WIR MACHEN DAS (ሓርፋፍ ትርጕም-‘ኢሂናይ ደኣ ዘይንገብሮ! / ንገብሮን ፈረቓን’ምበር!’ )፡ ኣብ 2015 ካብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት፤ ባህሊ፣ ሳይንስ፣ ስነጥበብ፣ ጋዘጠኛነትን፣ ካልእን፤ ብዕላማ ዝተጠምራ 100 ደቂ-ኣንስትዮ ዝመስረታኦ ሓልዮታዊ ትካል እዩ። ንብዙሕነት ከም ጸጋ ቈጺሩ ድማ ኣብ ስነጥበብ፥ ባህሊ፥ ወዘተ. ኣተኲሩ ይዓዪ። ናይ ስደትን ቅልውላውን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም መጻእተኛታት ጸሓፍቲ፡(ብፍሉይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ) ዝበቅዕ ደገፍ ረኺቦም ኣብ ምምእዛን ሕብረተሰብን፡ ምቕናዕ ዝምቡዕ ትርኽትን እጃሞም ከበርክቱ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ይቃለስ።
weiterschreiben.jetzt ካብ ቋንቋ ጀርመን ናብ ትግርኛ እንክትርጐም፤ ከየባተኽኪ/ካ ጸሓፊ/ፍ ዘስምዕ መልእኽቲ ይህብ። ንኡስ ፕሮጀክት ናይ WIR MACHEN DAS ኰይኑ፥ ከየባተኹ ዝጽሕፉ ደረስቲ ዘይተባተኸ ተሰማዕነት ምእንቲ ክህልዎም፡ ምስ ስደተኛታትን ደቂ-ዓዲን ናይ ሞያ መዘናታቶም ተመኵሮታት ዝለዋወጥሉ ጥበባዊ መድረኽ ይሃንጽ። ምልውዋጥ ተመኵሮ ብደብዳበ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ንጥፈታት ናይዚ ፕሮጀክት እዩ። በላሩሳዊት ደራሲት ሳቢና ብሪሎን – Sabina Brilo ኤርትራዊት ደራሲት ይርጋኣለም ፍስሃን – Yirgalem Fisseha ብመንገዲ ኣርባዕተ ደብዳበታት ኣቢለን፡ ኣብ ዝተቐባበላኦ ሓሳባት፡ ዝተመላለሳኦ ሕቶታት፡ ተመሳሳልነት ዝፈጠረለን ሓቅታት፡ ቀስቃሲ ናፍቖተንን፡ ናብ ዓደን ዘቋምት ህንቁው ተስፋታተንን ዝሓቘፈ ትግርኛዊ ትሕዝቶ ኣብ ኣርባዕተ ሕታማት ክቐርብ እዩ። (ብቛንቋ ጀርመን ንዝመርጽ ነባቢ ነዚ ኣብዚ መእተዊ ዘሎ ጥብቆታት ብምጥዋቕ ናብ ምንጪ ጽሑፍ ምብጻሕ ይከኣል) ካብ ሳቢና ናብ ይርጋኣለም ዝተጻሕፈት ቀዳመይቲ ደብዳበ ከምዚ ዝስዕብ ትንበብ። (ትርጕም፡ ካብ ጀርመን ናብ ትግርኛ ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ናብ ጀርመን ሚራስ ፍጹም፤ image:© Mohammed Saleh)
————————————————————–
ሓምለ 18, 2022
ሰላም ንዓኺ ፍትውቲ ይርጋኣለም፤
ብልክዕ ሌላ ስለ ዘይብልና እዚ ደብዳበ ከመይ ከጅምሮ ከም ዘለኒ ጠፊኡኒ። ነገር ግን፡ ዜጋታት ሃገረይ በላሩስ – Belarus ናብ ዘይፈልጡዎም ሰባት ደብዳበታት ምጽሓፍ ካብ ዝጅምሩ ኣስታት ክልተ ዓመታት ገይሮም ኣለዉ። ተቐበልቲ ናይ’ቶም ደብዳበታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ፤ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ንጹሃት ናይ ፖለቲካ እሱራት እዮም። እቶም ዘይተሓየሩ ናብ’ቶም ዝተሓረዩ፤ ሰብኡትን ኣንስትን፣ ዓበይትን መንእሰያትን፣ ሸቃሎን ምሁራትን ይጽሕፉ። ብሰንኪ ምምያ (ምናልባት’ውን ብሰንኪ ካልእ ምኽንያት) ዝተሰደዱ ደብዳበታት ገለኦም ናብ ተቐበልቲ ኣይበጽሑን።
