ኣብራር ዑስማን፡ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2022 ብኽብሪ ተቐቢሉ፤ ፐን ኤርትራ ዓመታዊ ጕባኤኡ ዛዚሙ።

No comments

 

ፐን ኤርትራ፡ መቐጸልታ እቲ ብ1 ጥቅምቲ  ዝተጀመረ ናይ ዓመተ 2022 ጒባኤኡ፡ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዘቃንዖ  ካልኣይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

መወዳእታ መዓልቲ ጕባኤ ፐን ኤርትራ 2022፡ ብመረጻ መሪሕነት ጀሚሩ ብወግዒ ምዕዳል ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት  እዩ ተዛዙሙ። ኣብቲ ዕለት፡ ኣባላት ፐን ኤርትራ ብኣካልን ብቐጥታዊ መስመር ኢንተርነትን ኣቢሎም ፈጻሚ ስራሕን ተሓዝ-ገንዘብን መሪጾም።

ዕዉት ሽልማት ፐን ኤርትራ ናይዚ ዓመት ‘ዚ ስነ-ጥበባኛ ኣብራር ዑስማን፡ ነቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ዝተኻየደ መስርሕ ምምራጽ መሪሕነት ብኣካል ተረኺቡ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ ሽልማቱ ተቐቢሉ።

ወግዒ ምዕዳል ሽልማት ብቐጥታ ኣብ ተለቭዥን ኤሪ-ሳትን ኣብ ናይ ፔን ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ፔጅን ተመሓላሊፉ። ዕዉት ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ስነ-ጥበበኛ ኣብራር ዑስማን፡ ኣርማ ፔን ኤርትራ ዝኾነ ሽልማት ካብ ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ብኽብሪ ተቐቢሉ። ሽልማት ናጽነት ምግልጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ ተወሳኺ $1000.00 እውን ዘጠቓልል እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብራር ብፐን ኤርትራ ንዝተዋህቦ ሽልማት ድሕሪ ምምስጋን፡ ከም ፐን ኤርትራ ዝኣመሰለ ንፍትሕን ሓርነትን ዝቘመ ትካል ምርኣዩ ዓቢ ተስፋ ከም ዘስንቖ ገሊጹ።

ድሕሪ ምዕዳል ሽልማት፡ ስነ ጥበበኛ ኣብራር ዑስማን ንናይ ልዕሊ ኣርባዓን ሓሙሽተን ዓመታት ስነ ጥባባዊ ጕዕዞኡን፡ ተመኵሮ ቃልሱ ንፍትሕን ሓርነትን ከምኡ’ውን ንሓፈሻዊ ድሕረ-ባይታኡ ዘካተተ ዕላል ኣካይዱ።
ኣብ መወዳእታ፤ ኣባላት፡ ኣብ ዝተዳለወ ምሸት ስነ ጽሑፍ ስርሓቶም ብምቕራብ ኣብቲ ዝቐረበ ጽሑፋት ድማ ርእይቶታትን ሓሳባትን ብምሃብ ተዛዚሙ።

Print Friendly, PDF & Email