድል ገይሮም መድሃኔን ኣማኑኤልን ብህይወት እንተ ሃልዮም፣ ከመይ ዝህልዉ ይመስለካ፧ መልስኻ ነዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕብኦም ዝወጽእ ሓበሬታ ዘይተጸልወ ክኸውን ምደለኹ….”
“መዳ ህልኸኛ’ዩ። ስኑ ዝነክስ ነብሱ ዝሕግዝ ይመስለኒ። ኤማ ለዋህን ተተንካፍን’ዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ ዝያዳ ዝጉዳእ ኰይኑ ይስምዓኒ። ብሓፈሻ ግን 22 ዓመታት ካብ ኩሉ ሰብኣዊ ንጥፈታትን መሰላትን ዝተጨውየ ሰብ፣ ከመይ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግማት ፍጹም ከቢድ’ዩ። ይትረፍ ክነብርዎ፣ ንኽንዝክሮም’ኳ ክሳብ ክንደይ ንጉዳእ ኣለና….”
ዕላል ኣቋሪጽና፡ ሓሳብን ምስትንታንን ግን ቀጺልና…።
________________________________________________________________________________________________________________
ይርጋኣለም ፍስሃ፤ በዅሪ ተዓዋቲት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2019፥ ተሸላሚት ናጻን ተባዕን ጋዜጤኛ – ሽልማት MMY 2022፥ ኣብ 2019፡ ሓንቲ ካብ 5 ለወጥቲ ደቂ ኣንስትዮ ጸሓፍቲ ተባሂላ ብፐን ኢንተርናሽናል ዝተሰየመት፡ ርቚሕቲ ሽልማት Disturbing The Peace Award 2020 ከምኡ ውን ተሸላሚት Georg Elser prize 2023 ዝዀነት፤ ገጣሚት፥ ጸሓፊትን ጋዜጤኛን እያ። ዛጊት ኣለኹ፥ ዘይበረየ ጐድነይ ከምኡ’ውን Ich bin am Leben ዝብላ መጻሕፍቲ ዘሕተመት፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዌብሳይታትን ማሕበራዊ መራኸቢ ታትን ከኣ ብቐጻሊ ጽሑፋታ ተካፍል። ymebfisseha@gmail.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካባ ይከኣል።