ነሓሰ 2020፡ ኣብ በላሩስ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝተጀመረሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣስታት 28 ዓመታት ኣብ ሃገረይ ዝገዝእ ዘሎ ሉካሸንኮ – Lukashenko፡ ዘለዎም ተቓውሞ ኽገልጹ ናብ ጐደናታት ወሓዙ። ኣንጻር እቲ ሽዑ ንመበል 17 ግዜ ናይ ሓሶት ምርጫ የካይድ ዝነበረ መራሒ ሃገር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ፍጹም ሰላማዊ’ዩ ነይሩ። በላሩስያውያን፡ ሰሌዳዊ ምልክታት ተቓውሞኦም ንኸርእዩ ኣብ ህዝባውያን መናፈሲ ቦታታት ዝርከቡ መናብራት ቅድሚ ምድያቦም፡ ኣሳእኖም የውጽኡ ምንባራሮም ነዚ ዓቢ ምስክር’ዩ። ይዅን እምበር፡ ምላሽ መንግስቲ ንሰላማዊ ተቓውሞ ጎነጽ ነበረ። ቀጥቂጦሞም ፡ ኣዋሪዶሞም ፡ ናብ ጸበብትን ዝተጨቓጨቑ ሸላታት ድማ ደርብዮሞም።
እቶም ብ2020 ምስ ሉካሸንኮ ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ዝደፈሩ ሰባት፡ ን14ን 18ን ዓመታት ክእሰሩ ተፈርዶም። ካብቶም ብዙሓት ደገፍቶም፡ ከባቢ 1500 ብፖለቲካዊ ምኽንያት ከም ዝተኣሰሩ ይንገር፡ እቲ ልክዕ ኣሃዝ ግን ኪንዮኡ ምዃኑ ይግመት። 31 ጋዜጠኛታት’ውን ግዳይ እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ኰይኖም እዮም። ስርሖም ስለ ዝሰርሑ ጥራይ ብዘሰንብዱ ገበናት ጥሩፍነትን ክሕደትን ተኸሲሶም። ምስቶም ቪድዮታት ብምቕዳሖም፡ ሰነዳዊ ፊልምታት ብምፍናዎም፡ ጽሑፋት ብምዝርጋሖም፡ ካልኦት ሰባት ድምጾም ንኸስምዑ ብምፍቃዶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ስነ-ጥበባውያን ደረስትን ፍላስፋታትን እውን ተኣሲሮም እዮም።
ነዛ ደብዳበ ብዘሕዝኑ ኣርእስትታት ስለ ዝጀመርክዋ ይቕረታ ግበርለይ። ይዅን እምበር፡ ከምኡ ገይረ ጥራይ እየ፡ ኣነ’ውን ከማኺ ኣብ ሃገረይ ክነብር ከም ዘይክእልን ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ እንታይ ምዃኑን ክገልጸልኪ ዝኽእል። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብ14 ሓምለ 2021፡ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ብዓል ቤተይ-ኣንድረይ (Andrei)፡ ኣብ ቦታ ስራሑ ኰይኑ ደዊሉለይ። “ኣገደስቲ ነገራትን ላፕቶፕክን ሒዝኪ ካብ ገዛ ንኽትወጺ፡ 15 ደቒቕ ኣሎኪ!’’ ኣብታ ንግሆ እቲኣ፡ ፍሉያት ሓይልታት ንሓደ ጕጅለ በላሩስያውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ነበሩ። “ናይ ምጽራይ መስርሕ’’ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሽዑ’ዩ ብወግዒ ተጀሚሩ። መራሒ ሃገር፡ መንግስቲ ነቲ መንሽሮ ዘስዕብ ጥረ ክትቆርጾ ምዃና ምስ ገለጸ፡ መላእ ህዝቢ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ግዜ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምድቋስ ኣየቋረጸን። ዘይመንግስታውያን ትካላት ተዓጽየን (ኣነ፡ ኣባል ማሕበር በላሩስያውያን ጋዜጠኛታትን ኣባል ማሕበር በላሩስያውያን ደረስትን’የ ነይረ፡ ክልቲአን ድማ ብመንግስቲ ተዓጽየን)። ብዙሓት መምህራን ዩኒቨርሲቲ ተሰጕጎም (ገለኦም እውን ተኣሲሮም)። ሕጋዊ ፍቓድ ብዙሓት ንናይ ፖለቲካ እሱራት ዝጣበቑ ጠበቓታት ተመንዚዑ። ኣብ ልዕለኡ፡ ገለኦም’ውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም…። ኣብ ሃገረይ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ብሓደ ገጽ ክትገልጾ ኣጸጋሚ’ዩ። ንጨኳኒ፡ ስልጣን ሓይሊ ዝህብ ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ’ሎ።
ጠንቂ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ቤተይ ዘይምንባረይ ከምዚ ይመስል። በዓል ቤተይን ኣነን ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ቪልኒዩስ (Vilnius) ርእሲ ከተማ ሊቱወይንያ (Lithuania) ንቕመጥ ኣለና። ካብዚ ናብ ርእሲ ከተማ ሃገርና ናይ 180 ኪ.ሜ. ርሕቀት ጥራይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ዘለናላ ሃገር ደሞክራሲ ካብ ዘስተማቕር ድሮ 30 ዓመታት ገይሩ’ሎ። ሓደ-ሓደ እዋን ስምዒታትና ክንገልጽ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጓነፈና ድማ ከነዘንቱ ከለና ኣመና ይኸብደና። ስድራይ ዘሕለፍዎ መዓልታዊ ዘርዕድ ምዅሕኳሕ-ማዕጾን እልቢ ዘይብሉ ፍተሻን መርመራን፡ እቲ ኣብ ናጻን ሕጋውን ዓዲ ዝነብር ሰብ፡ ሽሕ ግዜ መስተውዓልን ለባምን ይኹን፡ ነዚ ከመይ ገይሩ ክስእሎ ይኽእል፧
ብዛዕባኽን ሃገርክን ኣንቢበ፡ ኣብ ዩትዩብ’ውን ገለ ቪድዮታት ርእየ። ቃና ናይ’ታ ኤርትራ ትብል ስም ምስ ዝሰምዕ ብጽባቐኣ ይድነቕ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስም ዝሓዘት ሃገር፡ ንዘልኣለም ዘይኣርጉ ጽቡቓት፡ ዳርጋ ደቂ ሕድርትና ኰይኖም ዝስምዑኻ፡ መንእሰያት ጥራይ እዮም ክነብሩ ዝኽእሉ ድማ ይብል።
እንተኾነ ግን ኤርትራ ኣብ ጕዳይ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሕትመትን ምስ ሰሜን ኮርያ እትስራዕ ምዃና’ውን እፈልጥ’የ። እዚ ንዜጋታት እታ ሃገር እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ኣይጠፍኣንን። ብደገፍ ጉግልማፕስ (Google Maps) ናብ ኤርትራ ገይሸ፡ ናብ ደናድሳን ርእሲ ከተማኣን ድማ በጺሐ። ሓደ ሩስያዊ ብዛዕባ መገሻኡ ናብ ኣስመራ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝጸሓፎ ጽሑፍ (Reisebericht) ኣንቢበ። ናይ 2011 ስእልታት ምስ ርኣኹ ንስኺ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምንባርኪ ኣዘኻኺሩኒ… ልክዕ ከማኺ ብዙሓት ደቂ ዓደይ ካብ’ዚ ሕማቕ ዕድል ከምልጡ ኣይከኣሉን። ንዅላትና መን ከድሕነና ከም ዝኽእል ወትሩ የተሓሳስበኒ። እቲ ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር ፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ስልጣን ኣብዛ ዓለምና ኣበይ ኮን ይርከብ፧ መልሲ ዘይርከበላ ሕቶ’ያ እዚኣ።
ኣብዛ ሕጂ እዋን ኣብ ጓና ዝዀነኒ ገዛ እቕመጥ ኣለኹ። ኵሉ ንብረተይ፤ ማለት፡ መጻሕፍቲ፣ ክዳውንቲ፣ ጫማታት፣ ኣልበማት ስእሊ፣ መዛግብተይ፣ ኣብ ቤተይ ገዲፈዮ መጺአ። ኣብ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ሰባት ኣትዮም ድላዮም ክገብሩዎ ዝኽእሉሉ ቤተይ ገዲፈዮ። ኣብ መንጎ እቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ንብረተይ ክልተ ሽልሕ ዝበሉ ኣነ “ፈለስቲ’’ ኢለ ዝጽውዖም ኣእማን ነሮምኒ። ናብ ባሕሪ ገይሸ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝረኸብክዎም እዮም። ባዕለይ ሓይልን ፍሉይ ትርጕምን ሂበዮም። ብተኣምራዊ መገዲ ነታ ባዶ ቤተይ ካብ እከይ ክሕልውዋ ዝኽእሉ ኮይኑ እስመዓኒ። እንታይ እስከ፡ ንቤተይ ኣዝየ’የ ዝናፍቓ። ናብኣ ክምለስ ድማ ብዙሕ ይህንጠ። ክኸይድ እንተ ዝኽእል ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መጽረኹዋ። ሓቂ ዘረባ ገዛ ምውግጋን ብዙሕ ይፈቱ ኣይነበርኩን፡ እንተ ሕጂ ግን ኣብታ ዝተሰጐጕኩላ ቤተይ፡ ናይ በይነይ ዓለምን ስርዓትን ክፈጥር ምደለኹ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብዙሓት ፈተውተይን መሳርሕተይን ካብ በላሩስ ክወጽኡ ከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ንዘይምውጻእ ዝወሰኑ ነይሮም። ወለደይ ካብቶም ዝጸንሑ እዮም። (እታ ናይ ቀደም ጥበበኛ ድሙና ሕጂ ምስኦም ትነብር ኣላ)። እንዳ-ሓሞይ’ውን ናብ ስደት ኣየምረሑን። ብጣዕሚ’የ ዝናፍቖም። ነቲ ብእግርና እንጐዓዘሉ ዝነበርና ፈለግ እናፍቖ። ነታ ኣስቤዛ ንገዝኣላ ዝነበርና ድኳን እናፍቓ። ነታ ናብቲ ድኳን እትመርሕ መንገዲ እናፍቓ። እቶም ወደይ ብንእሽቶኡ ዝጻወተሎም ዝነበረ፡ እቶም ካራሜላን መጻወቲታትን ዝገዝኣሎም ዝነበረ ቦታታት’ውን እምብዛ እናፍቖም። ልበይ ከይጉዳእ ግን ብዙሕ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ናፍቖት ንኸይትሓስብ ንነብሰይ ይግድዳ። ህይወት ክትቅጽል ስለ ዘለዋ።
ፍትውቲ ይርጋኣለም፡ ክትምልስለይ ከለኺ፡ እንታይ ከም እትናፍቒ፡ ብዛዕባ እቲ ውሽጥኺ ዝጸምኦ እባ ንገርኒ። እንታይከ ይመስለኪ፡ ናብ ዓድኺ ትምለሲ ዶ ትኾኒ፧ ሃገርኪ ትጽበየኪ ዶ’ላ፧ ፈተውቲ፡ ቀረብቲ፡ ኮታ ንዓኺ ዝጽበዩ ሰባት’ዶ ሓዚላ ትህሉ፧ ከም ናትክን ናተይን ዛንታታት፡ ኣብዛ ምዕብልቲ ዓለም ከመይ ገይሮም ክዉን ክዀኑ ይኽእሉ ኢልኪ ትሓስቢ ዶ፧ ብዛዕባኡ’ውን ጽሓፍለይ። መቸም መንግስቲ ንዜጋታት እታ ዘመሓድራ ሃገር፡ ኣብ ክንዲ ውሕስነትን ምኽባርን መሰልን ምሃብን፡ ንዝሰኣንዎ መሰላት ክደልዩ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ከገድዶም ከሎ ብፍጹም ምልክት ምዕባለ ክንብሎ ኣይንኽእልን። ከምቲ እንርእዮ ዘለና ድማ ብሰንኪ ጂኦግራፍ እውን ኣይኰነን። በላሩስ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ፡ ምስ ፖላንድ ፡ ሊትወይንያ፡ ላትቭያ ፡ ዩክረይንን ሩስያን እትዳወብ ሃገር’ያ። ምስ ሩስያ ዘለና ዶብ ነቲ ናይ ሃገረይ ፖለቲካ ብብዙሕ መዳያት ይጸልዎ’ዩ። እዚ ግን ንናይ ካልእ ግዜ ዕላል ይዅነልና። ደብዳበይ ኣብዚኣ ወዲአ-መልስኺ ክጽበ’የ።
እሓቑፈኪ!
ሳብሪና ብሪሎ – Sabina Brilo